“እቶም ነዚ ዘይፍትሓዊ እገዳ ገጥ ኢልኩም ዝተቓልስኩም፣ መንግስትን ህዝብን፡ ብምፍርራህ እትነብርሉ ዘለኹም ሃገር፡ ብፍላይ ብሃገረ ሆላንድ፡ ክምህ ከይበልኩም 2% ምኽፋል ዝቐጸልኩም ኣገናዕ ይግብኣኩም። ደጊም ፡ሓሊኾም ሒዞሙና ዝነበሩ፡ ወያነን እገዳን ስልዝትኣልዩ ሓቢርና ናብ ዕዮ ሃገር ንኺድ”።

ጽዮናውያን ይuኑ እቲ ትካሎም ዝኾነ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ በቲ ኢሰያስ ንመብጽዓ ስውኣት ግሂሱ፣ ንልዑላውነት ሃገር ጥሒሱ፣ ንልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዘረከባ ስለዝተሓጎሱ፣ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል  ኮነ ኢሎም ዝኣወጁዎ Fake ዝኾነ “እገዳ” ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ፣ ሎሚ ሃገር ምስ ሸጠ እገዳ ኣውሪድናዮ ኢና ክብሉ ከለውስ፣ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዝንዓቑዎ ዝሕብር ውዲት እዩ።።።።።።ኣብ ኤርትራ እምብኣር ብኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣገደ እገዳ እንተዘይኮይኑ ብባይቶ ሕቡራት ሃገርት ዓለም ዝተኣገደ እገዳ የልቦን። ነቲ ብትእዛዝ ጎይቶቱ ዝፍጽሞ ዘሎ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግና ሓቆምዮም፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኢሰያስ ገሮም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዝኣገድዎ ግና ነቶም ንጉዳይ ኤርትራ ለይትን መዓልትን እንከታተል ደቂ ሃገር ፍሉጥ እዩ።

እ ገ ዳ
እገዳ ማለት በቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝብሃል ትካል ሃጸይነት፣ ሃጸያውያን ዝኣዘዝዎ መሰረት ንሓንቲ ባህ ዘይበለቶም ሃገር ማዕቀብ ወይ እገዳ ይገብሩላ። ነየነይቲ ሃገርዮም እገዳ ዝገብሩላ?
መልሲ፤ ንሓንቲ ሃገር ነቲ ፖለቲካን መርገጽን ሃጸይነት ዘይተኽብር ሃገር፣ እገዳ ገርካ ካብ ዓለም ምንጻል። ንመረዳእታ፣  ንሓንቲ ክሃርሙዋ ዝደለዩ ሃገር ፣ ከም ሃገር ኢራቕ፣ ሊብያ ዩጎዝላቭያ፣ ኢራን ወዘተ…በተን ማዕከን ሓሶት ዝኾና ማዕከናት ዜና፣ ከም ራድዮን ተለቪዥንን፣ ጋዜጣታትን፣ መጽሔታትን፣ ንመላእ ዓለም ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕ ነታ ዝጸልኡዋ ሃገር ይንጽሉዋ። ጸኒሖም ድማ ውግእ ኣዊጆም ይሃርሙዋ።

1ይ.) ንልዑላዊት ሃገር ዩጎዝላቭያ፣ ልዑላውነታ ብምግሃስ፣ በቲ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ማሕበር The North Atlantic Treaty Organization (NATO) ዝብሃል ማሕበር ገሮም ሃሪሞማ።

2ይ.) ንልዑላዊት ሃገር ኢራቕ፣ ልዑላውነታ ብምግሃስ፣ ምስ ብዙሓት ሃገራት ተላፊኖም ሃሪሞማ።

3ይ.) ንልዑላዊት ሃገር ሊብያ፣ ልዑላውነታ ብምግሃስ፣ ሃጸያዊት ሃገር ፈረንሳን፣ ሃጸያዊት እንግሊዝን ሃጸያዊት ኣሜሪካን ብሰሜናዊ ኣትላንቲክ ማሕበር The North Atlantic Treaty Organization (NATO) ዝብሃል ማሕበር ገሮም ዝፍሌት ውድብ ገሮም ደምሲሶማ። ክሳብ ሎሚ ከኣ ህዝቢ ሊብያ ነዚ ዝነበሮ ካብ ዓለም ብሉጽ ዝኾነ ሃብትን ጸጋን ተሓሪሙ፣ ሕገ ኣልቦን መንግስቲ ኣልቦን ኮይኑ ይነብር ኣሎ።

4ይ.) ንልዑላዊት ሃገር ድማ ወግሐ ጸብሐ እገዳን ማዕቀብን ገርናላን ክንገብረላ ኢናን ካብ ዝብሉ እንሆ ኣስታ 10 ዓመታት ሓሊፉ። ሃገር ኢራን ግና ብኣጽዋርን ብምዕቡል ቴክኖሎጂን ክትወዳደሮም ስለዝኽኣለት ክሳብ ሎሚ ብፕሮፖጋንዳ እምበር ብግብሪ ምሉእ እገዳ  ክገብሩላ ኣይከኣሎን።

5ይ.) ንሃገር ሱዳን ድማ፣ ብፍላይን ንመራሕ ሃገር ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ኣሲርና ንቤት ፍርዲ ዴንሃግ ኣቕሪብና ክንፈርዶ ኢና እንዳበሉ ንዓለም ካብ ዘዳናግሩ ኣስታት 8 ዓመታት ሓሊፉ። ኣብዚ እዋንዚ ግና “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ ምጥፍኢት ደርፊ” ከምዝብሃል፤ እንሆ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሃገር ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ክግበር ተባሂሉ ዝነበረ ማዕቀብ ኣልዒልናዮ ኣሎና፣ እንዳበሉ በተን ማዕከን ሓሶት ዝኾና ማዕከናት ዜናታቶም ገሮም፣ ፕሮፖጋንዳ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበሉዎ ተመሊሶም ክስሕቡዎ ንሰምዖም ኣሎና።

5ይ.) ነቲ ዓስከር ሃጸያውያን ዝኾነ ልኡኽ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ፣ በቲ ትካል ሃጸያውያን ዝኾነ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣቢሎም ንኸምስሉ እገዳ ገርናሉ ኣሎና ክብሉ በተን ማዕከናት ዜናታቶም ጌሮም ኣዊጆም። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ እቶም መራሕቲ ካልኦት ሃገራት፣ ከም ፕረሲደንት ሚሎዘቢች መራሒ ልዑላዊት ሃገር ዩጎዝላቭያን፣ ፕረሲደንት ሃገር ኢራቕ ሳዳም ሑሴንን፣  ፕረሲደንት ሃገር ሊብያመዓመር ጋዳፊን፣ ንሃገሮምን ንህዝቦምን እናኣማዕበሉ፣ ብትእዝዛ ጽዮናውያን ተቐዪዶም ክኸዱ ስለዘይደለዩ፣ ቅድም እገዳ ብምግባር ጸኒሖም ድማ ብኣካል ወሪሮም ቀንጺሎሞም። ኣስተብህሉ፣ ትእዛዝ ምዕራባውያን ስለዘይፈጸሙ ተወቒዖም። እዚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝብሃል ዓስከር ሃጸያውያን ግና ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም መልሚሎም ሰላዪኦም ኮይኑ ንኸገልግል ንሜዳ ኤርትራ ዝልኣኹዎ፣ ኩሉ እቲ ዝብህግዎን ክበጽሑዎ ዝደልዩ መደብ ዕዮን እንዳፈጸመ ክሳብ ሎሚ ጸኒሑ።
ንመረዳእታ፣ ንሃገር የመን ብደሴታት ሕኒሽ ኣመኽንኺኻ ውረራ ስለዝበሉዎም፣ ወሪሩ ንጹሃት ደቀባት ኤርትራ ቀለብ ዓሳታት ቀዪሕ ባሕሪ ከምዝኾኑ ገሩ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እተን ዴሴታት ንሃገር የመን እየን ዝብጽሓ ተባሂሉ። ካብኡ ቀጺሎም ብመጃሃዲን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣሰaቢብካ ንሃገር ሱዳን ውረራ ተባሂሉ ከኣ ኣስታት 6 ሽሕ ዝኾኑ ደቀባት ኤርትራ ኣጽኒቱ ኣንሳሒቡ። ካብኡ ቀጺሎም ነታ ንብረት ፈረንሳ ዝኾነት ንእሽቶይ ሃገር ጂቡቲ ድማ ውቕዕያ ስለዝበሉዎ ክወቕዓ ፈቲኑ ደቀባት ኣህሊቑ ድማ ኣንሳሒቡ። ካብኡ ቀጺሎም እቲ ክልተ ውድባት ወያኔን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተላፊኑ ንሶቭየት ሕብረት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰጎገ መታን ሓይሉ ክደክም፣ ብመሃንድሳት ሃጸያውያን፣ ብዶዋዊ ሰበብ ኣሳቢብካ ንወያኔ ውቕዕዮም ስለዝበሉዎ፣ ሰለስተ ወራራት ብምክያድ ካብ 100 ሽሕ ዝኣኽሉ ደቀባት ኤርትራ መንቒሱ ተሳዒሩ ከብቅዕ ብውዲት ሃጸያዊት መንግስቲ ኣሜሪካ ሰራዊት ወያኔ ንኸንሳሕብ ተገዲዱ። ካብኡ ቀጺሉ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ንኮንጎ ብምስዳድ ብዋጋ ኤርትራውዮን ብዕዳጋ ኮልታን ዝተባህለ ክቡር ማዕድን ማሕፉድኡ መሊኡ ተመሊሱ። ካብኡ ቀጺሉ ነቶም ብስኣይኤ ዝምወሉ ኣብ ሃገር ሶማል ዘለው ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ዝኾኑ ብኣልሸባብ ዝፍለጡ ግብረሽበራውያን  ከኣ ብስንቅን ዕጥቅን ክሕግዞም ተራእዩ። ብድሕሪኡ መንግስቲ ኣሜሪካ ህግደፍ ትካሎም፣ ኢሰያስ ከኣ ዓስከሮም ከምዝኾነን እኳ፣ ነቶም ንፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ሕቡእ እንተዘይኮነ፣ ንኸምስሉ ግና ንኣልሸባብ ሓጊዝካ ብዝብል ጻዕዳ ውዲት፣ ብባይቶ ሕቡራት መንግስታ ዓለም እገዳ ተገሩሉ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣስተብህል፤ እቲ ሓቂ ግና ኢሰያስ ከምቲ ብዓል ጋዳፍን፣ ሳዳም ሑሴንን፣ ንሃገርን ንህዝብን ከይኣማዕበለ፣ ንሃጸያውያን ጥራይን ንምግልጋል፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጅሆ ሒዙ ብባርባራዊ መግዛእቲ እንዳእሳቐዮ ከሎ፣  ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ግና፣ በታ ቅርንçaፍን ትካልን ሕቡራት መንግስታት ዝኾነት መርማሪ ኮሚሽን ኣጸቢቖም እኳ ይፈልጡ እንተኾኑ፣ ጭጒራፍስ ሃሪማ ተእዊ ከምዝብሃል፣ “ኣብ ልዕሊ ኢሰያስን ሰበስልጣናቱን እምባርጎ ተገሩ ኣሎ” ክብሉ ኣዊጆም። ኢሰያስ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ እገዳ ገሩ ከሎ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ይኹን ምዕራባውያን መንግስታት ጸማም እዝኒ እየን ሂበን። ንመረዳእታ፤
1. ንሕልፈታት ብዘይፍርዲ ዝተኣስሩ ደቂ ሃገር ብኢሰያስ ዝተገብረ እገዳ መሰልን ሕግን ደይኮነን?
2. መንእሰያት ኤርትራ ንሕልፈታት ኣብ ባርነት ስለዝተዳጎኑ ኣብ ሓደ ወርሒ 5000 ንስደት ሃጽ ይብሉ ይብሉ ከምዘለው ምሉእ ህዝቢ ዓለም ዝሰካሓሉ ተርእዮ እዩ። እዚ ብኢሰያስ ዝተገብረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እምባርጎ ዘይኮነን ?
3. መንበሪኦም ገዛውቲ ዝሰርሑዎ ደቂ ሃገር ማፍያ ኢሰያስ የፍርሶ ኣሎ። እገዳ መሰል ምስራሕ ገዛውቲ ደይኮነን?

4. ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠ ገንዘብ ህዝቢ ኢሰያስ ሃጊሩዎ እዚ እምባርጎ ደይኮነን?

4. ሎሚ ከኣ ምስ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ሕጸን መርዕን ብምግባር፣ ንልዑላውነት ሃገር ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው እገዳ ደይኮነ?

መደምደምታ፣ ነቲ ኣብ ልእሊ  ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆና እምብኣር፣ ብትእዛዝ ጎይቶት ኢሰያስ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን ፣ እስራኤልን ከምዝኾነ፣ ነቲ ንውዲት ሃጸያውያን፣ ተልእo ኢሰያስን ዝከታተል ሰብ ብሩህ  እዩ። ስለዚ መርበብ ሓበሬታ መስከረም………..”እቶም ነዚ ዘይፍትሓዊ እገዳ ገጥ ኢልኩም ዝተቓልስኩም፣ መንግስትን ህዝብን፡ ብምፍርራህ እትነብርሉ ዘለኹም ሃገር፡ ብፍላይ ብሃገረ ሆላንድ፡ ክምህ ከይበልኩም 2% ምኽፋል ዝቐጸልኩም ኣገናዕ ይግብኣኩም። ደጊም ፡ሓሊኾም ሒዞሙና ዝነበሩ፡ ወያነን እገዳን ስልዝትኣልዩ ሓቢርና ናብ ዕዮ ሃገር ንኺድ”። ክብለና ከሎስ ክሳብ ክንደይ ዘደንጹ ክሕደትን ክድዓትን ከምዝኾነ ኣዝዩ የሕዝነካ።  ግን መርበብ ሓበሬታ ብየማነ ማንኪን፣ ብዘምህረትን ዝምወል ትካል ህግደፍ ከምዝኾነ ስለንፈልጥ፣ ነዚ ሃጠው-ቀጠው!ዚ ኣብቲ ትካል ህግደፍ ዝኾነ መርበብ ሓሶትን ፕርፓጋንዳ ህግደፍን ክልጥፍ ከሎ ኣዝዩ ዘስሕቕ ድራማ እዩ።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ  15.11.2018 ዓ.ም.ፈ