ፈደረሽን ንምፍራስ 10 ዓመታት ወሲዱ፣ ነጻነት ኤርትራ ንምምጻእ 30 ዓመታት ወሲዱ፣ ነጻነት ኤርትራ ንምብርዓን ግና 27 ዓመታት ወሲዱ።

ንኣሜሪካን እንግሊዝን ፈደረሽን ኤርትራንኸፍርሱ፣ 10 ዓመት ወሲዱሎም፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ 30  ዓመታት ተቓሊሱ ዘምጽኦ ነጻነት ኤርትራ ንኸፍሽሉ ድማ፣ ገረብ ብሓኽላ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰላዪ ኣሜሪካ ከም ፈረስ ብቅድሚ ግናብር ብምውፋር፣ መላፍንቱን ዘብርዩዎን ዝትክኡዎን ኣሕዋቱ ደቂ ተንቤን  ጭፍራ ወያኔን ኣዋፊሮም፣  እንሆ ሎሚ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ግሂሶም ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ክብሉ ንዕዘብ ኣሎና።

ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ይከኣል እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ከተታልሎውን ይከኣል እዩ፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ዘበት እዩ። ይኹን እምበር ኢሰያስን ዓሰብቱን ግና ፣ ብረቂቕ ውዲት ንዘልኣለም ከታልሉዎ እንሆ ነቲ ትማሊ ብህግደፍን ወያኔን ዝተፈጸመ ጽባሕ ዝፈሽል ውዕል ተዓዚብና። እንተዘይሞትክን ጥዕና ኣሎክን።

እወ፣ ከምቲ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብድፍኢት መንግስቲ ኣመሪካን እንግሊዝን ድሕሪ 10 ዓመት ዝፈረሰ። ሎሚ ድማ ነጻንት ኤርትራ ድሕሪ 27 ዓመታት በብዓይነቱ ምስምሳት እንዳምጻእካ ዕንክሊል ክብሃል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ከኣ ካልኣይ ታሪኽ ንምድጋም፣ ብድፍኢት ኣሜሪካን መንግስቲ እንግሊዝን እስራኤል፣ ብዝረቐቐ ሜላን ውዲትን ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ይፈርስ ከምዘሎ ኢና ንርድኦ። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

66 ዓመታት ዝወሰደ ፕሮጀክት ፈልሲ (NURSERY) ኣብ ዕለት 9.7.2018 ብዶር ዓቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝተፈጸ ውዕል ተወዲኡ። ጽዮናውያን ን66 ዓመታት እንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ብኢሰያስ ኣፈወርቅን ጭፍራ ወያኔን ተራባሪቦም። ሎሚከኣ ወያኔ ከምዘየለው ኣምሲሎም ኣእምሮ ሰብ ብምስላብ፣ ብወያኔ ዝሰልጠነ ሰላዪ ምሂዞም ድማ ኣላሽ ኣቢሎም ንኸንበርክኹና ብረቂቕ ውዲት ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ብውዲት መንግስቲ ኣሜሪካ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ሎሚ ተወዲኡ ይብሃል ኣሎ? ሽግር ኢትዮጵያ ግና ሽግር ኤርትራ ብግቡእ ከይተፈትሐ ንዘልኣለም ኣይፍታሕን እዩ።ሕጂኸሞ መንዩ ስዒሩ፣ ጽዮናውያንዶ ህዝቢ ኤርትራ? ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ።

ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ብዘይ ሓንቲ መንጎኛ ሃገር (Without Internationa Issue) ዓለምለኻዊ ቅጥዒ ዘይብሉ ውዲታዊ ውዕል ተወዓዕዒሎም ይብሃል ኣሎ። እወ 5 ነጥብታት ዝሓዘ “ውዕል ሰላም” ዝተጐልበበ ውዲታዊ ውዕል ተፈራሪሞም። እቲ ብህግደፍ ትሕእርዩ ዝተመልመለ ክፋል ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ ነቲ ልኡኽ ጽዮናውያን ንእሽቶ ኢሰያስ ሓጎሱ ብምግላጽ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዓጀባ ተቐቢሉዎ። እታ ብርኲታ ግና እምኒ ኣላታ። ንሱ ድማ እዞም እንዳተባራረዩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣላሽ ንኸብሉ ብጽዮናውያን ተመልሚሎም ንሜዳ ዝወፈሩ፣ ደቂ ተንቤን ክልተገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ፣ ግንከኣ ዓሳኽር ጽዮናውያን ወያኔን ሻዕብያን ዛጊት ሎሚ ድሕሪ 66 ዓመታት እምቢ ንነጻነት ኤርትራ ፖሊሲ መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት  ኣሜሪካ፣ ወይ ድማ ድሕሪ 66 ዓመታት ዝወሰደ መሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ህዝቢ ዝጅሃረሉ ዝነበረ ነጻነት ኤርትራ ነበረ ኮይኑ ክሃጒግ ንዕዘቦሎና።

ብርግጽ እዛ ምዓልቲዚኣ ካብታ መንግስቲ ኣሜሪካ እምቢ ንነጻነት ኤርትራ ዝበለትላ ዓመተ ምህረት ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ማለት እዩ፣ ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. ዛጊት 66 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ 66 ቒጽሪ እዚ ድማ ምስጢራዊ ቍጽሪ ኢሉሚናቲ ምልክት ድያብሎስን እዩ። መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ብዛዕባ ጠንቅን ሳዕቤንን፣ ወይድማ ተሓተትን ዋናታትን ጉዳይ ኤርትራ መን ምዃኖም፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ጎሮሮና ክሳብ ዝልሕትት ንተኻታተልትና ሓቢርና ኢና። እምብኣር እዚ ዕንክሊል ክብል ክሳብ ሎሚ ዝጸንሐ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ ብጽዮናውያንን ቫቲካንን ብፍላይ ድማ ብቅድመ ግንባር መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን እዩ ክዝወር ጸኒሑ። እቶም ቀንዲ መሳርሒ እዚ ውዲታዊ መስርሕዚ ድማ እቶም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ጭፍራ ሻዕብያን ወያኔን እዮም።

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ነዚ ውዕል ጠቕላይ ሚንስተር ዓቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ እፈወርቅን ብጭቡጥ መኽንያታት ኮኒኑዎ እዩ። ስለምንታይ ከምዝኾነኖ  ንምርዳእ ከኣ ነዚ ኣብታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሑፍ ምክትታል እኹል እዩ።

መኽንያቱ ድማ ኣብ ሓንቲ ብሕገ መንግስቲ ዘይትግዛእ ሃገር ኤርትራን፣ እሞ ከኣ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ደቂ ሃገር ኣብ ሰውራ ዘጥፍአት ሃገርን፣ ኣብ መንጎ ብፓርላማ እትግዛእ ሃገር ኢትዮጵያን ዝፍጸም ዘሎ ድኣምበር፣ ብሓደ ኢንተርናሽናል መንጎኛ ዘለዎ ወግዓዊ ውዕል ዝፍጸም ዘሎ ኣይኮነንስ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ቀዳማይ ካሕሳ 30 ዓመታት ዝበረሰ ሰብን ንብረትን ክኻትትን ክኸፈልን ነይሩዎ። ካብኡ ሓሊፉ ብተወሳኺ ካልኣይ ካሕሳ ድማ ኣብቲ ብጉልባብ ዶባዊ ኲናት ካብ 200 ሽሕ ንላዕሊ መንእሰይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃለቐሉን፣ ካብ ኢትዮጵያ ክሓትት እዩ ዝግብኦ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ህግደፍ “ሕገመንግስቲ ኣይትግበርን ኢዩ፣ ዶብ ከይተሓንጸጸ” እንዳበለ ን18 ዓመታት ዝኣክል ህዝቢ ከታልልን ከደናግርን ከምዝጸንሐ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። እዚ ውዲት እዚ ግና ከይደቀስና ዝሓለምናዮ እዩ።ኣብዛ ሎሚ ዝተገብረት ስካንዳሎስ ውዲት ኢሰያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ግና ርኢናያ።

እወ፣ ከምቲ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብድፍኢት መንግስቲ ኣመሪካን እንግሊዝን ድሕሪ 10 ዓመት ዝፈረሰ። ሎሚ ድማ ነጻንት ኤርትራ ድሕሪ 27 ዓመታት በብዓይነቱ ምስምሳት እንዳምጻእካ ዕንክሊል ክብሃል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ከኣ ካልኣይ ታሪኽ ንምድጋም፣ ብድፍኢት ኣሜሪካን መንግስቲ እንግሊዝን እስራኤል፣ ብዝረቐቐ ሜላን ውዲትን ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ይፈርስ ከምዘሎ ኢና ንርድኦ። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

ዘስደምምዩ! እህግደፍ ምስ ገበናቱከሎ ሓራ ኮይኑ ሕጹብ ከም ጲላጦስ ኮይኑ ይኣይ፣ ብቐጻሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንኽገዝእ እንሆ ሎሚ እቲ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ን66 ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ውዲታዊ መስርሕ፣ ውጽኢቱ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢሃደግን ተፈጺሙ። ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ፣ ታሪኽ ምፍራስ ፈደረሽን ድሕሪ 10 ዓመታት ተፈጺሙ። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ድማ እዚ ትማሊ ዝተፈጸመ ውዲት ምፍራስ ነጻነት ኤርትራ ማለት እዩ። እወ ነጻነት ኤርትራ ድሕሪ 27 ዓመታት ትማሊ ፈሪሱ። እዚ ድሕሪ 27 ዓመታት ሓሸየን ዕንክሊልን ነጻነት ኤርትራ ሎሚ ክፍጸም ንዕዘቦ ዘሎና ድራማ፣ ከምዝፍጸም ኣቐዲምና ኣውዪናሉ ኢና። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን ድማ ኢልና ኢና። ከነስምረሉ እንደሊ ግና ሓደ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ከምቲ ትካል ህግደፍ ዝኾነ መርበብ ሓሶት መስከረም ኔት ኮይኑ፣ ጠጠሊዑ ንመሸጣ ሃገር ኣይድግፍን እዩ። እወ ንውዲታዊ ውዕል ወያኔን ህግደፍን ኣይድግፍን እዩ። ጭፍራ ወያኔ ንሜዳ ዝወፈረ፣ ንኢሰያስ ከብሪ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራ ዓጂቡው ከምዘይኮነ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ዝተዛረብናዮ ትንቢት እዩ።

እዚ ውዕልዚ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድዩ ምስ መላኺ ኢሰያስ ተፈጺሙ?  እዚ ውዕልዚ ክፍጸም ከሎኸ መንጎኛታት ሃገራት ነይሮም ድዮ?  ን70 ዓመታት ዝኣክል ጀጋኑ ኤርትራ በብሓደ ተኣርዮም ምስተመንቆሱ። ዝተረፉ ደቂ ሃገር ንሕልፈታት ኣብ ማእሰቲ ምስ በለዩ። ደቂ ተጋደልቲ መንእሰያት ድማ ንስደትን ንዕርበትን ምስውሓዙ። ዕደና ወርቂ ኤርትራ ድማ ብጽዮናውያን እንዳተዘምተ፣ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ፈራዲ ኣካልን ፈጻሚ ኣካልን ዘይብላ ሃገር፣ ሎሚ ነቲ ቒስሊ ብፋሻ ሸፊንካ ውዕላት ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢህኣደግን ተፈሪሙ። እዚ ውዕል እዚ ግና ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከታተል ሃገራዊ ድሕሪ 66 ዓመታት ምፍራስ ነጻነት ኤርትራ ምኻኑ ጥራይ እዩ ዝርድኦ።

ዎ ህዝቢ ኤርትራ! ኣይትገራህ ተበራበር! ነዚ ሎሚ ኣብ ልዕሌኻ ብውዲት ተፈጺሙ ዘሎ ክሕደት  ተረዲእካ ቁጣዔኻ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከትርኢ መድረኹ ኣኺሉ እዩ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ነጥብታት ብኢሰያስ ንኽትግበሩ ዝተገብረ ውዲት ስለምንታዩ? ኣበይ ንምብጻሕከ እዩ?

1. ደቂ ሃገር  ብዘይ ፍርዲ ብጃምላ ንሕልፈታት ተኣሲሮም ከለው፣
2. ሕገመንግስቲ ክሳብ ሎሚ ንኸይጸድቕ ተኣጊዱ ከሎ፣
3. መንእሰያት ተገፊፎም ብቐስብ ኣብ ሳዋ ንኽበልዩ ምግባር፣
4. ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ህግደፍ ን27 ዓመታት ዝጸንሐ

እዚኦም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለው ነጥብታት ካብቶም ብዙሓት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እዚኦም ዝተፈጸሙ ግና ቀንዲ መኽንያት፣ንልዑላዊት ሃገር ንምዕቃብ ዘይኮነስ ንነጻነት ኤርትራ ከምቲ ፈደረሽን ዝፈረሶ ብውዲት ንምፍራስ ክሳብ ህዝቢ ኣላሽ ኢሉ ንመሰሉን ክብሩን ደው ከምዝይብል ጌርካ ልዑላውነትን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምግሃስ ኢሉ ብመድብ ጽዮናውያን፣ ብፍላይ ብልፍንቲ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ዝተገብረ እዩ። እንሆ ድማ እዚ ዶይዝን፣ እዚ ሎሚ ብዶር. ኣቢዪን ኢሰያስን ዝተገብረ ውዲታዊ ክሕደት ንምትግባር ደይኮነ? ሓቂዶ ሓሶት? ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ብስውኣትን ብነጻነት ኤርትራን ዝተረኽበ ነጻነት፣ ድሕሪ ነጻነት ጥራይ ብስውኣት እናተሸቀጠ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ። ብሓጺሩ እዚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እንዳተመኽረ ክሽቅጠሉ ዝጸንሐ ውዲት ፣ ነቲ ብጀጋኑ ደቂ ሃገር ዝመጸ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንምድሳስ እምብኣር፣  ካልእ ብልሓት የብሉን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ፈሊጡ ንኸይቃለስ ክቃለሱ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ውድባት ዝብሃሉውን ኣብዚ መሸጣ ኤርትራ ተሓተቲ ከምዝኾኑ ምግንዛብ የድሊ።

በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን!

ንቕሓትን ዓወትን ንሕዝቢ ኤርትራን መንእሰይ ኤርትራን ኩሉ ሃገራዊ ኤርትራዊን!

ውድቀት ከኣ ንጠላማትን ዕሱባት ጽዮናውያን!

ኣብ ዝቕጽል ብስፍሕ ዝበለ ሓተታ ክዝርጋሕ እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 09 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.