ውዲት ኢሳያስ አፈወርቂን መለስ ዜናዊን ኣብ ልዕሊ ንህግደፍ ዝቃወሙ
ኤርትራውያን ሃገራውያን
ብጌታቸው ረዳ

ምንጪ ሰነድ ካብ መጽሓፍ ገብሩ ኣስራት

ሉዓላዊነት እና ዴሞክራሲ በኢትዮጵያ (ሉዓላዊነትን ዲሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ) ብዝብል ልዕሊ 516 ገጽ ዝሓዘት ብገብሩ ኣስራት (ነበር መሪሕነት ወያነ) ዝተሰነደት ታሪኻዊት መጽሐፍ ብዛዕባ ሳግምን ውዲት ኢሳያስን መለስን ኣመልኪቱ ገብሩ ከም መጠን ኣባል መሪሕነት ህወሓትን ከም ፕረዚዳንት መንግሥቲ ክልል ትግራይ ኮይኑ ዝሰርሓሉ ኣብዝነበረሉ ጊዜ ኣብ እታ መጽሐፍ ካብቶም ዘስፈሮም ዓበይቲ ታሪኻዊ ሰነዳት ሓንቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሳግም ዝተፈጸመ መሕዘኒ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣንቢበ።

እዚ ኣብ ልዕሊ መሰሎም ዝሓቱ ዜጋታት ዝተወስደ ዘሕዝን ፍጻመ ምስኣንበብኩ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንዘይኽእሉ መንበብቲ (ኤርትራዊያንን ተጋሩን) እዛ ታሪኽ ከንብቡዋ ናይ ግድን ኣገዳሲት ኮይና ስለዝረኸብኩዋ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጎምኩዋ ሓቀኛ ሰነድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣባላት ሳግምን ፍጻመ ህይወቶምን እንታይ ከምዘጓነፎም እነሆ።

እዚ ካብኡሙንባዓልስልጣን“ነቲዑ”ዘሎምስጢር ምስ ኣነበብኩ፤ ነብሰይ ፈጺሙ ክጻወሮ ዘይካለ ኣብ ልዕሊ መሰል ዝሓተቱ ዜጋታት ብመለኽቲ ውልቀሰባት ዝግበር ገበን ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ክኸይድ ከምዝኽእል ምስተገንዘብኩ፤ ወለዶምን ስድራ እቶም ገበን ዝተፈጸሞም መራሕቲን ኣባላት

ሳግምን ክፈልጥዎ ኣለዎም ብዝብል እየ እዚ ታሪኻዊ ሰነድ ክትርጉሞ ዝደለዅ። ከም’ዚ ዝበለ ወንጀል ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዴምሓኤ እንትፍጸም፤ ኣብ ዝላዓለ ስልጣን ዝነበሩ ክሳብ ሕዚ’ውን ንኢትዮጵያ ዘማሓድሩ ዘለው ወየንቲ ስለምንታይ እዮም “ኣይትሰከፉ ኣሕሊፍና ንጸላኢ ኣይንህበኩምን ኢሎም“ ምስ ኣጽለሉዎም ህይወትና ኣሚንና ሂብናኩም ኣለና ኢሎም ህይወቶም ዝኣክል ብእምነት ፈጣሪ ንዝሃቡዎም ተጋደልቲ ስለምንታይ እዚ ገበን ንክፍጸም ተሓባቢሮም? ዝብል መልሲ ክረኽበሉ ዘይካኣልኩ መስደመም ኮይኑ ረኺበዮ።

እዚ ተተርጚሙ ዘሎ መሕዘናይ ታሪኽ ምስ እተንብቡ ሕልናኹም መመልሲ እግሪ ይስእን (የደንዝዘካ)። እዚ ዝምሰል ጭካነ ካብ ሕግን ሞራልን ዝጫደረ ስጉምቲ እንትፍጸም ፤ እቶም ደም ሰብ ምፍሳስ “ፍግዕ” ዘይብሎም “ዕዋሉ” መራሕቲ መን ክፍርዶም ኮን ይኾን? ማዓዝ ኮን ይኾኑ ዝፍረዱ የብለካ።

ንገብሩ እናመስገንኩ፡ ገብሩ እዛ ናይ ሳግም መሕዘኒት ፍጻመ ተርጒመ ንመንበብቲ ትግርኛ ምቕራበይ ቅር ከምዘይብሎ ተስፋ እገብር።

ገብሩ ኣብታ ጉዳይ ሒዙና ክኣቱ ከሎ ከምዚ እክብል ይጅምር፡-

“ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ትግራይ ዝሓገጎ ሕግታት ምንቅስቓስ ብዝምልከት ብዓይኒ ሻዕቢያ ብጽቡቕ ኣይተርኣየን።ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕን፤ከልበትበትን ምቁንጻብን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኤርትራዉያን ይግፍዑ ኣለው ምስ ዝብልዎ ዝነበሩ ክሲ ፈጺሙ ዝማጣጠን ኣይነበረን። (ወከልቲ ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ትግራይ ዘስምዑዎ ዝነበሩ መረረት ጥርዓን እዩ ገብሩ ዝዛረብ ዘሎ) እቲ ኩነታት እዚ እንዳሃለወ ምምሕዳር ትግራይ፤ብሕልፊ ገብሩ ኣስራት ጎሮሮና ኣትዒቱ ሒዙ ፤ ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ ርክብ ከምዝሕርፍፍ ይገብር ኣሎ፤ መሰል ኤርትራውያን የግህስ ኣሎለ፡ እንዳበለ ሻዕቢያ መጨበጢ ዘይብሉ ወረታት ክነዝሕ ጀመረ። ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ተጋሩ’ውን (ጽንሕ ኢልና ንእንምልከቶም አስማቶም ንዝተሰምዩ ሰበ ስልጣን እዩ ገብሩ ዝዛረብ ዘሎ) ነቲ ወረ ሻዕቢያ ሒዞም ነገር እንዳመጠጡ ከጓሃህሩዎ ጀመሩ። እቲ ጉዳይ ኣብከምዚ እንዳሃለወ፤ ጠቕላሊ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ’ውን እዚ ናይ ኢሳያስ በለካ ለኽዓካ ሓምየት ሒዙ በ1989 ዓ.ም ብዝገበርናዮ ኣኼባ ኣባላት ማዕኸላይ ህወሓት፤ ብጋህዲ ኣጋወሖ።

ብዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳይት ንክንዛራረብ ኣብ ‘ኣራት-ኪሎ’ ዝተሰየመ ኣኼባ ኣባላት ማእኸላይ ባይቶ፤ እዚ ጉዳይ ተልዓለ። ኣቦ ወምብር ኮይኑ ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ መለስ ዜናዊ እዩ።  ፍሉይ ‘መማኸሪ’ መለስ ዝኾነ ቀረባ ዘመዱ ሙሉጌታ ዓለመስገድን ከምኡ’ውን ሙሉጌታ (ጫልቱን) ሓደ ዓይነት ርይዕይቶ ኣቕረቡ። እቲ ኣብ ኣጀንዳ ዘቕረቡዎ ድማ “እነሃልኩም ኤርትራዉያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ግፍዕን ምንግልታዕን ይበጽሖም ኣሎ፡ ዲሞክራሲያዊ መሰላቶም ይጋሃስ ኣሎ፤ ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዝወን “ሓንቲ ኪሎ ቡና” ከይተረፈ እንዳተመንጠሉ እዮም። ነጸላ ጋብን ጨርቀመርቂን እውን ከይወስዱ ተገይሩ እዩ። ዝብል ክሲ ኣቕረቡ። ክንፈ ገብረመድህን ነቲ ዝሃቡዎ ርይእይቶ ተወሳኺ መራጎዲ ኣቕረበ። ነዞም ርዕይቶታት ብትዕዝብቲ ስቕ ኢለ ምስ ሰማዕኩዎም፤ እቲ ነገራቶም ስለዘስደመመኒ- አነ’ውን ብኹራ ከምዚ ክብል መልሲ ሃብኩ።

“እንታይ ዝብሉዎ ዘረባ ኢኹም ትዛረቡ ዘለኹም? ብሓቂ በቲ ሕጂ እትዛረቡሉ ዘለኹም ዘረባታት ክትዛራረቡ ድሉዋት ዲኹም ? ድልዋት እንተዳኣ ኮይንኩም ፤ዋእ! ኣነ’ውን እቲ እትብሉዎ ዘለኹም መግሃስቲ መሰል ኤርትራውን ንዛራረብ ካብ በልኩም ብዝበለጸ እምባኣር ሉዓላዊን ጸጥታዊን ሃገርና ብሻዕቢያ ይጋሃስ ከምዘሎ ንክንዛራረብ ብኣጀንዳ (ዛዕባ) ክታሓዘለይ እደልይ እየ በልኩዎም።” ከም’ዚ ሎሚ ኣይግበሮ’ምበር በቲ እዋን እቲ ጸጋይ በርሀ እውን ከማይ ተማሳሳላይ ርዕይቶ ስለዝነበሮ ብጣዕሚ ተባሳጨወ። ካልኦት ኣብ ‘ቲ ኣኼባ ዝነበሩ ኣባላት ፈጸምቲ ሽማግለ ውድብ እውን አቲ ኣዛራርባኦም ኣራሲኑዎም ስለዝነበረ፤ ንሶም እውን ከማና ‘ጓሂ’ ስለዘርኣዩ፤ እቲ ኩነታት ኣብ ምንህሃር ስለዝኣተወ፤ እቲ ምስሕሓብ ከይጋደድ ብዝብል ‘ስየ አብርሃ’ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ “እዚ ነገር እዚ ብሕርግድፍ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ ካልእ ማዓልቲ ንርኣዮ” ምስበለ ኩላህና ተስማሚዕና። እቲ ነገር መዕለቢ ከይተገብሮ ብሸለውለው ገደፍናዮ። እዚ ኹሉ ክኸውን ከሎ “መለስ” ብጨቕ ኣይበለን።ኣጠርሚሙ ስቕ ኢሉ ይሰምዕ ነይሩ። ዘይተዛረበሉ ምኽንያት’ውን ከክንድኡ ዝዛረቡሉ ሰሪዑልና ስለዝነበረ እዩ ኢለ እግምት። ናይ’ቲ ዛዕባ ቀንዲ ዕላማ ድማ “ምምሕዳር ትግራይ ፀረ-ዲሞክራሲ እዩ ዝብል ውሳነ ንምሕላፍ እዩ ነይሩ።ባዓል መለስ ዘዳለውዎም ሰባት አሰሊፎም ከጽድቑዎ ዝፈተሉዎ መፍተል ከይተዓወቱ ተኸሺፎም።”

ምስበለ ገብሩ <“ናብ ቻይና ምስከድና ተቓወምቲ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምስጓግ ዝተገብረ ፈተነ”> ኣብ ዝብል ሓዲሽ ርዕስ ከምዚ ይብል።

“ መንግሥቲ ቻይና ንመንግሥቲ “ኢህወደግ” ብዝገበረሉ መጸዋዕታ፤ በ1987 ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ “ኢህወደግ” ናብ ሃገር ቻይና ከይዱ ነይሩ። እቲ ሉዑኽ ብተወልደ ወልደማርያም ዝምራሕ ኮይኑ ዓለምሰገድ ገብረአምላኽ ፤አዲሱ ለገሰ፤ኩማ ደመቅሳ፤ በረኸት ስምኦን፤ ሃይለኪሮስ ገሰሰን አነ ገብሩ አስራትን ነይርና።”

ምስበለ፤ ናይ ቻይና ዑደት ብሰፊሑ ምስገለጸ ናብ’ዚ ዝስዕብ ጉዳይ ከምዚ ይብል።

“ንክልተ ሰሙን ኣብ ቻይና ምስቀነኹ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሓደ ዘገርም ዜና ሰማዕኩ።እዚ’ውን ኣብ ትሕቲ መንግሥቲ ትግራይ ከውሊ ገይሮም መጽለሊ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሻዕቢያ፤ ኩሎም ተኣሲሮም ንምንግሥቲ ሻዕቢያ ተማሓላሊፎም ከምዝዋሃቡ ካብ ኣዲስ አበባ ትእዛዝ ተሓላሊፉ ከምዝነበረ ተዘረበኒ ። ቅድሚኡ ተኣሲሮም ንመንግሥቲ ሻዕቢያ ንክዋሃቡ ሓቲቶሙና፤ ድሕሪ ሕዚ ከምዚ ዝብለ ዘረባ ከይድገም ኢልና አጠንቂቕና እምቢ ምስ በልናዮም፡ ኣጽቂጦም ነይሮም። ኮይኑ ግና ነዚ ዝተረግመ ዕላማኦም ንቃወሞ ዝነበርና ሰባት ከምዘየለና ምስፈለጡ፤ ንጠቕላሊ ምንስትራት መለስ ዜናዊ ኣመልኪቶም ተኣሲሮም ንሻዕቢያ ከምዝዋሃቡ ተፈቐደሎም። እዚ ውሳነ እዚ በበይ በበይ ገይሩ ጸዲቑ ? መንስ ወሲንዎ? ንርኣይ፡

“ኣብዘየለናሉ ብድሕሬና ኣብ አዲስ አበባ ኣብዝተገብረ ኣኼባ ካብ ሻዕቢያን ካብ ወገንናን እዞም ዝስዕቡ ሰባት ብዛዕባ እቶም ተቓወምቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንምውሳን ተኣኪቦም ነይሮም። “መለስ ዜናዊ፤ስየ አብርሃ (ሓይሊ ምክልኻል) ሥዩም መስፍን (ወጻእ ጉዳያት)፤ክንፈ ገረመድህን (ምክልኻል ስግኣት ድሕንነት)፤ ኣውዓሎም ወልዱ (ኣብ ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር) እንትኾኑ፦ ብወገን መንግሥቲ ሻዕቢያ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ (ጻሓፊ ህግደፍ)፤ ሰብሓት ኤፍሬም (ሓይልታት ምክልኻል) ኣብርሃ ካሳ (ድሕንነት) ኮይኖም ወሲኖም። ግና እቲ ዝወሰንዎ ውሳነ “ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም ናብ ድላዮም ሃገር ንክኸዱ ምግባር፡ ዝብል ውሳነ እዩ ተማሓሊፉ ኩሎም ተሳማሚዖሙሉ ዝነበረ ውሳነ”። ይኹን እምበር “ወዲ በርሄ” ዝተብሃለ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይ ጉዳያት ሓላፊ ጉጅለ ፀጥታ ናብ መቐለ ከይዱ እቶም ተቋወምቲ ኣባላት ሻዕቢያ ኣሲሩ ናብ ኤርትራ ንክወሰዶም ከምዝደለየ ናብ ጸጋይ በርሄ ብምኻድ “ኣሲረ ክወስዶም ስለዝተፈቐደለይ፤ ንክእከቡ ጸውዓለይ እሞ ክወስዶም” ኢሉ ነቶም ምክትላተይ ንጸጋይ በርሄን ንኣረጋሽ ኣዳነን ይሓቶም። ክልቲኦም ብኹራ ተባሳጪዮም “መን እዩ ኣዚዙካ?!” ኢሎም ብኹራ ይሓትዎ። ንክንፈ ገረመድህን ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም ይብሎም። ባዓል ጸጋይ በርሄ ምስቶም ምምሕዳር ኣባለት ክልል መንግሥቲ ትግራይ ኣኼባ ገይሮም “ኣሕሊፎም ምሓብ ጉቡእ ከምዘይኮነ ኩሎመ ተሳማሚዖም። ካብኡ ጸጋይ በርሄ ንክንፈ ገብረመድህን (ሓላፊ ድህንነት) “እዚ ውሳነ እዚ መን እዩ ወሲንዎን ብከመይ ኢሉስ ናብ ከምዚ ነገር ተግባራዊ ንክኾን ተበጽሔ”? ኢሉ ይሓቶ። ከምዚ ዝበለ ሕቶ እቲ ክልል ክሓትት ከምዘይብሉን እቲ ዝተብሃለ ውሳነን እቲ ሓቲትኩም ዘሉ ሕቶ ተግባራዊ ምግባር ጥራሕ እዩ ዘለኩም! ካብኡ ንላዕሊ ምሕታት ኣይካአልን! ኢሉ ክንፈ ነጸጋይ ይመልሰሉ። ጸጋይ እውን ብወገኑ “እዚ ውሳነ እዚ ኣይቅበሎን እየ። ምስ መለስ ክዛራረበሉ ኣለኒ።” ኢሉ ስልኪ ይዓጹ።

ጸጋይ ንመለስ ደዊሉ “እንታይ ኢና እንሰምዕ ዘለና? መንእዩ ወሲንዎ? ኢሉ ይሓቶ። እዚ ውሳነ እዚ ዘስዕቦ ሳዕቤን ‘ሰባብ’ ስለዝኾን ክፍጸም ከምዘይብሉ ንመለስ የረደኦ። ከምዚ ዝበለ ከቢድ ውሳነ ብጀካ መለስ ካልእ ሓይሊ ክውስን ዝኽእል ባዓል ሥልጣን ከመዘየለ ስለዝፈልጥ፤ ጸጋይ ኣትሪሩ ምስተዛረቦ፤ መለስ እቲ ዘስዕበሉ ሰበብ እንታይ ከምዝኸውን ስለዝፈለጠ ይመስለኒ ‘ንጸጋይ’ ብዙሕ ክደፍኦ ኣይደለየን።ስቕ ኢሉ ሰሚዑዎ።

እዚ ተንኮል እዚ ተወልደ ወልደማርያምን ገብሩ አስራትን ኣብዘይብሉ (ኣባላት መፈጸምቲ ሽማግለታት) እቶም ሰባት ምስተማሓላለፉ ፤ዳሓር ንሕና ምስመጻእና ንምንታይ ብድሕሬና እዚ ተገይሩ? ኢልና እንተዳኣ ሓቲትናዮ ሓጥ ተበለ “ተጋግየ፤ ይቕረታ” ኢሉ ብቐሊሉ ክሕለፋ እኽእል እየ ዝብል ግምት ስለዘሕደረ ይመስለኒ እዚ ኹሉ ተንኮል ዝሰርሔ። ከም’ቲ ኣነ ዝግምቶ፤ ወሰንቲ ኣካላት እንባሃል ሰባት ብዜየለናሉ እዋን ብድሕሬና እቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ታሕተዎት መፈጸምቲ ሥራሕ ንመለስ ክንደየናይ “ተማእዘዝቲ” ምንባሮም ክፍትሽ ዝጸንሐ እውን ይመስል። ዳሓር ግን ብውልቁን ብጉጅለን ብሁጹጽ እቲ ውሳነ ምውሳኑ በቲ ናይ ትግራይ ምምሕዳር አባላት ቤት ጽሐፍት እንተይተዛራረቡሉ ምውሳኑ ‘ዳሓር’ ጸገም ከምዝመጾ ዝተረዳኦ እውን ይመስል።

በቲይ ኮነ በቲ፤ ጸጋይ ኮነ ካልኦት ናይ’ቲ ኣካላት ምምሕዳር ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዑቕባ ዝሓተቱ ንሻዕቢያ ዝቃወሙ ኤርትራዉያን ውድባት ኣሕሊፍካ ንሻዕቢያ ምሃብ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ከምዘይድግፉዎ ኣትሪሮም ገሊጾም እዮም።ናብ ከምዚ ዝበለ መርገጽ ንክበጽሑ ኣብ’ቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ንአባላት ዴምሓኤ፤ተሓኤ-ሳግም ከምኡውን ተሓኤ-ሠባ ንመንግሥቲ ሻዕቢያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ብሞራላዊ ዓይኒ ኮነ ብዓይኒ ፖለቲካ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምብጋስ እዩ።ብሓቂ’ውን እቶም ኣባላት ተቓወምቲ ሻዕቢያ ኣሕሊፍካ ንሻዕቢያ ምሃብ ማለት ናይ ሞት ስጉምቲ ንክውሰደሎም ወይድማ እንተዋሓደ ዕድመ ሙሉእ ስቅያት ዝተመልኦ ማእሰርቲ ከምዘጋጥሞም ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ይዋሃቡ ኢልካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ድማ ብዓይኒ ፖለቲካ ጉጉይ መስመር እዩ።

እዞም ኣብላዕሊ ዝተረቑሑ ኤርትራዊያን ኣባላት ተቓወምቲ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ብረታዊ ቃልሲ ንሕዝቢ ኤርትራ ካልእ መማረጺ ፖቲካዊ ዲሞክራሲያውያን ውድባት ክኾኑዎ ይኽእሉ ደኾን ብዝብል ኢህወደግ ሓገዝ ክገብረሎም ዝጸንሑ ኣባላት እዮም። ድሕሪ ፍጻመ ብረታዊ ቃልሲ እውን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መላኺ ውድብ ስለዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ዝቃለሱ ውድባት እንተሊዮም ክንድግፎም ዝግባእ እዩ ብዝብል ብ ‘ኢህወደግ’ ሓገዝ ይግበረሎም ነይሩ። ይኹን እምበር መለስ ካብ ልቡ ዝድግፎ ኣይመስልን ነይሩ። ምስ’ዝኹሉ ተርእዮታት ሻዕቢያ ንመለስ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓና እውን ነዞም ክንሰጎም ከምዘለና ንጎሆን ምሸትን ‘ስጎጉዎም” እንዳበሉ የሸግሩና ነይሮም።

ብሰላሕታ ዝተርኣየ ግን ነዞም ተቓወመወቲ መጽለሊ ንምሃብ ዝተገብረ ውሳነ ‘መለስ’ ካብ ልቡ ከምዘይተቐበሎ ቁሉዕ መረዳእታ ኮይኑ ዝራኣናዮ መርኣያ ካብ’ቲ ዝተወሰነ ውድባዊ ውሳነ ወጻእ ብውልቁ ምስ ኣባላት ሻዕቢያ ተዛራሪቡ እቶም መሳኪን ተቓወምቲ ኣሕሊፉ ንሻዕቢያ ንከረክቦም ዝወሰዶ ንመብዛሕትና ዘገረመን ዘሕዘነ ውሽጣዊ ስምምዕነት እዩ። ቀደሙ’ውን እቲ ጉለቡብ ውሽጣዊ እምነቱ ንሱ እንተነበረ’ውን፤ ደፊሩ ንኣባላት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን እቲ ድልየቱ ንከፍጽም ድፍረት ኣይነበሮን። የዋጻኣኒ እዩ ኢሉ ዝወሰዶ መማረጺ ተንኮል ግና እቶም ይቃወሙኒ እዮም ዝበሎም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣብዘየለውዎ (ብስራሕ ናብ ወጻእ ሃገር ብዝወጹሉ) እዋን ነቶም ኣባላት ተቓወምቲ ኣሕሊፉ ንጸላእቶም ሂቡ ንከልግሱ ምግባር እዩ። (228-231) (ሰረዝ ዝተወሰኸ)

ከምታዝደለያ ድማ ገይሩዋ።ሻዕቢያ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰሪዑዎም ብዝነበረ “ቀንጸልቲ’ (ቀተልቲ ነብሲ) ቡዙሓት ሰባት ዓፊኑን (ጨውዩን) ቀንጺሉን እዩ። ንምሳለ ካብ’ዞም ዝተቐንጸሉ ኤርትራዉያን መራሕትን ዴምሓ ይርከቡዎም። እዞም ኣባላት እዚኦም ንስርዓት ኢሳያስ ንምልጋስ በተሪር ጽንዓት ዝዋስኡ ዝነበሩ ካብ ጀብሃ ተፈልዮም ቡርቱዕ ውድብ ዝመስሩረቱ ኣባላት እዮም ነይሮም።

እቲ ዝመስረቱዎ ውድብ ብርቱዕ ነይሩ ዘብሎ ነገራቱ ሓደ ኣብቲ ውሽጢ ውድብ ሻዕቢያ ምስጥራዊ ኣባላት ሰለልቱ አስሪጹ ንከፍርሶን ክገማምዖን እንተፈተነ’ውን ንነዊሕ እዋን ፈጺሙ ነቕ ክብል ዘይካኣለ ተሪር መሪሕነት ዝነበሮ ውድብ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ’ውን ሻዕቢያ ነዚ ውድብ እዚ ንከፍርስ

ዘይፈተኖ ፈተነ ኣይነበረን። ነቲ ውድብ ንክድምስስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ናይ ሻዕቢያ ኣምባሲን ቆንስላን ውሽጣዊ ስርዒት ዝተሰርዑ ቀንጸልቲ ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ’ዚ ውድብ እዚ ካብቶም ዝፈተኖም ነገራት ውዕጢ ግብረ “ምቕንጻልን ምጭዋይን” ገይሩ እዩ።

ካብቶም ዝተቐንጸሉ ቡርቱዓት ኣባላትን መሪሕነትን ዴምሓኤን ገለ ንምጥቃስ ማለት’ውን ከም ዘካርያስ ዝተብሃለ ናይ ዴምሓኤ መስራቲን ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካን ዝነበረ ቀቲሎሞ። ዘካርያስ ነዊሕን ቀይህ ኮይኑ ብሓቂ ብርቱዕ ዝተማለአ ሰብኣዊነት ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። ሻዕቢያ ጸረ- ዲሞክራሲ እዩ ስለዝኾነ’ውን ምስ ሻዕቢያ ፈጺምካ ብምምይያጥ ተዳራዲርካ ዝመጽእ ነገር የለን ዝብል እምነት ስለዝነበሮ ሻዕቢያ ንምቅላስ ካብቶም ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ፍጻመ ንክቃለስ ድልዊ ዝነበረ ብርቱዕ ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ናይ ዘካርያስ ትብዓትን ተሪርነትን ዝተዓዘበ ሻዕቢያ ኣብ መቐለ ከፊትዎ ብዝነበረ ሓገዝ ቤት ጽ/ት ቆንስላ መጽናዕቲ ተገይሩ ነቲ ቅንጸላ ክፍጸም ብምውሳን ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ቅትልት ንክፍጸም ውሳነ ኣሕሊፉ። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ካብ መቐለ ንውድባዊ ንጥፈት ናብ ወሎ ደሴ ከይዱ ኣብኡ ቤት ጽ/ት ከፊቱ ስለዝነበረ ንውሕ ንዝበለ እዋን ውድባዊ ስራሕቲ የካይድ ነይሩ። ንጥፈታቱን ናበይን ካበይን ይንቃሳቐስ ምንባሩ ዝካታታሉ ኣብ’ቲ ውሽጢ ውድብ ሰሪጎም ብዝነበሩ ኣባላት ስለያ ሻዕቢያ ሓደ ኣብ ዓዲግራት ኮይኑ ኩነታቱ ንክካታተል ምስመደቡ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ‘ቅንጸላ’ ንከካይድ ዝተመደበ ድማ ናብ ደሴ ላኣኹዎ። እቲ ኣብ ዓዲግራት

ዝተመደበ ሰላሊ ሻዕቢያ ነቲ ቅትለት ክፍጽም ንደሴ ዝተልኣኸ ‘ቀታሊ ነብሲ’ ብስልኪ እንዳተዛራረበ ሓበሬታ ክህቦ ምስጸንሐ፡ ኣማስያኡ ድማ ዘካርያስ ንስራሕ ደሊናካ ነይርና ኢሎም ምስጸውዑዎ፤ ንሱ ድማ ሓቂ መሲልዎ ካብ ገዝኡ መሰስ ክብል ብመጅሚዕ ጥይት ተኵሶም ኣውደቑዎ።

እዚ ኹሉ ምስጢራት ክንፈልጦ ዝኻኣልና ድማ ብናይ ሃገርና ኣባላት ‘ሓለዋ ደህንነት’ ዝተገብረ ናይ ጭውያ ስልኪ ብዝገበሩዎ ምጽራይ እዩ ነይሩ። ሻዕቢያ ዝላዓኾም ቀተልቲ ነብሲ ነዚ ዝመስል ወንጀል እንትፍጽሙ ‘መንግስቲ አሎ” ኣብዝተብሃለሉ ሃገር ውሽጢ ኮይኖም እዮም እዚ ዝመስል ወንጅል ክፍጽሙ ዝኻኣሉ።

እቲ ወንጀል እቲ ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ጥራሕ ደው ኣየበለን። ካልእ ጭውያ ፈጺሞም እዮም። ገብረብርሃን ኣብ ዝተብሃለ ኣቦ መንበር ‘ዴምሓኤ’ ጭውያ ፈጺሞም። ገብረብርሃን ብቑመቱ ሕጽር ዝበለ መልከዐኛ፤ ቀደም ኣባል ጀብሃ ዝነበረ፤ ልክዕ ከም ዘካርያስ ሻዕቢያ ንክቃለስ ቆሪጹ ዝተልዓለ ኣባል መስራታይ ‘ዴምሓኤ’ ዝነበረ እዩ። ምክትል ገብረብርሃን ዝነበረ ዘካርያስ ብፖለቲካዊ ብስለቱ እንትፍለጥ፤ ገብረብርሃን ድማ ብብስለቱን ምስ ሰብ ዝነበሮ ዝላዓለ ምትሕውዋስን ሰባት ናይ ምስሓብን ምጥርናፍን ክእለት ዝነበሮ ሰብ ነይሩ።

ሻዕቢያ ንገብረብርሃን ጨውዩ ክወስዶ ዝኻኣለ ድማ ውድባዊ ስራሕቲ ንከካይድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሑመራ ምስከደ እዩ። ገብረብርሃን ናብ ሑመራ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ሰለልቲ ሻዕቢያ ምስፈለጡ፤ ሑመራ ንዝነበረ አባል ስለያ ሻዕቢያ ደዊሎም ይመጸኩም ኣሎ ኢሎም መልእኽቲ

ኣማሓሊፎም። እዚ ምስኮነ፤ እቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤት ጽ/ት ቆንስላ ኤርትራ ብምዝርራብ እቲ ውዲት ጭውያ ክፍጸም ብምግባር ገብረብርሃን ኣብ ሑመራ ምስኣተወ ጨዊዮም ናብ ኤርትራ ወሲደሞ። ጨውዮም ኣበይ ከምዝገበሩዎን ናበይ ከምዝሰወሩዎን ዝፍለጥ ነገር የለን። ሻዕቢያ ካብቶም ቆጺርካ ዘይውድኡ ‘እከይ’ ግብሪታት ሓደ እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝፈጸሙዎም ገበናት እዮም። ብመንገዲ ቅንጸላን፤ጭውያን ውድብ ዴምሓኤ ንዝተብሃለ ተጻባኢ ሻዕቢያ ብጽኑዕ ንከደክምን ክህሰይን ገይሮም እዮም።

እቲ ዘሕዝን ነገር፤ ሻዕቢያ ብምጭዋይን ብምቕታልን ንተጻባእቱ ስቕ ንከብሎም ዘይሕጋዊ ምንቅስቐስ ገይሩ ኣብልዕሊ ተቓወምቱ ገበን እንትፍጽም፤ “ኢህወዴግ” ማዕረ ምላሽ ንምሃብ ዝገበሮ ስጉምቲ ኣይነበረን። እኳዳኣስ ምስ ሻዕቢያ ምልስላስን ቁልዕጽዕጽ ምባል ስለዘብዘሐ፤ እዚ ዝተዓዘበ ሻዕቢያ ልቡ-ሓቢጡ እዚ ዝመስል ገበን ብዘይስኽፍታ ድላዮ ክፍጽም ኣኽኣሎ። ስለዝኾነ’ውን ወሰንቲ ኣብዝባሃሉ መንግሥታዊ ማሓውር ቤት ጽ/ታት ሰሪጎም ብምእታው ዘድልዮም ነገራት ክፍጽሙ ክኢሎም እዮም። እዚ ዘይሕጋዊን ሥራሕ ዒዋሉን ዝፍጽም ዝነበረ ሻዕቢያ ብመሪሕነት ‘ኢህወዴግ’ ሸለልታ (ዘይግዱስነት/ከበር ብዘይምግባር) ኣብ መወዳእታ ናብ ዝሓርፈፈ ርክብ ከመይ ከምዝኸደ ጸኒሕና ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክንሪኦ ኢና።>> (ሉዓላዊነትን ዲሞክራሲን አብ ኢትዮጵያ 214-215) ይብል ገብሩ አስራት።

የቐንየለይ (ጌታቸው ረዳ ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮፕያን ሰማይ getachre@aol.com)