“ዘይወለድካዮ ውላድ እንተ ሓዘልካዮ ይናኸስ እንተውረድካዮ ድማ ይበኪ“። ምስላ ኣበው

መልሲ፣ ነታ ብወናኒ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም  ብቋንቋ ትግረ (ትግራይት) “ኢልኣምር ምኣምር“፣ ብቋንቋ ትግሪኛ ብህለቱ ድማ “ዘይፈልጥ ኣይፈልጥን እዩ” ትብል ዝቐረበት ኣርእስቲ። ንፕሮፌሶር ቦዂረ ትዘልፍ እያ። ጽቡቕ ትግረ ትምስል፣ ግንከኣ “ዓረብኛ እዩ ቋንቋይ” ትብል፣ ከመይ ድኣዩ እቲ ጒዳይ? ኣይፋልካን ሳልሕ! ስዕስዕ ውዒልካስ ጥልዕ ግደፍ!!

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተፋላለያ “መረብ ሓበሬታታ ኤርትራ“ ዝብሃላ ሕልፍ-ሕልፍ ኢለ በጺሐየን። ኣብታ ንምምሳል ብስም ጅግና እድሪስ ሓምድ ዓዋተ እትጽዋዕ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ. ኮም ዓላማእ ግና ምስ ጅግና እድሪስ ዓዋተ ዘይሳነ፣ ኣላጊሰ ከኣ ንገለ 10 ደቓይቕ ካብተን እብታ መርበብ ሓበሬታ ዝነበራ ኣርእስታት. ክልተ ኣርእስቲ ጠዋዊቐ፣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ድማ ኣንበብኩዎን። እዝዩ ድማ ኣስደሚሙኒ። እታ ሓንቲ ብቋንቋ (ትግረ) ትግራይት፣ “ኢልኣምር ምኣምር“፣ ብቋንቋ ትግሪኛ ብህለቱ ድማ “ዘይፈልጥ ኣይፈልጥን እዩ” ትብል ዝቐረበት ኣርእስቲ ነበረት።

እዚ ዘለፋ እዚ ድማ በቲ ዌብ ማስተር ዓዋተ ኮም፣ ሳልሕ ቃዲ ዝብሃል፣ ነቶም ካብ 40 ዓመታት ንላዕሊ ሕይወቶም ኣብ ምርምርን መጽናዕቲ ቋንቋታትን ዘሕለፉዎ፣ ኣብ ዝተፋላላያ ኤውሮጳ ሃገራት ዝርከባ ዩኒቬርሲታት ድማ፣ ካብ 20 ንላዕሊ ዝኾኑ ቋንቋታትን ታሪኽን ዝተማህሩ መእምር በዂርጽዮን፣ ዘይፈልጥ ኣይፈልጥን “ኢልኣምር ምኣምር“ ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒሉ፣ ዘይናቶም ጥራይ ዘይኮነስ ጥቕኦም ክሓልፍ ዘይክእል ጸለመ፣ ገሩ ከጸልሞ ፈቲኑ። ዝገርምዩ ! “ጥራዝ ነጠቅ” ይብሉ ኣምሓሩ ከምዚ ክርእዩ ከለው። ትርጒሙ ስኣን ፍልጠት ከምዚ ኣቶ ሳልሕ ዝበሉዎ፣ ዘይኮነ ክትዛረብ ከሎኻ ዝምልሱልካ መልሲ እዩ።

ኣቦታትና ድማ ክምስሉ ከለው፣ “ዓሻ እንተ ፈረድካዮ ኣይፈልጥ፣ እንተ ፈረድካሉ ኣይፈልጥ: ዓሻስ ንለባማት መዋሳወሻ“ ይብሉ። ብዝኾነ፣ ኣነ ንክቡር መእምር በዂርጽዮን ክዘርየሎም ኢለ ዘይኮንኩስ፣ እቲ ንሶም ዝእምርዎ ዘለው ምእማር፣
(ዘቕርቡዎ ዘለው ትምህርቲ ወይ ኣስተምህሮ እቲ ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ ከይተሓለሉ ክሳብ ኣስታት 56 ምዕራፋት ቪድዮታት ዘቕረቡዎ፣ መሳጢ ትምህርቲ ምርእይ ምስክር ስለዝኾነ እዩ። ብርግጽ ከኣ፣ ኣብ ጭብጥን ኣብ መርትዖን ዝተመርኮሰ መሰረታዊን ስነ-ፍልጠታዊን ምኻኑ ስለዝዓገብኩሉ ጥራይ እዩ።

ስም ምጽላምን ምሕሳውን፣ ኣመል ጭፍራ ህግደፍ እዩ፣ ግን ከኣ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ “ካብተን ጸጊበን ዝዕንድራ ምራዂት፣ እተን ክዕንድራ ርእየን ዝዕንድራ ምራዂት ይበጽሓ” ዝብሉ። ስለዚ “ንህግደፍ ንቃወም ኢና” ኣንዳበሉ ብስውር ግና ስዓብቲ ህግደፍ ዝኾኑ፣ ኣብዚ ኣዋንዚ ደድሕሪ ህገድፍ ክዕንድሩ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ እዩ ዝድንጽወካ። እወ፣ ሓደ ካብኦም እምብኣር እዚ ዌብ ማስተር ዓዋተ ኮም እዩ። መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ክምስርት ከሎ ቀንዲ ዓላማኡ ኣስላማዊ ስነ-ሓሳብ ንምዝርጋሕን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር፣ ግንከኣ ቋንቋኡ ትግሪኛ ዝኾነ፣ ኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ዝኾነ ክፍሊ ህዝቢ ጀበርቲ (ገበርቲ)፣ “ቋንቋኡ ዓረብኛ እዩ፣ መኽንያቱ ቋንቃኡ ዓረብ ቋንቋ ምስልምና ስለዝኾነ” እንዳበለ ጽሑፋት ዝወራርቕ ጀበር፣ ገበረ እዩ።

እቲ ሓቂ ግን እቶም ጀበርቲ (ገበርቲ) ዝብሃሉ ክፍሊ ዓሌት፣ ኣብ ኲሉ ኲርናዕ ኤርትራ፣ ማለት ምስ ደቂ ሳሆ፣ ደቂ ኲናማ፣ ደቂ ሰኒሒት (ትግረ)፣ ደቂ ሳሕል (ትግረ)፣ ደቂ ባርካ (ትግረ)፣ ደቂ ደንከል (ዓፋር)፣ ምስ ደቂ ከበሳ (ትግሪኛ ዝቋንቊኦም)፣ ምስ ደቂ ሰምሃርን (ትግረ)፣ ምስ ደቂ ሳሕልን (ትግረ) ተሓናፊጾም ብሸቐጣ-ሸቕጥን፣ ብንግድን ዝነብሩ ዓሌት እዮም።  ሳልሕ ቃዲ ግና እዞም ጀበርቲ ዝብሃሉ ትግሪኛ ዝቛንቊኦም ውሑዳት ክፍሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንሶም፣ “ቋንቊኦም ዓረብኛ እዩ” እንዳበለ ዝዝምር ወኪል ኣዕራብ እዩ። መኽንያቱ ንሱ ሳልሕ ቃዲ፣ ቋንቋ ዓረብኛ ቋንቋ ኣስላማይ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ”፣ እዩ ዝብለና ዘሎ። ዓገብ! በየናይ መርትዖ ኮን ይኸውን ሳልሕ ቃዲ ነዚ ሓበሬታዚ ዘቕርብ ዘሎ? ወይስ ይሓልም እዩ ዘሎ? ወይስ ዓስኪሮም ዝልኣኹዎ ሓይልታት ኣዕራብ ኣለውው ኮይኖምዮም? መልስ እስከ ሳልሕ!!

እስከ ነዘን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት፣ ህዝበን ድማ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ዝኣምን፣ ኣንታይ ምኻኑ ቋንቊአን በብሓደ ንከታተለን፣-

ሃገር ህንዲ፣ ብዙሓት ኣስላም ዘለዋ ሃገር እያ፣ ዝኣምንሉ ቅዱስ መጽሓፍ ብዓረብኛ ዝተደርሰ ቊርኣን ኮይኑ፣ ቋንቊኦም ግና ሂንዱስ ወይ ኡርዱ እዩ። ሃገር ቱርኪ ከኣ መብዛሕትኡ ህዝባ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ዝኣምንን፣ ቅዱስ መጽሓፉ ድማ ብዓረብኛ ዝተደርሰ ቊርኣን እዩ። ቋንቊኦም ግና ቱርኪ እዩ። ኣብ ሃገር ፓኪስታን፣ ሃገር ኣፍጋኒስታን፣ ሃገር ማሌዝያን፣ ኣብ ሃገር ሩስያን፣ ኣብ ሃገር ቻይናን ዘለው ኣስላም እውን፣ ቋንቋና ዓረብኛ እዩ መኽንያቱ ቋንቋ ኣስላም ስለዝኾነ ኢሎም ቋንቊኦም ዓረብኛ እዩ ኣይበሉን። ቋንቋ ህዝቢ ሃገር ግብጺ ድማ ሳልሕ ታሪኽ ትገናጽል እንተድኣ ኮንካ፣ ካብ ነገስታት ፎርዓናውያን ጀሚሩ ክሳብ 632 ዓ.ም.ፈ.፣ ክሳብ ከሊፋውያን ካብ መካን መዲናን ተበጊሶም፣ ንግብጺ ምስ ወረሩዋ፣ ንቲ ህዝቢ መልሓሱ እንዳ ቆረጹ እዮም፣ ብቐስብ ቋንቋ ዓረብ ከምዝዛረብ ገሮም ቅዪሮሞ። ሓቂዶ ሓሶት ሳልሕ? ጸገም የለን መርትዓኻ ሒዝካ ቅረብ ሓንጎፋ ኢልና ክንቅበለካ፣ ጽውጽዋይ ሒዝካ ግን ንተኻታተልቲ ኣይተሃምል።

እወ፣ ከሊፋውያን “ወከልቲ ነቢዪ መሕመድ ኢና” ኢሎም፣ ኣብ ከባቢ 632 ዓ.ም.ፈ. ንህዝቢ ኣልጀርያን፣ ማሮኮን፣ ቱኒዝያን፣ ሊብያን ከምታ ንህዝቢ ግብጺ ዝገፍዑዎ ገፊዖም ዝነበረ ሃይማኖቱ ብቐስብ ቅዪሮም፣ ቋንቋ ኣዲኡን ኣቡኡን ክገዲፍ ድማ፣ መልሕሱን ክሳዱን እንዳቆረጹ፣ ዓረብኛ ቋንቋ ከምዝዛረብ ገሮሞ። ህዝቢ ሱዳን ቋንቊኡ ኑብያ እዩ ዝነበረ። ከሊፋውያን ግና ከምቲ ንግብጽን፣ ንቱንዝያን ወዘተ. . ዝፈጸሙዎ ግፍዒ፣ ብምፍጻም ብሴፍን ብጉራደን መንቁሶም፣ ነቲ ካብ ሞት ዝተረፈ ህዝቢ ድማ ዓረብኛ ቋንቋ ከምዝዛረብ ኣገዲዶሞ። ሓቂዶ ሓሶት ሳልሕ?

ኣብ ምድረ ባሕሪ ወሪሮም ድማ ንኣስታት 100 ዓመት ዝኣክል ከመስልሙናን ቋንቋና ትግሪኛ ቀዪሮም ቋንቋ ዓረብ ብግዲ ንኽንቅዪር ብዙሕ ባርባራዊ ዕንወት ኣዕንዮም።
እምቢ ዓረብኩም ሒዝኩም ዕረቡ ኣኢሎም ድማ ጀጋኑ ኣባሓጎታትና  ግና ብትብዓት መኪቶም ስለዝስዓሩዎም፣ ክሳብ ሎሚ ሃይማኖት ክርስትናን፣ ቋንቋ ትግሪኛን ዓቂብና ንነብር ኣሎና። እሞ ሳልሕ ቃዲ ድኣ ነዞም መእምር በዂረጽዮን፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸን፣ ካልእ ዓሚቚ ታሪኽ ትምህርትን ስለዝመሃሩውስ፣ ስለምንታይ ቀጨውጨው ኢሉዎ? ወይ ጉዳም! ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ! ከምቲ ንስኻ ኣብ መንገዲ ሱዳን ዝተለማመድካዮ ዓረብኛ ቋንቋን እኳኣይኮኑን መኣምር ዝዛረቡ! ኣብ ዩኒቨርሲቲ እኳ እዮም ቋንቋ ዓርብ ዘ እ ም ሩ (ዝምህሩ)? ሕጂሞ ይርድኣካ ይኸውን እምበር፣ ምሽ ?

ብዝኾነ ተልእኾ ሳልሕ ቃዲ፣ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፣ ኣንታይ ምዃኑ፣ ገና እታ መርበብ ሓበሬታ ክትምስረት ከላ ብንግህኡ ንማሕፉዳ ምምላኣን፣ ንምስልምናን ዓረብኛ ቋንቋን ንምጥባቕ እምበር፣ ብዛዕባ ሃገርስ ፍጹም ራእዪን ዓላማን ከምዝይብሉ ጽቡቕ ጌና ንፈልጥ ስለዝኾና፣ ብዙሕ ምጽሓፍን ምግላጽን ኣየድልየናን እዩ። ጥራይ ምቕናይ ፣ እቲ ሓቂ ደፋእ እንዳበለ ክበርህ ስለዝኾነ፣ ዘይውግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዂራ ትጽሕጽሕ ኢልና ጥራይ ክንሓልፎ ኢና። እወ፣ ብተወሳኺውን፣ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ “ኣነ እንታይ ግደይ፣ እንታይ ግደይ, ኣብ ዝኸድኩ ክይደስ ኩሉ ዓደይ”፣ ዝብሉዎ ሳልሕ ቃዲ ድማ፣ ይዓንድር ጥራይ እንተደልዩ ዓርብ ይኹን፣ እንተደልዩ ወዲ ሽረ ይኹን፣ እንተደልዩ ድማ ኤርትራዊ ምዃን ዝኽልክሎ ስለዘይብሉ፣ ዝሰምዓ እንተድኣ ረኺቡ፣ ከምቃሕ ዝበሎ ክዕንድር ክንገድፎ ኢና። መኽንያቱ እቲ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን፣ ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ስለዝኾነ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

25.04.2020 ዓ.ም.ፈ.