ህዝቢ ኤርትራ ኍሕክምና ስኢኑ ንሱዳን እንዳተመላለሰ ክሕከም ከሎ፣ ኢሳይያስ ግና ብዙሕ ግዜ መርመራ ሕክምንኡ ንኽገብር ዝመላለሰሉ ሆስፒታል፡ ኣቡዳቢ ዛይድ ሚሊታሪ ሆስፒታል ዝተብሃለ፡ እዚ ሆስፒታል እዚ እዩ፡፡

ከምቲ ልሙድ ደድሕሪ ዘዝፈነኹልኩም ጽሑፋት ብዙሓት ግዱሳት ዜጋታት ብኢንቦክስ ብዛዕባ ኣቡጠዊላ ተወሳኺ ንኽጽሕፍ ይሓቱኒ ኣለው፡፡ ገሊኦም ከኣ ዘዝፈልጥዎ ሓበሬታ ይሰዱለይ ኣለው፡፡ በቶም ጠለባትኩም መሰረት ብዛዕባ ሌ/ኮ ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝምልከት ተወሳኺ ሓደ ክፋል ጽሑፍ ናባኹም ክፍኑ ኣብ ምድላው እንከለኹ፡ ኣጋጣሚ ሓደ ንሰሙናዊ ተዋስኦታት ኢሳይያስ ዝምለከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ስለ ዝበጸሓኒ ከቕድሞ መሪጸ ኣለኹ፡፡

ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት፡ ባዕሉ ደሪሱ ባዕሉ ዝዋሰአሎም ተዋስኦታት እንተዝፍቀዱ ምናልባሽ ኢሳይያስ ኣብ ዓለም እቲ መዳርግቲ ኣልቦ ብሉጽ ደራሳይን ተዋሳኣይን ምተብሃለ ኔሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ‘ውን ዝነበረ ተዋስኦ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለን ነቶም ናይ ቀረባ ሓለፍቲ ከይተረፈ ዘደንጸወን ነይሩ፡፡ ኣብ ዓዲሃሎን ካልኦት ከባቢታትን፡ ጨጓር ዳንጋ መንእሰይ ክመስል፡ ኣብ ሃጓፋት ክነጥር፡ ንታባ ዓዲ ሃሎ ክሓኩር ዝረኣየ ሰብ፡ ኢሳይያስ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ዘሎ ይመስሎ፡፡ እቲ ሓቂ ግን ጥዕናዊ ኩነታት ኢሳይያስ ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳተጋደደ እዩ ዝርከብ፡፡ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንሕክምና ናብ ደገ ክወጽእ እንከሎ “መንግስታዊ” መምርሒታት ብጀነራል ፍሊጶስ ኣቢሉ ንዝምልከተን ኣካላት ሰርኩላር ዘርጊሑ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 22/2016 ብመልክዕ “እዋናዊ ዛዕባ” ዝፈነኹዎ ጽሑፍ ኣብ https://www.facebook.com/sacttism/posts/601768323339383 ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ኢሳይያስ ወትሩ ናብ ደገ ክገይሽ እንከሎ፡ ገለ ሓለፍቲ ብፍላይ ከኣ ኮ/ል ተስፋልደት ሃብተስላሰ ጥራይ ክፈልጡ ይግበር፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኢሳይያስ ክገይሽ እንከሎ ብደቂቕ ናብ ሓለፍቲ ዘውርዶም መምርሒታት፡ ህዝቢ ብፍላይ ህዝቢ ኣስመራ ኣቓልቦኡ ንምጥምዛዝ ኮነ ተባሂሎም ዝዳለው ሜላታት እዮም፡፡ ኣብ ኣስመራ ግፋታት ዝብርተዓሉ፡ ተፍትሽ ዝጽዕቐሉ፡ ህዝቢ ንማይን ነዳዲን ዋጭዋጭ ዝብለሉን እሱራት ዓዲ ዓበይቶ ናብ ኮርቲሎ ምድቃስ ዝሰጋገርሉን እዋናት ኢሳይያስ ንመገሻ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ እዩ፡፡

ሎምዘመን ከኣ ኢሳይያስ ብዓይነቱ ሓድሽ ተዋስኦ ሚሂዙ ኩነታት ጥዕንኡ Check ንምግባር ብዕለት 20/09/2017 ኣብ ሕቡራት ዓረብ ዒማራት ገይሹ ነይሩ፡፡ እዚ ተዋስኦ ዋላ ንሰራሕተኛታት ኤረ ቲቪ ሓዱሽ ኣይኹን’ምበር ንመዋእል ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝጸንሐ እዩ፡›፡ ምኽንያቱ ካብ 2008 ንደሓር ኣብ ቅንያት ናጽነት፡ ፈንቅልን ካልኦት በዓላትን “Live’’ ተባሂሎም ኣብ ህዝቢ ዝፍነው ቃለ መጠይቓት ሓቀኛን ቀጥታዊን ፈነወ ዜና ከምዘይኮነ፣ ብውሕዱ እቶም ሓለፍቲ ይፍለጡ እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ቅድሚ ምጋሹ ባዕሉ ከምቲ ልሙድ ክሕተቶ ዝደልዮ ሕቶታት ኣቐዲሙ የማነ ቻርሊን፡ ሰለሙን ድራርን ከዳልው ብምሕባር፡ ቀጺሉ ከኣ ኣስመላሽ ኣብርሃን ስሌማን ዓበን ሃንደበት ኣብ ቤ/ጽ መጺኦም ክሓትዎ ተገብረ፡፡

እቲ ቃለ መሕተት ተቐዲሑ ክጸንሕን፡ ኣብ ዝተሓበሮ ሰዓት ኣስመላሽ ብመልክዕ Live ክመሓላልፎን፡ ብጥብቂ ተኣዚዙ፡፡ ከምቲ ኩላትና ዝተዓዘብናዮ ከኣ ብዘይንቡር ኣገባብ ከይተወዓወዐ፡ ብቀዳም ጥቅመቲ 7 /2017 ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት፡ “Live” ዝብል ቃለ መሕተት፡ ናብ ህዝቢ ተፈነወ፡፡ ትሕዝቶ ቃለ መሕተት ኢሳይያስ ብሓጺሩ ሕጂ’ውን ድሕሪ 26 ዓመት ሓዳስ ሃገር ዝምስርት ክመስል ብተስፋታት ክነብር ምምራጹን እንዳሓደረ ዝፈኩስ ዕሉል መደናገሪ ምኻኑ ዘብርሀ ነይሩ፡፡ ብዝኾነ ካብቲ ዝሓሰቦ መዓልቲ ኣቐዲሙ ካብ ዒመራት ስለዝተመልሰ ባዕሉ ኢሳይያስ ውን ነቲ ቃለ መሕተት ከም ህዝቡ፡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ እዩ ተኸታቲልዎ፡፡

ኢሳይያስ ክንደየኡናይ ንወንበሩን ንነብሱን ኣብ ዝስከፈሉ ደረጃ ከምዘሎ ሓደ ቀሊል መርኣያ እዚ “ኣለኹ” ንምባል ዘካየዶ ዘይምኽኑይን ትርጉም ኣልቦን ቃለ መሕተት እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብተን ዝገሸለን መዓልታት እውን ኣብ ኣስመራ ኣዚዩ ጽዑቕ ሓለዋ ዝነበረ ኮይኑ ኣባላት ቤ/ጽ ዓዲ ሃሎ ውን ኢሳይያስ “ኣብ ኩለን ዲጋታት ዘይወግዓዊ ዑደት የካይድ ከምዘሎ” እዩ ብ03 ዝተሓበሮም፡፡ እምበኣር ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ማዕረ ኣብ መገሽኡ ውን ክሳብ ምንታይ ይሰግእን ይሽቑረርን ከምዘሎ መረጋገጺ ዝኸውን ሓደ ጭብጢ ናብ ዒመራት ክገይሽ እንከሎ እቶም ኣዚዮም እሙናት ዝበሃሉ 9ተ ሓለውቲ ኣኸቲሉ ምኻዱ እዩ፡፡ ዝርዝር ገየሽቲ ዒመራትን ኣብ ኣቡዳቢ ሆስፒታል ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ጽዑቕ ሓለዋ ክገብርሉ ዝቐነዩ ኣባላትን ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብርሃ ት/ዓዲ ኣስመራ ዕ/ልደት 02/02/1946 ብዲ/ፓ.ቁ G000

2. ኣማኒኤል ተስፋጋብር ደሞዝ ት/ዓዲ፡ ኣስመራ ዕ/ልደት 21/05/1959 ዲ/ፓስፖርት ቁ G 0000

3. ኣማኒኤል ሃይለ ወልደትንሳኤ ት/ዓዲ፡ ዓዲቆንጺ ዕ/ልደት 03/02/1969 ፓ.ቁ H0001314

4. ንጉሰ ሃብተ ተስፋማርያም ት/ዓዲ ኣስመራ ዕ/ልደት 12/12/1969 ፓ.ቁ H0001280

5. ካሕሳይ ኣብርሃ ኣድሓኖም ት/ዓዲ ደቂዘርኡ ዕ/ልደት 01/01/1968 ፓ.ቁ H0001308

6. ክብሮም ተወልደ ሃብተሚካኤል ት/ዓዲ ሰርዐ ዕ/ልደት 18/08/1973 ፓ.ቁ H0001512

7. ነጋሲ ፍስሃጽዮን ዳኘው ት/ዓዲ፡ ዓዲጸጓር ዕ/ልደት 06/08/1968 ፓ.ቁ H0001271

8. ተኹሉ ተስፋይ ተወልደ ት/ዓዲ፡ ሓረት ዕ/ልደት 01/01/1967 ፓ.ቁ H0001300

9. ዑመር ማሕሙድ ሓምድ ት/ዓዲ፡ ዕ/ልደት 01/01/1972 ፓ. ቁ H0001302

10. ሃብተማርያም ገጸይ ት/ዓዲ፡ ኣስመራ ዕ/ልደት 01/01/1970 ፓ.ቁ 0001282 እዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ኣባላት ሓለዋን ኣብ መበል ቁጽሪ 2 ዝተገልጸ ሓላፊኦም ኮሎኔል ኣማኒኤል ተስፋጋብርን ኣነ’ውን ከም ሰብ ኣጸቢቐ ይፈልጦም እየ፡፡ ኣብ ዝርዝር ሓበሬትኦም ኣድሂብኩም እንተተዓዚብኩም፡ ምናልባት ኣብ ዕለት ልደትን መበቆል ዓድን ዘይቁኑዕ ሓበሬታ ዝተመልአ ክመስል ይኽእል፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ፓስፖርት ክዳሎ እንከሎ ናይ ብዙሓት ሰባት ዕለት ልደት ብልክዕ ዘይፍለጥ እንተኾይኑ፡ ብግምት ዝምላኣሉ ኩነታት ስለዘሎ እዩ፡፡ ብዝኾነ ኢሳይያስ ካብቲ ልሙድ ኣገባብ ወጻኢ ነዞም 9ተ ሰባት ብምሓዝ መርመራ ገይርሉ ዝተመልሰ ሆስፒታል፡ ኣቡዳቢ ዛይድ ሚሊታሪ ሆስፒታል ዝተብሃለ፡ ብዙሕ ግዜ ዝተመላለሰሉ ሆስፒታል ‘ዩ፡፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዘሎ ምጥርጣርን ምትፍናንን ዝምልከት ኣብ እዋኑ ዘቕርበልኩም ኮይኑ፡ እዛ ናይ ሎሚ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ክህልዋ ከምዝኽእል ርዱእ ‘ዩ፡፡

N.B the third photo is the hospital in Abudabi