እዚ ብመበቆል ሓደ ህዝቢ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፣ ንፕሮፓጋንዳ ወያኔን ህግደፍን ፎእ!! ኢሉን፣ ምፍልላዩ ገዲፉን፣ ብሓባር ነዞም ክልተ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ እንተ ዘይመኪቱዎም፣ ዘርኡን መንነቱን፣ ሃይማኖቱን፣ ባህሉን ክጠፍእ እዩ። እቲ ዝተረፈ ወለዶ ድማ እናተሳቐየን እናሓፈረን ክነብር እይ።

እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጭፍራ ወያኔ እዩ፣ ህግደፍ ግና ብካልኣይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ርግጽዩ ህግደፍ ካብ ሰልፊ ነጻነት ጀሚሩ ክምስረት ከሎ ከም ምስጢራዊ ትካል ጽዮናውያን ኮይኑ እዩ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመስሪቱ። ወያኔ ድማ ካብ ክልሰ ሓሳብ ሰልፊ ቦልሸቪክስ ተቐዲሑ፣ ግንከኣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመስረተ እዩ። ጭፍራ ወያኔ ግና ከምቲ ጽዮናውያን ዝምዓድዎ፣ ንህዝቢ ንኸታልል ግና፣ ብስም ማርክሰ ለኒንነት (ማለሊት) ኮሚንስት ተመሲሉ ብውዲት ተሰኒዑ ዝተሰርሐ እከይ ሰልፊ እዩ። ኣብ ሓጺር እዋን ግና፣ ወያኔን ህግደፍን ብዝሕፍር ኩነታት ክእለዩ እዮም። ግንከኣ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን፣ እዞም ክናናን ምናናን  ዝገደፉሉ በሰላን ስንብራትን፣ ንምሕዋዩ  ብዙሕ ግዜ ክወስደሉ እዩ።

ስለምንታይ ግና እዚ ኩሉ? ስርዓት ህውሓት ክምስረት ከሎ ስለምንታይ ተመስሪቱ? ንሓደ ንጹር ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮንነት። መንከ መስሪቱዎ?  ኤምኣይ6 ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ። ሓቂ እንትዝነብሮም ጭፍራ ወያኔ፣ ምስቲ ብፍላይ ብህዝቢ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ድማ ብህዝቢ ኢትዮጵያን ዝተባርዔ ኣብዮት፣ ጸኒሑ ግና ብግጅለ መኮንናት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተጨውየ ኣብዮት፣ ኣብ ጎኑ ተሰሪዖም፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ክቃለሱ ነይሩዎም። ንህዝቢ ንምትላል ግና “ንትግራይ ነጻ ከነውጽእ ኢና” ኢሎም፣ ንኸምስሉ ንደበቢት ወፊሮም። 17 ዓመታት ድሕሪ ምቅላስ ግና፣ “ንዓባይ ኢትዮጵያ ኢና ንቃለስ” ኢሎም “መትከሎም” (ብቐደሞም ድኣ መትከል ኣይነበሮምን እምበር) ቀዪሮም። እንታይ እዩ እቲ ዓላማኦም?  ህውሓትን ህግደፍን ክልተገጽ ሓደ ቅርሺ ጥራይ ዘይኮኑስ ክልተ ማንታ እዮም። ዓላምኦምን ተልእኾኦምን ከኣ፣ ብስለላ መርበብ፣ ሲኣይኤ ዝተሓንጸጸ ዓላማ ጽዮናውያን እዩ። ግንከኣ ብሞሳድን፣ ኤምኣይ6ን ዝተመልመሉ፣ ንብረት ጽዮናውያን እዮም።
ምናልባት ንግዜኡ እኳ እቲ ርኹስ መደብ ዕዮኦም፣ ንገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይን ዝተፋላለየ ኮይኑ እንተተራእዮም፣ ብመልክዕ ዝተፋላለየ ኮይኑ ይርአምበር፣ ብትሕዝቶ ግና ሓደ እዩ።

ንመረዳእታ፤

ኢትዮጵያ 13 ክፍለሃገራት ዝነበራ፣ ወያኔ ኣብ ስልጣን ምስ መጹ  ግና ኣብ ዓሌታዊ ዝተሰረተ  ፈላሊኻ ግዛእ ዝዓላማኡ፣ 9 ዞባታት ክልላት ለዊጦመን።

ኣብ ኤርትራ ድማ ካብ ጥንቲ 8 ኣውራጃታት ዝነበራ፣ ኣስማተን ለውጡኣብ 6 ዞባታት ቀዩሩወን። ህግደፍ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን እንዳከደ ሞባእ ካብ ካህናት ይምንጥል።

ወያኔ ድማ ኣብተን ዝዓበያ ገዳማት ኢይዮጵያ፣ ከም ቅዱስ ግዮርጊስ ላሊበላ፣ ሓንቲ ክፍለሰራዊት ዋርድያ ገሩ፣ ነቲ ብቱሪስትን ብገበርቲ ሰናይን ዝተኣከበ ሞባእ ምስቶም ፈለስቲ ይማቐሎ።

ህግደፍ ንነቶም ተቋወምቲ ዝብሃሉ ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን፣ መዓስከር ኣዳልዩሎም፣ ቀለብን ዕጥቅን ድማ ሂቡዎም። ኣድማዒ ቃልሲ ኣንጻር ወያኔ ንኸይገብሩ ግና ኣይፈቕደሎምን እዩ።

ወያኔ ድማ ንኣስታት 25 ዓመታት ዝኣክል፣ ነቶም “ተቓወምቲ ኢና” ዝብሉ ካብ 13 ንላዕሊ ዝቝጽሮም ኤርትራውያን ውድባት፣ ካብቲ ኣብ ስደት ተሰዲዶም ዝነብሩሉ ዝነበሩ ወጻኢ ሃገራት፣ባኣፈርኩቡ መስጸዋዕት ገሩ ንኢትዮጵያ ከምዝስልሙ ገሩ። ነዞም በብዓይነቱ ዓላማ ዘለዎም ውድባት እዚኣቶም፣ “ምሕዝነት”፣  “ኪዳን”፣ “ብሔረ ኩናማ”፣ “ብሄረ ዓፋር”፣ “ብሔረ ጀበርቲ” ወይ “ሰልፊ ኣልናህዳ”  ጋንታ ዕቁብ ሳግም፣ ከምኡውን ብስሙር ውዱብ ዝጽውዑ ጉጅለ ወዘተ . . . ተባሂሎም ዝጽውዑ፣ ወርሓዊ ባጀት ፈልዩሎም፣ ከምዝይቃለሱ ገሩ ድማ ኣፍዚዙዎም።

ስለላን ኮለላን ወያኔን ህግደፍን ሓደ እዩ።

ወያኔ ማእለያ ዘይብሎም ሰለልቲ ኣብ ማእከል ኤርትራ ኣለዎም። ወያኔ ኣብ ፈይስቡክን ኣብ ፓልቶክን ሰለልቲ ኣዋፊሩ ኣሎ። ኣብኡ ተዋፊሮም ክሳብ ዝልለዩ ከም ኤርትራውያን ኮይኖም ከምዝዓዩ ኣዋፊሩዎም።

ህግደፍ ድማ ክሳብ ሎሚ ማእለያ ዘይብሎም ኣብ መላእ ኢዮጵያ ኣዋፊሩ ኣሎ። ህግደፍ ድማ ልክዓ ከም ወያኔ ብዙሓት ዝሰለልቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣዋፊሩ፣ ኣብ ፓልቶክን ፈይስቡክን ተወዚዖም ከምዝስልዩ ድማ መደብ ዕዮ ተዋሂቡዎም።

ህግደፍ ብኣፉ ሓቂ ከምስል ንወያኔ ይውንጅል። ወያንቤ ድማ ስርሐይ ኢሉ ንህግደፍ ይውንጅል። እቲ ሓቂ ግና ክልቲኦም መደብ ዕዮ ካብ ባዕዳውያን ሃገራት እዩ ተዋሂቡዎም። እቲ ቀንዲ ውዲታዊ ዓላምኦም ድማ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ተፋላሊዩ ከምዝነብር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተጻሊኡ ንኽነብር እዩ።

መኽንያቱ ድማ እዚ ክልተ ህዝቢ እዚ(ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን)  ሃይማኖቱ፣ ባህሉ  ጅግንነቱ ሓደ እዩ። መበቆሉ ድማ ሰሚቲክን ሀሚትክን ኮይኑ፣ ኣግኣዝያን እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ካብ ወረርቲ ኣስላም፣ ቱርክን ግብጽን፣ ግራኝን መኪቱ ተኻኹሉ ክሳብ ሕጂ ዘጽንሐ ጅግና ህዝቢ እዩ። ጽሕፍቶኡ ኮይኑ ግና ምዕራባውያን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ብጅግንነቱን ኩርዓቱን ስለዝሰግኡን ዝቐንኡን፣ ገረብ ብሓኽላ ከምዝብሃል፣ ነዞም ክልተ ዕሱባት ጉጅለ ልኢኾምሉ።

ህግደፍን ወያኔን ሓንቲ ፍልይ ዝበለት ነገርውን ኣላቶም። ህግደፍ ንኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ መሰል ዘይብሎም ክነሶም፣ “ግብኡእኩም ፈጽሙ፣ 2%  ካብ ሚእቲ ግብሪ ካብ እቶትኩም ክፈሉ” ኢሉ የኽፍሎም። ወያኔ ግና ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ስደተኛ ትግራዎትን ኢትዮጵያውያንን  ግብሪ ኣየኽፍሎምን እዩ። እዚውን ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ከም ብዓል ፓወል ሂንሰን ማርቲን ኮሀንን፣ ብፍላይ ንሞራል ኤርትራዊ ንምስባር ተባሂሉ፣ ብስነኣእምራዊ ውዲት ዝተኣልመ እዩ።

ወያኔ ሓቂ ንኸምስል ንይምሰል ዓሌታዊን ወገናዊን፣ ዝዓላማኡ ሕገመንግስቲ ሓንጺጹን ኣጽዲቑን። ኣብኣብ 4  ዓመት ድማ ፓርላማን፣ ምርጫ ቀዳማይ ሚንስተርን (ቅዳሕ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፣ መኽንያቱ ከኣ ህግደፍ ንብረት ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝኾነ) የካይድ። እንዳ ህግደፍ ግና ብሕገ ኣልቦን ብፓርላማ ኣልቦን ንህዝቢ ኤርትራ ይገዝኡ ኣለው።ንመረዳእታ፣ ከም እኒ ገብሩ ኣስራትን፣ ስየ ኣብርሃን፣ ተኣሲሮም ከብቅዑ፣ ብቤት ፍርዲ ፍርዶም ረኺቦም፣ ንወጻኢ ሃገራት ንኽኸዱ ድማ ተፈቒዱሎም።

ኣብ እንዳ ወያኔ እሱራት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ይፍረዱ። ኣብ እንዳ ህግደፍ ግና ንሕልፈታት ኣብ ኣብያተ ማእሰሪቲ ይበልዩ።

ንመረዳእታ፣ ከም እኒ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ መሓመድ ሸሪፎ፣ ብርሃነ ገርዝግሄር፣ ሃይለ ገብረትንሳአ (ድሩዕ)፣ በራኺ ግብረስላሴ ወዘተ። ኮታ ኩሎም ብጂ15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ግንከኣ ደቀባት ኤርትራ ሕግን ቤት ፍርድን ኣብ ኤርትራ ስለዘየልቦ፣ እንሆ 20  ዓመቶም ቀሪቡ ክሳብ ሎሚ ከይተፈርዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለው።

ኣስተብህል፣ እዚ ግና፣ ብመደብ ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ ውዲት እዩ። ምኽንያቱ ከኣ፣ “ህዝቢ ኤርትራ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ጭቆና ክትሓዝ ኣለዎ ክሳብ ኣላሽ ዝብል”። “ኣብ ኢትዮጵያ ግና ካብኡ ሕሽ ዝበለ ኣገባብ መግዛእቲ ክኸውን ኣለዎ። መኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ውዕዉዕ ሃገራዊ እምነቱ ገዲፉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ይሓይሽ ኢሉ ንኢትዮጵያ መታን ክስልም ተባሂሉ ብስነኣእምራዊ ክኢላታት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ እከይ ሕንጻጽ እዩ።

“ህውሓት እቲ ዝጸበበ ብጸቢብነት ዝቘመ እዩ” ዝብል ብኣውድዮ ቪዝዋል ዩቱብ፣ ብሓደ ተባዕ ኤርትራዊ  ዝቈረበ ብምክትታል ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

https://youtu.be/dGDt8iifC8U

ህውሓት እቲ ዝጸበበ ብጸቢብነት ዝቘመ እከይ ጕጅለ 2ይ ክፋል።

እዚ ቀቀሊሉ እዩ።  እቲ ሕቡእ ምስጢራዊ ተልእኾ ኢሰያስን፣ መራሕቲ ወያኔን፣ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ህግደፍን (የማነ ገብርኣብን፣ ሓጎስ ገብረሂየትን፣ ኣብርሃ ካሳን ወዘተ. . . ) እንተድኣ ብዝርዝር ተተንቲኑ እሞ፣ እሞ ሰራዊት ወያኔን ህግደፍን ከኣ እንተድኣ ተረዲኡዎ፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን፣ ኣብ 24 ስዓታት ክሓብር ምኽኣለ። ህግደፍን ወያኔን ግና ድሕሬይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኢሎም ክሳብ ኣብ ጉድጒጓድ ዝኣትዉ ኣልሞት ባይ ተጋዳይ ኢሎም ብጥይት ምኾስተሩዎ ነይሮም።

ዘይትየነግረምበር፣ ብወያኔን ብህግደፍን ዘይተገብረስ የልቦን!!!!

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ  ደቀባት ኤርትራ 15 መስከረም 2017 ዓ.ም.ፈ.