ሎሚ ነዚ ዓቢ እርእስቲ እዚ ኣልዒልና ክንጽሕፍ ከሎና፣ እቲ ቃል ወይ ሓረግ ኣብ ኣፍና ስለዝጸንሓና ዘይኮነስ፣ እንታይ ድኣ ነዚ ኣርእስትዚ ብርግጽ ታሪኻዊን መርትዖን ዘለዎ ምዃኑ ስለዘረጋገጽና ኢና። ኣብ ዝቕጽል ግዜ እምብኣር ብዛዕባ ነገደ ኣግኣዝያን  ወይከኣ ህዝቢ ነገደ-ኣጋኣዝያን ኣብ ጭብጥን መርትዖን ዝተሰረተ ስፍሕ ዝበለ ኣስተምህሮ ንግዱሳት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ከነቕርብ ኢና።

ቅድም ሰልፊ ነጻነት ጸኒሑ ህዝባዊ ሓይልታት ካብኡ ቀጺሉ ድማ፣ህ.ግ.ሓ. ኤ. ተባሂሉ ግንከኣ ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ወተሃደርዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ ብ1991ዓ. ነስመራ ተቛጻጺሩ። ካብኡ ቀጺሉ ንዘስተብህልን ግዱስን ኢርትራዊ መስርሕ ታሪኽ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር  ንብረት ባዕዳውያን ከምዝኾነ ክበርሃሎም ይኽእል እዩ። ካብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ድማ ህግደፍ ዝብሃል ጭፍራ ስለላን ኮለላን ተመስሪቱ። እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝብል ዝነበረ ስም ውድብ ጨሪሱ ታሪኹን መለለዪኡን ሓኺካ ብኩለተናኡ ንረብሓ ባዕዳውያን ዘገልግል ሓዲሽ ውድብ ተማሂዙ። እንሆ ድማ ካብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ወለዶ ህዝቢ ምድረባሕሪ ደይ መደይ ኢሉ የጽንት ኣሎ። ህግደፍ ንብረት ኣሜሪካን እንግሊዝን  ሞሳድን  ዝኾነ ትካል እዩ።