መን ምኻኖም ደቂ ኩሽ ትፈልጡዎምዶ?

ደቂ ኩሽ ከደራይ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ውጁሃት መልከዔኛታት እዮም። ደቂ ኩሽ ብኩሻዊ መልክዖምን ብኩሻዊ ቋንቍኦምን ይልለዩ። እግዚኣብሔር ስለዝባረኾም መሬቶም ብደቆም መሊኣ ትርከብ። ብዙሓት ከኣ እዮም። መልክዖምን ሕብሪ ቆርበቶምን ቀው ኢልካ ክትርእዮ ከሎኽ ዝብሃግን ዝማርኽን፣ ቀዪሕ ዘለላ ፍረወይኒ ይመስሉ። ወርቃዊን ነሓስን ሕብሪ ቀለም ስለዝመስሉ፣ ጥምት ውዒልካዮም ዘይጽገቡ ዓሌት እዮም። ደረት ኣፍ ልቦም ገፊሕ፣ ኣፍንጭኦም ተሪር ትልሚ ዝመስል፣ ዓይኖም ኵሕላይ፣ ደርጊ ስኖም ጸባ ይመስል። ጸጕሪ ርእሶምን ጭሕሞምን ሉስሉስ ተፈታዋይ፣ ቀላጽም ኣእዳዎም ስሩዕ፣ ኣጻብቶም ብባህጊ ዝተጸርበ ዝመስል፣ ክሳዶም ነዊሕን ምልሙልን። ምጩው መልክዕን ሕብሪ ቆርበትን ዘለዎም፣ መልክዖም ጨው ዘለዎ። ግሩምትን ሩሕሩሓትን። ተዋጊኦም ዝይስዓሩ ጀጋኑ።  ኣብ ሕልና ዝኣምኑ፣ ፍትሓውያን። ሓቦኛታት ለጋሳት ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም። ስፍሒ መሬት ደቂ ኩሽ ካብ ደቡብ ግብጺ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሶማልይ ደረት ህንዳዊ ውቅያኖስ ይበጽሕ። ብውገን ምብርቕ ድማ፣ ቀዪሕ ባሕሪ ሓሊፍካ ምስ ኣዓራብ ይዳወብ። በዚ ባህርያዊ ዝኾነ ህያብ በረኸትን ጸጋን ደቂ ኩሽ፣ ኤውሮጳውያን ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሮም ምስ ቀንኡሎምን ምስ ወረሩዎምን እዮም። ክሳብ ሎሚ ድማ ድቂ ኩሽ በዞም ቀንኣት ሕብሪ ሓሰማ ዘለዎም ኤውሮጳውያን ደቂ ያፌት ንደቂ ኩሽ እናሃደኑዎም እዮም።

 ጥንታውያን ደቂ ኩሽ። ደረት ኣፍ ልቦም ገፊሕ፣ ኣፍንጭኦም ተሪር ትልሚ ዝመስል፣ ዓይኖም ኵሕላይ፣ ደርጊ ስኖም ጸባ ይመስል።

 

 

እፍንጫኣ ተሪር ከናፍራ ስሩዕ፣ ሕብሪ ቆርበታ ኩሑላይ

 


ስና ስኒ ጸባ ጸጕራ ሉስሉስ ኩሑላይ ምጭውቲ ጓል ሓበሻ
ኣንቱም ሰባት እዚ ርኢኻዮ ዘይጽገብ፣ ሕብሪዚዶ ብምዕራባውያን ይረክስ


ስኒ ጸባ ርእይ ውዒልካዮ ዘይጽገብ ሕብሪ ቆርበታን መልክዓን

ንመረዳእታ፤
እስከ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንተዓዘብ። ኣብ ኤርትራ ዝኸዪድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ወፍሪ ብመደብ ምዕራባውያን ወይ ኤውሮጳውያን ጥራይ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ወፍሪ ድማ ኮነ ኢሎም ምዕራባውያን ዝዝውሩዎ ዘለው እከይ ውዲት እዩ።

ርኢኻየን ዘይጽገባ ደቂ ኩሽ

እስከ ክንደይ ወራራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኩሽ ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓበሬት ንከታተል። ደቂ ብተፈጥሮ ይውረሩ እንበር ወሪሮም ኣይፈልጡን። ይስዕሩ aምበር ተሳዒሮም ኣይፈልጡን። እቶ ቀንዲ ተረፍን ወረስቲ ጅግንነትን፣ ክሳብ ሎሚ ተሪፎም ዘለው፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዘለው ኣስላምን ክርስትያንን ህዝቢ እዮም።

 

ዘይምኖ ምልክዕን ሕብሪ ቆርበት

እቲ ብምዕራባውያን ንኣስታት 2641 ዓመታት ዝወሰደ ኣራባራብ፣ ማለት ካብ 650 ቅ.ል.ክ. ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ ወራራር ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ኮን ይኰውን ትፈልጡዎዶ?

መንዮም ንህዝቢ ኩሽ፣ ክሳብ ወራር ጣልያን ብደቂ ምድረ ብሕሪ ወይ ብሓማውያንን ስማውያንን፣ ደቂ ሓማሴን ዝፍለጡ ዝነበሩ፣ ብኮሎንያል ጣልያን ግን እታ ምድረገነት መሬቶም “ኤርትራ” ተባሂላ ዝተሰንዐት፣ እወ፣ ንሶም ድማ ኤርትራውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለው ዝነብሩላ ? ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ድማ ብጭፍራ ህግደፍ “ሓዳስ ኤርትራ“ መቐጸልታ ኮሎንያልጣልያን ዝውጽኣላ ስም ትጽዋዕ ዘላ ሃገር፣ በብተራ ዝወርሩዎ ዝነበሩ ወረርቲ ግንከኣ ንኹሎም ዝሰዓሮም ወረርቲ ትፈልጡዎምዶ?? ስለምንታይከ ነጻነታን ሕርነታን ልዑላውነታን ክግበር ዘይተደልየ??


እዚኤን እየን፣ ካብተን ብዙሓት ውሑዳት ንመረዳእታ ዝኾና፣
እንዳተወልዐን ተዀልዐን ዝቕጽል ውጁህ መልክዕን ሕብሪ ቆርበትን
ዘለወን መልከዐኛታት ደቂ ኩሽ ደቂ ሓበሻ።

1ይ

ኣሲራውያን ባቢሎናውያን ብ650 ክሳብ 550 ቅ.ል.ክ. እስስታት 100 ዓመታት ንግብጺ ወሪሮማ ንደቂ ሓማውያን ግና ክደፍሩዎም ኣይከኣሉን ተሳዒሮም ካብ ከባቢ ኣስዋንዳም ኣንሳሒቦም ተመልሱ።

2ይ

ፐርሻውያን ካብ550 ክሳብ 300 ቅ.ል.ክ. ኣስስታት 200 ዓመታት ንግብጺ ወሪሮማ ንደቂ ንሓማውያን ግና ክደፍሩዎም ኣይከኣሉን፣ ፐርሻውያንውን ተሳዒሮም ኣብቲ ኣጻምእ ዝኾነ ምድረበዳ ግብጺ ተደርዒሞም ተመልሱ።

3ይ

ብ300 ክሳብ 30 ቅ.ል.ክ. ንስስታት 330 ዓመታት ንግብጺ ገዚኦማ። እቲ መራሒ ፖቶሎማያን ዝነበረ ግሪኻዊ መራሒ እለክሳንደር ዓቢ ዝብሃል እዚ ሎሚ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣለክሳንድርያ እትብሃል ዘላ ከታማ ኣለክሳንደር ዓቢዪ ብስሙ ዝጸውዓ እያ። ወረርቲ ግሪኻውያን ታሪኽና መጻሕፍቲ ታሪኽና ፍልስፍናናን ድኣ ዘመቱ እንበር ብሓይሊስ ክስዕሩና ኣይከኣሉን። እወ ብፍላይ ንህዝቢ ሓማውያን ሎሚ ሓምሴን ግን ክደፍሮም ኣይከኣለን ርዒዱ ድኣ ኣብ ግብጺ ጥርያ  ክሳብ  ብሮማውያን ተሳዒሩ ዝዓርብ፣ ኣብ ግብጺ ጥርይ ጸንሐ።

4ይ

ንግስነት ባርባራውያን ሮማውያን፣ ካብ30 ቅ.ል.ክ. ክሳብ 600 ድ.ል.ክ. ንኣስስታት 330 ዓመታት ንግብጺ ወሪሮም ንንግስነት ግሪኽ ደምሲሶም ንደቂ ሓማውያን ክስዕሩ ተበገሱ፣ ሽዑ ኣስታት 24 ድ.ል.ክ. እዩ ነይሩ፣ ኣታ ዘመናዊት ከተማ ደቂ ኑብያ መሮየ ትብሃል ነበረት። መሮየ ካብ መሮኒ ዝወጸ ቃል እዩ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እቶም ብርቱዓት ነገስታት ብንጉስ መሮኒ እዮም ዝጽውዑ። ሎሚ ብፍላይ ኣብ ሓማሴንን ኣከለጉዝይን ዝነብሩ ዘለው፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሱዳንን ከባቢ ትግራይ ዋልቃይትን ጎጃምን በጌምድርን ተረፍ ህዝቢ ደቂ ንጉስ መሮኒ እዮም። ሮማውያን ክሳብ ኣስዋን ዳም ወረሩ ኣብ ኣስዋንዳም ግና ኩናት ገጠሙ ብሰብይቲ ንግስቲ ኣሚናሜሬስ ዝተባህለት ሓዋሚት ኩሻዊት ንግስቲ ተደምሲሶም ድማ ካብ ኣስዋን ዳም ከምዘይሓልፉ ተኸeርዲኖ ተረፉ።

5ይ

ከሊፋውያን ኣራዊታዊ መግዛእቲ ዝኽተሉ ወረስቲ ነቢዪ መሓመድ ዝኾኑ፣ ብ630 ድ.ል.ክ. ክሳብ ወራር ቱርኪ 1517 ንኣስታት 887 ዓመታት ዓ.ም.ፈ. ንመላእ ህዝቢ ሰሜን ኣፍሪቃ  ወሪሮም ገዝኡዎ።

ነቲ ኣብኡ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ዘርኢ ኩሽ፣ ህዝቢ ግብጺ፣ ኣልጀርያ፣ ቱኒዝያ፣ ሊብያ፣ ሞሮኮ ሱዳን ድማ፣ “ዝኣመነ ብሴፍ ዘይኣመነ ብሴፍ“ ኣንዳቆሮጹ ብኣራዊታዊ ዝኾነ ኣገባብ ኣመስሊሞሞ። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ዋላኳ ንኣስታት 800 ዓመታት ኣንተረባረቡዎ፣ ታሪኹን ሃይማኖቱን ድኣ ሃስዮም ዓርቡ እምበር ክስዕሩዎስ ከቶ ኣይከኣሉን። ብሴፍን ጉራደን እናተኸርተሙ “ያላላህ“! እንዳበሉ ድኣ ንካርቱም ተጓሕፉ። ኣስተብህል ካርቱም ዝተጸውዓትሉ  ቀንዲ መኽንያት፣ ብትግሪኛ ቋንቋ ከርተመ ካብ ዝብል ቃል ዝወጸ እዩ።ብሳላ ጅግንነት ደቂ ንገስታት መሮኒ ሓማውያንን ሓማሴን ከሊፋውያንን ኢስማዒልውያንን ሓፊሮም ተደምሰሱ።

6ይ.

ወራር መሓመድ ግራኝ፣  1530 ዓብቱርካውያንን ከሊፋውያንን ተመዊሉ፣ ካብ ሶማል ተበጊሱ ንኢትዮጵያ ብ1530 ዓም.ም.ፈ. ወረረ፣ ብሳላ ብጅግና ባሕረነጋሲ ኢሳቅ ዝምራሕ ሰራዊ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ድማ ተሳዒሩ ዝዓረበ ኣራዊ እዩ።

ወራር ቱርኪ፣ ካብ 1517 ክሳብ1867 ንግብጺ ክገዝኣ ድሕሪ ምጽናሕ ብሱዳን ኣቢሉ ብሰዋኪን ኣቢሉ ንገማግም ሰምሃርን ደንከልን ተቖጻጸሮ። ወከልቱ ገሩ ድማ ንደቂ ናይብ ንኣሽቱ ሽመት ዓደሎም፣ ንምድረ ባሕሪ ክቆጻጸር ግና ፈጺሙ ኣይከኣለን። ድሕሪ ን13 ዓመታት ብመሪሕነት ጅግና ባሕረነጋሲ ኢሳቕ ምስ ህዝቢ መድረባሕሪ ጥራይ ኣረባራብ ኣብ መወድእታ ግዜ ኣብ ተኽላ ተሳዒሩ ንሓዋሩ ዓረበ።

8ይ

ብድሕሪ ውድቀት ንግስነት ቱርኪ፣ ኮሎንያል እንግሊዝ ብ1882 ዓ.ም.ፈ ንግብጺ ተቖጻጸራታ። ንህዝቢ ምድረባሕሪ ግን ከምዝሕፍራ ስለዝተረድኤት ብስለላን ኮለላን ጥራይ እያ ትከታተሎ ነይራ። ወራር ግብጺ ብሰንካ ንባጽዕ ወሪሩ። ኮሎንያል ጣልያን ኮሎንያል እንግሊዝ ዘውጽኡሉ ስትራተጂ ንኤርትራ ክወርር በቒዑ። ን5 ዓመታት ብድሕሪ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ፣ ሎሚ ከኣ ብድሕሪ ወያኔን ኢሰያስን ኮይኑ ዝላገጸልና ዘሎ ቶኽላ መንግስቲ እንግሊዝ እዩ።

8ይ

ብ1875 ዓ.ም.ፈ. ብኮሎንያል እንግሊዝ ዝምወል ወራር ግብጺ ንኤርትራ ክወርር ፈቲና ኣብ ዓይላ ጉንደት ተድምሲሱ ዓሪቡ።

9ይ

ብ27.01.1887 ኮሎንያን ኣብ ኲናት ድጓሊ ብጀጋኑ ሰራዊ ምድረባሕሪ ተድምሲሱ

10ይ

ብ1889 ብእንግሊዝ ዝተመወለ ሱዳናውያን ሰራዊት ማህዳውያን ወይ ደርቡሽ ዝብሃሉ ቅድም ብኣቝርደት ወሪሮም ብኤርትራውያን ጥራይ ምስተደምሰሱ፣ ስትራተጂ ቀዪሮም ብህሞራን መተማን ወሪሮም፣ ንጉስ የውሃንስ ርድኡኒ ኤርትራውያን ኢሉ ስለዝኣውየየ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንመተማ ከቲቶም። ኣብኡ ድማ ንሰራዊት ማህዲ ደምሲሶሞ። እቲ ዘሕዝን ግን፣ ኣብ መተማ እንዳተዋግኡ ከለው ብውዲት ስለመርበብ እንግሊዝ ኮሎንያል ጣልያን ብዘይ ኩiናት ንስመራ ክቆጻጸር በቒዑ። ንንጉስ የውሃንስ ቀንጸልቱ ድማ ስለላ መርበብ እንግልዝ እዮም እምበር ሰብ ጀለብው ሱዳናውያን ኣይኮኑ።

11

ብ1889 ዓ.ም.ፈ. እቲ ብሓገዝ ኮሎንያል እንግሊዝ መዓንጣ ገሩ ንኤርትራ ዝወረር ጠራጢ ኮሎንያል ጣልያን፣ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ኣዶልፍ ሂትለር ዝተብህለ ሓይል መራሒ ንሽናል ሶሻሊስት NSS ሓይሊ ምስገበር ኮሎንያል ጣልያን ዝምድና ምስ እንግሊዝ ዝነበሮ ዝምድን በቲኹ ምስ ሂትለር ወገነ። እዚ ድማ ንኮሎንያል እንግሊዝ ኣቖጠዖም። ኣብ መወዳጣ ግና ሂትለር በተን ተዘራሪየን ዝገጠምኦ፣ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሩስያን ፈረንሳን ምስተሳዕረ፣ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ብኮሎንያል እንግሊዝ ተደምሲሱ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ብሕፍረት ወጸ። እንግልዝ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ተሻሪኹ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መስፍናዊ ንጉስ ሃይለስላሴ ከምትኣቱ ገበረ። ንኣስታት 10 ዓመታት ብኽፍኣትን ፍልልያትን፣ ዘይቋንቋና ቋንቋ ዓረብን ኣታኣታትዩ፣ ንብረትና ዘሚቱ፣ ብንጉስ ሃይለስላሴ ከምንግዛእ ገሩ ጠንጢኑና ንሎንድራ ዓዱ ተመልሰ። እዚ ክሳብ ሎሚ ምውጽእ ኣብዩና ዘሎ ሕማም መንሽሮ ህግደፍን ወያኔን ድማ እንግልዝ ዝሰነዖ።

12

ብድሕሪ ሃብቲ ኤርትራ ሰሪቑን ዘሚቱን ንዓዱ ምምላሱ፣ ኤርትራ ብተዘዋዋሪ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤል ኣተወ። ራእዪ ሕዝቢ ሒዙ ዝተበገስ ተሓርነት ኤርትራ ድማ ብግስ ከይበለ ጨውዮም፣ ብሻዕብያ ዝብሃል ብፕሮጀክት ፈልሲ [Nurcery Project] ዝጽዋዕ ትካሎም መስረቱዎ።
ኣስተብህል ህ.ግ.ሓ. ኤ. እቲ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. መዘና ዘይብሉ ጅግንነት ከፊሉ ንኤርትራ ካብ ሰራዊት ሶቭየት ሕብረትን ሰራዊት ደርግን ሓራ ዘውጽአ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ሃጸይ መጸይ ኢሉ ጥራይ እዩ። እት ሓቂ ግና መሪሒነት ህ.ግ.ሓ. ኤ. ትካል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን። 100% ትካል ምዕራባውያን እዩ። ነዚ ብህለት እዚ ኣይኣምንን ዝበለ ኤርትራዊ መጻሕፍቲ ታሪኽ ገናጺሉ ታሪኹ ክድህስስን ክፈልጥን መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ካባu ሓሊፉ ካብቲ 3-D ኣተሓሳስባ ኣብ 4ይን 5ይን ዳይመንሽን ክሰጋገር ኣለዎ።

እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይን ጸማም ሓደ ደርፉ፣ “ነጻነት ኤርትራ“ ኢሉ እንተ ደረፈን ኣመነን፣ እታ መፍትሕ ግን ምስቲ ካብ ወዲ 20 ዓመት ከሎ መልሚሎም ዝኸተቡዎ፣ ሰላዪ ትግራዋይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ [ሎሚ ወዲ 78 ዓመት ኮይኑዘሎ] እያ ዘላ። ስለዚ ኣራባራብ ምዕራባውያን ምስ ደቂ ንጉስ መሮኒ  ካብ 1961 ዓ.ም.ፈ. ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ 650 ቅ.ል.ክ. ማለት ኣስታት 2641 ዓመታት ዝወሰደ እዩ።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓብሬታ ደቀባት 27.10.2010