“ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ፣ ነበርቲ ከተማ ከረን”! ይብሉ ኣለው እንዳ ህግደፍ፣ ሓቂዶ ሓሶት?
ስለምንታይከ ደድሕሪ ቦጣት ምግጕያይ ኮይኑ?
ሓዳስ ኤርትራ መበል 27 28 ታሕሳስ 2017 – ገጽ 2
ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ውሑስ ቀረብ ማይ፡ ኣብ መነባብሮ ርግኣት ከምዝፈጠረሎም – ንዝነበሮም ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም።
ብመሰረት ዝተዋደደ ውሑስ ምንጪን ዝተዘርግሐ መስመራትን፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ብምሕባር፡ “ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ዕደላ – 70 ሚእታዊት ብዝተዘርግሐ መስመራት፡ እቲ 30 ሚእታዊት ብቦጣት ከምዝካየድን መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ይስራሓሉ ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።
ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ሽፍሽፊት፡ እንዳፍላ፡ በተርየት፡ ብሎኮ፡ ከባቢ ቤት- ትምህርቲ ዖናን ገዛ-ባንዳ ላዕላይን፣ ልዕሊ 1230 ሓደስቲ መስመራት ከምእተዘርግሑ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ዝነበሩ 5210 ዓማዊል እውን 295 ዜጋታት ሓደስቲ ቈጸርቲ ከምእተዓደሉ ገሊጹ።
ማይ ብመስመር ንዘይበጽሖም ከባቢታት ንምብጻሕ፡ ትካሎም – ካብ ጸባብ ንፎርቶ 11 ኪሎ-ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ጸበብቲ መስመራት፣ ብገፋሕቲ ንምትካእ እውን ይስራሓሉ ምህላዉ መንእሰይ ኣብረሀ ኣረዲኡ።
|
Recent Comments