ኣየ ጒዳም! እየ ተካል ዘመን! ጠላምን ከዳዕን ኣምበር ለባምን ሓርበኛ ዘይርከብ ዛመን፣ ኤረ ጒዳም ጥራይ ዘይኮነስ ጉዳማት እዩ ናትና ነገር (ኤርትራውያን)! እቲ ካብ ኲሉ ዘስደመምና ዘሎን፣ ግዳይ መስሓቕ ሸራፋት ገሩና ዘሎ ዘሎ ቀንዲ ከኣ፣ ካብ ብዓይኖም ዝርእዩዎ ዕንወት ኢሰያስ፣ ብእዝኖም ዝሰምዑዎ መብጽዓ ኢሰያስ ብዝያዳ ዝኣምኑ ፈዛዛት (ዞምቢ) ኤርትራውያን ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን፣ ኣብ ደገን ምህላዎም እዩ።

እወ! እንዳ ፈለጠ ዝዓበደ ሰብ ዶር.ማፍሪዶንያ ኣየሕውዮ፣ ጋብር ደርዓንቶ ወይ ደብረሲና። እንድዒ፣ ምናልባት ደኾን ኣኢሰያስ ከድሕኖም ይኻል ይኸውን? ኣይፋሉን ! ካብዝባኢዶ ዓጽሚ!

ፍልልይ ኢሰያስን ለኒንን እስከ ንተዓዘብ፣
ለኒን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሩስያ ዝፈጸሞ ግፍዕን፣ ሎሚ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ (ተዋህዶ) ሃይማኖት ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎን እስከ ፍልልዩ ነወዳድሮ።

ንጉስ ጻርን መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስን ለኒን ፈጺሙ ከጽንቶም ከሎ ኢሰያስ ከኣ ንፓትርያርክን ካህናትን ኦርቶዶክስ ኣሲሩ፣ ሞባእ ካብ ቤተ-ክርስትያን ከይተረፈ ይዘምት ኣሎ። ለኒን ነቲ ንጉሳዊ መንግስቲ ብኮሚንስት ፓርቲ ተኪኡዎ። ኣብቲ ብለኒን ስታሊንን ዝምራሕ ዝነበረ ኮሚንስት ካብ 66 ሚልዮን ክርስትያን (ኦርቶዶክስ) ጸኒቶም። 200.000 ካህናትን ኣቡናትን ተቐንጺሎም። 49.000 ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ከኣ ኣቃጺሎም ደምሲሶም። ቀንዲ ዓላማኡ ድማ ንክርስትያን ብዩህዳዊ ሃይማኖት ንምትካእ እዩ።

ኢሰያስ ንኣውራጃታትን ወረዳታትን ዓድታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዋንነት መሬትን ፈጺሙ ከጥፍእ ተዓጢቑ ኣሎ። ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ’ውን ካብቲ ለኒን ዝገበሮ ዘይፍለ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መንቍሱ: ንኤርትራ ከኣ መጽለው ጽሓይ ጽዮናአያንን ሃጸያውያንን ንኽትከውን እዩ ሕልሙ። ንቤተ ክርስትያን ብዩሁዳዊ ተምፕል ንምትካእ፣ ንመጽሓፍ ቍዱስ ድማ ብታልሙት መጽሓፍ ዩሁዳውያን ንምትካእ እዩ እቲ ናይ ርሑቕ ስትራተጂካዊ ሕልሚ ጽዮናውያን ዓሰብቱ።  ንሱኳ ኣየናይ ኢሉዎ መስኪናይ: ኣማኸርቱ ይሁዳውያን ገና ብህይወቱ ከሎ ክላገጽሉ እዮም።

ንመረዳእታ:- ነቲ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ዝተመለሰ ሕቶ ኤርትራ ዝጻረር መደብ-ዕዮ ወያኔ፣ ብስዉርን ብግሁድን ይካየድ ኣሎ። ሎሚ ዘመን ንኣብነት ብ“ሃገራዊ ዋዕላ“ ዝፍለጥ ዋዕላ-ዕዋሳ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ። እዚ ብሃገራዊ-ዋዕላ ዝፍለጥ ምትእኽኻባት’ዚ ንዝመራመር ሰብ ዓቢ ተልእኾ ዘለዎ መስርሕ’ዩ። ኣዞም እንቶ ብፍላጥ እንቶ ብግርህና ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፣ ንኣዲስ ኣበባ እናተማላለሱ ብመደብ መራሕቲ ወያኔ ተመሪሖም ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ ዘለው ኤርትራውያንን ትግራይ ትግሪኝን፣ ምስቶም ኣብ እዋን ፈደረሽን ብመደብ ንጉስ ሃይለስላሴ ተመሪሖም “ኢትዮጵያ ወይ ሞት“! ኣናበሉ ኤርትራ ብቐስብ ምስ ኢትዮጵያ ንኽትሕወስ መሳርሒ ጓኖት ብምዃን ዓቢ ጠንቂ ዝኾኑ ዝመሳሰሉ’ዮም።

:- እቶም ኣብ እዋን ፈደረሽንን “ዓደየ ዓደየን“! ሃገሮም ክሒዶም ኢትዮጵያ ወይ ሞት! እናበሉ ደቂ-ዓዶም ዝቐተሉን ዘቕተሉን ዘባሳብሱን ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ደቂ ኤርትራ፣ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ፣ ክልተ ክሳራታት (ኢትዮጵያን ሞትን) ጥራይ ኣይኮኑን ከሲሮም። እኳድኣ ሰለስተ ዘሕፍራ ክሳራታት እዮም ከሲሮም።

ንሳተን ድማ እዘን ዝስዕባ እየን:-

ቀዳመይቲ ዝረኸቡዋ፣ ዓዶም ኣጥፊኦም፣ ንዓዲ-እንዳማቶም ክብሉ ስለዝሞቱ፣

እታ ትሕፍር ሞት ብዓባያ ረኺቦማ።

እታ ካልኣይቲ ዝረኸቡዋ ትሕፍር ክሳራ ከኣ፣ ምእንቲ ዓዶም ዘይኮነስ ምእንቲ ኢትይጵያ ክብሉ ንኤርትራ ኣጥፊኦም “ካብ ብዓል ቤቱ ንላዕሊ ዝፈልጥስ ቡዳ እዩ“ ከምዝብሃል ብኢትዮጵያውያን ንኽምስገኑ “ዓባይ ኢትዮጵያ ከምትቐውም ገሮም። ጸኒሖም ግን ንጉስ ሃይለስላሴ ጒሒፎሞም።

እታ ሳልሰይቲ ዝረኸቡዋ ክሳራ ድማ፣ ምእንቲ ዓዲ-እንዳማቶም ኢትዮጵያ ሞይቶም ከብቅዑ፣ ኣብ መወዳእታ ዘዅርዕ ዓስቢ ኣይረኸቡ። ማለት ምስቶም ኢትዮጵያውያን ማዕረ መሰል ንኸይረኽቡ ብስርዓት ሃይለስላሴ ከም ብላይ ሳእኒ ስለዝተደርበዩ፣ ዓሕ! ኣናብሉ ብጣዕሳ ስለዝሞቱ፣ እታ ትሕፍር ሳልሰይቲ ሞት ብገጃፋ ረኺቦማ።

ሎሚ ድማ ታሪኽ ይድገም ኣሎ።

ኢሰያስ ንጽዮናውያን ክሳብ ዝመውት ይኽድም ኣሎ። እቶም ፈዛዛት ስዓብቲ ኢሰያስ ግና ነዚ ምስጢር እዚ ክሳብ ሎሚ ኣይተሰቆሮምን። ኣብ መወዳእታ ግና ረሳሕን ዘሕፍርን ታሪኽ ገዲፉ ደመ ኮንቱ ክኽወን ምስ ርኣዩዎ ምናልባት፣ ዓሕ! ዋይ እነ ሸ! ይብሉ ይኾኑ። እዚ ግና ድሕሪ-ማይ ኣብ ብዓቲ! እዩ። ኢሰያስ ግና፣ ታሪኽ ስለዘይብሉ፣ ዋላኳ ብኾንቱ እንተዓረበ፣ ትርጒም የብሉን ።

ኣብዛ ዘሎናያ ሕማቕ ዘመን ዘለው ስዓብቲ ኩባንያ ህግደፍ፣ ካብቲ ርኡይን ስሙዕን ግሁድን ብዓይኖም ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንዳተፈጸመ ዝርእዩዎ ዕንወት ኢሰያስ ረሲዖም፣ ብእዝኖም ዝሰምዑዎ መብጽዓ ኢሰያስ ዝኣምኑ ፈዛዛት! ቀንዲ መናውሕቲ ዕድመ ኢሰያስ ኮይኖም ኣለው።

ካብ ደንቆሮ ኰንካ ምውላድን፣  ደንቆሮ ኰንካ ከኣ ምዕባይን፣ ደንቆሮ ኰንካ ክሳብ ትመውት ድማ፣ ደንቆሮ ዃንካ ከይተረደኣካ ካብ ሙማ ኣድሕነና ፈጣሪ!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

03.06.2017 ዓ.ም.ፈ.