“ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ”! ከም ዝብሃል፣ ንሓና ኤርትራውያን ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ሰውራ: ኣብዚ ሎሚ ወዲቕናዮ ዘሎና ትሕቲ ዜሮ ኲነታት ስለዝበጻሕና፣ ሰማዒ ንርከብ ኣይንርከብ፣ ግድነት ክንእውዪ ኣሎና፣
ኢሳያስ ኣፈወርቂ መቐጸልታ ባዕዳዊ ገዝኢ ኮሎንያል ጣልያን እዩ! ቃልሲ ኤርትራ ድማ ትካል ምዕራባውያን እዩ! ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፣ ምዕራባውያን ርእሰማሎም ከደልቡ ሂዝቢ ኤርትራ ክመውትን ክጸንትን ተፈሪዱ ማለትዩ!!! እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ንከታተላ እሞ ቁሩብ ከነስተብህል ንፈትን።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ደለይቲ ነጻነትን ሓርነት፣ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልኡኽ ባዕዳውያን ምኻኑ፣ ሰላዪ ጽዮናውያን ምዃኑ፣ መራሕቲ ወያኔ እውን እንተኾኑ ዝገደዱን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምስ ኢሰያስን ህግደፍን ምዃኖም ደጋጊምና ሓቢርና ኔርና ኢና። ይኹን እምበር ብዙሓት ሰማዕቲ ክንረክብ ይትረፍስ፣ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ምሳና ዝቃለሱ ዝሓገዩን ዝኸረሙን፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድማ ብረዳክቶር ደረጃን፣ ብኢንተርቪውን መልእኽቶም ንተኻታተልቲ መርበብ ደቀባት ዘቕርቡ ዝነበሩ፣ እሞከኣ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሽማግለታት፣ ብግርህነትን ብየዋህነትን፣ ኣብቲ ብውዲት ወያኔ ዝዳሎ ዝነበረ፣ ግን ከኣ በቶም ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝኾኑ፣ “ተቓወምቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ኢና“ ብሃልቲ፣ ክሳ 33 ዝኸውን ቍጽሮም፣ ዘብዘብ ክብሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ መርበብ ሓበረታ ደቀባት ርሒቖም። ገሊኦም ኣብቲ ትካል ህግደፍ ዝኾነ፣ መርበብ መስከረም ኔት ከውደኽድኹ ተራእዩ፣ ገሊኦምውን ኣብ መርበብ ኣሰና ምስልምናን ክርስትናን ፈላላዪ መደረ ከቕርቡ ተራእዩ። እታ ባቡር ደቀባት ግና፣ ኣብ እንዳወያኔ ኣይሰገደት፣ እብ እንዳ ህግደፍው ኣይተንበርከኸትን። ክሳብ ሎሚ ድኽነት ብዘየገድስ፣ ቅሎትኒ ትራድዮ ቅለቱኒ ንቲቪ ከይበለት፣ ቃልኪዳን ደቀባት ከየፍረሰትን ከይተሓለለትን፣ ክሳብ ፍጹም ልዑላውነት ሃገርን፣ ውድቀት ህግደፍን፣ብፍላይ ከኣ ሞት ሰላዪ ኢሰያስን፣ ኣፈወርቅን፣ ንኽትቅጽል መብጽዓ ዝኣቶት መርበብ እያ።

እምብኣር እዚ ሎሚ ንቕርቦ ዘሎና ርእሲ-ዓንቀጽ፣ካብቲ ብዛዕባ ህግደፍን ሰላዪ ኢሰያስን፣ ቅድሚ ሎሚ ንሕብሮ ዝነበርና ሓበሬታ፣ ዝተፈልየን ሓዲሽን እኳ እንተዘይኮነ፣እቲ ሰላዪ ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንምዕንጃል፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብን፣ ሶሻል ኢንጂኔሪነታትን፣ ዝተማህዘ ፕሮጀክት “ምድማር ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ዕርቂ“፣ ግንከኣ ውሽጦም ዔረ ደጊኦም መዓር ዝኾኑ ጭርሖታት፣ ሒዙ ምስቲ ግዝያዊ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ፣ ዝፍጽሞ ዘሎ ውዲታዊን ዘብዘብ ዝተሓወሶን ፍጻሜታት፣ ኣዝዩ ሓዲሽ ዝኾኖም ደቂ ሃገር፣ ሓዲሽ ከምዘይኮነ ንምሕባር ኢና፣ ደጊምና ነቕርቦ ዘሎና።

ይቕጽል፣

ብሓልዮት መርበብ ሓቤሬታ ደቀባት ኤርትራ 08 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ.