ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ኣሜሪካዊ ልኡኽ ዶናልድ ያማሞቶ Donald Yamamoto ሓጺር ዑደት ነስመራ ምግባሩ፣ ብቕጽበት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስትራተጂካዊ መልእኽቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ከተግብር ጀመረ። እወ፣ ኣብቲ ዓመት ዓመት ንህዝቢ ንምጥባር ተባሁሉ ብ “መዓልቲ ስውኣት” ዝፍለጥ ዕለት ብ20 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈውቂ፣ ተጠሊዑ “ወያኔ GAME OVER”! “SCAVANGERS እዮም”፣ “ወያኔ መድረኹ ኣብቂዑ እዩ” ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሳን ንክዛተ ጠልብ ኣቕሪቡልና ስለዘሎ ልኡኻትና ንኢትዮጵያ ክንልእኽ ኢና፣ ክብል ሓዲሽን ንህዝቢ ቀልቡን ሕልንኡን ንግዜኡ ዝሰልብ መደረ ኣስሚዑ። ጽንሕ aiሉውን ኣብቲ መመረቕታ 32 ብ”ሳዋ ወይ “ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝፍለጥ ግንከኣ ብግብሪ ንሕልፈታት ዝቕጽል ወፍሪ ባርነት ዝኾነ ከይዱ፣ “መልእኽትኹም ሒዘ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እየ ኢሉዎ”.እወ እቲ መደረ ግና፣ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ንሕልንኡን ስምዒቱን መዝሚዙ ዘይፍጸም ተስፋ ዝህብ እዩ ነይሩ። ኢሰያስ ንመቐለ ነጢሩ ምስቲ ውላድ ወያኔ ብዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ዝብሃል ግዝያዊ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለዝተራኸበስ ብዘይ ወያኔ እቲ ወፍሪ ክካየ! “ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ”! ወይ ጉድ መራሕቲ ወያኔን ኢሰያስንሲ ይኣይ ክብኣሱ፣ እዞም ክልተ ክናናን ምናናን ህግደፍን ወያኔን ድኣ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ንሓደ ሕቡእ እስትራተጂካዊ ኣጀንዳ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ዝተላእኩ፣ ክልተገጽ ሓደ ቅርሺ ድኣ ከይኮኑ? ዕድመን ጥዕናን ጥራይ ይሃበና እምበር ንኹሉስ ከነርክበሉ ኢና።

ፕሮጀክት ፈልሲ፣ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስን ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እዋናዊ ዘይኮነስ፣ መድረኹ ሓልዩ ደፋእ እንዳበለ ክጒዕዝ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ በቲ ሰላዪ ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዝርአ ዘሎ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን።

ካብቶም ብተግባር ኣብ አርትራ ዝፍጸሙ ዘለው መደብ ዕዮታት እስከ ነስተብህለሎም፣

ብሰንኪ ወያኔ ድየን 360ን ኣብያተ ማእሰርቲተሃኒጸን!  ብሰንኪ ወያኔ ድዮምመንእሰያት ንስደት ኣምሪሖም ! ብሰንኪ ወያኔ ድዩ ባንኪ  ! ብሰንኪ ወያኔ ሳዋ ክቕጽል ኣለዎ! ብሰንኪ ወያኔ ድዩ ምዕባሌ ተሳኢኑ! ብሰንኪ ወያኔ  ድዩ ማይን ሉቸን ጨኒቑ? ብሰንኪ ወያኔ ገዛaቲ ብትእዛዝ aiሰያስ ፈሪሱ? ብሰንኪ ወያኔ ድዩ ቤተ መንግስቲ ኢሰያስ  ቊሸት ዓዲ ሃሎ ኮይኑ? ዋላስ ኢሰያስ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ፣ ግድነት ከግህዶ ስለዝመደበ፣ ማለት ነቲ ብጀጋኑ ደቂ ሃገር ን30 ዕመት ተቓሊሶም ዘምጽኡዎ ልዑላውነት ኤርትራ ንምሕካኽ ኢሉ፣ ኣቐዲሙ ዝፍጾሞም ዝጸንሐ መደብ ዕዮ እዮም ነይሮም? እምብኣር ኣብ ኣስመራ ሓደ ገዛ፣ ብሓደ ሚልዮን ዝሽየጥ ወይ ዝግዛእ ዝነበረ፣ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ግና ካብ ዓዲ ግራትን ተንቤንን ዝመጹ ተጋሩ ብክልተ ሚልዮን ይዕድጉዎ ኣለው። እወ እኳድኣ ብብዝሒ ገዛውቲ ኣስመራ ዝዕድጉዎ ዘለው ኣምሓሩን ጋላን ዘይኮኑስ ተጋሩ እዮም። ነዚ ሓበሬታዚ እንተዘይ ኣሚንኩሞ፣ ነስመራ ተላፊኖ ደዊልኩም ከተረጋግጹዎ ትኽእሉ ኣiኹም። እዚ ከኣ በብቁሩብ ዘይኮነ ብብዝሒ ይገዝእዎ ኣለዉ። ቅድሚ እስራኤላውያን ንፍልስጢኤም ምውራሮም፣ ኣቐዲሞም፣ ካብ ደቂ ፍልስጢኤም ንእሽተይ ቦታ ወይ መሬት እዮም ክገዝኡ ጀሚሮም። ጽንሕ ኢሎም ግና ካብ ሃገራት ፖላንድን፣ ሩስያን ጀርመንን፣ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፣ እንዳመጹ፣ ማእለያ ዘይብሉ ገዛውቲ ደቀባት ፍሊስጠማውያ ዓዲጎሞ። እወ፣ ኣብቲ መጀመርያ ደፋእ እንዳበሉ እዮም ገዛውቲ ክገዝኡ ጀሚሮም ጸኒሖም ግና ነቲ ህዝቢ ፓለስቲና ንዕዲ ጆርዳንን ንካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ሰጒግም ነታ መሬት ዘሚቶማ። ንሳቶም ድማ  እቶም ብዓሌትን ብዲኤንእን (DNA) ይሁዳውያን ዘይኮኑ፣ ግንከእ ብውዲት ይሁዳውያን ኢና ኢሎም ንገርሀኛህዝቢ ዓለም ዝታለሉ ገናውን ዘታልሉ ዘለው፣ ንሃገር ደቀባት ፍልስጢኤም፣ ብሓይሊ ኣግዲፎም ወሪሶማ ዘለው፣ ብ”እስራኤል IS RA EL” ዝብል ስም ዝተጠመቑ ህዝቢ እዮም። ተጋሩን፣ aምሓሩን ጋለሉን ድማ፣  ህዝቢ ኤርትራ ምስተሰደን ምስተኣስረን፣ ኣብ ኤርትራ ኣንታይ ክገብሩዮም፣ ጽባሕ ብጊሓት ክንርእዮ ኢና።

እዚ ሎሚ ብግህዶ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ተኣምራት መሲሉ ዝርኣየና ዘሎ ውራር ተጋሩ፣ ቅድሚ ሎሚ ብስዉር ኣካይዳ ጎብየ እንዳኸደ ደፋእ እንዳበለ ክጒዓዝ ዝጸንሐ፣ ኣብ ሎሚ በጺሑ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት ሃጸያውያን እዩ። እወ፣ ንኣስታት 60 ዓመታት ዝኣክል፣ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፣ ነዚ ድያብሎስ ሰላሊ ኢሰያስ መልሚሎም ዘሰልጠኑዎን ገናውን ዝእዝዙዎን ዝሕልዉዎን ዘለው፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን እዮም።

እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ውዲታዊ ወፍሪ “መደመር፣ ፍቅር ያሸንፋል፣ ሰላም“..ወዘተረፈ…ዝብል፣ ውሽጡ ዕረ ግዳሙ ግና ምዓር ዝኾነ፣ ንህዝቢ  ኤርትራ ግና ወፍሪ ጥፍኣት እዩ። እወ፣ እቲ ቅድሚ ሎሚ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበረ ሎሚ ተጋሂዱ።እዚ ሎሚ ብግህዶ ክትግበር ንዕዘቦ ዘሎና ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፣ እከይ ወፍሪ እዚ፣ እምብኣር፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ብመደብ ተኣሊሙ ዝተጠልፈ ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት እዩ።

እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ደቂ ሃገር ግና፣ ነዚ ፕሮጀክትዚ እቲ ፈዛዝ ኢሰያስን፣ እቲ 12 ኪሎ ጥረ ሥጋ ዝውሕጥ መንእሰይ ሰላዪ ኣቢ ኣሕመድን፣ ዝምሃዙዎ ሰናይ ፕሮጀክት ምመሲሉ ተረዲኡዎም። እወ፣ ንሓደ ንፍርቂ ዘመን ብስለላን ኮለላን መሃንድሳት ሃጸያውያንን ጽዮናውያንን ዝሰልጠነ፣ ፈዛዝ ሰላዪ ኢሰያስ፣ ካብ ኣምሆ ዘምን ጀሚሩ ንበላሕቲ ፍላስፋታትን ጀጋኑን ደቀባት ኤርትራ መንቑሱ፣ ሎሚ ከም ሓደ ብዓልዓቢ ሃይለ-ስልጣን ኮይኑ ከምዝርአ ዝገበሩዎ፣ ንሶም መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን እዮም። ስለዚ እዚ ሎሚ ኢሰያስ ምስ ኣቢ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ሕጽኖት፣ እንዳጸንሐ ዝትኮስ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦምባ እዩ። ድሮውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ባርዕ ዛጊት ሃልሃል ክብል ንዕዘቦ ኣሎና። እወ፣ ብሕጂውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ እዞም ሰለልቲ  ጽዮንነት+ ሃጸይነ = ሓዲሽ ዓለማዊ ሽርዓት ዝኾኑ፣ ወያኔን ህፍደፍ ዘለው ዘይተኣደነ ባርዕ ክኣትዎ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ድሕሪ 50 ዓመታት ቃልሲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምህላቑ እዩ።

እወ፣ እዚ ሎሚ ንዕዞቦ ዘሎና ድራማ፣ ብመደ ጽዮናውያን እዩምበር በዚ ፈዛዝ ኢሰያስ ከምዘይኮነ ክንግንዘብ መድረኹ ይጠልበና ኣሎ። ኢሰያስ ከም ኣብ ሰረገላ ኮይኖም ዘጋልቡው፣ ስሓብ ከሮሳ ፈረስ ኮይኑi እዩ፣ ንስትራተጂካዊ መደብ ዕዮ ሃጸያውያንን ጽዮናውያንን ከተግብር ዘይኮነስ፣ መንግዲ ንኽጸርግ ዝተላእከ ሰላዪ እዩ። እወ። ንህዝቢ ድኣ ክልክምን ንፈረንጂ ድማ ታሪኽ ክሰርሓሎም እምበር ንሱስ እንተብኽፉ እንተ ብጽቡቕ ክቕዘፍ እኮ እዩ። መን ዝነበሮ ድኣ ክነብ!

ለባማት እቦታትና ክምስሉ ከለው፣ “ንዓሻን ደርጒሓሉ (ኣግህደሉ) ስለዘይርድኦ፣ ንለባም ግና ኣምትተሉ ድኣ ስለዘይስሕቶ“ ይብሉ፣ ስለዚ ኣብ ኤርትራ ተጋሩ ይኹኑ ካልኦት ዜጋታት ገዛውቲ ክዕድጉን ክሸጡን ከማጽኡን ክድልሉን እንተድኣ ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንግደሓቂ፣ ብመጀመርያ ክፍጸሙ ዘለዎም ጉዳያት፣ ቅድሚ ኲሉ ጒዳይ ሓርነት፣ ጒዳይ ሕገ-መንግስቲ፣ ጒዳይ ሓጋጊ ኣካልን፣ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካል ክስረቱ ኣለዎም።  ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፣ ጉዳይ እሱራትን መሰረታዊ ሰላምንከምኡውን ነቲ ካብ ርብዒ ሚልዮን ዝበዝሕ ወዲ ክልቲኡ ሃገራት መንእሰይ ዝበልዐ ጉዳይ ዶብ ከይተረጋገጸ፣ድሮ 27 ዓመታት ሓሊፉ እዩ።

ሃብታማት ወነንቲ ርእሰማልን ትካላትን ኤርትራውያን ካብ ሃገር ተሰዲዶም ኣብ ባዕዲ ሃገራት ክነብሩ ካብ ዝጅምሩውን 27 ዓመታት ሓሊፉ። እምብኣር ሎሚ ዝግበር ዘሎ ውዲት እታ ደቂ ሃገር ተቓሊሶም ካብ ባዕዳውያን ነጻ ዝገበሩዋ ኤርትራ እትብሃል ሃገር፣ ህዝባ ሓራ ኮይኑ ክሳብ ዘይነበረ፣ ግድነት እዩ እታ ሃገር ንኤርትራውያን ዘይኮነትስ፣ ንባዕዳውያን ክትከውን። መኽንያቱ ንጉድ ኢሰያስን፣ ሕቡእ ኣጀንዳኡን ከይከሻሕና፣ 27 ዓመታት ዝኣክል፣ ሓንሳብ ብብሔር፣ ሓንሳብ ብሃይማኖት፣ ሓንሳብ ብውድብ እንዳበልና ፣ንኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘብዘብ ክንብል ጸኒሕና ኢና። ንጭፍራ ህግደፍ ግን ሓንት ጥይት እኳ ትኹን ክንትኲስ ኣይከኣልናን። እወ፣ ገሌና ድማ “ኢሰያስ ኣንበሳ” ” ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” እንዳበልና ምስ ኢሰያስ ከነጣቕዕሉ ጸኒሕና። ሕጂ ግና ጽሓይ ዓሪቡና! ሓቂዶ ሓሶ?!

እዚ ሎሚ ብመደመር ኣምሲልካ ንምጒዳል ከምዝኾነት ዝሕብር ግሁድ ወፍሪ፣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ፣ ብፍላይ ከኣ እዚ ኣብ ኣስመራ ዝርኤ ዘሎ ግሁድ መስርሕ፣ ንኣብነት ከም  ወራር ትግራዎትን ኣምሓራን፣ ግድነትዩ ክፍጸም። ድሮኳ ሎምስ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ክስቆሮ ጀሚሩ። ደንጒዩኳ፣ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ።

እወ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና፣ ንመሪሕነት ውድብ “ህዝባዊ ግናባር ሓርነት ኤርትራ“ ሎሚ ከኣ ኣብዚ ንርእዮ ዘሎና ተርእዮ፣ ኣብ ህዝባዊ ግናባር ባርነት ኤርትራ ተቐዪሩ ዘሎ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ንመዳ ዝወፈረ ሓይሊ ከምዘይኮነ፣ ግንከኣ ትካል ሃጸያውያን ከምዝኾነ፣ ብፍላይ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ብፍላይ ካብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ጀሚርና ንህዝቢ ኤርትራ ኣውዪናሉ ኢና። ግን “ህርፋን ጸባ ዘለዎስ ጓጒድ ማይ ወድኤ” ከምዝብሃል፣ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብር. ኤርትራዊ በዘይካ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩዎ ከሎ (ተፋላልዩ ከሎ) ብፓልቶክ ምቍያቕ እምበር፣ ብሓብር ተደሚሩ ኣንጻር ኢሰያስ ክምክት ኣይተራእየን። ዝሰምዕ ዘይኮነስ ዘጣቕዕ ጥራይ እዩ ኮይኑ ተሪፉ። ሕጂ ግና ኣውያት ይስማዕ ኣሎ። ሕጂውን ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ሕጂ እውን ሓቢርካ ንጸላኢኻ ኣለሊኻ ምምካት ይከኣል እዩ።

እዚ ስርዓት ህግደፍ፣ ህዝባዊ ግፍዕን ደንበ ፍግርን፣ ኣብዚ እዋንዚ ብግህዶ መሰረትና ከጥፍኣና ከሎ ንዕዘቦ ኣሎና። እሞድኣ እንታይ ምግባር ይሓይሽ?? ኩልና ኤርትራውያን ዋላ ደገፍቲ ህግደፍ ዝብሃሉ ብሓባር ክንድመር ኣሎና፣ ሽዑ ተደሚርና ንኢሰያስን ህግደፍን ከነጒድሎም ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ጭፍራ ህግደፍን ኢሰያስን፣ ብመደብን ብግህዶን ንህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቶም ነታ መሬትን ቀዪሕ ባሕርን፣ ንባዕዳውያን ንከረክቡዋ ይጓየዩ ከምዘለው፣ ነቲ ክልተ ዓይንን፣ ክልተ እዝንን ዘለዎ ሰብ እዝዩ ግሁድ ወፍሪ ምኻኑ ርዱእ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ንምንታይ ኢና ሱቅ ኢልና ንርኢ ዘለና? ኣዝዩ ዘስደምም! እቲ ወደባት ኤርትራስ እባ ምዓንጣኡ የሓርር ኣሎ! እወ፣ እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ወፍሮም ድማ፣ ንዘስተብህል ሰብ፣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም፣ መሰረትና ንሓዋሩ ንከጥፉኡና ክጓየዩ ንዕዘብ ኣሎና። ቅድም ብተጋሩ፣ ጸኒሑ በምሓሩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣዛብእን ተዃሉን ጽዮናውይና፣ ብስም ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ከም “ገበርቲ ሰናይን፣ ጎይቶት ዲሞክራስን ፍትሕን” ኮይኖም ክወሩና እዮም። እወ፣ ጽዮናውያን ንሕና ብገርህና ከሎና፣ ምዕራባውያ ካብታ ኣብዶጋሊ ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ዝተዳህሉላ እዋን ጀሚሮም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብትግራዎት ጥራይ ኣላሽ ከተብሎ ከምትኽእል ፈሊጦም። መጽናዕትን ምርምርን ሶሻል ኢንጂነሪንግ ገሮም ድማ ትግሪኛ ዝዛረብ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ክሳብ 20 ዓመቱ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ግንከኣ በብኡን በዲኡን ትግራዋይ ንኢሰያስ ኣፈውርቂ፣ ብስለላን ኮለላን መልሚሎም ኣሰልጢኖም ልኢኾምልና። እንሆ ከኣ ብተግባር ሃገርና ብትግራዎት ክትውነን ንዕዘብ ኣሎና። እወ፣ ኣብዚ ከነስተብህሎ ዘሎና፣ ፈረንጊ ብፍላይ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኢስራኤልን፣ ብገረብ ብሓኽላ ጌሮም የጥፍኡና ከምዘለው ክስቆረና ኣለዎ። እቲ ጽዮናውያን ንሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣዋዳዲሮም፣ መርሚሮምን ኣጽኒዖምን ዘረጋገጹዎ፣ትግራዎት ጎራሓትን ብሰንኪ ስእነት ድማ ህርፋን ገንዘብ ዘለዎምን ምዃኖም፣ ብገንዘብ ኣታሊልካ ሰለይቲ ከምትዕስክሮ ኣረጋጊጾም።

እምብኣር ንህዝባዊ ግንባር ብኢሰያስ ጓሲዮማ፣ ንኢሰያስ ዝሕልዉን ዝትክኡን ድማ መ

ራሕቲ ወያኔ ምሂዞም። ዎ ኤርትራዊ! እዚ እዩ እምብኣር እቲ ሓቂ ! እምብኣር ነታ ዝብህጉዋ ኤርትራ፣ መሬታን ባሕራን መኣዛ ዘለዎ ኣየራን ንምግባት፣ መጽናዕትን ምርምርን ኣውጺኦም፣ ብዘይ ጸገምን ብቐሊሉን፣ እኳድኣ መራሕቲ ኢሰያስን ወያኔን ከቲቦም፣ ብዋጋ ደቂ አርትራ መስዋእቲ ኤርትራውያን ንረብሕ ጽዮናውያን፣  ዝትግግበር መደብ ዕዮ ኣውጺኦም። ስለዚ መሳኪን ተጋሩውን ኣይክረብሑን እዮም። እቶም ዝረብሑስ ንሶም ምዕራባውያን ጥራይ እዮም።

ብመሰረቱ ኤርትራውያን ተጋሩ የሕዋትና እዮም ክብሉካ ይስምዑ እዮም። እዚ ከኣ ሓሶት ኣይኮነን ግና ምሳፍንቲ ትግራዎት ብታሪኽ ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ነይሮም። ሎሚ ድማ ደቂ ደቆም መሳርሒ ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ኮይኖም ብምዕቡል ሜላ ንህዝቢ ኤርትራ ኣላሽ የብሉዎ ኣለው። እቲ ኣዝዩ ዝሕዝን ድማ ብገንዘብ ተታሊሎም ንሓደ ብታሪኽ ጅግንነትን ነቲ ካብኦም ዝበለጸ ህዝቢ አርትራ፣ ንምጽናት ይራባረቡዎ ምህላዎም እዩ። ንትግራዎት ድማ፣ እዞም ተዃሉ ጽዮናውያን እዮም ተላጊጾምሎም። ንሶም ከኣ ንዓና ተላጊጾምልና እምበር ትግራዎት ካብ ኤርትራውያን ስለዝሕይሉ ኣይኮነን። ጽብሓ ብጊሓት ግና ህዝቢ ትግራይ ደድሕሪ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዓሳኽር ዮናውያን መራሕቲ ወያኔ ክጠፍእ ምኻኑ ዘየጠራጥር እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ታሪኽ ስለልቲ መራሕቲ ወያኔን፣ ህግደፍን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ከኣ ክኸውን። ወያኔን ህግደፍን ንህዝቢ ትግራይ ይጥቕሙዎ እዮም ዝብል ሰብ እንተድኣ ሃልዩ ግን ዕንጅል ዝበለ ጥራሕ ክኸውን እለዎ። ካብ መሳርሒ ስለላ መርበባት ኮንካ ህዝብኻ ምጥፋእስ ከይተፈጠርካ ምንባር ይሕእይ!!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
20 ጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ.