ስለምንታይ እዮም UNICE ንህዝቢ ኣፍሪቃ፣ ዋላኳ ብባህርያዊ ጸጋ ካብ ኩለን ክፍለ ዓለማት፣ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣስያን ዝሃብተመ መሬት ከለዎ  ብስምን ብክታበትንውግእን ጥሜትን ዕርቃንን  ዘጽንቱዎ ዘለ?

ስለምንታይ እየን ኣተን ብስም NGOን ዝፍለጣ ማእለያ ዘይብለን  ትካላት ከም ቀይሕ መስቀልን፣ “ባኒ ንህዝቢ ዓለም” ካሪታስን፣ ካልኦት ዝተፋላለያ ብስም ረዲኤት ትካላት ተዋፊረን ንህዝቢ ኣፍሪቃ ዘህልቕኦ ዘለዋ?

እዛ ኣብ ማእከል ኣፍሪቃውያን ኮይና እንዳስሓቐት ትርአ ዘላ ሰበይቲ እዚኣ፣ ከምረዳኢትን ለጋስን  ተመሲላ ካርካር ኢላ እንዳስሓቐት ኣብልዕሊ ከም “ድኻታት” ዝተቆጽሩ ግንከኣ መሬቶም ብባህርያዊ ጸጋ ዝበልጸገ ህጻናት ኣፍርቃውያን ትውሕልል ዘላ ንሓደ ዓላማ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እያ ትኽድም ዘላ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ብዓል ኢሰያስን ካልኦት መለኽትን ከኣ እቶ ቀንዲ መሳርሕታ እዮም። 

እዞም ህጻናት እዚኦም ከም ብዓጸቦ ዝማሰኑን ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድሎዮም ኣምሲሎም፣ ብሕሱርን ስነኣምራዊ ሜላ ዝተሰኔየ  ሕሱር ፕሮፓጋንዳን  ረክላምን ጥሜትን ስእነትን ጌሮም ንዓለም ዘቃልሑዎም ኣለው?  ኣበይ ንምብጻሕ እዩ እዚ ኩሉ ሃልኪ?

ንሓደ ኤውሮጳዊ ወይ ኣሜሪካዊ ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎ ህጻን፣ ከም ብኣምላኽ ዝተዓደለን ብሉጽ ሰብ ምኻኑ ኣምሲሎም፣ ኣብ ቅድሚ ኣፍሪቃውያ ህጻናት ግንከኣ ከም ስኡናትን ብኣምላኽ ካብዚ ጻዕዳ ህጻንዚ ዝተሓቱ ፍጥረት ኣምሲሎም ዘሕፍር ፕሮፓጋንዳ ብምዝርጋሕ ገበን ይፍጽሙ ኣለው ?

Unicef ዩኒሴፍ ሓደ ብረቂቕ ሜላ “ለጋስ”  “ረዳእን ሓጋዝን ንጥሙያት ኣፍሪቃውያን” ዝልግስ ተመሲሉ፣ ብስም ህዝቢ ኣፍሪቃ ርእሰማል ዘደልብ ግንከኣ ንጽንተት ኣፍሪቃው ደው ዝበለ ትካል እዩ።

ኣብ ሃገሮም ዝብላዕን ዝስተን ከይሰኣኑ፣ ንረብሓ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ግና፣ ብውግእን ብሕማምን ተሳቒዮም ከም ስኡናትን ጥሙያትን ገርካ ምቕራብ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘነውርን ረቂቕ ወፍሪ ጥፍእት ህዝቢ ኣፍሪቃ እዩ።

እቶም ከም ብሉጻት ፍጥረትን ሃዋርያት ድሕነትን ራህዋን ህዝቢ ኣፍሪቃ ኮይኖም ንህዝቢ ኣፍሪቃ ንኸጽንቱ ተዋፊሮም ዘለው ኤውሮጳውያንን ምዕራባውያንን።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

17።07።2018 ዓ.ም.ፈ.