የትግራይ ትግሪኛ ፖለቲካ – The Politics of Tigray Tigrinya VIDEO
“ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ”! ከም ዝብሃል፣ ንሓና ኤርትራውያን ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ሰውራ: ኣብዚ ሎሚ ወዲቕናዮ ዘሎና ትሕቲ ዜሮ ኲነታት ስለዝበጻሕና፣ ሰማዒ ንርከብ ኣይንርከብ፣ ግድነት ክንእውዪ ኣሎና፣
ኢሳያስ ኣፈወርቂ መቐጸልታ ባዕዳዊ ገዝኢ ኮሎንያል ጣልያን እዩ! ቃልሲ ኤርትራ ድማ ትካል ምዕራባውያን እዩ! ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፣ ምዕራባውያን ርእሰማሎም ከደልቡ ሂዝቢ ኤርትራ ክመውትን ክጸንትን ተፈሪዱ ማለትዩ!!! እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ንከታተላ እሞ ቁሩብ ከነስተብህል ንፈትን።
እምብኣር እዚ ሎሚ ንቕርቦ ዘሎና ርእሲ-ዓንቀጽ፣ካብቲ ብዛዕባ ህግደፍን ሰላዪ ኢሰያስን፣ ቅድሚ ሎሚ ንሕብሮ ዝነበርና ሓበሬታ፣ ዝተፈልየን ሓዲሽን እኳ እንተዘይኮነ፣እቲ ሰላዪ ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንምዕንጃል፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብን፣ ሶሻል ኢንጂኔሪነታትን፣ ዝተማህዘ ፕሮጀክት “ምድማር ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ዕርቂ“፣ ግንከኣ ውሽጦም ዔረ ደጊኦም መዓር ዝኾኑ ጭርሖታት፣ ሒዙ ምስቲ ግዝያዊ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ፣ ዝፍጽሞ ዘሎ ውዲታዊን ዘብዘብ ዝተሓወሶን ፍጻሜታት፣ ኣዝዩ ሓዲሽ ዝኾኖም ደቂ ሃገር፣ ሓዲሽ ከምዘይኮነ ንምሕባር ኢና፣ ደጊምና ነቕርቦ ዘሎና።
ይቕጽል፣
ብሓልዮት መርበብ ሓቤሬታ ደቀባት ኤርትራ 08 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ.
Recent Comments