ሙሴ የውሃንስ “ወዲ ጣባ”፣ ዘይፈለጠ ይፍለጥካ፣ ተመለስ እባ ሰብ ከይክዕበካ።ንግዜኡ እኳ ኣብ ሃገር Norway መሓከሊ ብዓቲ እንተረኸብካ፣ ጽባሕ ብጊሓት ግና ኣብ ትኣትዎ ከይጠፍኣካ። ዕሉል ወይጦ ከምቶም ልኣኽትኻ መዓልትኻ ጥራይ ተጸበ!! ግፍዒ ህዝቢ በዘይ ንሓስያ ክሳብ ዘረኻኽበልካ። ሽዑ ክንርኢ ኢና ኣስኳድራ ህግደፍን፣ እቶም ካብ ብኣእምሮኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ፣ ወልፊ ፓልቶክ ዘለዎም ገርሀኛታት ሰማዕትኻን፣ እንተድኣ ኣድሒኖምኻ። ኣብ ኖርወይ ምሕካልን ምዅብላልን ጽኑዕ ዋሕስነት ኣሎኒ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ኣሕዋት ዘካርያስ ኣበይ ከምዘሎኻ ይከታተሉኻ ከምዘለው ተረዳእ። ዝርዳእ ኣምሮ ድኣ ኣይተዓደልካን እምበር።

ኣስተብህል፣ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና እዋን፣ ሕገ ኣልቦን ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጽሞ ዘሎ ባርባራዊ ተግባራት፣ ሕጋዊ ንምልባስ፣ ከም ብዓል ሙሴ የውሃንስ (ወዲ-ጣባ)  ኣሰልጢኑን ዓሲቡን፣ ኣብ ፓልቶክን ኣብ ካልኦት መራኸቢ መርበባትን ብምውፋር፣ ንኣተሓሳስባ ገርኛታት ሃገራውያን ክሰልብ ለይትን መዓልትን ገልዳሕ ይብል ከምዘሎ ምስትብሃል የድሊ። ከምኡውን እዚ ኩሉ ጉያ ህግደፍስ ብሓቂ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝኸውን ነይሩስ፣ ውጺኢቱዶ ከምዚ ንርእዞ ዘሎና ምኾነ፣ ኢልና ቊሩብ ከንስተንትን መድረኹ ይጠልበና ከምዘሎ ምግንዛብ ከድሊ እዩ።

ብፍላይ እኳድኣ፣ እቶም ዘወትር ከም ወልፊ ወሲዶም ኣብ ፓልቶክ ዝዋስኡ ደቂ ሃገር ከስተብህሉዎ ዝግባእ ኣገዳሲ ሓበሬታ እንተድኣ ሃልዩ፣ ከም ብዓል ዘይሓንኽ ሰላዪ (ወዲ-ጣባ) ብህግደፍ ብዶሞዝ ተዓስኪሮም ንስለላን ኮለላን ዝተዋፈሩ ብዙሓት ወይጦታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘሪኦም ከምዘለው ግድነት ምግንዛብ የድሊ።  እወ፣ “መለበምን ኣይኽላእካ መለበምን ኣይግበርካ” ዝብል ኣምር ብምኽታል፣ ከይተገርሀ ክሃድኖም ኣለዎ እምበር፣ ተገሪሁ ክኣምኖምን ግዳይ ስለላን ኮለላን ህግደፍ ክኸውንን የብሉን።

ነዞም ልኡኻት ሳጥናኤል ከለልዮምን፣ ኣለልዩ ድማ ስጉምቲ ክወስደሎምን ግድነት መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ሎሚ ዘመነ ስለላን ኮለላን በጺሕና ከምዘሎና ነፍሲ-ወከፍ ግዱስ ኤርትራዊ፣ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብቲ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ መርበብ ፓልቶክን(Paltalk) ፈሲ-ቡክን፣ (Facebook) ይኣይ ከም መቃለሲ መድረኽ ወሲዶም ዝመላለሱ ሰባት፣ እቶም መሃንድሳትን ወነንትን መርበብ ፓልቶክን(Paltalk) ፈሲ-ቡክን፣ (Facebook) ዩትዪብን (Youtube) መን ምዃኖም፣ብንቕሓት ክፈልጡዎ ይግባእ።

ሎሚ ዘድሊ ዘሎ። ኩሉ ዓቕምና ብፍልጠት ተዋሃሂድና፣ ብትሕተ ባይታን ብልዕለ ባይታን ኮንና፣ ንህግደፍ ” መሳርሒ ባዕዳውያን ምዃኑ ብግቡእ ኣሌሊና፣ “ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይግፈለጠስ ኣይሃዳናይን” ክንብሎ ኣሎና። እወ፣ ሎሚ ንጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢርካ ብፍልጠት ምምካት እምበር፣ ኣብ መርበብ ፓልቶክን (Paltalk) ፈሲ-ቡክን፣ (Facebook) ኣቲኻ ካብ ብዓል  ወይጦ ወዲ ጣባ ክትፈልጥ ህግርድግ ምባል ግዜኻ ንኾንቱ ምጥፋእን ግንከኣ ዕንጅልናን ጥራይ  እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግና ብብልሓት ሓሰውቲ ምዃኖም ፈሊጥካ ክትጥቀመሎም ምክትታሎም ኣይከፍእን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነዞም ዕሱባት ሰለልቲ ከም “መማህራን ፈላስፋታ ፖለቲካን” ወሲድካ ምቕባሎም፣ መላገጺ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳን መኽሰብን የብሉን። ብኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ዝተለጠፈ ፍሉይ ርእይቶ

ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ- ጣባ) ምስ ሓቂ እናተላተመ ክግሃድ ከሎ፣

ብነጸረኣብ ኣስመላሽ

ሳልኣይ ክፋል፡-

ክቡራት ኣንበብቲ ዕዙዝ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባ) “ነፀረኣብ ኣስመላሽ ሕጹይ ወያናዊ ፕረሲደንት ኤርትራ” ብድሕሪ ምባሉ፡ ንነብሱ ድማ ኣብ ሰደግኤ ብደረጃ ሚኒስትሪ ተመዙዚ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ባእታ’ዚ ወትሩ ሂወቱ ምስ ስሱዕ ግዜያዊ ረብሓታትን ፖሎቲካዊ ስልጣንን ዜተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ ናይ ኩሉ ግዜ ሕልምታቱ’ዩ ኣግሂዱ። ኣበየናይ ጽፍሒ ሚኒስትሪ ተመዱቡ ከም ዝነበረ፣ ስለ ዘይሓበረ ግን ኣብ ዝመጽእ እዋን ክሕብር ተስፋ ንገብር። “ካልኦት ኣብ ሚኒስትሪ ተመዘዙ ሰባትከ ክትሕብረና ትኽእል’ዶ”? ብዝብል ክልተ ግዜ ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ ካብቶም ብተደጋጋሚ ዝጽውዕም ባእታታት ሓድሽ ኣስማት ከቕርብ ፍጹም ኣይኸኣለን። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወ-ጣባ) “ሓንሳብ ሕጹይ ወያናዊ ፕረሲደንቲ ኤርትራ: ሓንሳብ ድማ ኣብ ጅዳ ታክሲ ዝዝውር ዝነበረ ተራ ሰብ’ዩ” ብምባል ንምንእኣስ ምፍታኑ ዘገርም ኣይኮነን።

ነቲ ኣጉል ትዕቢቱን ጃህርኡን ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ዋላ’ኳ ሽሕ ግዜ ተራ ሰብ ምዃነይ ዝርዳእ እንተኾንኩ፡ ከምቲ ናቱ ኣብ ልዕሊ መላእ ህብብን መንእሰያትን ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ-መዲያዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን ብምኽሓድ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ናይ ምምጻእ ሕልምታት ከም ዘይብለይ ኣረጋግጽ። ምስ ዝሓልም’ውን ኣብ ንኡስ ዕድመይ ነጻነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ንቃልሲ ብሰንኪ ምብጋሰይ፡ ንፕረሲደንት ኤርትራ ዝበቅዕ  ዓቕሚ ዘይብለይ ምዃነይ ኣጸቢቐ ይፈልጥ’የ።

ምስቲ ኩሉ ንኡስ ዓቕመይ ግን ሕልናይ ንባዕዲዊ መግዚእቲ ይኹን ንምልክነት ደቂ-ሃገር ንሓንቲ ደቒቕ’ውን እንተኾነ ዘይሸይጥ ምዃነይ ካብቲ ኣዝዩ ዝሕበነሉን ዝኾርዓሉን መንነተይ ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወዲጣባ ብሓደ ካብቶም ኣብ ፓልቶክ ዜነበሩ፡ “ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ እንታይ ፍሉይ ነገር ስለ ዜነበሮ’ዩ ብህግደፍ ተቐቲሉ ዝብሉ”? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ካብቶም ካልኦት ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ነገር ኣይነበሮን ክብል መሊሱ። ብርግጽ እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ኣብዚ ህሞት’ዚ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ መላገጺ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባን) መሰልቱን ምዃኑ’ዩ። እዚ ባእታ’ዚ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ፍጹም ዘይፈልጦ ክንሱ: ብዛዕባኡ ክምልስ ይኹን ምስክርነት ክህብ ቅንጣብ ብቕዓትን ሞራልን ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ዕሱብ ኩሉ ግዜ ዕሱብ ብምዃኑ ወትሩ ቀለቡን ስንቁን ድማ ሓሶት ስለ ዜኾነን፡ ኣብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ክቆማጣዕ ግድነት’ዩ።

ምሉእ ጽሑፍ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ