ትርጉም ቋንቋ ትግሪኛ = ትግረ ኢና (We are Tigers) ነብሪ ኢና ማለት እዩ። ንሕና ትግሪኛ ንዛረብ ምልክትና ነብሪ እዩ። ቁኖ ኣዴታትና ኣብ አርትራ ይኹን ኣብ ትግራይ፣ ንኣብነት እቲ 7 ኣልባሶ ዝብሃል እንተድኣ ኣስተብሂልናሉ፣ ከምቲ ሓለገት ሴሜትሪክ ኣብ ቆርበት ነብሪ ዘሎ እዩ። ትኽ ዝበለ ሴሜትሪክ እዩ ተቖኒኑ። ከምኡውን ኣብ ርእሲ ቆልዑ ደቂ ኣግኣዝያን ዘሎ ከለላ ዝብሃል ዓይነት እቀማቕማ ጸጕሪ ቆልዑ እንተድኣ ኣስተብሂልኩምሉ ሲሜትሪክ እዩ። ሴመትሪክ ከኣ እቲ ሕብሪ ሓለገት ኣብ ቆርበት ነብሪ ብባህርያዊ ዝተፈጥረ (ትኽ ዝበለ ሽራጥ ሽራጥ) እዩ። ብዘይ ምግናን ብታሪኽ እንተኾነውን ንሕና ጸላኢ ክወረና ክመጽእ ከሎ ብትብዓት በዲህና ንስዕር ኣናብር ኢና። ነብሪ ምስ ሓዘ ኣይገድፍን እዩ። ተዛረብቲ ትግሪኛ ድማ ኣብ ውግእ ድሎ ከይትዕሎ ምስ በሉ ንጸላኢኦም ኣጀጂዮም ከይስዓርዎ ፍጹም ደው ኣይብሉን እዮም። ሎሚ ግና ዝኣረገ ነብሪ ወይ ከኣ ኣንበሳ ወኻሩ ይጻወታሉ ከምዝብሃል፣ ኣዛብእን ወኻሩን ደቂ ኣግኣዝያን ብጽዮናውያን ብዝረቐቐ ውዲት ተዓሊሞምን ተመልሚሎምን፣ እንሆ መሳርሕን ዓሱባትን ባዕዳውያን ኮይኖም  ክብርን ጅግንነትና ደቂ ኣግኣዝያን ንኽቕንጥጡዎ ለይትን ምዓልትን ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። እቲ ዝገርም ድማ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ንምትላል፣ ክልቲኦም ኣንጻር ከምዝኾኑ ገሮም ተዋስኦ ይዋስኡ እለዉ። ኣይዕወቱን ግና እዮም።  ዓሻሹ ከም ዝኾኑ ግና ኣይርድኦምን እዩ። እወ፣ “ዓሻ ከመይ ኣሎ ንሱስ ድሓን ኣሎ፣ ዘመድ ዓሻ ግና ከፊኡዎ ኣሎ”፣ ኢሎም ክምስሉ ከለዉ ኣበዋት ደቂ ኣግኣዝያን፣ ከምዚ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መበል 21 ክፍለዘመን፣ብዓል ልኡኽ ባዕዳውያን ክናናን ምናናን ብኢሰያስ ዝቍለስ ህግደፍን ብፖሊት ቢሮ ዝቕለስ ወያኔን፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኣሕሊፎም ንባዕዳውያን ዝህቡዎ ዘለው፣ ሕማቓት ንወገኖም ኣሕሊፎም ክህቡ ከለው ዝምስሉዎ ምስላ ኣበዋት እዩ።

ጽዮናውያን፣ እቲ ውዲታዊ እከይ ተግባራቶም ኣቅዝዩ ርኹስ እዩ። ንደቂ ኣግኣዝያን ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም ክስዕሩዎም ከምዝየክእሉ፣ ኣብ ዂናት ድጓልን ዓድዋን፣ መተማን ምስርኣዩ እዮም ጎሪሖም። ብመጽናዕቲ ድማ ነዞም ጁጅማጁጅ ህግደፍን ወያኔን ኣዋፊሮም ትንፋስና ዘውጽኡና ዘለው።

እንተድኣ ብመጠኑ ኣዕሙቕ ኣቢልና ክንመራመር ፈቲና። እቲ ህዝቢ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ (ቤገምድር ወሎ ጎጃምን ሰሜናዊ ሽዋ) ኣብ ሶማልን ጅቡትን፣ ኣብ ሰሜን ሱዳን ዝነብር ህዝቢ፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን እዩ ዝብሃል ። ብሓፈሽ ድማ ዘርኢ ኩሽ ወይከኣ ዘርኢ ሄሚትክን ሴሚትክን እዩ። እቶምም ፈላሊኻ ግዛእ ዝመደቦም፣ ኮሎንያሊስትን ጽዮናውያንን ግና ፣ ተፋላሊና ኣብ ነንሓድሕድና ከምንፋለስ ጌሮም ተጻዊቶምልና። ካብ ሎሚ ንድሕር ግና ይኣክል ንበሎም። ብፍላይ እቶም ቋንቋ ትግሪኛ እንዛረብ፣ ኣብ ከባቢ ትግራይን ኤርትራን እንነብር ግድነት በቲ ቋንቋ ኣዴናን ኣቦናን ብቐሊሉ ክንራዳዳእ ስለ እንኽእል፣ ክንውሃሃድ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ከምኡ እንተዘይገርና፣ረብሓ የብልናን ተፋላሊና ክንጠፍእ እንተዘይኮና ድማ ክንድሕን ኣይንኻልን ኢና። ይኣኽለና መሳርሒ ጓኖት ባዕዳውያን ኮንና ነንሓድሕና ምጽላእ። ንሕና ክንብኣስ ከሎና እቶም ንዓለም ንኽውንኑ ሃርገፍገፍ ዝብሉ ዘለው፣ መሃንድሳት ጥፍኣት ምዕራባውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ ጽዮናውያን ጥራይ እዮም። ንሶም መኽሰቦም ህዝብታት ተፋላልዮም ነንሓድሕዶም ክናቖቱ ከለው ጥራይ እዩ። ህዝብታት እንተ ሓቢሮምን ተረዳዲኦምን ግና ረብሓ የብሎምን እሞ በጃኹም ንለብም ኣይንዓሹ።

ሕጂ ድማ አብዚ ግዜ እዚ፣ ከምታ አብቲ ማዕዶ ኮይና ጭልምልም አናበለት ግንከኣ ዘይትጠፍእ ብርሃን፣ ኣግኣዚያዊት ትስፍውቲ ሃገርና ኩሉ ወዲ ዓዲ ልቡን ቀልቡን ዘንበረላ፣ ድሮ አለናልኪ ዝብሉ ጀጋኑ አብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለ፣ ድምጾም ብዱሩት ግዚኦምን ንዋቶምን ብመሳኩቲ መራከቢ ብዙሃን youtube facebook እናስሙዑ ብዘይ ፍርሂ ርትዒ ሒዞም ኣብዚ በጺሕና አሎና ይመስገኖ እግዚኣብሔር ኣምላኽ። አግኣዚያን፣ ማለት ሰውራ አይኮነን። ውዱብውን አይኮነን፣ ሃይማኖትውን ድማ አይኮነን። ከምቶም ካልኦት ሃገራት መንነት አሎና ዝብሉ መንነት እዩ። እኳ ደኣ ንአስታት 4,000 ዓመት ዝገበረ መንነት፣ ምስ ፍጥረታት ዓለም ዝዕድሚኡ ቀዳሞት ስልጣኔ ፖለቲካ፣ ሀይማኖት፣ጥበብ፣ ንግዲ፣ አገባብ አነባብራ፣ ኣስራቱ ዘየጥፈአ አኽሱም፣ አዱሊስ፣ ቆሓይቶ፣ ህልዊ አሰራትና እዮም። ኣብ ብዙሓት ቦታታት እንተኾነውን፣ እንተዝኩዕቱን ዝፍሓሩን ብዙሕ ዘዅርዕ ታሪኻዊ ሰነዳትን መንነታዊ ምልክታትን ምተረኽቡ ነይሮም። ከማu ከይንሰርሕ ግና ምዕራባውያን ተጻዊቶምልና። ስለዚ በጃኻትኩም ሎሚውን ማይ ኣይሓለፎን፣ ብግርህነትና ብድንቁርናን ቅድሚ ሎሚ ምዕራባውያን ስለዝተጻወቱልና፣ ሎሚ ግና ይኣክል ንበሎ። እታ ዝቐለለት ክንገብራ ዘሎና፣ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ከይውዓሉ ከይ ሓደሩ፣ ኢሂን-ምሂን ክብሉ ክጅምሩ ኣለዎም።

አግኣዚያዊ ከም ቶም ወርቂ ደሊዮም መሬት ኵዒቶም፣ ግዜን ገንዘብን አጥፊኦም ይሃሉ ወይ ዋጋ ረሃጾም ዝሽፍን ይረክቡ አይረክቡ፣ ዝጽዕሩ ኣይኮነትን። እዚኣ መንነት ኣግኣዚ ከምቲ አብ ኢድካ ዘላ ወርቂ ብዙሕ ግዜ ምስ ገበረት ምኩላዕ ዘድልያ ከምኣ እያ። ሕጂ ካአ ህዝቢ አበየ ኩርናዕ እና ሓደርና እናተኮላዕና ኢና ዘሎና።
ሐድሽ ወርቂ አየድልየናን እዩ። እታ ብርሰሐት ተደፊና ዝነበረት ወርቅና ምዅላዓ እኹል እዩ። ንምንታይ ንሳ ቅድሚ አዋርቅ ወርቂ እያ ። መሰልካ እንታይ አምጻእካ፣ ግርም ኩሉ ነገር ሀረር ዝብሎ ነገር እንተሃልዩ፣ ወረ እዩ ወረ ግና ከም Tv eri Tv tig ኣይኮነነን።

ኣስመዓና ጥዑም ወረ ከምቲ ኣብ youtube፣ ብሓው ተስፍጽዮን ዝገብሮ ዘሎ፣ በዚ አጋጣሚ ከመስግኖ ደሊ።

ተዓወ! ዕድመ ይሃብካ! ብር እናበልካ ትሓጎስ ! ንብሎ። እቲ መርበብ ብዙሓን ዝውንን (acces network) ሰብ, ጸባ ሰትዩ ይሐድር ኣሎ ። እንተ እቲ ቀንዲ ዓዲ ዝሕሉ ዘሎ ህዝብና ግና ንሕሰበሉ፣ አሎናልካ ! ከኣ ንበሎ። ብዝወጻእናዮ አይጠፍእናን! Aብታ ብባህርያዊንእስትራተጂካዊን ጸጋ ዝተዓደለት ምድረ ኣግኣዝያን ክንምለስ ኢና!ንበሎ። ከይሓነኽና፣ ብዅርዓት ነቲ ሓቂ ንንገሮ። ንሱ ድማ እጆኹም እዞም ደቀይ ኢሉ ክሕግዘና እዩ። ሓውካ ኣይሞተን አይጠፈአን አሎ! ይደልየካ አሎ! ከምቲ ትደሊዮ ዘሎኻ! ንበሎ።

ስለዚ እዚ ብሓው ተስፋጽዮን ተጀሚሩ ዘሎ መጸዋዕታ ንመንነትናን ሃይማኖትናን ባህልናን ክንብል ብሓቦ ንስዕቦ።

ስለዚ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ ንዓሻን ደርጉሐሉ አበይ ከይግምቶ፣ ንለባም ድም አምተሉ አበይ ከይስሕቶ፣ ከምዝብሉ ፣ እዚ ተላዓዒሉ ዘሎ ተበግሶ ቃልሲ ኣግኣዝያን ንስዕቦ ንድፍኣሉ ንመክት። ንህላዌ ደቂ ኣግኣዝያን ኢልና ንታ ዋልታና ሒዝና ንበገስ።

ዓወት ንደቂ ኣግኣዝያን

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት-ኣግኣዝያ

02 የካቲት 2017 ዓ.ም.ፈ.