ኣብ ኤርትራ ብባዕዳውያን ሃገራት ይኹን፣ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም “መንስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኣልሸባብ ዝብሃል ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ኢዱ ስለዘእተው፣ ኣጽዋር ከኣ ስለዘቀባበለን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ተደንጊጉሉ ኣሎ“ ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብዙሓት ተኻታተልቲ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ሶማልን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዘረጋገጹዎ ግና፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ከም ፕሮክሲ ወይ ሜርሲኔሪ ሓይሊ ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ኣትዮም ይዋግኡ ከምዘለውን፣ ንኣልሸባብ ዝምውሉ ስዉራት ሓይሊታት ድማ፣ ባዕሎም  መንግስቲ ኣሜሪካን ፣ዓባይ ብሪጣንያን ከምዝኾኑ የረጋግጹ። እሞ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ኢሰያስ ንኣልሸባብ ስለዝኻገዘስ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲኑ ኣሎ ዝብሃል ድኣ  እንታይ ማለት እዩ? ኣየናይኸ እቲ ሓቂ? እቶም ተኻታተልቲ ስትራተጂካዊ ወፍሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ክገልጹዎ ከለው፣ እዚ ወፍሪ ኣልሸባብን፣ ኲናት ባድመን፣ ዘይርጉእ ኩነታት ኢትዮጵያን ኮነ ኢልካ ብቅድመ ግንባርነት መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን ዝፍጸም ዘሎ ወፍሪ እዩ ይብሉ። ብተወሳኺ ድማ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሶማልን ኣብቲ መስርሕ ስትራተጂካዊ ወፍሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕንቅፋት ስለዝኾኑ፣ ክዳኸሙ ኣለዎም ተባሂሉ ዝፍጸም ዘሎ ረቂቕን ግሁድን ውዲት እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሶማል ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጥኡ ኮይኑ ይሳቐ ከምዘሎ ተመራመርቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣መስርሕ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ይሕብሩ።

እቲ ትርጉም እገዳ ከኣ ኩሎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ንወጻኢ ክገሹ ከም ዘይ-ፍቀደሎም ዝብሃል እዩ ዝብል ነይሩ። ካብታ ማዕቀብ ወይ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ ተደንጊጉ ተባሂሉ ካብ ዝንገር ግዜ ጀሚሮም፣ ኩሎም ሰበ-ስልጣናት ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ከም ብዓል የማነ ገብረኣብ፣ ከም ዘምህረት ወልደ የውሃንስን፣ ከምኡ’ውን እቲ ወጻኢ ሚንስተር ህ.ግ.ደ.ፍ. ዖስማን ሳሊሕ መሓመድን ካልኦትን። ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ከምድላዮም ክመላለሱ ከለው፣ ከምቲ “እገዳ” ወይ “ማዕቀብ” ተባሂሉ ዝተነዝሐ ፕሮፓጋንዳዊ ወረ፣ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝኸልከሎም ፍጹም ሓይሊ ኣይተራእየንን ኣይተሰምዐንን።

ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስደትን ማእሰርትን ኮይኑ ከሎ፣ “ምድማር”! ዝብል ወፍሪ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ንመን ረብሓ እዩ?  ነዚ ወፍርዚ ዝመሃዙከ ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስን ድዮም ወይስ ብድሕሪ መጋረጃ ካልእ ስዉር ሓይሊ ኣሎ? ድሕሪዚ ስነኣእምራዊ ወፍሪ “ምድማር”ን፣ ዘይወግዓዊ  ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ፣ ክሳብ 100.000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ንትግራይ ክስደዱ ከለው፣ ብሽሓት ዝቚጸሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ነስመራን ንምጽዋዕን ትካላት ክገብሩ ይውሕዙ ኣለው። ካቢነ ኤርትራ ንይምሰል ተኣኪቡ፣ ሓደ ኣጀንዳ ከይተላዕለ ከሎ ጥራይ ኢሰያስ ከም ኣመሉ ነቲ ኣኼባ ጥሒሱ ፈርጢጡ ወጺኡ።

167,969 — Documented Eritrean refugees and asylum seekers in Ethiopia as of March 2018. Regional Mixed Migration Secretariat. 5,000 — Average monthly refugee flow from Eritrea to all countries in recent months as of June 2015.  United Nations Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea. 3,000 – Average monthly refugee flow from Eritrea to Ethiopia, Fall 2014 – Fall 2015, with monthly peaks rising to 5,000. United Nations High Commissioner for Refugees. 2,500– Unaccompanied (and other parentless) children living in UNHCR refugee camps in northern Ethiopia as of December, 2015. United Nations High Commissioner for Refugees. 3,092— Unaccompanied Eritrean children arriving in Italy in 2015.  United Nations Special Rapporteur on the Situation of Human Rights in Eritrea. 25,800— Unaccompanied child migrants and refugees (from all countries) arriving in Italy from the Mediterranean in 2016.  UNICEF. 3,165— Deaths at sea on the Central Mediterranean route (all nationalities) in 2014.  International Organization for Migration.  2,877— Deaths at sea on the Central Mediterranean route (all nationalities) in 2015.  International Organization for Migration.  4,581— Deaths at sea on the Central Mediterranean route (all nationalities) in 2016.  International Organization for Migration.  2,853— Deaths at sea on the Central Mediterranean route (all nationalities) in 2017.  International Organization for Migration.  1,111— Deaths at sea on the Central Mediterranean route (all nationalities) in 2018 from January 1 to August 3.  International Organization for Migration.  6.3% — The odds of drowning or otherwise dying at sea on the Central Mediterranean migration route (e.g., from Libya to Italy) in June and July of 2018.  Amnesty International. 47,000— Migrants rescued on the Central Mediterranean route (mainly Libya to Italy) by NGOs in 2016, representing approximately one-quarter of all rescue operations during that period (the rest of the operations were conducted by governmental and inter-governmental authorities).  Wall Street Journal. 1,000— Unaccompanied Eritrean children smuggled from Catania, Sicily by criminal organizations (whether consensually for onward migration to northern Europe, or for unknown and more dangerous fates) between 2013 and July 2016.  The Guardian, quoting a local Eritrean cultural mediator. Migration to Europe: by the year: Report by the Regional Mixed Migration Secretariat . Overall refugee data:  Global Trends: Forced Displacement 2017,United Nations High Commissioner for Refugees.

flow-of-flight 

 

 

 

 

 

 

እዚ ውዲት እዚ ግና፣ ነቲ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ እታ ሰልፊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ትብሃል ግንከኣ ትካል ባዕዳውያን ዝኾነት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዱዎ ዘለው ባርባራዊ መግዛእቲ፣ ብባዕዳውያን ዝተገብረ ኣምሲሉ ነቲ ህዝቢ ብጌጋ ከምዝርዳእ ተባሂሉ ዝተማህዘ ውዲታዊ ምህዞ እዩ። ብርግጽ እቲ እገዳዶ ማዕቀብዶ ዝብሃል ውዲት ግን፣ ባዕሉ ህግደፍን መራሒ ህግደፍ ኢሰያስን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪዱዎ ዘሎ እገዳ ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተኣልመ ማእለማ ጥራይ እዩ።

እወ፣ ብተወሳኺውን ህዝቢ ኤርትራ በቲ መንግስተይ ዝብሎ ጭፍራ ግዛያዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ እገዳ፣ ዋሕዲ ማይ፣ ዋሕዲ መብራህቲ፣ ምሰል ሓሳብካ ምግላጽን፣ መሬት ህዝቢ መሬት መንግስቲ ህግደፍ ኢልካ ምግባትን፣ መንእሰያት ካብ ሕቕፊ ኣዴታቶምን፣ መኣዲ ትምህርቶምን መንጢልካ ንብርነት ንሕልፈታት ዓመታት ኣብ ሳዋ ምድጓን፣ ህቢ ዝሰርሖም ገዛውቲ ምፍራስ፣ ንሰራዊት ን27 ዓመታት ኣብ ድፋዕ ከምዝኽርትት ምግባር፣ ንፓትሪያርክ ቤተክርስትያን ርቱዕ ሃይማኖት ተዋህዶ፣ ገንዘብ ድኻታት ኣብ ባንኪ ዘሎ ገንዘብ ህዝቢ ምህጋር፣ ዓደና ወርቂ ሻን ዛራን ሃይኮታት ወዘተ…. ብባዕዳውያን ካብ ሃገር ተጓሕጒሑ ንባዕዲ ሃገራት ክግዕዝ ከሎ፣ እዚ ደይኮነን ድኣሞ እቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ወግዓዊ እገዳ።ኣበይ- ድኣሎሞ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ “እገዳ” ወይ “ማዕቀ “ ተባሂሉ ዝውረየሉ?

ስለዚ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተነዝሐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ እገዳ ግን በቲ ልኡኽ መላኺ ወይ ቲራኒ ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን ጥራይ እዩ። መኽንያቱ እቶም ላዕለዎት ኣባላት መንግስቲ ህግደፍ፣ ከም ብዓል የማነ ገብረኣብ (ህበይ) ዝኣመሰሉ ከም ቃሕ ዝበሎም እዮም፣ ንወጻኢ ሃገራት ዝገሹ ዘለው። እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ ክልዕል ኣለዎ እንዳተባህለ ዝዕለል ዕላል ግን ጽውጽዋይን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምህማልን ጥራይ ተባሂሉ ዝተሰናንዐ እዩ። እገዳ ሕቡራት መንግስታት ድዩ ንመንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ንኽስደድ ጠንቂ ኮይኑዎ ዘሎ? በቲ ጸረ ልዑላውነትን ህላዌ ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ዝተወሰነ ውሽጣዊ እገዳ ደይኮነን? ነቶም ብሓፈሻኡ ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ንፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክርድኡ ዝኽእሉ ግዱሳት ሃገራውያን፣

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን፣ እቶም ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝፍለጡ ኤውሮጳውያን መንግስታትን፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤልን፣ ብመትከል ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ክኸውንን፣ ኤርትራ ከም ልዑላዊት ሃገር ኮይና ክትቀውምን ፍጹም ኣይደልዩን እዮም።

ምሁራትናን ፈላጣትናን ዝብሃሉ ግና ነዚ ውዲታዊ ምስጢር እጸቢቖም እኳ ይፈልጡዎ እንተኾኑ፣ ኣግሂዶም ንህዝቢ ከረድኡን ክምህሩን ኣይደለዩን። እወ፣ እቶም ፕሮፌሰራትን ዶክቶራትን፣ መራሕቲ ውድባትን ዝብሃሉ ኤርትራውያን፣ ነቲ ውዲት እንዳፈለጡዎ፣ ደፊሮም ንመሰልን ክብርን ልዑላውነት ኤርትራ ቀዳምነት ሂቦም፣ ክምክቱ ፍጹም ኣይደልዩን። ሳሕቲ ግና ንህዝቢ ንምትላል ኣብ ቃለ ምሕታትን፣ ኣብ ፓልቶክን፣ ኣብ ዩቱቢን ንከምስሉ ብሃገር ክመጻደቑን፣ ነቲ ጎጉዱ ንቀሺ ከምዝብሃል፣ ነቲ ኣርዮስ ኢሰያስ ከሸክሙዎ ጥራይ ይስምዑ እዮም። እቲ ቀንዲ ውዲት ግና እቶም ንኢሰያስ ከም ፈረስ እንዳጋለቡ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ገሮም ትንፋሱ ዘምሉቑዎ ዘለው፣ ዘወርቱን ዋናታቱንስ፣ ብሓፈሻ ባዕሎም ምዕራባውያን፣ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤል እዮም።

እዚ ብምኽሪ መሃንድሳት ዝዮናውያን ዝተኣልመ፣ ኣብ መንጎተን ብኢህኣዴግ ትምራሕ ዘላ ሃገር ኢትዮጵያን፣ እታ ብጭፍራ ህግደፍ ወይ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ትምራሕ ዘላ ኤርትራን፣ ብፍላይ ብድሕሪዚ “ምድማር ” ዝብሃል ድራማ ንመጻኢ ኣዝትዩ ሓደገኛ ዝኾነ ምፍልላይን ህልቂትን ንምጻእ እንተዘይኮይኑ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ብስንኪዚ ጠንቂ እዚ ድማ ቀንዲ ተጎዳእቲ  ብፍላይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ። ረባሕቲ ከኣ እቶም መሃንድሳት ጅእግራፊካዊ ወፍሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ጽዮናውያን ወይከኣ ግሎባል ፕለየርስ እዮም።  እቲ ቀንዲ ውዲታዊ ወፍሪ ብፍላይ እኳድኣ ንልዑላውነትን ሓርነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ባዶ ንምቕያር ጥራይ እዩ። እቲ ኣይሰላም ኣይ ኲናት ኮይኑ ዝጸንሐን ሕጂውን ዘሎን ኩነታት ተቐይሩ ውሑስ ሰላም ክፍጠር ፈጺሙ ከምዘይክእል ክኢላታትን ተመራመርትን ፖለቲካዊን ስትራተጂካዊን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም እዮም። እዚ ግሉጹነት ዘይብሉ ብሃታሃታ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድን፣  ዓለምለኻዊ ሕጋውነትን ወግዓውነትን  ዘይብሉን፣ኣፍልጦን ተሳትፎ ህዝቢ ዘይብሉን ምኻኑ፣ በቶም ለይትን መዓልትን ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ክኢላታት ብሩህ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ቅድሚ ሎም ማለት ን17 ዓመታት ዝጸንሐ  ኩነታት ዝኸፍአ ስግኣት ከምዘምጽእ ድሮ ይግሃድ ኣሎ። ሕጽኖት ምድማር ቀልጢፉ ከብቅዕዩ። መሰረታዊ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተፈትሐ ድማ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰላም ክመጽእዩ ማለት  ዘበት እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.