1ይ ምዕራፍ

ፍሉይ ሕታም

“ፈላጥ ዝብሃል ሰብ ከምዘይፈልጥ ዝፈልጥ እዩ”።
ግሪኻዊ ፈላስፋ ሶክራተስ

መእተዊ

ነዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ረቂቕን ፖለቲካዊ መስርሕ ንምርዳእ፣ ብሓፈሻ መጀመርያ ኣብቲ ጠንቂ ምዕባሌ ዝኾነ ታሪኽ ኮሎንያል ኤውሮጳን፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐን፣ ክሳብ ሎሚ ድማ ዝካየድ ዘሎን፣ ረቂቕን ሰንሰለታዊን ስለላዊን ግንከኣ ፖለቲካዊ ዘይኮነ እከይ መስርሕ ኮሎንያን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ተመርኲስካ ምስትፍትሾ ጥራይ እዩ እቲ ሓቁ ን ቀንዲ ምስጢሩን ክፍለጥ ዝኽእል። ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን እምብኣር (ጥንታዊን ባህርያዊን ዝነበረ) ኣብ ንቡርን -ጸረንቡርን= ዘይንቡርን ውዲታዊ መስርሕ ዝተመርኮሰ ኮይኑ  = ነቲ  ጥንታዊን ኣብ ውርዙይ ባህልን ቅዱስ እምነትን መንነትን (ንቡር) ዝነበረ ፣ ብጸረ ንቡር (ባዕዳዊ መግዛእትን ጸኒሑ ድማ ሪቮሉሽን፣ ማርክሰ ለኒን) ገርካ ኣብዘይ ንቡር  መነባብሮ እዩ ተቐዪሩ። እዚ ውዲት እዚከኣ ብፍላይ ብመሃንድሳት ጽዮናውይናን ብሓፈሻ ድማ በቶም መሳርሒኡ ዝኾኑ፣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ተኻይዱ ኣብዚ ሎሚ በጺሑዎ ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ብዕሉግን ሕንፍስፍሽ ዝመልኦን ኩነታት መነባብሮ ከኣ በጺሑ ዘሎ። ነዚ ንምፍላጥን ንምርዳእን ድማ፣ ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ተመርኲስካ ጥራይ እዩ  እምበር፣  ሎሚ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ዝመጸ ኩነታት ገርካ ብምእማን፣ ነቲ ጠንቁ ከየሌለኻ ኣብ ሳዕቤኑ ጥራይ ኣድሂብካ  ብገርህነትን ዕሽነትን ዕንክሊል ምባል ኣይኮነን። እዞi ኣገባብ ቃልሲ እዚ ንጥፍኣት እንተዘይኮይኑ፣ ከቶ ዓወት ኣየምጽእን እዩ።

ሎሚ ኣብ  ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ህሉው ፖለቲካዊ መስርሕ፣ ካብ ስለላ መርበብ ባዕዳውያን ሓራ ድዩ?

እዚ ሎም ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዝርአ ዘሎ ጉያጉያ፣ መቐጸልታ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቅድም ብግሪኻውያን ድሓር ብሮማውያን፣ ጸኒሑ ከኣ ብወራር ኣዕራብ፣ ካብኡ ቀጺሉ፣ ብትርኳውያን፣ ግብጻውያን፣ ኮሎንያል ጣልያን ዝኾነ  ጸረ ንቡር ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ እዩ። እቲ ዓላማኡ ድማ ብውዲታዊን ረቂቕ ስነኣምራዊ ወፍርን ተሰኒዩ፣ ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ፣ ባህልን፣ እምነትን (ንቡር) ኣጥፊኡ፣ ንባህርያዊ ጸጋ ብፍላይ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ኣፍሪቃ ንምግባትን ንምውናንን እዩ።  ሓቂዶ ሓሶት? ነዚ ንምትግባር ግና ብድሎ ከይትዕሎ ዘይኮነስ፣ ብገረብ ብሓኽላን ብረቂቕ ስለላዊ መስርሕን ዝተሰነየ  ውዲታዊ ወፍሪ ጽዮናውያን እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ መስርሕ ኣራባራብ እዚ ድማ፣ ኣብቲ ብረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን ጽዮናውያን ግንከኣ ንሓደ ንጹር ዓላማ ዝእምት ኣብ 1884 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ በርሊን ዝተመስረተ እዩ።

መንነት ኢትዮጵያ ፣ አውሮጳውያን ነቲ ንቡር ዝነበረ ጸረ ንቡር ምሂዞም እዮም  ኣብዘይ ንቡር ቀዪሮሞ!

ካብ ስዕረት ንጉስ ቴድሮስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ንኢትዮጵያ ብስዉር ዝገዝኣ ዘሎ ብፍላይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሓፈሻ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 1884 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ በርሊን ንኣፍሪቃ ንምሽማው ተባሂሉ ብኤውሮጳውያን (ጽዮናውያን) ዝተኻየደ ውዲታዊ መደብ እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ንርእዮ ዘሎና ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣህመድ ዝጎዮ ዘሎ ጉያን፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዘይፍጸም ተስፋታትን፣ ካብ ነብሱ ተበጊሱ ድዩ ዘካይዶ ዘሎ ወይስ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዝዝውሮ ካልእ ስዉር ሓይሊ ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ንምላስ፣ ብሓፈሻ ንታሪኽ ጽዮናውያን፣ ብፍላይ ድማ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያን ብግቡእ ገርካ ምስ እትከታተል ጥራይ እዩ። ብርግጽ፣ ንዝመራመርን ታሪኽ ሰንሰለታዊ ውዲታት ጽዮናውያን ንዝከታተልን ሰብ፣ ካብታ ንጉስ ቴድሮስ ብሰንኪ ወራር ኮሎንያል እንግሊዝ በጃ ሃገሮም ዝሓለፉላ ዕለት ጀሚሩ፣ ኢትዮጵያ ብስዉር መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሎሚ ንኢትዮጵያ ትግዛእ ከምዘላ ክፈልጥ ይኽእል።

ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር፣ ዋላኳ ኤውሮጳውያን፣“ካብ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሓንቲ ጥንታዊት ሃገር እያ” ብፍላይ እኳድኣ ሓንቲ ደሴት ክርስትና እያ“፣ እንዳበሉ ደጋጊሞም ንህዝቢ ዓለም ከእምኑ ገልዳሕ እንተበሉ፣ እቲ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ እዩ። ብሓፈሻ ኤውሮጳውያን ጽሓፍቲ ትሪኽ፣ ብፍላይ ከኣ ግሪኻውያንን ፖርቱጋላውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፣ ብዛዕባ እታ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብምድረ-ባሕሪ ምድረ ሓበሣ፣ ምድረ ኣግኣዝያን ትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር፣ ሎሚ ከኣ ኤርትራ (ሓዳስ ኤርትራ) እትጽዋዕ ዘላ  ማእለያ ዘይብሉ ታሪኽ ተጻሒፉ እዩ። እቲ መጻሕፍቲ ከምዝሕብሮ ድማ፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣብ መላእ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብጅግንነትን ብታሪኽን ዝፍለጥ ህዝቢ ከምዝነበረ እዩ። እወ፣ ነቶም ስዉራት ገበቲ ሓይልታት፣ ብፍላይ እኳድኣ ነቶም ጽዮናውያን ወይ ወነንቲ ባህርያዊ ጸጋ ዓለም ዝኾኑ ሃጸያውያን ግና፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ  እያ ካብ ዝብል ድርቅና ነቲ ሓቂ ኣይቅበሉዎን እዮም። ብዘይካኦም በሊሕን ፈላጥን ብኣምላኽ ዝተሓርየ ህዝብን ከምዘየሎ እዮም ንህዝቢ ዓለም ክእምኑ ዝረባረቡ ዘለው። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣይውሓጠሎምን እዩ። እቲ ካብ ቅድሚ 2000 ዓ.ም. ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ክሳብ ኮሎንያል ጣልያን ንከባቢ ቀዪሕ ባሕሪ ዝኣቱ፣ ብባዕዳውያን ከይተምበርከኸን፣ንባዕዳውያን ግብሪ ከይከፈለን፣ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስን፣ መጠራን፣ ኣኽሱምን፣ ላሊበላን ንግስነቱ ተኺሉ ንዘመናት ክገዝእ ዝጸንሐ ህዝቢ ምድረባሕሪ እዩምበር፣ ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ኣይኮነን።

ንመረዳእታ፣ መሳፍንቲ ሽዋ ወራር መሓመድ ግራኝ ክወሮም ከሎ እንተኾነ’ውን ንበይኖም ክከላኸሉ ስለዘይከኣሉ፣ ብመኸተን ሓገዝን ባሕረ-ነገስታት ምድረባሕሪ እዮም ሓራ ክወጹ ዝኸኣሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ፣ መሳፍንቲ ሽዋ ካብ ሽዋን ጎንደርን ሓሊፎም፣ ኣብ ኤርትራ ንግስነቶም ተኺሎምን ከተማታት ደኲኖም ኣይፈልጡን እዮም ዝነበሩ። እኳድኣ ክጥዕሞም ከሎ ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ወሪሮም ንብረቱ ዘሚቶም፣ ንቦታኦም ይምለሱ ከምዝነበሩን፣ ክጽግሞም ከሎ ድማ፣ ማለት ብኦሮሞን ብኻልኦት ወረርትን ክውረሩ ከለው፣ ንህዝቢ ባሕሪ ርድኡና እንዳበሉ፣ ካብ ወራር ባርባራውያን ኣስላማዊ ሓይልታትን፣ ግዝኣት ቱርክን፣ ወራር መሓመድ ግራኝን፣ ወራር ግብጽን፣ ወራር ኣኽራሪ ኣስላማዊ  ማህዲን፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያንን ብሳላ መኸተ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ከምዝተደምሰሰ፣ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ብርግጽ ድማ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ክርስትያን ኮይኑ ዝነብር ዘሎ፣ ሳላ ሓለውቲ ዶብ ቀዪሕ ባሕሪ ዝኾኑ ጀጋኑ ደቀ-ምድረ-ባሕሪ ህዝቢ ጥራይ እዩ። እዚ ጅግንነት ደቂ ምድረ ባሕሪ ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዘሎናዮ መበል 21ን ክፍለ ዘመን ዝሳላሰል ዝጸንሐ ጅግንነታዊ መስርሕ፣ ንቀንኣትን ትምክሕተኛታትን ጽዮናውያን ገና ኣይውሓጠሎምን እዩ ዘሎ። ክሳብ 18 ክፍለዘመን  ባሕረ ነገስታት ምድረባሕሪ፣ ካብ 18 ክሳብ 21 ክፍለዘመን ድማ፣ ብደቂ ባሕረነገስታት  እዩ እቲ ኣራባራብ ክክየድ ጸኒሑ። ኣብዝተናውሐ እዋን ሠቶኦም ንኸበጽሑ ዛጊት ክሳብ ሎሚ ካብ ክሳድ ህዝቢ ኤርትራ ከይወረዱ መንድዓት ኮይኖም፣ ብገረብ ብሓኽላ ይረባረቡዎ ኣለው።

ጥንታዊ ንግስነት ምድረ ባሕሪ ንቡር እዩ ነይሩ!

እቶም ካብ ቅድሚ 2000 ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ክሳብ 400 ድ.ል.ክ. ዝገዝኡ ዝነበሩ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ዝነበሩ። እወ፣ ቅድሚ እዚ ዓፍራ ዝኾነ ግንከኣ ካብ ኣፍሪቃውያን ሓሰብትን መሃዝትን ዝተዘምተ ፍልጠት ከም ባዕሎም ዝምሃዩዎ ምዕባሌ ገሮም ንዓለም ከእምኑ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው  ኤውሮጳውያን ሓሶት እዩ። ማለት ክሳብ ጥንታዊት ግሪኽን ንግስነት ሮማውያንን ዝቕልቀለሉ፣ መሃዝትን ሓሰብትን ዝነበሩ፣ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ aዮም ዝነበሩ። ንግስነቶም ድማ ኣብ ኣኽሱምን ኣዱሊስን ጀሚሩ ክሳብ ግብጽን ሃገራት ኣዕራብን እዩ ዝበጽሕ ነይሩ። እወ፣ ታሪኽ ከምዝምስክሮ፣ እቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ቤተ መንግስቲ ደኲኖም ብፍትሓዊ ምሕደራ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነገሥታት፣ ትግሪኛ ተዛረብቲ ምንባሮም ፊደላቶምን ምልክታት ሓውልቶምን እዩ ዝምስክሮ።

መለለዪ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ድማ እቶም ክሳብ ሎሚ፣ ኣብ ሓውልታትን ኣኻውሕን ኣኽሱምን፣ መጠራን፣ ቆሓይቶን ህያው ኮይኖም ዝርከቡ ዘለው እዮም። ከምኡውን እቶም ተረፍ መረፍ ዕንወትን ምቅጻልን ዝነበሩ ምልክታትን ሰነዳትን፣ ግንከኣ ብኣዕራብን፣ ብግሪኻውያንን፣ ኤውሮጳውያን ተዘሚቶም፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሙዝየማት ኤውሮጳን ሃገራት ኣዕራብ ዝርከቡ ዘለው ታሪኻውያን ጽሑፋትን፣ ምልክታትን (ሲንቦልን) ህያው ምስክር እዮም። ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት ነገሥታት ምድረ-ባሕሪ ንምጥቃስ ከኣ፣ ብ333 ቅ.ል.ክ. ክሳብ 400 ድ.ል.ክ. ክልተ ኣሕዋት ኤዛናን ሸዛናን ዝብሃሉ ነገሥታት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ቤተ-መንግስቶም ደኲኖም፣ ክሳብ የመንን ሱዳንን ጅቡትን ሶማልን ብፍትሓዊ ምሕደራ የማሕድሩ ከምዝነበሩ እኹላት መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣሎው። ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመ ዝነበረ፣ ሓደ ኮስማስ ኢንዲኮፕለውስተስ ወይ ፈላሲ ኮስማስ (Cosmas Indicopleustes or Cosmas the Monk) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ኣብ ከባቢ ኣዱሊስን ኣኽሱምን በጺሑ ዝኣኻኸቦም ኣሰራት ጥንታዊ ታሪኽ ነገስታት ምድረባሕሪ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓበይቲ ኣብያተ መጻሕፍትን ኤውሮጳ ተዓቂቦም ይርከቡ ኣለው። ኮስማስ ኢንዲኮፕለውስተስ ኣብቲ ታሪኻዊ ሰነዳቱ ኣስፊሩዎ ከምዘሎ፣ ነገስታት ምድረባሕሪ ኣዝዮም ሓያላትን ፍትሐኛታት ኣመሓደርቲ ከምዝነበሩ እዩ ዘስምረሉ። መወከሲ ምንጪ ሓበሬታ፣ (Cosmas Indicopleustes, Christian Topography (1897) pp. 23-90.  Book 2) https://www.persee/doc/ethio_0066-2127_2007_num_23_1_1512

ነገስታት ምድረ ባሕሪ መሬቶም ንባዕዳውይን ዘይህቡ፣ በሬት ባዕዳውያን ድማ ዘይወስዱ ፍትሓውያን ስለዝነበሩ እዮም ብወረርቲ ባዕዳውያን ጠፊኦም።

ከምኡውን ብ520 ቅ.ል.ክ. ንጉስ ኣልኣሚዳን፣ ንጉሥ ካሌብን ዝብሃሉ ነገሥታት ኣብ ኣኽሱምን፣ ኣዱሊስን ይገዝኡ ከምዝነበሩ ታሪኽ ኣሎ። እዚ ታሪኽዚ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሙዝየም ኢትዮጵያ ህያው ኮይኑ ይርከብ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ክሳብ ዓዲ-ዓረብ ከይተረፈ ይገዝኡ ከምዝነበሩ ዝገልጹን ዝትንትኑን ጥንታውያን መጻሕፍቲ ታሪኽ ማእለያ ዘይብሎም ኣለው። ነዚ ድማ ጽሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ኣፍሪቃን ዝኾኑ ኤውሮጳውያን ብግቡእ ይፈልጡዎ እዮም። ንጉስ ኣልኣሚዳ ካብ መፋርቕ 6ይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ. ይገዝእ ከምዝነበረ ይትረኽ። ብዛዕባዚኦም ንገስታት እዚኦም ኣብ ኣዱሊስን ኣኽሱምን ክሳብ ሎሚ ምስሎምን ግዝኣቶምን ዝሕብር ታሪኻዊ ቅርስታት ይርከብ ኣሎ። እቶም ነገሥታት ኣኽሱም ንመላእ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ዝገዝኡ ዝነበሩ፣ካብዚ ሎሚ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ሃገር ጀሚሮም፣ ክሳብ ሰሜናዊ ሽዋን ወሎን በገምድርን ጎጃምን፣ ክሳብ ቀላይ ጻና ኒልን፣ ክሳብ የመንን ሱዳንን ሶማልን ይገዝኡ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ረቂቕ ስለላን ኮለላን ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክዝንብዕ ዝኸኣለ፣ ብፍላይ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብሓፈሻ ድማ ካብ ቫቲካን ተመልሚሎም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልኣኹ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ሚስዮናውያን ሰሊኾም ክስልሉ ምስ ኣቶው እዮም። ኣብቲ ዘመንቲ ዓባይ ብሪጣንያ በታ ብ24 ግንቦት 1818 ዓ.ም.ፈ. ዝተወልደት፣ ክሳብ 82 ዓመታት ድማ ብሕይወታ ዝነበረት፣ ንግስቲ ቪክቶርያ እትብሃል እያ፣ ክሳብ 1901 ዓ.ም.ፈ. ትግዛእ ዝነበረት። ንግሥቲ ቪክቶርያ ኣባል ኢሉሚናትን ፍሪሜሶንን እያ ዝነበረት። ቀንዲ ምትሕብባራ ድማ ምስ ማሕበር የሱሳውያን ወይ ቫቲካን እዩ ዝነበረ። ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እቲ ቀንዲ ንኢትዮጵያ ንኽወርር ዝሃቀኖ፣ ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበሩ መሳፍንትን ነገስታታትን፣ ብጅግንነትን ሃገራውነት ብጸብለልትነት ዝድነቑ ዝነበሩ፣ንጉሥ ቴድሮስ ምኻኖም ኣረጋገጹ። እዚ ድማ ነታ ካብ ጽሓይ ትበርቀሉ ክሳብ እትዓርበሉ ዓለም እየ ዝገዝእ ኢላ ትጅሃር ዝነበረት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ስግኣትን ራዕዲን ኣእተወላ።

ቅድመ ግንብር ኮሎንያሊዝም ዓባይ ብሪጣንያ እያ!

ብፍላይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሓፈሻ ከኣ ኤውሮጳውያን ሃገራት፣ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ብሓፈሻ ከኣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ንሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣቐዲሞም ብስለላን ኮለላን እዮም ክቆጻጸሩወን ተራባሪቦም። ኢትዮጵያ ክሳብ ንጉስ ቴድሮስ ዝገዝእሉ ዝነበረ ዘመን፣ ብዝተፋላለዩ መሳፍንቲ ጎንደርን ሽዋን እኳ ትግዛእ እንተነበረት፣ከም ሓንቲ ዶባ ዝሓንጸጸት ውድብቲ ሃገር ኮይና ግና ኣይቆመትን። ኣብ እዋን ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ እያ ዶባታታ ክፍለጥ ዝኸኣለ። ንጉስ ቴድሮስ ሓያልን ሃገራዊ ንጉስ ኢትዮጵያ ስለዝነበሩ ግና፣ ንብዙሓት መሳፍንትን፣ ሸፋቱን ስዒሮም ሓያል ንጉስነበሩ። ነዚ ግና መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብጽሞና ተቕልበሉ ነበረት። ካብዚ ብምብጋስ ንኢትዮጵያ ወሪራ፣ንንጉስ ቴድሮስ ንምስዓር ብዙሕ ስለላን ኮለላን ከተካይድ ጀመረት። እቲ በዅሪ ሰላዪ ኤውሮጳዊ ካብ 1760 ክሳብ 1767 ብ1760 ዓ.ም.ፈ. ንኢትዮጵያ ዝኣቶ፣ ኣብ ኤዲንቡርግ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ጀምስ ብሩስ ዝብሃል ሰላዪ ነበረ። እዚ ሰላዩ እንግሊዛዊ እዚ፣ ንኣስታት 7 ዓመታት ዝኣክል እዩ፣ኣብ ከባቢ ቀላይ ጻናን፣ፈለግ ኣባይን (ፈለግ ኒል) ዓሪዱ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጻናን ኒልን ተላሒጉ ጎንደርን ባህርዳርን እንዳተመላለሰ፣ ብዙሕ ስለላዊ መጽናዕቲ ዘካዪድ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት፣ ጀምስ ብሩስ 1762 ዓ.ም.ፈ. ከም ካርታ ፈለግ ኒልን፣ ባሕሪ ጻናን፣ ካርታ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን፣ መጻሕፍትን ዘዳለወ ሰላዪ እዩ ዝነበረ። ብዙሓት ባህላዊን እምነታዊን ዝትሕዝትኦም ብብራናታት ዝተጻሕፉ ሰነዳትውን ዘሚቱ ንሃገሩ ዝተመልሰ ሰላዪ እዩ ዝነበረ። ካብቲ ጀምስ ብሩስ ኣኻኺቡ ዘቕረበሎም ጸብጻብ ተመርኲሶም ድማ፣ ምስጢር ኢትዮጵያ ክፈልጡ ክኣሉ። ብድሕሪ መጽናዕቶም ድማ ካብ1838 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም በቲ ጀምስ ብሩስ ዘውጽኣሎም መደብን ፕላንን ተመሪሖም፣ ካልኦት እምነት ካቶሊክ ኢና ንኣምን ዝብሉ ሚስዮናውያን ተመሲሎም ዝስልዩ ሓያሎ ሰለይቲ ካብ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን፣ጀርመንን ኢጣልያን ልኣኹዎ። ድሕሪ ሰላዪ ጄምስ ብሩስ ከኣ፣ ብ1837 ዓ.ም.ፈ. ሓደ ሳፔቶ ጂዞፐ ዝተባህለ ሚስዮናዊ ፈላስ (Sapeto, Giuseppe) ኢጣልያዊ ሚስዮናዊን ተመሲሉ ንገርሀኛ ህዝቢ ባሕሪ ንኽስሊ ተላእከ። ካብ 1838 ክሳብ 1848 ዓ.ም.ፈ. ድማ ብምጽዋዕን ዓሰብን ኣቢሉ፣ ንዕድዋን ጎንደርን እንዳኮብለለ ረጊቕ ጉዳይ ስለላዊ ተልእኾኡ ይፍጽም ነበረ።

ድሕሪ እዚ ሰንካም ሰላዪ ፈላሲዚ ከኣ፣ ሓደ ፍራቴሎ ስቴላ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሰላዪ ፈላሲ ብ1850 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ኣተወ። እዚ ፈላሲዚ መጀመርያ ንሰኒሒት ከባቢ ከረን ኣተወ። ካብኡ ጸኒሑ ድማ ኣብቲ ገለብ ዝብሃል ምድረ መንሳዕ ተላሒጉ፣ ህጻናት እንዳ ዓመጸ ጉዳይ ስለላኡ ይፍጽም ነበረ። እዚ ፈላሲዚ ብ1854ዓ.ም.ፈ. ምስ ቫቲካን ተሰማሚዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ከተማ ቅዱስ ሚካኤል ዝብሃል ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ከረን ንኽህነጽ ዝተሓባበረ ፈላሲ ነበረ። ህዝቢ ከባቢ ከረን ብፍላይ እኳድኣ እቶም ብሌን ዝብሃሉ ሕብረተሰብ፣ ካብ ጥንቲ እምነቶም ኣብቲ ቀንዲ ብቋንቋ ትግሪኛ ትርጉሙ ርቱዕ ሃይማኖት ዝብሃል ብቋንቋ ግሪኽ ከኣ ኦርቶዶክስ ዝብሃል ሃይማኖት እዮም ዝኣምኑ ነይትሮም። ሓደ እዋን ግና ወራር ባርባራዊ ኣስላማዊ ሓይሊ ግብጺ ብቐስብ ከመስልሞም ምስሃቀነ፣ እዚ ስቴላ ዝብሃል (Fr. Giovanni Stella) ፈላሲዚ፣ ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብምስምማዕ፣ንህዝቢ ብሌን ካብ ምስልምና እምነት ተኻላኺሉ፣ ግንከኣ ካብቲ ርቱዕ ሃይማኖቶም (ኦርቶዶክስ) ቀዪሩ፣ ኣብ ካቶሊክ ከምዝኣምኑ ዝገበረ ነበረ።

 ወፍሪ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጸሞ ባርባራዊ መስርሕ፣ በቲ ንቡር ጸረንቡር= ዘይንቡር ዝብሃል ውዲታዊ ፎርሙላ ተመሪሖም እዮም ጀሚሮሞ

ወፍሪ እከይ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ምድረባሕርን ኢትዮጵያን ምዓስከ ተጀሚሩ?

ካብ ስዊዘርላድ ድማ ዌርነር ሙዚንገር ዝተባህለ ሰላዪ ብ1863 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ወኪል ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንከተማ ከረን ኣትዩ፣ ኣብ ከረን ንሓንቲ ብለነይቲ ተመርዒዩ ክሳብ ዝመውት እንዳሰለየ ኣብ ከረን ይነብር ነበረ። እዞም ብስም ሚስዮናውያን ክርስትና ኣምሲሎም ግንከኣ መሳርሕን ሓበሬታን ንመንግስታት ኤውሮጳ ዘማሓልልፉ ዝነበሩ ሰለልቲ፣ ኩሎም ካብ ሃገራ ኤውሮጳ ተበጊሶ፣ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሎም፣ ቀዪሕ ባሕሪ እቋሪጾም ንምጽዋዕን ዓሰብን ዝኣትዉ ዝነበሩ ሰለልቲ እዮም። እዞም ሰለልቲ እዚኣቶም ኩሉ ጸብጻባቶም፣ ዝገበሩዎ ለላዊ መጽናዕቲታቶምን፣ ነቶም ዝልኣኹዎም መሃንድሳት ስለላ ዓባይ ብሪጣንያ ካልኦት ኤውሮጳውያን መንግስታትን፣ ንቫቲካንን እዮም ዘቕረበሎም ነይሮ። ኣስተብህል፣ ኩሎም ወረቲ ኮሎንያል ኤwሮጳውያን በዞም ፈለስቲ ተመሲሎም ውራይ ኮለላን ስለላን ዝካይዱ ዝነበሩ ተመሪሖም እዮም ንሃገራት ኣፍሪቃ ክወሩ ክኢሎም።

 ንጉስ ቴድሮስ ብኸመይን ስለምንታይ ተሳዒሮም?

ድሕሪዞም ሰለልቲ ፈለስቲ እዚኣቶም ድማ፣መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሓት ምልሙላት ብፍላይ እኳድኣ ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾኑ ሰለልቲ፣ንንጉስ ቴድሮስ ንምስላይ ንኢትዮጵያ ልኣኹዎም። ፍላይ ድማ ንመቕደላ ኣብታ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ቴድሮስ ዝነበረት ከተማ በጽሑ። ካብኡ ዝጀመረ እዮም እምብኣር ብፍላይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንሃገር ኢትዮጵያ ዓይኒ ቆላሕታ ክትገብረሉ ዝጀመረት። ካብዚ ተበጊሶም እዞም እምብኣር ነቶም ብዙሓት ሰለልቲ እንግሊዛውያን ንንጉስ ቴድሮስ ንኽስልዩ ልኣኹሎም። ንጉሥ ቴድሮስ ድማ ነቶም ሰለልቲ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ፣“ንሕናዶ ንዓባይ ብሪጣንያ ሰለልቲ ልኢኽናላ ኢና”? “ሃገርና ባዕልና እንዳ ኣመሓደርና ንነብር ኣሎና፣ እንታይ ክትገብሩን፣ ስለምንታይን፣ ኣብ ሃገር እንዳማትኩም መጺእኩም? ኢሎም ኣሰሩዎም። ካብኡ <ሓያል ውሕጅሲ ኣንቃዕሪሩ ይውሕዝ> ከምዝብሃል፣ መንግሥቲ እንግሊዝ ድማ በቲ ኩርዓትን ቆራጽነት ንጉስ ተቖጥዐሞ፣ ነቲ ኣብ መቕደላ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ቴድሮስ ንኸወሩ መደብ ኣውጽኡ። ካብኡ ብናምፒር ዝተባህለ ጀነራል ዝምራሕ ሰራዊት ካብ ሃገር ህንዲ ኣኻኺቦም ኣዳለው። እቲ ብጀነራል ናምፒር ዝምራሕ ዝነበረ፣ ካብ ሃገር ህንዲ ዝተኣኻኸበ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ፣ ማእለያ ዘይብሉ ስንቅን ዕጥቅን ሒዙ ኣብ ዓሰብ ኣተወ። ካብኡ ነቶም ንጉስ ቴድሮስ ዝኣሰሮም ሰለልቲ ነጻ ንምውጻእ ብዝብል ውዲታዊ ጉልባብ፣ ብ1868 ዓ.ም.ፈ. በቲ ኣብ ከተማ ከረን ዝነበረ ሰላዪ ቬርነር ሙዚንገር ዝተባህለ ወዲ ስዊዘርላንድ፣ ኣባል ኢሉሚናቲን ፍሪሜዞንን ዘውጽኣሎም መደብን ሓበሬታን ተሓቢሮም ንንጉስ ቴድሮስ ክወሩ ንበጌምድር (ኢትዮጵያ) ተበገሱ። ቅድሚ ምብጋሶም ግና ምስቲ ብጅግንነት ንጉስ ቴድሮስ ዝርዓደ ንንጉሥ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መስረቱ። መሳርያን ገንዘብን ሂቦም ከኣ ከምዝተሓባበሮም ገበሩ። ንጉስ የውሃንስ ድማ በቲ ዓጢቑ ተዳልዩ ዝነበረ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝርዓደ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንጉስ ቴድሮስ እንተሞይቱሉ ንግስነቱ ክቕጽል ስለዝኽእል ብምሕሳብ፣ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣረጋገጸሎም። ካብኡ ብኣዋጅ ንጉስ የውሃንስ ህዝቢ ትግራይ መግብን ማይን እንዳቐረበሎም፣ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይ ጸገም ንመቕደላ ክበጽሑ ከኣሉ።

 ካብ ደንቆሮ ተወሊድካ፣ ደንቆሮ ዓቢኻ፣ ደንቆሮ ምኻንካ ከይፈለጥካ ከኣ ብድንቍርናኻ ሙማት ኣድሕነና!!!

ክ   ቕ  ጽ  ል  እዩ…………………

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
16 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ.