ኢሰያስ በሊሕን ክኢላን ስለዝኾነ ድዩ ወይስ ብመደብ ዝልኣኹዎ ሰብ ረብሓ ስለዘለው እዩ?

እስከ ነቲ ንወራር ቱርክን፣ ግብጽን፣ ግራኝ ዝሰዓርንዮም ንጎኒ ገዲፍን፣ንኮለንያል ጣልያን ኣብ ዶጓሊ ዝስዓርና ደይኮናን ? ትማሊኸ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ዝምወል ዝነበረ ፋሽስታዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስዓርና ዘይኮናን ?

ነዚ ተረዲኦም እዮም እምብኣር ጽዮናውያን፣ ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩና ስለዘይክእሉ፣ ሎሚ ብረቂቕ ስትራተጂካዊ ሜላ፣ እሞ ከኣ ንነዊሕ ዝኸይድ ውዲታዊ ፕሮጀክት፣ ገረብ ብሓኽላ ዝብል መደብ ዕዮ ብምውጻእ፣ ነዚ ካብ ብኣእምሮኡ ብከብዱን ብኣእምሮ መሃንድሳት ጽዮናውያንን ዝሓስብ ድያብሎስ ልኢኾም ዘጽኑቱና ዘለው።

እዚ ፕሮጀክት ጥፍኣት እዚ ድማ ካብ ኣምሆ ዘመን ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ በርሊን ዝሓንጸጹዎ ኮይኑ፣ ኣብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ኣብ ዓላን ኣብ ቃኘውስተሽንን ኣሓዲሶሞ፣ ብኢሰያስ ዝምራሕ ውድብ ድማ ኣብ ዓላ ፈጢሮም ንኽምንቁሱና ንሳሕል ወፊሮም። እንሆ ድማ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ብግርህነትና ይጽኑቱና ኣለው።

እወ! ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ዝሓንጸጹዎ ፕሮጀክት እከይ እንሆ ብዘገምታዊ መስርሕ ሎሚ ብገረብ ብሓኽላ በዚ ፈዛዝ (Zombi) ኢሰያስ ዝምንቊሱና ዘለው።

ስለዚ ሎሚ ኣብ ዝተናውሐ እዋን እንሆ ብሳላ Zombi ኢሰያስ ሸቶኦም ክወቕዑ ይቀራረቡ ኣለው። ሓቂዶ ሓሶት?

ስለዚ ኩሉን ንኢሰያስ ንቃወም ብሃልቲ ዓው ኢልና ጸላእትና ጽዮናውያንን ሃጸያውያን ኢኹም እሞ በጃኹም ካብ ክሳድና ውረዱ ዝብል ጭርሖ ሒዝና ኣብ ኣፍደገ ሕቡራት መንግስታት ደፊርና ክንምክት እንተዘይ ፈቲና፣ ንኽንጠፍእ ባዕልና ነቲ ጥፍኣትና ንቕበሎ ኣሎና ማለት እዩ። ንኢሰያስ ምጽራፍ ግና ተዋስኦ ጥራይ ኢና ንሰርሕ ዘሎና ማለትዩ።

እዛ ኤርትራ ትበሃል ሃገረ፡ ኩለንተነኣ ንብረት ሓደ ውልቀ ሰብ ተቐይራ ምህላዋ ንኹሉ ሰብ ስዉር ኣይኮነን። እቲ ውልቀ ሰብ ከኣ ካብ’ቶም ካብ ኔሮ ጀሚሩ ክሳ ናፖልዮን፣ ካብ ናፖልዮን ቀጺሉ ድማ ክሳብ ኣዶልፍ ሂትለርን ለኒንን ስታሊንን ዝነበሩ ሕሱራት መራሕቲ ዘይፍለ ምዃኑ’ዩ። ነዞም ኩሎም ዝተጠቕሱ ድማ  ንሶም ጽዮናውያን እዮም ኣሰልጢኖም ኣዋፊሮሞም። እሞ ነዚኦም መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ከዋፍሩ ዘይጸገሞምስ፣ ከም ብዓል ፈዛዝ ኢሰያስ ግዳ እንታይ ሽገር ክኾኖም።

ነቲ ብክፋኣተ ግብሪ ተንኮልን ፡ ቀበጥበጥ ዝብል ዘሎ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ብህይወት ዜጋታት ምጥላዑ ካብ’ቶም ዝቐደሙ መሰልቲ ባህሩ ዝተፈልየ ኣይገብርሮን እዩ። ብምዕቡል ስነኣምራዊ መጽናዕቲ ጽዮናውያን እዩ ተመልሚሉ እዩ ከም ጽርይ ኣቕሓ ጽዮናውያን ኮይኑ ንህዝቢ አርትራ ኣጽኒቱ ነታ ሃገር ንጽዮናውያን ከም ፓለስቲና ንኸረክብ እዩ ገልዳሕ ዝብል ዘሎ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ንሸቶ ጽዮናውያን ንምውቃዕ ጥራይ እዩ።

ኤርትራ ንሱ ብዝተኸተሎን ዝኽተሎ ዘሎን መቕዘፍቲ ዜጋታት ምስሓቕ፡ ሳዕሪሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ኮሜዲ መዘናግዒን መላገጽን ጽዮናውያን እዩ።

ህግደፍን ህግደፋውያንን ከኣ ብስቅያትን ሞትን ዜጋታቶም ይስሕቁ ይሕጎሱን ኣለው። እወ፣ ከምቲ ምስላ ጀርመናውያን፣ “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ደንቆሮ ምዃኑ ከይፈለጠ ድማ ሞይቱ” ዝብሉዎ፣ ንሶም ድማ ከምኡ እዮም። መሳኪን ኣእምርኦም ብትምህርቲ ህግደፍ ስለዝተሓጽቡን፣ ነቲ ህግደፍ ካብ ጽዮናውያን ዘምጽኦ ፍልስፍና ድያብሎስ ኣብ ኣምርኦም ስለዝሰረጸ፣ ንህግደፍ ከም ኣምላኽ ንክቕበሉዎ ተገዲዶም።

መንዮም ግና ነዚ ኩሉ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፣ ብረቂቕ ስነኣምራዊ ኣይዶሎጂን ረቂቕ ስነኣምራዊ ሽበራን ተጠቒሞም፣ ንኣስታት 50 ዓመታት  ዘራባርቡና ዘለ??

እወ፣ ንኢሰያስ መላኺ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮይኑ ንኸገልግሎም መልሚሎም ኣሰልጢኖም ልኢኾምልና። ሓቂዶ ሓሶትሞ?

እምብኣር፣ ነዚ ክንርዳእ እንተዘይክኢልና፣ ብዛዕባ ኢሰያስ ጥራይ ላልማዮ-ላሎ ክንብል እንተድኣ ንውዕልን ንሓደር ኮንና፣ ነደንግጽ ኢና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምላገጺ እቶም ልኣኽቲ ኢሰያስ እውን ኢና።

ንሶም እቲ ቀንዲ ባህጎምን፣ ክወቕዑዎ ዝደልዩ ዘለው ሸቶን፣ ነቲ ብባህርያዊ ጸጋ ዝበልጸገ መሬትናን ቅይሕባሕሪ ባሕርናን፣ ካብ 1884 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ስለዝብሃጉዎን፣ መደብ ድማ ስለዘውጽኡሉን፣ እንሆ ገረብ ብሓኽላ ገሮም ሎሚ ፣ ንሶም  ዅኖም ዘላእትና ከይተረዳእና የጽኑቱና ኣሎው።

ኣንቱም ሰባት!!! ጸላእትና መን ምኽኻኖም እንተዘይፈሊጥና፣ ገለ ጸገም ኣሎና ማለት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንድሕን ከኣ ኣይንኽእልን ኢና።  ካብ ዘረባ ብዝከኣለና ነገር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘለው መጋበርያ ኢሰያስ ደንጎላ ክንድርብየሎም ክንፍትን ኣሎና።

ብዘረባ ዝመጽእ ፍጹም ፍታሕ የልቦን።  ክንደይ ዓቐብ ዘይጠረጥና በለት ኣድጊ፣ እንሆ 30 ዓመታት ኮይኑ፣ ተቓውሞዶ፣ ምሕዝነትዶ፣ ኪዳንዶ፣ ዋዕላዶ፣ ፓልቶክዶ፣ ወዘተ ዝብሉ ተዋስኦታት ክንክተል መላገጺ ኢሰያስን  እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ቾብላ ዝብሉዎ ዘለው ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ጥራይ ኢና ኮንና ተሪፍና።

ሓረዱዋ ሞተት ነጸዩዋ ሞተት፣ ወይድማ፣ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ፣ ስለዝኾነ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ንዘለው ኮራኺር ኢሰያስን ዕሱባት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ምኻኖም ፈሊጥና፣ ብዘይካ ስጉምቲ ምውሳድ ካልእ ዘረባን ቍዘማን ምንም ፋይዳ የብሉን። መኸተ ኣንጻር ይንኣስ ይዕበ ኣባል ህግደፍ እንተዘይፈጺምና፣ እንዳሞትና ንስሕቕ ኣሎና ማለት ጥራይ እዩ ዘስምዕ እሞ፣ ሃየ ንመክት ዘረባን ቕቍዘማን ኣይጠቕመና እዩ።

ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ፣ እቦታትናን ኣባሓጎታትናን ድማ ፈደይቲ ሕነ እዮም ነይሮም እሞ፣ ሕኔና ንፍደ!! መላገጺ እንዳ ህገድፍን ጽዮናውያንን ኣይንኹን!