ውዲታዊ ውዕል ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን እንታይ እዩ ትርጉሙ ?
ዎ ህዝቢ ኤርትራ! ኣይትገራህ ተበራበር! ነዚ ሎሚ ኣብ ልዕሌኻ ብውዲት ተፈጺሙ ዘሎ ክሕደት ተረዲእካ ቁጣዔኻ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከትርኢ መድረኹ ኣኺሉ እዩ።
እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ነጥብታት ብኢሰያስ ንኽትግበሩ ዝተገብረ ውዲት ስለምንታዩ? ኣበይ ንምብጻሕከ እዩ?
1. ደቂ ሃገር ብዘይ ፍርዲ ብጃምላ ንሕልፈታት ተኣሲሮም ከለው፣
2. ሕገመንግስቲ ክሳብ ሎሚ ንኸይጸድቕ ተኣጊዱ ከሎ፣
3. መንእሰያት ተገፊፎም ብቐስብ ኣብ ሳዋ ንኽበልዩ ምግባር፣
4. ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ህግደፍ ን27 ዓመታት ዝጸንሐ
እዚኦም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለው ነጥብታት ካብቶም ብዙሓት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እዚኦም ዝተፈጸሙ ግና ቀንዲ መኽንያት፣ንልዑላዊት ሃገር ንምዕቃብ ዘይኮነስ ንነጻነት ኤርትራ ከምቲ ፈደረሽን ዝፈረሶ ብውዲት ንምፍራስ ክሳብ ህዝቢ ኣላሽ ኢሉ ንመሰሉን ክብሩን ደው ከምዝይብል ጌርካ ልዑላውነትን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምግሃስ ኢሉ ብመድብ ጽዮናውያን፣ ብፍላይ ብልፍንቲ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ዝተገብረ እዩ። እንሆ ድማ እዚ ዶይዝን፣ እዚ ሎሚ ብዶር. ኣቢዪን ኢሰያስን ዝተገብረ ውዲታዊ ክሕደት ንምትግባር ደይኮነ? ሓቂዶ ሓሶት? ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ብስውኣትን ብነጻነት ኤርትራን ዝተረኽበ ነጻነት፣ ድሕሪ ነጻነት ጥራይ ብስውኣት እናተሸቀጠ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ። ብሓጺሩ እዚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እንዳተመኽረ ክሽቅጠሉ ዝጸንሐ ውዲት ፣ ነቲ ብጀጋኑ ደቂ ሃገር ዝመጸ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንምድሳስ እምብኣር፣ ካልእ ብልሓት የብሉን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ፈሊጡ ንኸይቃለስ ክቃለሱ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ውድባት ዝብሃሉውን ኣብዚ መሸጣ ኤርትራ ተሓተቲ ከምዝኾኑ ምግንዛብ የድሊ።
በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን!
ንቕሓትን ዓወትን ንሕዝቢ ኤርትራን መንእሰይ ኤርትራን ኩሉ ሃገራዊ ኤርትራዊን!
ውድቀት ከኣ ንጠላማትን ዕሱባት ጽዮናውያን!
ኣብ ዝቕጽል ብስፍሕ ዝበለ ሓተታ ክዝርጋሕ እዩ።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 09 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.
Recent Comments