“መድረኽ ጠበቕ ፎቶ ኮፒ ህግደፍ እዮም”። ንምሳና ዘለው ልኡኻት ኢሰያስ ክንምክቶም ዘይከኣልና፣ ነቶም ኣበስመራ ዘለው ኢሰያስን ጭፍርኡን ከነረኻኽበሎም ከቶ ኣይንኽእልን ኢና”።ብብርሃነ ኃይለ Youtube

እዚ መድረኽ ዝብል ስም ሒዙ ንድሕነት ኤርትራ ይኣይ ዝጣበቕ ተመሲሉ ዝቃላቐል ዘርሎ፤ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ፣ ንመን ይመጻ ድማ መን ትመጾ ይመጻ፣ ኮይኑ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣኻኸበ ጋንታ “ኤሊት” ኮይኑ፣ ንጋንታ ህግደፍ ከድሕን ህርድግ ዝብል ትካል ጽዮናውያን እዩ !

እቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ፣ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፣ትካል ጽዮናውያን እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ግና ክሳብ ሎሚ ነቲ መራሒ  ህግደፍ ዝብሃል፣ንኢሰያስ ልኡኽ መላኺ ባዕዳውያን ምዃኑ  ኣይተረድኦምን። እዚ ሰብዚ ግና ክሳብ ዝመውት ኣማኸርቱ ሓዲሽ ሓዲሽ መደብ ዕዮ እንዳ ሃቡዎ ክሳብ ሎሚ ኣጽኒሖሞ ዘለው ግና ብፍላይ፣ መሃንድሳት መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን፣ እስራአልን፣ ብሓፈሻ ድማ ኤውሮጳ ሕብረትን እዮም።

መኽንያቱ፣ መጀመርያ ብ1973 ዓ.ም.ፈ. እቶም ቅኑዓት ዲሞክራስያውያን ተንቀሳቐስቲ ግንከኣ ብስም “መንካዕ” ኢሉ ዝወንጀሎም ፈላስፋታት ንኽቅንጸሉ ምዒዶሞ። 2ይ እቲ ብፈላስፋ መንግስተኣብ ኢሳቕ ዝምራሕ ዝነበረ ማሕበር ተመሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ብ1978 ዓ.ም.ፈ. ንኽሕቅቖም መኺሮሞ። 3ይ ነቶም ፈልስፋታትን ሓርበኛታትን፣ ብዶር. እዮብ ገብረልኡል ዝምራሕ ዝነበረ ብ1977 ክሳብ78 ዓ.ም.ፈ.ንኽቕንጽሎም ሓጊዞሞ። 4ይ ጅግና ሰለሞን ወልደማርያምን፣ ኣብራሂም ዓፋን ብ1982 ክሳብ 19884 ዓ.ም.ፈ.ንክቅንጽሎም ነጊሮሞ። 5ይ ብ1993 ዓ.ም.ፈ. ዝተልዓዓለ ተቓውሞ ሰራዊት ኤርትራ ንከበርዕኖ ስለላ መርበብ ተሓባቢሮሞ። ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ድማ ብጉጂለ 15 ዝፍለጡ ዝነበሩ ገዳይም ሰበስልጣናት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ዒራዒሮ ንኽዳጎኑ ሓጊዞሞ። ድሕሪ ማእሰርቲ ጉጂለ 15 ድማ ሓደስቲ ኣንቆራን፣ከድዓት ላዕለዎት ሰስልጣናትን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከም ብዓል መስፍን ሓጎስ፣ ዶር. ዓንደብርሃን፣ ዶር. ኣሰፋው ተኸስተ፣ ኣድሓኖም ገብረማርያምን፣ ዓብደላ ኣደም ወዘተ . .  .ድማ ሓደስቲ ሰለይቲ ኮይኖም ንወጻኢ ሃገራት ተላኢኾም ንኣብ ወጻኢ ዘሎዋ ውድባትን ሓፋሽ ውድብ ጀብሃን ሻዕብያን ንኽስልዩ ቪዛን መንቀሳቐስን ሂቦሞም። ነቶም ምስ ህግደፍን ኢሰያስን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ጭፍራ ወያኔ ድማ፣ ማእለያ ዘይብሉ ባጀት ኣስኒቖም፣ ብስም ሰንዓ ፎርም ዝብሃል ፕሮጀክት ሓሶት ባጀት ኣውጺኦምሎም። መታን ነቶም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝብሃሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሪዖም፣ መሳርፍ እንዳሃቡ፣ፋሕ ጭንግራሕ ከብሉዎም መደብ ኣውጺኦምሎምን ሓጊዞሞምን።

ነቶም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ጀነራላት ኢሰያስ ድማ፣ ዝበሎም ንኽፍጽሙ ከምድላዩ ንኽገብሮም ብስለላ መርበብ ሞሳድን ሲኣይኤን ኤምኣይ6ን ዝሰልጠኑ፣ ከም ብዓል ኣብርሃ ካሳን፣ ስምኦን ገብረድንግልን ገሩ ኣእምርኦም ተቖጻጺሩ ንኽጓስዮም፣ እምቢ ንዝበለ ድማ ክስምሞምን፣ ክኣስሮምን ሓጊዞሞ።

እቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ክሳብ ሎሚ ዕድመ ክገብር ዝኸኣለ እምብኣር ብሳላ ረቂቕ ውዲት ጽዮናውያን ጥራይ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ፈዛዝ ኢሰያስ ፍሉይ ክእለትን ፍልጠትን ስለዘለዎ ኣይኮነን፣ ነዚ ኩሉ እከይ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለለ ዝፍጽሞ ዘሎ።

ኢሰያስ፣ ከም ፈረስ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዋህቦ መደብ ዕዮ ንኽፍጽም ዝተላእከ ምዃኑ ግና፣ እቶም ተመራመርትን ተኸታተልቲ ስትራተጂካዊ መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኾና ደቂ ሃገር፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነ ልኡኽ መላኺ ምዃኑ ኣለሌናዮ ኢና ሎሚ እንተኾነውን ብቀጻሊ ቀንዲ ገባርን ሓዳጊን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኢሰያስን ንእንዳ ወያኔን ዝዝውሮም ዘሎ  Mr: Hermann Cohen US Assistant under Secretary of Atate for Affrican Afairs እዩ።  

ኣብ መቓብር እዞም ጀጋኑ እዚኦም እዩ ልኡኽ መላኺ ንህዝቢ ኤርትራ ዝላገጸሉ ዘሎ።


ጅግና ትኩእ ይሕደጎ ብ1971 ብኢሰያስ ዝተቀንጸለ

  ጅግና ኣብርሃም ተወልደ ብሰላዪ ኢስያሰ ተሰሚሙ ዝተቀንጸለ

፣ ብኢሰያስ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ምድጓን ዝተቀንጸለ


ጅግና ኪዳነ ክፍሉ ብኢሰያስ ዝተቀንጸለ።

ኢሰያስ፣ ከም ፈረስ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዋህቦ መደብ ዕዮ ንኽፍጽም ዝተላእከ ምዃኑ ግና፣ እቶም ተመራመርትን ተኸታተልቲ ስትራተጂካዊ መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኾና ደቂ ሃገር፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነ ልኡኽ መላኺ ምዃኑ ኣለሌናዮ ኢና።

ሃለ ጋርዛ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ኢሰያስ ነበር፣ ውዲትን ሽርሕን ሰላዪ ኢሰያስ ኣለልዩ ንሱዳን ክሃድም ከሎ፣ ብትእዛዝ ቐንጻሊ ኢሰያስ ዝተቀንጸል ሃገራዊ እዩ።

ጅግና ወልደሚካኤል ሃይለ፣ ብብዓል መስፍን ሓጎስ ዝተኣልመ ውዲት፣ብ1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ደቀመሓረ ኣከለግዛይ ብዝባኑ ብጥይት ተወጊኡ ተባሂሉ መርድእ ዝተነግረሉ እዩ።

ምንጪ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምስራት ሰልፊ ነጻነትን ሰላዪ ኢሰያስን  “Seed Planting Project =  Nurcery” ፕሮጀክት ተኽሊ። ሰልፊ ነጻነት፣ንሕናን ዓላማናን፣ “We and our Objective” ብዕቢኡ ኤርትራ ምስ ቀዪሕ ባሕሪ ንብረት መንግስቲ ኣሜሪካ ንክኸውን ካብ ኣምሆ ዘመን 1967 ዓ.ም.ፈ. እቲ ቀንዲ ስም ጥምቀቱ፣ሪቻርድ ሚለስ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ምስጢራዊ ስሙ ኣብ ማእከላይ ስለላ መርበብ ከኣ ርቻርድ ኮፐላንድ ነበረ። ሎሚመቐጸልታኡ ኮይኑ ነቲ ፕሮጀክት ፈልሲ ወይ ተኽሊ ነርሰሪ ኣብ ፍሪኡ ንምብጻሕ ገልዳሕ ዝብል ዘሎ ድማ፣ ሄርማን ኮሀን እዩ። 
How Richard Miles Copeland of the CIA Agent Recruited Iseias Afewerki in 1969

 እቲ ንኢሰያስ ኣብ ቃኘው ምስ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርብ ኣሜሪካ፣ሚልስ ሪቻርድ ኮፐላንድ ዝትርጒመሉ ዝነበረ፣ ጸኒሑ ግና ምስጢር ስለዝፈልጥ ብምኽሪ ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ብኢሰያስ ዝተቀንጸለ ምሁርን ሓርበኛን ሃብተስላሴ ገብረመድህን

 እቲ ሓጥያት ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር፣ ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝመጸ ዘይኮነስ፣ ብመደብን ብውዲታዊ መጽናዕትን መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸን፣ ንነዊሕ ዝኸይድን እከይ ፕሮጀክትን፣ ሎሚ ድማ ኣብ መውዳእታኡ ገጹ ዝመጽእ ዘሎን፣ ካብዚ እዩ ዝጅመርt

ሓደ ካብቶም ፈላስፋታት ኤርትራ፣ መራሕን ቀላስን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ፣ ብኢሰያስ ግና “መንካዕ” ወይ “ኣዕናዊ ምንቅስቓስ” ተባሂሉ ጸለሎ ዝተቀብአ ምንቅስቓስ ዝነበረ፣ ጸኒሑ ብ1975 ዓ.ም.ፈ. ብኢሰያስ ዝተቀንጸለ ኣፈወርቂ ተዅሉ። He was politically active and International Revolutionary, and Courageous. He was Physically well built his Tigrina knowledge was not that good because he grown up in Ethiopia, Adis Ababa.

ኣቦ ሰውራ ጅግና ሰለሞን ወልደማርያም “ብዕራይ ምስ ሓራዲኡ ይውዕል” ከምዝብሃል፣ ንተዅላ ኢሰያስ ብግርህነቱ ከየለለዮ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጸንሐ፣ ሰላዪ ኢሰያስ ግና ብሓገዝ ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ካብ ሃገር ሱዳን ብዋሕስነትን መብጽዓን ወጻኢ ሚንስተር ሃገር ሱዳን ንሳሕል ኣምጺኡ ብ1983 ዓ.ም.ፈ. ቀንጸሎ።

  ጅግና ኣብርሂም ዓፋብሰላዪ ኢሰያስ፣ “ብሰላሕታ ውግእ እምበር ተሰዊኡ”: ተባሂሉ መርድእ ዝተነግረሉ፣ እቲ ውዲታዊ መስርሕ ግና ብብዓል መስፍን ሓጎስ ዝተኣልመ ስዉር ስጉምቲ ከምዝተቀንጸለ ተጋሂዱ።

ኣስተብህል፣ ልኡኽ መላኺ ብባዕዳውያን ተመዊሉ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍጻሜታት ካብ ፈጸመ፣ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና?

መልሲ፣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ተሰዲድና እንነብር ኤርትራውያን፣ ንኢትዮጵያ ከይከድና፣ ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገር ብማሕበርን፣ ብኣኣውራጃና ተጠርኒፍና፣ ሕገ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ኣዊጅና፣ መጕዚታዊ ግዛያዊ መንግስቲ ክንእውጅ ብምዕራባውያን ሕጊ ፍቑድ እዩ። ምናልባት ንገሊኦም ሰባት እዚ ከስዕሕቖም ይኽእል ይኸውን፣ እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ በብኣውራጃኡ ተጠርኒፉ እንተዝቃወም ነይሩ፣ እቶም ኣውራጃን መንነትን ዘይብሎም፣ጭፍራ ሂግደፍን ዓሰብቶምን ሓይሊ ኣይምሃለዎምን ነይሮም። ብሳላ ናትና ፍልልያት እዮም ዕድሜኦም ተናዊሑ ዘሎ።ተመራሚርካ ፍታሕ ምድላይ እምበር፣ እንዳጠፋእና ዓሕ ምባል፣ ትርጉም የብሉን።

ብሓፈሽ ነዞም ሎሚ ኣብ ዝዘሎናዮ ሃገራት መጺኦም ዝስልዩና ዘለው ኮራኹር ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ መታን ክንፈልጦምን፣ ነየናይ ትካል ይሕልዉ ከምዘለው ንኸነለልዮምን፣ብፍላይ ድማ እንታውነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መታን ብመጠኑ ኣለሊና ክንርዳእ፣እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ሕቶታት ብኣድህቦ ተኻታቲልና መልሲ ክንረኽበለን ንፈት። ሽዑ ጭፍራ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ሎሚ ህግደፍ፣ ኣዝዩ ሰባብ ትካል ጽዮናውያን እምበር ትካል ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ክንክእል ኢና። 

 1. ስለምንታይ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ንተባዓትን ቅኑዓትን ተጋደልቲ፡ ከም ቀዳሞት ጸላእታ ወሲዳ ትሃድኖም ነይራ?

2. ብኣንጻሩ ግና ስለምንታይ ንገርሀኛታትን ጨጓር ዳንጋ ተጋደልቲ፣ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ንክኾኑ ትምልምል ነይራ?

3. ስለምንታይ ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ብዘየገድ፡ ትዝተኣዘዝዎ ትእዛዝ ጥራይ ዝቕበሉ ሃሱሳት ትምልምል ነይራ?

4. ስለምንታይከ ጸላኢ ስለዝቐተሉ ዘይኮነስ፡ ኣጸልሚቶም ጀጋኑ ኣሕዋቶም ስለዝቐንጸሉ ሽመት ይዕደሉ ነይሮም ?

5. ስለምንታይ ተሓታቲትናይኩሉ’ቲ ኣብ ህዝባዊግምባር ዝፍጸም ዝነበረ መጭውያን ቅትለትን፡ በታ ህብእቲ ሰልፊ ይካየድ ነይሩ?

6. ስለምንታይ እያ እታ ሕብእቲ ሰልፊ፣ ተጋዳላይ ተኻቲዑን ተመኻኺሩን ኣሰራርሕኡ ከምዘየዐሪ ንምግባር ቀንዲ ስርሓ ዝነበረ?

7. ስለምንትያ ንምሁራት ከምዘጽነተትን፣ ክኢላታት ዝድሃለትን፣ሰውራ ንድሕሪ ክምጠጥ ምዝላቕን ምንስሓብን ኣመሳሚሳ ብ1977 ዓ.ም.ፈ. ካብቲ ሓራ ኮይኑ ዝነበረ ከተማታት ንሳሕል ኣንሳሒባ?

8. ኣብ ክንዲ ንህዝብን ሃገርን ተሳኒኻ ሓራ ምውጻእ፣ ስለምንታይ ኲናት ሓድሕድ ወሊዓ?

9. ሕብእቲ ሰልፊ ሻዕብያ ስለምንታይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣዕንያ? ስለምንታይ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ጽልእን ቅርሕንትን፣ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብምእታ ኲናት ሕድሕድ ወሊዓ? ስለምንታይ ክልተ ኣሕዋት ኣባኢሳ ጽልኢ ግና ኣውሪሳ?

10. ስለምንታይ ውሽጣዊት ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ተመስሪታ? መንከ መስሪቱዋ?

11. እታ ሕብእቲ ሰልፊ ሻዕብያ፣ስለምንታይከ ኩሉ ስርሓ፣ ብፍላይ ንምሁራትን ጀጋኑን፣ትስልልን ትዀልልን ነይራ? ስለምንታይከ ቀንዲ ዕማማ ጭውያን ቅንጸላን ጥራይ ነይሩ?

12.) ስለምንታይ እዩ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ተጋዳለይ ኣብ ክንዲ በቲ ዝተጠምቀሉ ስምን፣ ስም ኣብኡን ኣባሓጎኡን፣ ዓዱን፣ ወረዳኡን፣ ኣውራጅኡን፣ ዝጽዋዕ ብሳጓ ስም ይጽዋዕ ነይሩ?

13.) ስለምንታ ብሪገዳትን በጦለኒታትን ሓይልታትን፣ ብምልኡ ሰራዊት ህ.ግ.ሓ.ኤን፣ ድሕሪ ታዕሊም፣ ወይ ድሕሪ ውሱን ግዜ፣ ኣብ ነንሓድሕዱ ክላለን ክፋለጥን ምስ ጀመረ፣ ብተኽሊጥ ወይ ብፋሕ ዝብሃል ግሁድ ሜላ፣ ካብቲ ተላልዩዎን ለሚዱዎን ዝነበሮ ሓይልን ብሪጌድን በጦሎንን ፈልዮም፣ ኣብ ሓንቲ ዘይፈልጣ ሓይልን በጦሎኒን፣ ብሪጌድን ይጽንበር ነይሩ?

14.) ስለምንታይ እዩ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዋላ ንጸላኢ ስዒሩ ዝሰለቦ ንብረት፣ ከም ስዓት ወርቂ ወዘተ. . . ኣብ ክንዲ ንርእሱ ዝወስዶ፣ ኣኻኺቡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ሕብእቲ ሰልፊ ከረክቦ ይግደድ ነይሩ።

15.) ስለምንታይ እዩ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ነቶም ክፍሊ ህዝቢ ወይ ጀማሂር ዝብሃሉ ዝነበሩ፣ ኣብ ኩለን ዓድታት ኤርትራ ሰሊኾም ምእታው፣ ካብተን ዓድታት፣ደቀባት ዘይኮኑን ወይ ዕሽው ዝበሉ ደቀባትን፣ብስም “ዋህዮታት“ ዝብሃሉ መልሚሎም ከቲቦምን ኣብተን ዓድታት ከም ቀዋሚ ወኪል ገሮም ይምድቡዎም ነይሮም?

16.) እቶም ብስም ክፍሊ-ህዝቢ ወይ ብስም ጀማሂር ዝጽውዑ፣ ስለምታይ ነቶም ዋህዮታት ክምልምሉ ከለው፣ ካብቶም ሕቡናትን ኲሩዓትን ደቂ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ብግቡእ ዘይመረጹ ነይሮም?

17.) ስለምንታይ ኣብ እዋን ህዝባዊ ቃልሲ፣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፣ሓለዋ ሰውራ ተመስሪቱ?

18.) ስለምንታይከ ብፍላይ ምሁራትን ጀጋኑን ደቀባት ኤርትራ ተተመሪጾም፣ ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ ይዳጎኑ ነይሮም?

19. ሰለ ምንታይ  እቶም ብሉጻትን ብርሃን  ሃገር  ዝኾኑን  ብወታደራዊ ክእላቶም ኮነ ብትምህርቶም ብፍላይ  3ይ ዓመት ዩኒቨርሰቲ ዝበጽሑ ከምዉን ትምህርቶም ዝጩረሱ ዶክቶራት ነስመራ ኣብ እዋን ነጻነት ዘይተመልሱ?

20. ስለምንታይ እቶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብራሾ ማይ ይኹን ብራኵማይ ዘየቐበሉ፣ ከም ብዓል የማነ ገብረኣብ  (ማንኪ)፣ ብ1986 ዓ.ም.ፈ. ንሜዳ ኤርትራ ዝኣተወ።ሓጎስ ገብረሂይወት (ኪሻ) ብ1991 ካብ ኣሜሪካ ነስመራ ዝኣቶ። የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ካብ ለንዶን ነስመራ ዝመጸ። ጠዓመ መቐለን ኣብ መቐለ ዝዓበ ትግራዋይ። ኣብርሃ ካሳን ትግራዋይ፣ ስምኦን ገብረድንግልን መወለዱ ብግቡእ ዘይፍለጥ ግና ኣብ ማዕረባ ኣከለጉዛይ ተወሊዱ ዝብሃል፣ ሎሚ ንግዝያዊ መንግስቲ ኢሰያስ ዓንዲ ሕቘ ኮይኖሞ፣ ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ኣለው?

እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ዘይተኣደነ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝመጸ ዘይኮነስ፣ ንፍርቂ ዘመን ዝተሰርሓሉ ውዲት ባዕዳውያን እዩ። እዚ ስቓይ እዚ ውጽኢትን ፍረን ናይታ ኣምሆ ዘመን ብ1967 ክሳብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ብሪቻርድ ፓውል ኣሜሪካዊ፣ግንከኣ  ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝነበረ፣ከም መንጎኛን ተርጓማይን ድማ ንተስፋሚካኤል ጆርጆ ሒዙ፣ ኣብ ዓላ እንዳተመላለሰ፣ ምስ ኢሰያስ ኮይኑ ዝተኸላ “ፕሮጀክት ፈልሲ” Nurcery ” እትብሃል እዪ። ሓቂዶ ሓሶት?

ፍልጠትን ንቕሓትን ዝርከብ፣ብምርምርን መጽናዕትን ጥራይ እዩ። ጸላኢኻን ፈታዊኻን ከተለሊ እትኽእል ድማ፣ መሰረታዊ መጽናዕትን ምርምር ገርካ ጥራይ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፣ኣብ ፓልቶክ እንዳ ኣቶኻ፣ ፎሮ ከምዚ በለ፣ ወዲ ጣባ ከምቲ በለ፣ጀብሃ ከምቲ ነይራ፣ ህዝባዊ ግንባር ከምቲ ነይራ፣ ወያኔ ድማ ከምቲ እያ ነይራ፣ ኢሰያስ ሓያል እዩ፣ኢልካ ዕንክሊል ዝኾነ ሃበስ ቀደስ ክትዛረብ ምውዓልን ምሕዳርን ድንቊርና ጥራይ እዩ። ማለት ከምቲ ምስላ ጀርመናውያን፣ዝ”ደንቆሮ ተወሊዱ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ደንቆሮ ምዃኑ ከይተረድኤ ድማ ብድንቊርናኡ ሞይቱ” ዝብሉዎ ጥራይ እዩ ዘስምዕ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ብዝዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፣ንምርምር ዝኣክል ዝቐረበ፣ተወሳኺ ፖለቲካዊ ሓተታ።

1. ስለምንታይ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኤርትራ ዝርከብ ኣብት ሳዋ ዝብሃል መዓስከር፣ ብስም ኣገልግሎት ሃገር መንእሰያት ኤርትራ ተዓስኪሮምሉ ዘለው፣ መዓስከር ወተሃደራቱ ይገብር ኣሎ ዝብል ወረ ይነፍስ ኣሎ?

2. መንግስቲ ቱርኪ፣ሰራዊታ ኣብ ሱዳን መዓስከር የስፋሕፍሕ ኣሎ?

3.  ሓይሊ ወያኔ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፣ ብኦሮሞን፣ ኣምሓራን፣ ዋልቃይትን ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ከሎ፣ ስለምንያ ስለምንታይ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ይሕለቕ ኣሎ?

4. ፖሊት ቢሮ ወያኔ ውሽጣዊ ሽግሩ ዘይፈትሐ፣ ስለምንታይ ብትእዛዝ ኣሜሪካ፣ንኣልሸባብ ንምውቃዕ ከም ፕሮክስን ሜርስኔሪን ኮይኑ ሰራዊቱ ልኢኹ?

5. ኢሚራትን ስዑድያን ቀጠርን ኣብ ከባቢ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ዳህላክን ምቅልቓሎም።

6.  ወያኔ ድሕሪ ውድባዊ ጉብኤኦም ኣብ ከተማ መቐለ፣ ሎሚ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍትሓሉ መንገዲ ዘተምብሁ ዘለው ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ? ቅድሚ ሎሚ ዘይገበሩዎከ ስለምንታ?

7. እቲ ወኪል ስቴትዲፓርትመንት ኣሜሪካ ኮይኑ ን40 ዓመታት ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገልገለን፣ ገና ድማ ክሳብ ዝመውት ዘገልግል ዘሎን ሄርማን ኮሀን፣ ነቲ ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ለንደን፣ ምስ ኢሰያስን መለስን ዝተወዓዓሎ ሕቡእ ኣጀንዳ ክሳብ ሎሚ ከተግብሮ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ከም ውሕሉል ኮይኑ ንወያኔ ክውንጅል ዝስማዕ ዘሎ ስለምንታይ ?

8. መራሕቲ ወያኔ ምስ ኢሰያስ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ኮይኖም ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ጸኒሖም፣ ንተቓወቲ ውድባት ኤርትራ ፋሕ ብትን ከብሉዎም ከምዘይጸንሑ፣ሕጂ ንከምስሉ፣ ንተቓወምቲ ውድባት ተኣከቡ ክብሉ ዝስምዑ ዘለው ስለምንታይ እዮ?

9. “መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶባታታ ክትቆጻጸር ትጅምር ኣላ፣ ነቶም ብራሻይዳ ዝተጨውዩ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኮማንዶ ልኢኻ ሓራ ተውጽኦም ኣላ” ተባሂሉ ዝስማዕ ዘሎስ፣ቅድሚሕጂ ዘይተገብረ፣ ስለምንታይ ሎሚ ብፍላይ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ  ትገብሮ ኣላ?

10. መንግስቲ ግብጽን፣ ቱርክን፣ ሱዳንን፣ ስዑዲ ዓረብን፣ ኢሚራትን፣ ከምኡውን እታ ንእሽቶ ዓዲ ቀጠርን፣ ኣብ ከባቢ ኤርትራን ሱዳንን ዝቀላቐላ ዘለዋ መን ስለዝኣዘዘን እየን? እዘን ሃገራት እዚአንከ፣ ኣብ ውሽጠን ህዝበን ቀሲኑ ዝነብር ህዝቢ ዘለወን ድየ? ብሓቂ ካብ ምዕራባውያን ጽዮናውያንከ ሓራ ኮይነን ዝመሓደራ ሃገራት ድየን ወይስ ብጽዮናውያን ተዘዊረን ንረብሓ ጽዮናውያን ዘገልግላ ትካላት ጽዮናውያን እየን?

ነዚ ኩሉ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖ ዝኣልምዎን ዘተግብሩዎን ዘሎው ስዉራት ሓይልታት መን ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ ስለምንታይከ?

ካብ ኣልጀዚራ ዝመጹ ውዑያት ወሬታት ኣብዚ እዋንዚ ከምዝሕብሩዎ፣ ኢሰያስ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ኢሚራት ክግዕዝ ይሓስብ ኣሎ፣ ሓይሊ ወያኔ ኣብ ውሽጢ ኦሮሞን፣ ኣምሓራን ቅልውላው ጥሒሉ ከምዘሎን ዝብሉ እዮም ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ሞሳድ ስለላ መርበብ እስራኤልን ዝተመስረተት Planting Project =  Nurcery” ፕሮጀክት ተኽሊ እትብሃል፣ከም መደብ ዕዮ መጠን ሎሚ  ኣብ መፈጸምታ ፍጻሜ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ንወራር ቱርክን፣ ወራር ግብጽን፣ ወራር ግራኝን፣ ማህድን ደርቡሽን ጸራሪጉ መሬቱን ቀይሕ ባሕሩን ዓቂቡ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣምላኽ ምስኡ ስለዝኾነ፣ እዚ ኩሉ ኣረባራብ ጽዮናውያንን ፈዛዝ መንነት ኣልቦ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስን ከቶ ኣይዕወትን እዩ። 

 ብሓልዮት  ምርምርን መጽናዕትን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ።