Donald Yukio Yamamoto መን እዩ?

ስኣን ፍልጠት ህዝበይ ይጠፍ ኣሎ። 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
27. ሕዳር 2021 ዓ.ም.ፈ.

 

Donald Yukio Yamamoto ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት እዩ። ካብ 2018 ምባሳደር ሶማልያ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ቅድሚኡ ዝነበረ እዋን ከኣ, mማለት ካብ 3. መስከረም 2017 ክሳብ 23. ሓምለ 2018 ምክትል ሴክረታሪ መንግስቲ ኣሜሪካ [Acting Assistant Secretary of State for African Affairs] ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ድማ፣Yamamoto  ከም ሲንዮር ምክትል ፕረሲደንት ዓለምለኻዊ ጉዳያት፣ [Senior Vice President, International Programs] ክብ 2016 ክስብ 2017 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ National Defense University ኣገልጊሉ። ቅድሚኡውንmalet 2015–2016 ከም ልዑል ኣማኻሪ ወይ ዳይረክተር ጀነራል ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ [Senior Advisor to the Director General of the Foreign Service on personnel reform] ከም ልዑል ወኪል ወይ ኣምባሳደር ሥመት ተሸሙ ድማ ኣብ ሶማልያ የገልግል ኣሎ። [Chargé d’Affaires at the U.S. Mission Somalia office in Mogadishu] እዚ ሰብዚ ኣዝዩ ሰንካም ዝኾነ ኣብ ቅድመ ግንባር መስርሕ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምትግባር ተዋፊሩ ዘሎ ዕሉል ሰላዪ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እዩ።  ልዑል ሓላፍነት ተሸኪሙ ድማ ካብ 2014 ክሳብ 2015  ኣብ ካቡል ኣፍጋኒስታንን ኣብ ኢራቕን [Kabul, Mazar e-Sharif, and Bagram, Afghanistan]  ዘገልገለ እዩ።

ኣምባሳደር  ዶናልድ ዩኩዮ ያማማቶ፣ ፍሉይ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማዊ ልኡኽ aብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ክኣ እምባሳደር ትሠሙ ብሃገር ሶማል ይርከብ።

እዚ ሰብዚ ብ2018 ብፍላይ ካብ መንግስቲ ሜሪካ ተላኢኹ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ

  1. ኤርትራ

  2. ኢትዮጵያ

  3. ጅቡቲ

ስለይዊ ዑደት ፈጺሙ ንኣሜሪካ ተምልሱ።

ሳዕቤን ዑደት ዶናልድ ዩኩዮ ያማማቶ፣

  1. ነቲ ገዲም ተጋዳላይ ሰላዪ ኣሜሪካ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ነቲ ብመሃንድሳት ምዕራባውያን ኖበል ሽልማት ዝተሸለመ፣ ግንከኣ ብፌክ ስም “ዶክቶር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ“ ዝፍለጥ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ገሮም ኣብ ስልጣን ዘድየቡዎ፣ ብስም ምድማር ዝብል ብፌክ ውዲታዊ መስርሕ ተወሊዑ ዝጠፍእ ውዲታዊ ሕብረት ንኸክይዱ ምስጢራዊ ውዕል ዘፈራረመ ልኡኽ ስለላ መርበብ Donald Yukio Yamamoto እዩ ዝነበረ።

ኩሎም ተኻታተልቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቅ ከምዝተዓዘቡዎ፣ እዚ Donald Yukio Yamamoto ዝተሰነዐ ውዲታዊ ሕብረት ኢሰያስን ኣሕመድ ዓልን፣ ውላካ ብዳንኬራን ፈኸራን ግዝያዊን ስምዒታዉiን ሓጎስ ገርሀኛ ህዝቢ ዝተሰነየ እንተነበረ፣ ከይውዓለ ከይሓደረ እዩ ዝፈሽለ።

ካብቲ ሽዑ ዝሰምዕናዮ ዓጀውጀው መደሬታት ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፤

  1. እቶም ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብባዶ ሰለስት ህግደፍ ዝተኣኻኸቡ፣ እኽብካብ ኮራኹር ህግደፍ፣ ኣፎምን ምዓኮሮምን ክሳብ ዝገፍሕ፣ “ተድሚርና ኢና“! “ሓደ ኮንና ኢና“! “ፍቅር ያሽንፋል“! ውዘተ … ዝብሉ ጭርሖታት እናጨርሑ፣ ፌክ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተራእዮም።

  2. ባዕሉ ብዘይሕጊ “ፕረሲደንት“ ዝተሸመ መራሒ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክኣ፣ ኣፉ ዓፍራ ክሳብ ዘውጽእ፣ “ብሕጂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ሃገራት ዘይኮናስ፣ ሓንቲ ሃገር እየን“! “መራሒና ዶክቶር እቢዪ ኣሕመድ ዓሊ እዩ“። ክም ምልክት ሴፍ ኣምሲሊ ብየማናይ ኢዱ፣ ገርብ ዝቖርጽ ዘሎ እንዳመሰለ፣ ካብ ጸጋም ንየማን ኣንዳኣንቀሳቐሰ፣ “ኣይከሰርናን“ ክብል ከኣ ተሰሚእዐ። እወ ነቶም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዝሃስቡን ዝመራመሩን ሰባት፣ እቲ ኢሰያስ ዝፈጸሞ ድራማ፣ ብመህንድሳት ምዕራባውያን [ኢሉሚናቲ] ዝተዳለውሉ ዓሚቕ ግንከኣ እከይ ምስጢር ዘለዎ እዩ። ትርጉም ከኣ እቲ ቃልሲ ኤርትራ ንረብሓ ምዕራባውያን ውዒሉ እዩ። ምዕራባውያን ኣይከሰሩን ብደም ኤርትራውያን ሥትራተጂካዊት ኤሪትራን ኢትዮጵያን ረኺቦም እዮም ማለቱ እዩ።

  3. ቀጺሉ ሰላዪ ምዕራባውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ መቓብር ኣባሓጉኡ፣ ከዳዕ ንጉስ ትግራይ የውህንስ ራብዓይ፣ ክርኢ ከኣ ንጎንደር ዕዶት ገበር፣ ኣብኡ ከኣ ጀላዕላዕ ክብል ተሰሚዑ። እሞ ነዚ ኩሉ ትርእዮታት ንኽፍጸም ዝገበረ መሃንድስ ግና፣ ኣምብሳደር Donald Yukio Yamamoto እዩ። ሎሚኽ እዚ ሰብዚ ኣበይ ኣሎ፣ Donald Yukio Yamamoto ኣብ ሶማል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝሎ ወፍሪ የቓንዮን ይዝውሮን ኣሎ። እዚ ኣብ መንጎ ኢቶጵያን ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ተወሊዑ ዝሎ ጀኖሳይድ ዝዓላምኡ ኩናት ሓደ ፕሮጀክት Donald Yukio Yamamoto ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። Donald Yukio Yamamoto ክንብል ከሎና ግን፣ ካብቶም ላዕለዎት መሃንድሳት ኣከይ ምዕራባውያን ትኣሊሙን ተጠሊፉን ዝተውህቦ ፕሮጀክት እዩ ዝመርሕ ዝሎ። ነዚ ፕሮጀክትዚ ብቕድመ ግንብር ኮይኖም ዘተግብሩሉ ድማ ጭፍራ ወያኔን፣ ኣቢኣሕመድን ኢሰያስን እoም። እወ ፕሮጀክት-ገረብ ብሓኽላ እዩ እቲ ወፍሪ።

መደምደምታ፣

ኣብ ላዕሊ ከምዝተኻታተልኩሞ፣ እቲ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ aዝዩ ተደላዪነት ምዕራብውያን ከምዘለዎ እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣሜሪካን ምዕራባውያን ዕለምን ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ። እዞም ዝዋስኡ ዘለው ኮራኹር ደቂ ሓበሻ፣ ከም ወያኔን ህግደፍን፣ ኣቢዪ ኣሕመድን፣ መራሒ ሶማልን፣ ከም ሽቃሎ ምዕራባውያን ኮይኖም ንስትራተጂክዊ ረብሓ ምራባውያን፣ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕራባውያን ንኸርክቡዎም ተዋፊሮም ዘለው ከሓድቲ ህዝቢ ሓበሻ እዮም።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
27. ሕዳር 2021 ዓ.ም.ፈ.