ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ! ግድነት ክንበብ ዘለዎ ምስጢራዊ ሓበሬታ

ን50 ዓመታት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብወፍሪ ግብረሽበራ ክላገጺ ዝጸንሑ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ ግንከኣ ብውዲት ከም ክልተ ኣንጻር ተፋላልዮም ዝነብሩ ተመሲሎም ንህዝቢ ኤርትራ ክላገጽሉ ዝጸንሑ፣ ኣብ ሕጂ በጺሖም ሃዋርያት ሰላም ክኾኑ ከቶ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን፣ ነዚ ሎሚ ዘርእዩና ዘለው ተርእዮ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ዝተሕእንጸጸ ስነኣእምራዊ ውዲት ዝተዳለወ ፖለቲካ ሽርሙጥና ምኻኑ ተርዲእና፣ ይኣክል ኢልና! መኸተና ክንቅጽል ዘኽእለና መድረኽ እምበር፣ በዚ ላግጻዊ ጭርሖታት ዶር. ኣቢ ኣሕመድን፣ ሕማም ሓንጎል ዘለዎ ኢሰያስን ” ተደሚርና” ! “ፍቅር ያሸንፋል ” ! “ሰላም ” ! ወዘተ ….. ዝብሉ ላግጽታት ክንህመል የብልናን።

https://youtu.be/dT371msmbtA

ሓቦ ንግበር ሓቦ ማይ ኣውዒና እግሩ ንሕጸቦ፣ ነብላዓዮ ነስትዮ ነጽግቦ፣ ንማምቆ ጋቢ ንደርቦ፣ ነሰንዮ ነኽብቦ በቲ ሩባ በቲ ጎቦ፣ ምስ ዓበየ ክዓጅቦ፣ ይምሃር የጽንዓዮ የንብቦ፣ ነቲ ባህሊ ታሪኽ ዓደቦ፣ ሓደራኻ ንበሎ ንላቦ ሓደራኽ ኣሕሊፍካ ከይትህቦ ንሓላፍ መንገዲ ንወደቦ። ፈላስፋን ገጣምን ደራስን ጥበብኛን ዶር. ርእሶም፣ ብማፍያ ቀንጸልቲ ህግደፍ ዝተቐንጸለ።

ድሕሪ ክንደይ ኣራባራብ፣ ገረብ ብሓኽላ ዝዓላማኡ ውዲት ጽዮናውያን፣ እንሆ ሎሚ ድሕሪ 66 ዓመታት (ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 2018 ዕ.ምፈ.) ኣብ መደምድምታኡ ክበጽሕ ንዕዘቦ ኣሎና።  እዚ 66 ዓመታት ዝወሰደ ውዲታው ፕሮጀክት እዚ፣ ካብቲ ጽዮናውያን ብመጽናዕትን ምርምርን፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓኦም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ (ብኣፈ ታሪኽ ከምዝብሃል መበቆሉ፣ትግራዋይ ተንቤናይ ካብ ዘርኢ ንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ ግንከኣ እቶም ኣቶ ኣፈወርቂ ዝብሃሉ ኣቡኡ ብሰብዓታት ብጸጥታ ኢትዮጵያ ኢሰያስ ወዶም ምኻኑ ምስ ተሓቱ ከምዚ ክብሉ መልሲ ሃቡዎም፣-

“ብርግጽ ሓቂ ክነግረኩም እንተድኣ ኮይነ ብዝዕባ እዚ ሰብዚ እቲ ቅኑዕ ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ”። ክብሉ ከቢድ ምስጢር ኣበሰሩዎም። “እወ፣ ንመምህር በራድ ሓማተይ ሰራሕተኛኣ፣ ኣረጋሽ ዝተባህለት ጎርዞ ቁመታ ነዋሕ ጽብቕቲ፣ ካብቲ ብእንግሊዛውያን ዝተሰርሐ፣ እንዳ ዘኽታማት ቤት ትምህርቲ ጎዳይፍ ትምሃር ዝነበረት ኣቦኣ ኣይፍለጥ ኣዲኣ ቆጺራ ኣብንዳሜሳ ተሸቅላ ነበረት። ካባu ምዓር ዝነግዱ ነጋዶ ደቂ ወሎን ጀበርትን ንመምህር በራድ ምዓር ይሽጡላ ዝነበሩ፣ እንዳ ተባራረዩ ንሆቴል እንዳወሰዱ ይጋሰሱዋ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ እዋን ከኣ ጠነሰት እሞ ኣብ ሆስፒታል ክትሓርስ ከላ ነትዚ ሰብዚ ምስወለደቶ ዓረፈት። ካባu ሓማተይ ወይዘሮ መድህን (ቅጽል ስማ ወይ ሳጒኣ መድህን በራድ) ነዚ ሕጂ ትዛረቡሉ ዘሎኹም ሰብዚ ወሲዳ ምስ ደቀይ ንኽዓቢ ንጓላ ንብዓልቲ ቤተይ ኣልገበትላ። ምስ ደቅና ድማ ዓበየ። ስለዚ እዚ ሰብዚ ባዕልና ዘዕቤናዮ ዘኽታም aዩ እምበር ካብ ማህጸን ብዓልቲ ቤተይ ኣዳነሽ ተሓጺኑኑ ዝወጸ ሕጻን ኣይነበረ። እዚ ሰብዚ ካብ ንእሽቶኡ ከም ሓዘንተኛ ኮይኑ ንደቅቅይ እንዳ ረበሾም ዝዓቢ ዝነበረ ጻቕጣን እዩ ዝነበረ”፣ ኢሎም ቃሎም ሃቡዎም።

https://youtu.be/ma_wmkwlK8I ኢሰያስ ን27 ዓመታት በቶም ሕድሮም ዘይኽበረሎም በጃሃገሮም ዝሓለፉ ጀጋኑ ደቂ ሃገር፣ ዓመት ዓመት ብሽምዓ ክጥብሮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ፣ ካብቲ ትሓቢኡሉ ዝነበረ ብዓቲ ወጺau፣ በቲ ጎይተቱ ዘውጽኡሉ ውዲታዊን ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽልን ጭርሖ ሒዙ ምስቲ መንእሰይ ሰላዪ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ከምቲ ልጓሙ ዝበተኸ ፈረስ ከጋልብ ንርእዮ ኣሎናሞ፣ ብንቕሕት ተኻታቲልና ክንምክቶ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

እዚ ኢሰያስ “ኣፍወርቂ” ዝብሃል ግንከኣ ካብ ሓንቲ ዘኽታም ኣረጋሽ  ዝተባህለት ከዳሚት ሜስ ዝተወልደ፣ ዕድሜኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ምስ ደቀይ ንቤት ትምህርቲ ይወፍር ነበረ። ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሓሉ እዋን ግና ምስቶም ፒስኮርፕ ዝብሃሉ መማህራን ኣሜሪ ካውያን ተመሓዝዩ፣ ንቃኘው ስተሽን ዝብሃል መዓስከር ሰራዊት ኣሜሪካ ምምላስ ጀመረ። ካብኡ ንዩኑቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ክምሃር ከሎ፣ ብሓወይ ሽዑ ዘመን ደጃዝማች ሰለሞን ኣብርሃ፣ ኣንደራሴ ወሎ ክፍለ ሃገር ኮይኑ ንንጉስ ሃይለስላሴ ዘገልግል ዝነበረ፣ ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ድማ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ  ደርግ ዝተረሸነ፣ ቁጠባዊ ሓገዝ ይረክብ ነበረ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነብር ከሎ ድማ፣  ምስ ጀነራል ዳኒኤል መንግስቱ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ወይ ስለላ መርበብ ውሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ብስዉር ይራኸብ ነበረ። ካብኡ ብምትሕብባር ደጃዝማች ሰለሞን ኣብርሃን፣ ንጉስ ሃይለስላሴን ነቲ ብጀብሃ ዝፍለጥ ኣስላማዊ ሓይሊ ከም ሰላዪ ኮይኑ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኢሉ ንክሰርሕ መደብ ወጸ።  ስንቅን ስለላዊ ምዕዶን ተዋሂቡዎ ድማ ንሱዳን ወጸ።

ካብኡ ግና መንግስቲ ኣሜሪካ በቶም መሃንድሳት ስለላ መርበብ ከም ሪቻርድ ኮፖላንድ ሚልስን፣ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ተጨውየ። ነቲ መደብ ኢትዮጵያ ጠንጢኑ ድማ ነቲ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝተማህዘ “ፕሮጀክት ፈልሲ ነርሰሪ” ዝብሃል ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ንኸተግብር፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ መስሪቱ ጸረ ሰውራ ንኸካይድ ስልጣኔን ምኽርን ተዋህቦ። ካብኡ ንሜዳ ኤርትራ ድሕሪ ምውፋር፣ ብፍላይ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ብሓፈሻ ድማ ብጽዮናውያን ምሉእ ዘይጉዱል ብስዉር ስለላዊ ስልጠና እንዳተዋህቦ  ጸረ ሰውራ ኤርትራ ካuንተር ሪቮሉሽን የካይድ ነበረ።

እዚ ሰብዚ እምብኣር፣ ንገርሀኛን ደላይ ሰላምን ፍቕርን ልዑላውነትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ንከውጽእ ዘይኮነስ፣ ወራስ ዓራት ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ፣ ብፍላይ ከኣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን፣ ብሓፈሻ ከኣ ንረብሓ ኢትዮጵያ ንኽኽድም እዩ ን57 ዓመታት ተቓሊሱ።

ካብዚ ተበጊሱ እዩ እምብኣር፣ እዚ ሎሚ ንኣዲስ ኣበባ ከይዱ፣ “ተደሚርና ኢና”! ሓንቲ ሃገር እምበር ክልተሃገራት ኣይኮናን”! ኢሉ ተጠሊዑ ዝግዓረ። ንሱ ድማ ነቲ ብ1952 ዓ.ም.ፈ. “ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ብዘየገድስ፣ ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣሎዋ” ዝብል ፖሊሲ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሎሚ  ድሕሪ 66 ዓመታት  ብሰላዪ ኢሰያስን መንእሰይ ሰላዪ ዶር.ኣቢዪ ኣሕመድን ከክትግበር ንዕዘቦ ዘሎና።

እምብኣር እቲ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ፣ ሎሚከኣ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ብሰንኪ ሰላዪ ኢሰያስን ሰለይቲ መራሕቲ ወያኔን ደኺሙ ኣላሽ ኣብዝበለሉ እዋን፣ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ፣ እንታይ ክገብር ኣለዎ? እቲ መልሱ ሓጺር እዩ፤ እቲ ብሓፈሻ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ተኣሊሙ፣ ብወያኔን ብህግደፍን ከኣ ብፈላሊኻ ግዛእ  ዝብል ክኸይድ ዝጸንሐ መስርሕ ካብታ ትማሊ ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ባዕሉ ብግህዶ ዝተዛረቦ ዘረባ እቲ ዕንክሊልን ላግጽን ከምዘብቅዐ ኢና ንርዳእ። እወ፣ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ከምዝብሃል፣ ሓሸውየ ሰላዪ ኢሰያስ ንጥፍኣትና ከምዝኾነ ስለዘግሃደ ኣብቂዑ እዩ። ብኢሰያስን ብጭፍራ ወያኔን ኣብ ልዕሌና ክኸይድ ዝጸንሐ ውዲታዊ መስርሕ ኣብቂዑ እዩ።  ስለዚ ብሓደ ተዋሃሂድና፣ ቅድም ቀዳድም ካብቲ እንዕቝሖ ምፍልላይ ፈንጢስና ወጺእና፣ ብዘይ ቶኽሲ ብፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ፕላት ፎርም ሒዝና ኤርትራውያን ምስ ኤርትራውያን ክንድመር ኣሎና። ካብኡ ጸላእትና እቶም ወተሃደራት ኣሜሪካን እንግሊዝዝን ዝኾኑ ብፍላይ ኢሰያስን ኣባልት ፖሊት ቢሮ ወያኔን ህግደፍን ወያኔን ቀንዲ ጸላእትና ምኻኖም ኣለሊና፣  ኣሚንና መኸተ ከነካይድ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምኻኖም ከየለለና ዕንክሊል ክንብል 27 ዓመታት ኣሕሊፍና። ሕጂ ግና ብጌጋና ተኣሪምና ጸላእትና ኣለሊና ንመንነትን ኤርትራ ወይ ሞት ኢልና ንበገስ።  እንተዘይኮይኑ ብጃምላ ክንጠፍእ ኢና።

እንቓዕ ኣርከብናሉ። https://youtu.be/p20tO8h47yU

ንቕሓትን ልቦናን ንህዝቢ ኤርትራ! ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቱ ከለሊ እዩ!

ወጊድ ተስፋ ምቕራጽ! ዓወት ንንቑሕን ለባምን ህዝቢ ኤርትራ!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ