ምስበለ ገብሩ <“ናብ ቻይና ምስከድና ተቓወምቲ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምስጓግ ዝተገብረ ፈተነ”> ኣብ ዝብል ሓዲሽ ርዕስ ከምዚ ይብል።
“ መንግሥቲ ቻይና ንመንግሥቲ “ኢህወደግ” ብዝገበረሉ መጸዋዕታ፤ በ1987 ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ “ኢህወደግ” ናብ ሃገር ቻይና ከይዱ ነይሩ። እቲ ሉዑኽ ብተወልደ ወልደማርያም ዝምራሕ ኮይኑ ዓለምሰገድ ገብረአምላኽ ፤አዲሱ ለገሰ፤ኩማ ደመቅሳ፤ በረኸት ስምኦን፤ ሃይለኪሮስ ገሰሰን አነ ገብሩ አስራትን ነይርና።”
ምስበለ፤ ናይ ቻይና ዑደት ብሰፊሑ ምስገለጸ ናብ’ዚ ዝስዕብ ጉዳይ ከምዚ ይብል።
“ንክልተ ሰሙን ኣብ ቻይና ምስቀነኹ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሓደ ዘገርም ዜና ሰማዕኩ።እዚ’ውን ኣብ ትሕቲ መንግሥቲ ትግራይ ከውሊ ገይሮም መጽለሊ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሻዕቢያ፤ ኩሎም ተኣሲሮም ንምንግሥቲ ሻዕቢያ ተማሓላሊፎም ከምዝዋሃቡ ካብ ኣዲስ አበባ ትእዛዝ ተሓላሊፉ ከምዝነበረ ተዘረበኒ ። ቅድሚኡ ተኣሲሮም ንመንግሥቲ ሻዕቢያ ንክዋሃቡ ሓቲቶሙና፤ ድሕሪ ሕዚ ከምዚ ዝብለ ዘረባ ከይድገም ኢልና አጠንቂቕና እምቢ ምስ በልናዮም፡ ኣጽቂጦም ነይሮም። ኮይኑ ግና ነዚ ዝተረግመ ዕላማኦም ንቃወሞ ዝነበርና ሰባት ከምዘየለና ምስፈለጡ፤ ንጠቕላሊ ምንስትራት መለስ ዜናዊ ኣመልኪቶም ተኣሲሮም ንሻዕቢያ ከምዝዋሃቡ ተፈቐደሎም። እዚ ውሳነ እዚ በበይ በበይ ገይሩ ጸዲቑ ? መንስ ወሲንዎ? ንርኣይ፡
ኣማሓሊፎም። እዚ ምስኮነ፤ እቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤት ጽ/ት ቆንስላ ኤርትራ ብምዝርራብ እቲ ውዲት ጭውያ ክፍጸም ብምግባር ገብረብርሃን ኣብ ሑመራ ምስኣተወ ጨዊዮም ናብ ኤርትራ ወሲደሞ። ጨውዮም ኣበይ ከምዝገበሩዎን ናበይ ከምዝሰወሩዎን ዝፍለጥ ነገር የለን። ሻዕቢያ ካብቶም ቆጺርካ ዘይውድኡ ‘እከይ’ ግብሪታት ሓደ እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝፈጸሙዎም ገበናት እዮም። ብመንገዲ ቅንጸላን፤ጭውያን ውድብ ዴምሓኤ ንዝተብሃለ ተጻባኢ ሻዕቢያ ብጽኑዕ ንከደክምን ክህሰይን ገይሮም እዮም።
እቲ ዘሕዝን ነገር፤ ሻዕቢያ ብምጭዋይን ብምቕታልን ንተጻባእቱ ስቕ ንከብሎም ዘይሕጋዊ ምንቅስቐስ ገይሩ ኣብልዕሊ ተቓወምቱ ገበን እንትፍጽም፤ “ኢህወዴግ” ማዕረ ምላሽ ንምሃብ ዝገበሮ ስጉምቲ ኣይነበረን። እኳዳኣስ ምስ ሻዕቢያ ምልስላስን ቁልዕጽዕጽ ምባል ስለዘብዘሐ፤ እዚ ዝተዓዘበ ሻዕቢያ ልቡ-ሓቢጡ እዚ ዝመስል ገበን ብዘይስኽፍታ ድላዮ ክፍጽም ኣኽኣሎ። ስለዝኾነ’ውን ወሰንቲ ኣብዝባሃሉ መንግሥታዊ ማሓውር ቤት ጽ/ታት ሰሪጎም ብምእታው ዘድልዮም ነገራት ክፍጽሙ ክኢሎም እዮም። እዚ ዘይሕጋዊን ሥራሕ ዒዋሉን ዝፍጽም ዝነበረ ሻዕቢያ ብመሪሕነት ‘ኢህወዴግ’ ሸለልታ (ዘይግዱስነት/ከበር ብዘይምግባር) ኣብ መወዳእታ ናብ ዝሓርፈፈ ርክብ ከመይ ከምዝኸደ ጸኒሕና ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክንሪኦ ኢና።>> (ሉዓላዊነትን ዲሞክራሲን አብ ኢትዮጵያ 214-215) ይብል ገብሩ አስራት።
የቐንየለይ (ጌታቸው ረዳ ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮፕያን ሰማይ getachre@aol.com)
Recent Comments