ሕሰብ ኣስተው ዕል ተማራመር ተባራበር

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ተዳጋገመ ግዜ በቢዝተፋላለዩ ማዕክናት፣ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ተዘሪብሉን ይዝረበሉ ን እኳ እንተኾነ ብተዳጋገሚ ክጽሓፍ ግን ኣይረኣኹን፣ ስለዚ ነንበብቲን ተገደስትን ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ከቕርቦ ክፍትን እየ አይተሰውሕድዎ፡፡

ኣነ ከም ዝርድኦ ፣ ሓደ ቅዋም ሃገር ይኹን ፣ ኩለን እተን ተጠርኒፈን ንፍትሕን ዲሞክራስን ንምምጻእ ንቃለስ ዝብላ ኸይተረፋ መሰእረት ፖለቲካዊ ፕሮግራመንን ውድባዊ ቅዋመኤንን ኣብ ዓለምለኻዊ ድንጋጌ ሰብ – ኣዊ መሰላት ተሞርኲሱ ክንደፍ ከሎን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከሎን ውሕስነትን ተኣማምነትን ዘምጽእ ዝብል፡ብወገን ኣንበቲ ከ ? ስለዚ ክኣ ህዝቢ ፈሊጡ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ክሳተፍ ፣ ንውድባት ይኹና ምንቅስቓሳት ኑ ጹር ራኢ ከሕድረለን መንቲ ብተገዳስነት ከን ብቦን ጌጋ እንተ ተርጒመዮ ክኣ ክእርመንን ለበዋይ የቕርብ፡፡

ኩላትና ከም እንፈልጦ ናህና መሰረታዊ ጸገም፣ በዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ዝተፈጥረ ቁጠባዊ ጸገማት፣ጥራይ ዘይኮነስ ሕርመት ቅዋም ግዝኣተ – ሕጊ ዘስዓቦ፣ መሰል ደቂ ሰባት ዝተረግጸ ህዝቢ፣ ኣብ ርእ ሲ ምዃና ፣ ቅ ዋ ም ይተርጎም፣ ስልጣን ንህዝቢ ይስረከብ ንዝበሉ፣ ግንባር መሪሖም ናጽነት ዘምጽኡ ተጋደልቲ፣ ሰብ መዚ ምድያን ጋዚጠኛታትን፣ ሓለፍቲ እምነታትን፣ ዓበይቲ ዓድን / ኣደታትን ተማሃሮ ዩንቨርሲትን ፡ኣ ብ ቤት – ማእሰርቲ ተሓይሮም ይርከቡ፤ ንባርነታዊ ሃ ገራዊ ኣጎልግሎት ራሕሪሖምን እምቢ – ንምልኪ ካብ ዝብል ፣ ሃገር ገዲፎም ዝውጹ መንእሰያት፣ወድሰብ ክረኽቦ ዘይኽእል አደዳ እዃ የጓንፎም እምበር ካብ አብ ትሕቲ ጨኳኒ ስርዓት ዕድለይ ጸቢቑለይ ኣብ ዓዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ክበጽሕ ብምባል እዚ እንርእዮ ንሰምዖን ዘለና አብ ምድረበዳን ሊብያን ዘጉንፍ ኣደ ራዕን ሞትን ጉሁድ ኮይኑ ተረፍ ካብ ባሕሪ ምጥሓል ዘውጹ የሕዋትን ህያው ምስክር ንኤርትራዊ ዝወርዶ ዘሎ መዓትን / ጸገማትን እዩ፡፡ ስለዚ ክኣ እዩ መሰልን ጉቡእን ብደምቢ ምፍላጥ፣ንዝመጽእ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ብደምቢ ተሳቲፍና አብ ምህናጹ ግደና ኸነበርክት ንኽእል፡፡ ካብ ተሞክሮና እምቢ ንባዕዳዊ ግዝኣት ብምባል፣ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት – ህዝብን ብሓርብኝነትና ዘመስከርና ኑኹን እምበር፣ ተማእዘትን ጸጥ ኢልካ ክትኸይድ ክትከይድ ከም ዘለካ፣ ዘተኣታተዎ ዲክተአተራዊ ስርዓት፣ ንቡዙሕ ዓመታት ጸቒጡ ሒዙናን፣ኣብ ራዕድን ፍርሓትን ክነብር ጌሩናን ጥራይ ዘይኮነስ ብሃገራዊ ድሕነት ዝብሃል መሳልል – ስለያ ጉጅለ ህግደፍ፣ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ሰሊኽኳ ብምእታው ተጣራጢርካ እትነብረሉ ኣጋባብ / ሂወት እዩ ፈጢሩ፡፡ኣብዚ እውን እዚ ግን ኣብ ኣኽርያ ዝተራእየ መሰል ምሕታት፣ ነቲ ዝነበረ ስቕታ / ጸጥታ / ሰብሪ ዝተሰብረ ይመስል፣ ኮይኑ – ግን ስርዓት ውልቅይ መላኺ ከም ኣመሉ ፈላሊኻ ግዛእ፣በቲ ሰራም መርዝታቱ ንእምነታት ኣብ ግጭት ከእቱምፍታንን ዘይመልክዑ ክህቦን እኳ እንተፈተነ፣ህዝቢ ንመጻውድያታቱ ሲዒሩ ናይ መሰል ሕቶ እዩ . ክብል መሊ ሱሉስ ስምረት / ጥምረት (Solidarity ) ኣርእዩ ፡፡ ነዚ ነቒሉ ዘሎ ጩራ መሰላዊ ሕቶ ንምዕባዩን ተሪር ህዝባዊ ቅልሲ ከነካይድን መንቲ ዓለምለኻዊ ድንጋጌ መሰል ደቅሰብ ክንውከስ ይግባእ፡፡

ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ብ 10 ታሕሳስ 1947 ዓ . ም . ፍ . ብሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ህቡራት መንግስታት ዝጸደቐ ቅጥዒ 2017 ኤ . 111 እዩ፡ ፡ ( Hans Sietrich Gencher) ሃንስ ሰይትሪኽ ገሽር ብ 1927 ዝበሎ ሓሳብ ‘’ መሰል ደቂ ሰባት ዘይዕገት ሓይሊ ናይ ኣለም ኮይኑ ንመጻኢ እውን ዘይዕገት እዩ፡፡ ናቱ ኣብ ግብሪ ምትርጓም ከኣ መዐቀኒ ናይ ምዕባለን ግስጋሰን እዩ ’’ ፡፡ ኣብ ዓለምና ንናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ተፈጥራዊ ክብረትን፣ንማዕርነት ዘይምግህሱን፣ ሰብኣዊ መስላት ምቕባባልን፣ መሰረት ናጽነትን ሰላምን ስለ ዝኾነ፡ ፡

 ንሰብኣዊ መሰላት ምንጻግን፣ ምጽቃጥ – መሰል ደቂ ሰባት ሳዕቤኑ፣ ምንዕዓብ ህዝቢ ስለዘስዕብ፡ ናይ ዘረባን እምነትን ናጽነት ዘለዋ፣ ካብ ፍርሕን ጸገምን ናጻ ዝኾነት ዓለም ንኽትህሉ ዝልዓል ትምኒት ደቂ ሰባት ምዃኑ ስለ ዝተኣምነሉ፡

 ወዲ ሰብ ምልክን ወጽዓን ንምውጋድ ሓይሊ ንኽጥ ቀም ምእንቲ ኸይግደድ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ክኸብሩ ኣድላይ ስለ ዝኾነ፣

 ኣብ መንጎ ሃገራት ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ንኽዓቢ ምሕጋዝ ኣድላይ ስለ ዝኾነ፣

 ህዝብታት ፣ ውድብ ሑቡራት መንግስታት፣ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኽብርን ልዕልነትን ሰብኣዊ ፍጡር፣ ንማዕረ መሰላት ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም እምነት ምርግጋጽን ምርግጋኦምን ኣብ ዝሰፍሐ ናጽነት ከኣ ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮን ንምዝርጋሕ ዝወሰኑን ስለ ዝኾነ፡

 ኣባል መንግስታት ምስ ውድድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ንኹሎም ህ ዝብታትን ኩሎም ሃገራትን ክሳብ ንነፍሲ – ወከፍ ውልቀሰብን ፣ ክሳብ ንነፍሲ – ወከፍ ክፍሊ ማሕበረ – ሰብን ነዚ ውዕል እዚ ኩሉ ግዜ ብምዝካር፣ እዞም መሰል እዚኣቶም ኣኽብሮት ንኽረኽቡ ንኽፈልጥዎ ክማሃርዎን ንኽጽ ዕሩ፣ ከምኡ እዉን ብሃገራውን ዓለለኻውን ቀጻልን ምዕቡሉን ስጉምትታትን ኣብ ህዝብታት ኣባላት ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘለው ህዝብታት ሓፈሻውን ግብራውን ተቐባልነትን ሓ ለዋን ምእንቲ ኽረኽቡ ነዚ ዓለምለኻዊ ው ዑል ሰብኣዊ – መሰላት ኣውጅዎ ኣሎ፡ ፡

ዓንቀጽ 1 ፦ ኩሎም ደቂ ሰባት ክውለዱ ናጻን ማዕረን ክብርን መሰልን እዩ ዘለዎም፡፡ ምስትውዓልን ሕልናን ዝተዓደሎም ብምዃኖም መጠን ንሕድሕዶም ብሕውነታዊ መንፈስ ክትሓላለዩ ኣለዎም፡፡

ዓንቀስ 2 ፦ ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዘርኢ፣ ብቐለም፣ብጾታ፣ ብቋንቋ፣ ብሃይማኖት፣ብፖለቲካአ ወይ ብካልኦት ኣራኣእያታት፣ብብሄር ወይ ብማሕበራዊ መበቆል፣ብሃብቲ፣ብትውልዲ ወይ ብካልኦት ደረጃታት ኣድልዎ ከይህልዎ ኣብዚ ውዑል [ ሪም፣ቁቡል ቅጥዒ ] እዚ፣ ሰፊሮም ዝርከቡ ኩሎም መሰላት ን ናጽነትን ተጠቀምቲ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ንፉጡር ወዲ ሰብ ዘርኢ፣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ምሕደራ ፖለቲካዊ፣ሕጋዊ ወይ ዓለምለኻዊ ውሳኔ ዝተወስደን ሃገራት ብዘየገድስ፣ከም ናጽነትን ዝተጓነጸፋ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጽላል ሓንቲ ሃገር ዝርከባ፣ ዋላ ኣብ ትሕቲ ግዝ ኣት እውን ይኹና፣ ነዚ ውዑል ሕቡራት ሃገራት ምመሰረታዊ መሰል ወድሰብ ከኽብርን፣ ብምኽንያት ናይ ሃገሩ ፖለቲካ ክርገጽ ኣይግባእን፡፡

ዓንቀጽ 3 ፦ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፣ ውሕስነት ህይወቱ፣ናጽነት፣ውሕስነት ውናኔ ህይወቱ፣መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን፡፡

ዓንቀጽ 4 ፦ ኩሉ ዜጋ ብማንም ዓይነት፣ ብባርነት ወይ ግዙእ [ ኣገልጋሊ ] ክኸውን ኩልኩል ኮይኑ፣ባርነትን፣ ናይ ባርያ ንግድን፣ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክልኩል እዩ፡፡

ዓንቀጽ 5 ፦ ዝኾነ ዜጋ ብማንም ዓይነት ብኸቢድ ስቓይ ፣ ጨካንን ዘይሰ ባዊን ስቅያት፣ወይ ኣተሓሕዛ [ ንእሱራት ] ወይ ጨካን መቕጻዕቲ፣ ዘይሰብኣዊ ሕስረት ኣይፍጸምን፡፡

ዓንቀጽ 6 ፦ ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ ብሰብኣዊ መንነቱ ንኽፍለጥ መሰል ኣለዎ፡፡

ዓንቀጽ 7 ፦ ኩሎም ደቂ ኩሰባት አብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ብዘይ ኣፋላላይ ናይ ማዕረ ሓለዋ ክግበረሎም ብሕጊ መሰል ኣለዎም፡፡ ኩሎም ደቂ ሰባት ነዚ ድንጋገ ’ ዚ ብም ውሓስ ፣ዝግበሩ ምልዓላት ን፣ እምቢ ንዓመጸ – ሕጊ ብምባል ሃገሮም ገዲፎም፣ ኣ ብ ካልእ ሃገር ምስ በጽሑ፣ ሓለዋ / ዕቑባ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፡፡

ዓንቀጽ 8 ፦ ንኹሎም ዜጋታት ብሕጊ መንግስቲ፣ ወይ ብሕጊ ዝፍቀዱ መሰላት፣ እንተ – ድኣ ተጣሒሶም፣ጥርዓኑ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ቤት – ፍርዲ ብምቕራብ ግቡእ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ፡፡

ዓንቀጽ 9 ፦ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዘይ ሕጊ ብኢደወረዶ፣ ወይ ካብ ስርዓት ወጻኢ፣ ኣይእሰርን፣ ኣይትሓዝን ወይ ኣይሕየርን፡፡

ዓንቀጽ 10 ፦ ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ብምዃኑ ንዝቐረበሉ ገበናዊ – ክሲ ዝምልከተሉ፣ ቅድሚ ንጉዳያቱ ምውሳን ኣብ ናጻን ዘይ ኣድላውነትን ቤት ፍርዲ ብፍትሓውነትን ዕላውን መገዲ ንኽራኣየሉ መሰል ኣለዎ፡፡

ዓንቀጽ 11 ፦

1] ዝኾነ ዜጋ ብዘቕጽዕ ገበን ዝተኸሰ ፣ ስጋብ ብሕጊ መገዲ ኣብ ቁሉዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበኑ ስጋብ ዘይተራጋገጸ፣ ኣብ ቅድሚ ንጹሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ንክካላኸል ዘድሊ ውሕስነት ክህልዎ እዉን መሰሉ እዩ፡፡

2] ዝኾነ ዜጋ ብዝገበሮ ውይ ዝጸንሔ ኣደቡ፣ ብሃገራውን ዓለምለኻውን ሕጊ፣ ተራጋግሂጹን ወይ ተሰኒዱን ስጋብ ዘይጸንሐ ብሓላፍነት ኣይሕተትን፡፡ከምኡ እውን ነቲ ገበን ዝፈጸመሉ እዋን፣ ነቲ ገበን ተወሲኑ ካብ ዝነበረ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ዝኸብድ መቕጻዕቲ ክውሰኖ ኣይግባእን፡፡

ዓንቀጽ 12 ፦ ነፍሲ ወ ከፍ ውልቀ – ሰብ ካብ ቲ ቅጥዓዊ ስርዓተ – ሕጊ ወጻኢ ኣብ ልእሊ ውልቀ ህይወቱ፣ቤተ – ሰቡ፣ ኣብ ልዕሊ ክብሩን ወይ ምጽሕሓፍ ጣልቃ ምትእትታው ኣይግባእን፡ ኩሎም ደቂ ሰባት [ መሰል ኣማዕቋብነት ] ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘለዉ ኢድ ምትእትታው ወይበደል ዝካላኸለሉ ወሕስነት ሕጊ፣ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ፡፡

ዓንቀጽ 13 ፦

1] ኩሉ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ሃገር ናይ ምንቅስቃስን ምንባርን መሰል ኣለዎ

2] ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃግሀሩ ናይ ምውጻእ፣ እንደገና ናብ ሃገሩ ምምላስን መሰል ኣ ለዎ

ዓንቀጽ 14 ፦

1] ኩሉ ዜጋ ካብ ንህይወቱ ሓደገኛ ዝኾነ ግፍዕታት ኣምሊጡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቁባ ናይ ምሕታትን፣ ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎ

2] እዚ መሰል እዚ ብጭቡጥ ፖለቲካዊ ኣብ ዘይኮኑ ገበናት ወይ ንዕላማታትን መምርሕታትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝጻራሩ ተግባራት ኣይገልግልን፡፡

ዓንቀጽ 15 ፦

1] ኩሉ ዜጋ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ

2] ዝኾነ ዜጋ ብኢደወረዶ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዜግነቱ [ ክቕንጠጥ ] ክግደፍ፣ከምኡ ዜግነቱ ናይ ምልዋጥ መሰሉ ክኽልከል ኣይግባእን፡፡

ከምዚ ኣብ ላዕሊ እትርእይዎ ዓንቀጻት ኣብ ሃገርና በዚ ውልቀ መላኺ ዋላ ሓንቲ ኣብ ግብሪ ዘይተርጎሞ ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፣ እተን ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ንቃለስ ዝብላ ውድባት ሰልፍታትከ ኣብ ዝገብርኦ ስርሓትን የማልእኦዶ ይኾና ፣ስለምንታይ – ድኣ ምስጓግ ምድስካል ም ፍንጫል ዘዝውትራ ፡፡ እዚ ባህርያትን ጠባያትን እዚ እቲ ኣብ ገድሊ ዝነበረን ገና ዘይገደፍኦ ምዃነን ክሕብርዶ ኣይክእልን ? ስጋብ ብኸምዚ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ዘዘውትራ፣ኣብ ውሽጠን ሓድነት ክህልወን ኣይክእልን፣ንህዝቢ ክጥርንፋ ኣይበቕዓን ጥራይ ዘይኮነስ ደሞክራስያውያን ክኾና እዉን ኣይጽዕራን፡፡ ኣንበብቲ እንታይ ትብሉ ፤ እስከ ንሕሰበሉ ነስተውዕለሉ ንማራመረሉ ንባራበር ክኣ፡፡ ኣብ ዝመጽእ እተን ዝተረፋ 1 5 ዓንቀጻት ከቕርበልኩም እየ፡

ብድሓን የራኽበና