ሓደ ህዝቢ ጸጊቡ እንተድኣ ሓዲሩ፣ ንመንግስቲ ክቃወም ስለዝኽል፣ ብከብዱ እንተተታሕዘ ግና፣ ብዛዕባ ከብዱ ጥራይ ክሓስብ፣ ንቃልሲ ግዜ የብሉን። ነዚ ፈሊጡ እዩ ፈዛዝ ኢሰያስ ምኽሪ መሃንድሳት ጽዮናውያን ሰሚዑ ን300 ትካላት ኤርትራ ዓሺጉወን። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

“ዘይሓልፈል ጭሩስ መስከረም ምድሪ ዓይና ትዓውር” ከምዝብሃል፣ እንሆ እምብኣር ሎሚ ከኣ፣ ብፍላይ መስኪን ህዝቢ ኣስመራ፣ ብሓፈሻ ድማ መስኪን ህዝቢ ኤርትራ፣ ምቅጻል ኣባይትን፣ምእጋድ ማይን ሉቸን፣ ምህጋር ሓሰር ንፋይ ፊaት ማኒ ባጤራ ናቕፋን ከይኣኽሎ፣ ሎሚ ከኣ ልእኽ መላኺ ጽዮናውያን ኢሰያስ፣ እቲ ህዝቢ ካብተን ዝመንጠለን ባጠራ ንቕፋ ተረፍ መረፍ ገሩ እኳ ኣስፔዛ ከይሽምት፣ ዛጊት  300 ደዀኵናት ድማ ሎሚ ለኲቱወን ይብሃል ኣሎ። እወ፣ እንተድኣ ሓደ ህዝቢ “ሕጂስ ይኣክል”! ኢሉ፣ ቍጠዓኡ ኣብ ላሊዚ ፋሺስታዊ መላኺ ግዛያዊ መንግስቲ  ክምክቶ እንተዘይ ተበጊሱ፣ ግና ገዛ ገዛ ኣትዩ ሓርጭን ብሑቕን ክምንዝዕ ክፍትን እዩ። ርእይቶ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት

Asmara Roma

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ብኣልማማ ደዀኲን ከተማ ኣስመራ ብውሕዱ 300 ትካላት ወይ ደዀኲን ዓሢጉ ይብሃል ኣሎ።

እዚ ምዕጻው ከም ኣብያተ ሻሂን ካፈን፣ ቤት መግብን ሆቴላትን ከምኡ ድማ ኣብ ምልኣኽን ምስዳድን ዝነጥፋ ትካላት ምስ ምውናን ብዝሒ ባጤራ ናቕፋን ሸርፊ ባጤራ ወጻኢ ዝተሓሓዝ እዩ ይብሃል ኣሎ።

ሳዕቤ ምዕጻው እዘን ካብ 300 ንላዕሊ ዝኾና ትካላት ንግድን ሸቐጣሸቐትን፣ካብ ሓደ ሽሕ ዘይውሕዱ ሰራሕተኛታት፣ ድራር ዕለቶም ክረኽቡ ከምዘይክእሉ፣ ንኣይግዳዶም ህግደፍን ኣይግዳዱ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን እኳ ኣይግድሶምን እዩ።  ስለዚ ብሰንኪ ምዕሻግ እምብኣር፣  ኣብ ስራሕ እዘን ተዓሺገን ዘለዋ እንዳሸቀሉ ድራር ዕለቶም ዝምእርሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ስራሕ ምትራፎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ሓበሬታ ራድዮ ኤሬና