ስለምንታይከ ደድሕሪ ቦጣት ምግጕያይ ኮይኑ?
ሓዳስ ኤርትራ መበል 27 28 ታሕሳስ 2017 – ገጽ 2

ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ውሑስ ቀረብ ማይ፡ ኣብ መነባብሮ ርግኣት ከምዝፈጠረሎም – ንዝነበሮም ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም።

ኣምሆ ዘመን፣ ኣብ መዋእል ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ደርግንከ ፣ ኣብ ከተማ ከረን ማይዶ ተሳኢኑ ይፈልጥ እዩ? ርእይቶ ደቀባት

ብመሰረት ዝተዋደደ ውሑስ ምንጪን ዝተዘርግሐ መስመራትን፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ብምሕባር፡ “ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ህዝቢ ከረን ደድሕሪ ቦጣትን ኣድጊን ዝጐዪ ዝነበረ ድኣ ደይ ግዛይዊ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ደቀባት ምስተወጥሐ እዩ ተፈጢሩ። ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ፣ ንመን ከተእምኑ ኢኹም ትዋጥዩ ዘሎኹም? ህዝቢ ከረን ይኹን ህዝቢ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ፣ ማይ ክሰቲ ዝኽእል፣ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ እንተተኺሉ ጥራይ እዩ። ገዛውቲ ዘፍርስን፣ ማይ ዘንቅጽን ግንከኣ ን30 ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ዝፍለጥ “መንግስቲ ህግደፍ” ኣልጊሱ ህዝባዊ መንግስቲ ከኣ ምስ ዝምስረት ጥራይ እዩ፣ ማይ ክሰቲ ዝኽእል። ርእይቶ ደቀባት

ግዝያዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከተማ ከረን፡ መንእሰይ ኣብርሀ ግርማጼን፡ እቲ ዝከፋፈል ዘሎ ማይ ካብ ሰለስተ ነቚጣታት – ማለት ካብ ጸባብ፡ ቀረብ ማይ ከተማ ከረን ‘ውሕስነት’ ረኺቡ ማእከላይ ዓንሰባን ጀበል ግሩድን ከም ዝምንጩን፡ ብሓይሊ ጸዓት ኤለክትሪክ ኣብ ቃጼታይን ሽፍሽፊትን ኣብ ዘሎ ዓበይቲ ባስካታት ድሕሪ ምጭንጓዑ – ብስሕበት ኣብ ህዝቢ ከም ዝባጻሕን ኣረዲኡ።

ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ፣ በሉ ግበሩስከ፣ ንህዝቢ ከረን ይኹን ንህዝቢ ካልኦት ከተማታት፣ ደቁ ገፊፍኩም ንበረኻ ሳዋ ምስዳጎንኩሞም ደይኮነን፣ ዝሕግዞ ዘይብሉ ብጎረርኡ ዝተታሕዘ። ብሓላፍነት እትሕተቱ ድኣ እህግደፍ ከይትኾኑ? በሉ ጽባሕ ብጊሓት ንርኤኩም፣ ንህዝቢ ዘርብሕ ፕሮጀክት ማይ ይኹን፣ ብሓቂ ድማ “ቀረብ ማይ  ከተማ ከረን ዋሕስነት” እንተረኺቡስ። ርእይቶ ደቀባት

እቲ ዕደላ – 70 ሚእታዊት ብዝተዘርግሐ መስመራት፡ እቲ 30 ሚእታዊት ብቦጣት ከምዝካየድን መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ይስራሓሉ ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።

ካብ ኮሎንያል ጣልያን ጀሚሩ ክሳብ መዋእለ ደርጊ ፣ ህዝቢ ከረን ቦጥን ጅርባን ርእዩ ኣይፈልጥን። ንስኹም ምስተቐልቀልኩም ግና፣ ንህዝቢ ከረን 100 ዓመታት ንድሕሪት ከምዝምለስ ገርኩሞ። ንመን ንክትእምኑ ኢኹም ትውቅጡ ዘሎኹም? ርእይቶ ደቀባት

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ሽፍሽፊት፡ እንዳፍላ፡ በተርየት፡ ብሎኮ፡ ከባቢ ቤት- ትምህርቲ ዖናን ገዛ-ባንዳ ላዕላይን፣ ልዕሊ 1230 ሓደስቲ መስመራት ከምእተዘርግሑ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ዝነበሩ 5210 ዓማዊል እውን 295 ዜጋታት ሓደስቲ ቈጸርቲ ከምእተዓደሉ ገሊጹ።

ማይ ብመስመር ንዘይበጽሖም ከባቢታት ንምብጻሕ፡ ትካሎም – ካብ ጸባብ ንፎርቶ 11 ኪሎ-ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ጸበብቲ መስመራት፣ ብገፋሕቲ ንምትካእ እውን ይስራሓሉ ምህላዉ መንእሰይ ኣብረሀ ኣረዲኡ።

ይግበረለይ በለት ውጽዕቲ….። በሉስከ ኣፍኩም ይስዓር እምበር፣ እቲ ጉዳይሲ ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ እዩ። ርእይቶ ደቀባት

ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት፣ መዓልታዊ ዕዮ ህግደፍ ከምዝኾነ ህዝቢ ከረን ኩሉ ውዲታት ህግደፍ ተረዲኡዎ እዩ። ነቶም ደቁ ካብ ሳዋ ንገገዝኦም ተመሊሶም ምስ ስድራቤቶም ክነብሩ እንተድኣ ፈቲኖም፣ ሽዑ ጥራይ እዩ ህዝቢ ከረን እፎይ ኢሉ ክነብር ዝኽእል። ርእይቶ ደቀባት