ዛንታ ስርሒት ፎርቶ 2013
ቀንዲ ኣበጋገስቲ ፍጻመ ፎርቶ 2013 ድማ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ ኣዛዚ ማእካለይ እዚ ሜ/ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊልን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ መስጦፋ ኑርሑሴንን ነይሮም፡፡

THE LEGACY OF WEDI ALI…

ዛንታ ስርሒት ፎርቶ 2013

ቀዳማይ ክፋል

ብዝተፈላለዩ ቅያታትን ፍጻመታትን ዝተሰነደ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጸቢቑ ንዘስተባሃለሉ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 60 ዓመታት፡ ብውሑዱ ኣብ 12 ዓመታት ኣፈላላይ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻመ የጋጥም፡፡ ካልእ ሓዲግና ካብ 1961 ጀሚሩ ዝተረኣዩ ፍጻመታት ኣብ ክሊ 10 ክሳብ 12 ዓመታት ኣፈላላይ ዝተርኣዩ ታሪኻዊ ክስተታት ‘ዮም፡፡ ብ1961 ብእድሪስ ዓዋተ ዝተጋሃደ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ስዒቡ፡ ኣብ ፈለማ 1970ታትን 1980ታትን ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ኣስዒቡ፡ ብ1991 ድማ ናጽነትና ተጋሂዱ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ “መግዛእቲ ህግደፍ” ዝተርኣዩ ከም ምቕያድ ኣባላት ጉጅለ 15ን ስርሒት ፎርቶን ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ 12 ዓመታት ዝተረኣዩ ፍጻመታት’ዮም፡፡

ካብ ሎሚ ጀሚረ ብምስምስ “እስላማዊ ጥርፉነት” ዝተኸድነ ዛንታ ስርሒት ፎርቶ ዝምልከት ብጭብጥታት ዝተሰነየ ሓበሬታ ብክፋላት ይፍንወልኩም፡፡

ሓጺር ድሕረ ባይታ፡

ድሕሪ ምቕያድ ኣባላት ጉጅለ-15 ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ዘንቀዱ ግሁድ ተቓዉሞታት፡ ኣብ ዝቐሃሙሉ ካብ 2001 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ዝተርኣየ ቀንዲ ፍጻመ ኣንጻር መለኽቲ እዩ ….ስርሒት ፎርቶ፡፡ እዚ ብላዕለዎት ፖለቲካውያንን ወትሃደራውያንን ሓለፍቲ፡ ንገባቲ ኢሳይያስ ንምእላይ ዝተበጋገሰ ዕላዋ መንግስቲ መሰል ምንቅስቓስ፡ ካብ ዝፍጸም እንሆ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ንኣስታት ክልተ 10 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረዱ ግፍዕታትን ዘስካሕክሕ ምጽናት ወለዶታትን፡ ብምቅዋም ዝተሃንደሰ ፍጻመ ፎርቶ፡ ዋላ ህንዱድን ብዙሕ ከይሰጎመ ዝተቆጸየን ይኹን’ምበር፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንሓርነት፡ ብኹሉ መለክዒታትታ ብእውንታን ኣሉታን ክጥቀሱ ዝኽእለሉ ታሪኻዊ ባእታታትን በሰላታትን ሓዲጉ ዝሓለፈ ፍጻመ ‘ዩ፡፡

ንፍጻመ ፎርቶ ሒዛ ኣብ ወርሒ 1/2013 ደበኽ ዝበለት ሓዳስ ዓመት፡ ብቐንዱ ዘግሃደቶ ጉዳይ እንተሃሊዩ ድሕሪ ፈተነታት ጉጅለ 15፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ እውን፡ ናይ ህዝቦም ስቓይን መከራን ዘሕምሞም፡ ስርዓት ጠላማት ክመሓው ድሌት ዘለዎም መራሕቲ ከምዘለው ምእንፋቱ እዩ፡፡ ኣቐዲሙ ካብ 2010 ጀሚሩ መረረ ህዝብን ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከምዝበጽሐ ዝተረድኦ ኢሳይያስ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ብምጥሓሉ፡ ከምቲ ልሙድ በቲ እዋን በጎስጓስን መጽብዓታትን ዝተሰነዩ ዘይትግበሩ መደባት ክሕንጽጽ ተራእየ፡፡ ኣብ ዝተፋለለዩ ከባቢታት ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ “ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ” ዝነቐሉ ግዳማዊ ተጻብኦታት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ምብጽሖምን፡ ጠንቂ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተረኣዩ ጸገማት ድማ ብወያነን ብኣሜሪካን ዝካየዱ “ውዱብ ግዳማዊ ሽርሒታት” ምኻኖም ዝህውትቱ ካድራት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብምውፋር ማእለያ ብዘይብሎም ጭርሖታት ተሰነዩ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት “20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክጽንበል ተራእየ፡፡

ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት ዓመተ 2011፡ ብምንጽር መግዛእቲ እታ ዝዓበየት ህዝባዊ ጎስጓሳት ዝተኻደላን ስኑዕ ስታስቲካዊ ጸብጻባት ዝቐረበላ ዓመት ኔራ፡፡ ዳርጋ ኩለን ሚኒስትሪታት፡ ከሚሽናትን በዓልመዚታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሲምፖዞማት ከካይዳ፡ “ንዓወታትን ብልጫታትን” ሕሉፍ 20 ዓመታት፡ ዘርእዩ ውቁባት ጸብጻባት ከቕርባ ተገዲደን፡፡ እዚ ውሁድ ተዋስኦ፡ ካብ ዘስዓቦም ፍጻመታት ሓደ ድማ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት፡ ብቦታን ርሕቐትን ዝተገደቡ ኣፈላላያት ብምጽባብ፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝንቡዕ መሪሕነትን ዘስዓቦ ድጉል ስቓይን ክበርህ ምግባሩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ወረቓቕቲ ሲምፖዞማት 2011 ዝተገለጹ “ብልጫታትን ልምዓታዊ ንጥፈታትን” ኣብ ባይታ ዘይዓለቡ፡ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ዝተዳለው ምንባሮም ዝጥቁም ቀንዲ ጉዳይ ከኣ፡ ድሕሪ ጽንብል 20 ዓመት ኩሎም ኣካላት መንግስትን ግንባርን “ሓዱሽ መንግስቲ ዝቖመ ክመስል” ከም ብሓድሽ ኣብ እምባትካላ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወኪሎም ብምስዳድ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ስትራተጂካዊ ውጥናት ክሕንጽጹ ስለዝተገብረ እዩ፡፡ ብዘስደምም ኣገባብ ድማ ን18ኤን ሚኒስትሪታትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ድሕሪ 20 ዓመታት ሓድሽ ራኢ (Vision) ፡ ተልእኾ (Mission)ን ስትራተጅካዊ ውጥናት (Strategic Plan)ን ክዳለወለን ተገብረ፡፡

ብዘይንጹር ተልእኾ፡ ራእይን ስትራተጅካዊ ውጥናትን ን20 ዓመታት ኣብ መገዲ ዕንወትን ጥፍኣትን ካብ ዘሕለፉ ውዴበታት መንግስቲ ድማ፡ ሚ/ሪ ምክልኻል፡ ህግደፍ፡ ኮሚሽን ፖሊስን ኣካላት ምምሕዳርን ይርከብዎም፡፡ ኣብ ውሽጢ ሚ/ሪ ምክልኻል ን20 ዓመታት “ዝተሃንጸ” ዘይውዱን ተልእኾታትን ኣወዳድባታትን ድማ፡ ብሰንኪ ወራር ወያነ ተሳቢቡ ንሰራዊት ክግለጸሉ ብምግባር፡ መንግስቲ ንዝተፈጠሩ ሃጓፋት ንምዕባስ ሓደስቲ መደባት ከምዝሓንጸጸ፡ ነፍሰወከፍ ኣባል ሓ/ም/ኤርትራ ብኣበርክቶኡ ክምዘንን ሞስኡ ከምዝረክብ ክሕበሮ፡ ሓያሎ ጎስጓስ ክካየድ ካብ 2011 ጀሚሩ ኢሳይያስ ንሚ/ሪ ምክልኻል መደባት ኣውረደ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብ28 ገጻት ዝተዳለወ ሓድሽ ኦርኒክ ኣባላት ሓ/ምክልኻል ንነፍሰወከፍ ኣባል ኣብ ኣዶ ኣሃዱኡ ተዳሊዩ ክመልእ ብምግባር ተኣኻኺቡ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክላኣኽ ተገብረ፡፡ ኣብ ትሕዝቶታት ሓድሽ ኦርኒክ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ካብ ዝርዝራት ድሕረ-ባይታን ወትሃደራዊ ሕቶታትን ብተወሳኺ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘዝጥዕሞም ከባቢታት ናይ ባንኪ ቡክ ከውጽኡን ክሳብ 50 ሺሕ ዝግመት ውህሉል ገንዘብ መንግስቲ ከምዝዕድሎምን ተሓቢርዎም፡፡ ካብ ማእከልነት ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዝርከቡ ኣባላት ሓ/ምክልኻል ድማ ኣብ መወዳእታ 90ታት ቃል ዝተኣትወሎም ጤሳ ክዕደሉ፡ መንግስቲ ከምዝወሰነን ነፍሰወከፎም ከም ብሓድሽ መንበሪ ገዛ ክሰርሑሉ ዝመረጽዎ ከባቢ (ከተማ) ሓሪዮም ኣብ ቅጥዒታት ኣስፊሮም ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክለኣኽ ተገብረ፡፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር፡ ሓ/ባሕሪ፡ ኣብ 39ቲኤን እግረኛን ሜካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን፡ ኣብ 3 ሞቶራይዝድ ብርጌዳትን ዝተወዘዐ ኣባል ሓ/ምክልኻል ኣብ ዘዝርከበሉ ከባቢታት ብኣዘዝቶም ሓያሎ ጎስጓሳት ተኻይድሉ፡፡ ኣቐዲሞም ብዘይተተግበሩ መጽብዓታት ተስፍኡ ዝጸንቀቐ ሰራዊት፡ ብዝተኻየደሉ ጽዑቕ ጎስጓሳት ብእንተታት ተመሊኡ፡ ክጠራጠርን “ደኾን … ይኹውን” ክብል ተስምዐ፡፡ እዚ ኹሉ ፍጻመታት ኣብ 2011/12 ብኣባጓይላ ዝተኣልመ መልክዑ ዝቐየረ መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ምንባሩ ድማ ቀስብቐስ ክገሃድ ጀመረ፡፡

ፈለማ ንኣዘዝቲ ክፍላተሰራዊትን ግንባራትን ኣብ ኣስመራ፡ ባረንቱን ከረንን ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ብድፍረት “ሓሲኹም ኣሕሲኹምና፡ ሰራዊትና ብዘይትግበሩ መጽብዓታት ኣዳኺምናዮ፡፡ ሺሕ ግዜ ወሰኽ ደሞዝ እንዳበልና ብሓሶት ዘይጭበጥ ተስፋ ኣስኒቕና ሕጂ ሓፊርና” ብምባል ተቓዉሞታቶም ምግላጽ ጀሚሮም፡፡ ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ወድዓዊ ኩነታት ሰራዊትን ሃገርን ተረዲኦም ግቡእ መልስን ፍታሕን ምሃብ “ቀንዲ ምኽንያት ፍልሰት ሰራዊት ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ማእከለዎት ሓለፍቲ ምኻኑ ብምትንታን ኣኼታት ክዓጽው ተራእዮም፡፡

ብካልእ ሸነኽ ኣብ እንኮ መሪሕ ሰልፊ ህግደፍ፡ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላያት ስዒቡ ሓለፍቲ ኣብ ጎስጓሳት መልሲ ዝሰኣንሎም ሕቶታት ክስምዑ ተገዲዶም፡፡ ብየማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ ዝተመርሑ ኣኼባታት ካድር፡ ሕጹያትን ገዳይምን ካድራት ንዓመታት ዝተወሃለሉን እንዳተንከባለሉ ዝመጹን ሕቶታት ከጨንቕዎ ተራእዮም፡፡ ብፍላይ ካብ ዕለት 25 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2011 ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ናቕፋ ብኣባላት ሃማመተኤን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝቐረቡ በዳህቲ ሕቶታት ብዘይግቡእ መልስታትን ብታህዲድን ተዛዚሞም፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ኣፈላላያት እንዳተረኣየ፡ ሓለፍቲ ነንባዕሎም ከባልዑን ተገራጫዊ መልስታት ክህቡን ተገዲዶም፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድጉል ህሞት ሓድሽ ዓመት 2013 ደበኽ በለት፡፡

ስወር ምትእኽኻበት 2012/13

ወህሉል መረረታት ህዝብን ሰራዊትን ብግዚያዊ ተዋስኦታት ክኣልን ክፈትሕን መደባት ክሕንጽጽ ዝጀመረ ኢሳይያስ፡ ኣብ ወትሃደራዊ መኮነናትን ሓለፍቲ ህግደፍን ዝተረኣየ ምስሕሓብ ንምእላይ፡ ኣብ 2012 “ዓይነታዊ ደገፍ ንስድራቤት ሰራዊት” ዝብል ብእኽሊ ዝተሰነየ ሓገዝ ንስድራ ቤት ሰራዊት ክግበር ምኻኑ ሓበረ፡፡ ስዒቡ ማእለያ ዘይብሉ መሸላ ወዲዓከር፡ ሽኮር፡ ዘይቲ ካብ ሃገረ ሱዳን ብምዕዳግ ኣብ መኻዝኖታት ግንባርን መኮነን ስንቂ ምክልኻልን ብምኽዛን ኣብ መጻኢ ዓመታት ንስድራ ኣባላት ሓ/ምክልኻል ዝግበር ዓይነታዊ ደገፍ ከምዘሎ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓበሮም፡፡ ሰራዊት ናይ ሕሉፍ ዘይተተግበሩ መጽበዓታት ከይዝክር ብዓይነታዊ ደገፍ ስድራ ክደዓዓስ፡ ብካልእ ሸነኽ እቶም “በላሕቲ” ካድራት ድማ ናይ ኣወዳድባ ለውጢ ክግበረሎም ተወሰኽቲ መደባት ንበዓል የማነ ማንኪ ብምውራድ፡ ኣብ 2012 ብየማነ ማንኪ ዝተጫጭሑ ውሑዳት ካብ ደገ ዝኣተው ኣባላት YPFDJ ኣብ እምባትካላ ብምትእኽኻብ፡ ዘይወግዓዊ ዳግመ ምደባ ሃማመተኤ ተኻየደ፡፡ የማነ ማንኪ ኣብ ውሽጢ ሃማመተኤ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላያት ተጸኒዑ፡ እቶም ናይ “ግዳማውያን ጽልዋ” ዘለዎም ዝበሎም ኣባላት ብምእላይ ብሓደስቲ ኣባላት ናይ ምትካእ ድሌት መንግስቲ ከምዘለዎ ሓቢሩ፡ ብሳልሕ ኣሕመዲን ኣቦ ወንበርነት ዝምርሑ ሓዳስ 7 ኣባላት ፈጻሚት ባይቶ ዘለውዋ ጉጅለ ሃማመተኤ ድሒሩ ኣብ እምባትካላ ኣጣየሰ፡፡ በቲ እዋን የማነ ኣብ ዘምርሖ ኣኼባ “ድሕሪ ሕጂ ሃማመተኤ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝመሓደር ኣካል ህግደፍ እምበር፡ ርእሱ ዝኻኣለ ውደቤ ኣይኮነን” ብምባል፡ “ኣብ ትሕቲ ሃማመተኤ ዝመሓደሩ ከም በዓል ራይሞክ ሎቶሪን ሲነማ ክሮቸረን ሓዊሱ ተልእኾታትን ዕማማትን ሃማመተኤ ሙሉእ ብሙሉእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ክጥርንፎ ከምዝተወሰነ” ሓቢሩ፡፡

ክቡራትን ክቡራንን!!

ብኹሉ መምዘኒታት ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘውረዶ ግፍዒን ስቅያትን፡ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ፡ ከም ኣብ ገለ ሃገራት ዓረብ ዝተረኣየ ዓይነት ናዕቢን ሕንፍሽፍሽን ኣብ ኤርትራ ከይፍጠር ኣብ 2012 ልዑል ስክፍታ ኣሕዲሩ ኔሩ፡፡ እቲ ቀንዲ “መንህብ ናዕቢ” ኢሉ ዝፈለዮ ኣካል ህዝቢ ድማ መንእሰይ ብምንባሩ፡ ፈለማ ኣብ ሃማመተኤ ካብ ኣቦወንበር ስልጣን ስዒድ ክሳብ ሓለፍቲ ዞባታት ዝነበሩ ሓለፍቲ ክእለዩን ክቀያየሩን መደባት ሓንጺጹ፡፡ ቀጺሉ ኣብ ሰራዊት ድማ፡ ገለ መሰል ተርእዮታት ከይፍጠር፡ ካብ 3 ግዜ ዕደላ ዘይሰገረ ብዓይነታዊ ደገፍ ንስድራ ሰራዊት ብምጥባርን፡ ጎስጓሳትን ብምክያድን ግዜ ክዕድግ ፈተነ፡፡ ጎኒ ጎኒ እዚ ኣካላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ገለ ምትእኽኻባት ሓለፍትን፡ ተርእዮታት ናዕብን ከይህሉ ደቂቕ መጽናዕታት ክካየዱን ዕቱብ ምጽንጻናት ንኽገብሩ ተሓበሮም፡፡

ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ዝለዓለ ስክፍታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መፋርቕ 2012 ንዓመታት ዝተውሃለለ መረረ ህዝቢ ተሰቂሩዎም ግዲ፡ ብሰለስተ ላዕለዎት ወትሃደራውንን ፖለቲካውያንን ሓለፍቲ ዝተወጠነ ስውር ምትእኽኻብ ኣብ ኣስመራ፡ መንደፈራ፡ ደቂምሓረን ከረንን ተጀመረ፡፡ እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ምውሓስ ሉኡላዊነት ሃገርን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝነበሮም፡ ከም ሃገሮም ምእንተ ናጽነት ብተወፋይነት ደሞምን ረሃጾምን ዘፍሰሱ ገዳይም ተጋደልቲ’ዮም፡፡ ንዝራሕረሖ ሓላፊ ናይ ጸለመ ታርጋ ምጥቃዕ ዝመትከሉ ኢሳይያስ፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ፍጻመ ንቡር ታሪኾም ነጺጉ “ብጥሩፍነትን ኣኽራርነትን” ክጥቅኖም እንተፈተነ፡ እዞም ሰለስተ ቀንዲ ኣበጋገስቲ ስርሒት ፎርቶ 2013 ድሕሪ “ናጽነት” ውን ዝተፈላለየ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ክገልግልዎ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዮም፡፡ ቀንዲ ኣበጋገስቲ ፍጻመ ፎርቶ 2013 ድማ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ ኣዛዚ ማእካለይ እዚ ሜ/ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊልን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ መስጦፋ ኑርሑሴንን ነይሮም፡፡

——————ይቕጽል—————

(ኣብ ካልኣይ ክፋል: ተሳተፍቲ ስርሒት ፎርቶ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ስርሒት: ውጽኢቱን ህልው ኩነታት ተሳተፍትን ክገልጸልኩም እየ፡፡)