ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎን፣ ሰውራ ኤርትራ ከኣ ንሜዳ አርትራ ብግስ ክብል ከሎን፣ ጀሚሮም እዮም ሃጸያያንን ጽዮናውያንን ኣብ ውሽጢ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ፣ መልሚሎም ሰለልቲ ደቂ ሃገር ኣዋፊሮም። እቲ ሰውራ ኤርትራ ከኣ ትካል ሃጸያውያንን ጽዮናውያን እምበር፣ ትካል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ከቶ ኣይፈልጥን። ነዚ ክትጥሕናዶ ትርህጻ!

ነዚ ዘብርህ መጎታዊን ታሪኻዊን መረዳእታ ዝሓዘለ ትንተና ከኣ ብኸምዚ ዝስዕብ  ከነቕርቦ ኢናሞ፣ ሰናይ ንባብ።

ሰውራ ኤርትራ ብግርህነትን፣ ብራእዪ ህዝቢ ኤርትራን፣ ግንከኣ ብዘይተጸንዐ መድብ ዕዮን ፕሮጀክትን እዩ ብፍኑው ተጀሚሩ። ኣስተብህል፣ ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁን ብጅግንነቱን ብራእዩን እምበር፣ ብመጽናዕቲ ዝተሓንጸጸ ረቂቕ ፕሮጀክትን ፍልስፍናን ሒዙ ንሜዳ ኣይወፈረን። ተዃሉ ጽዮናውያን ግና ኣንግሆም እዮም ብጉርሖም ኣብ መወዳእታ ንራእዪ ህዝቢ ዘፍሽል ዊዲታዊ ፕሮጀክት ሒዞም ብልኡኻቶም ተወኪሎም ንሜዳ ኤርትራ ወፊሮም። ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ብስምዒት ንህዝቢ ኤርትራን መሬታን ባሕራን ሓራ ንኸውጽእ እኳ እንተተበገሰ፣ ኣብ ውሽጢ መሪሕነቱ ግና ስዉራት ሰለልቲ ተላሒጎሞ ስለዝነበሩ ኣብ መወዳእታ ደም ብዙሓት ዘፍሰሰ ገድሊ ስኣን ኣርሒቖም ዝሓስቡ መራሕቲ ደቂ ሃገር ፈሺሉ።

እወ፣ እቶም ቅድም ንኤርትራ መሬታን ባሕራን ንኽውንኑ፣  ቀጺሎም ከኣ ንኢትዮጵያ፣ ኣብ ድሕሪ ዝተናውሐ ውረድ ደዪብ ግና ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቕጽጻር ዝሕልሞም ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን፣ ኣንጊሆም መሃንድሳት ስለላ መርበቦም ንኤርትራ ኣዋፊሮም።  እምብኣር ሰውራ ኤርትራ ብጽዮናውያን ዝተኣልመ ፕሮጀክት ተሓንጊጡ እዩ ንሜዳ ኤርትራ ወፊሩ። እወ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ብገርሁ፣ እቲ መሪሕነት ግና ብጉርሑ ማለት እዩ።

ስለዚ ከኣ ህዝቢ አርትራ ብገርሁ ከሎ፣ ብስውር ውዲት፣ ግንከኣ ንነዊሕ እዋን ደፋእ እንዳበለ ዝፍጸም ረቂቕ መደብ ዕዮ ብምውጻእ፣ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ተጸፍዮም ብሰለይቶም ገሮም ትካል ተኺሎም። ብካልእ ኣገላልጻ ፕሮጀክት ተኽሊ ብገረብ ብሓኽላ ዝፍጸም ፕሮጀክቲ ኮይኑ እዩ ተማሂዙ። እወ፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ክኢላታት ሶሻል እንጂነሪን ዝተዳለወ ስዉር ፍልስፍና ስለላን ኮለላን መስሪቶም።

ኩሉ ግዜ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ነገር ስለዘየለ፣ ብሓዲሽ መጽናዕቲ፣ ብፍላይ ግና ብ1966 ዓ.ም.ፈ. ሓዲሽ ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ክሳብ ወዲ 20 ዓመት ዝኸውን ከኣ ኣብ ኣስመራን ደሴን እንዳተመላለሰ ዝዓበየ ትግራዋይ፣ መልሚሎም ኣሰልጢኖምን ንሜዳ ኤርትራ ልኢኾሞ። ነታ ፕሮጄክት ድማ “ተኽሊ“ “Nurcery Project“ ዝብል ስማ ኣጠሚቆሞ። ኢሰያስ እፈወርቂ ነዛ ፕሮጀክት እዚእ ንኽተግብር እዩ ንሜዳ ኤርትራ ልኢኾሞ። ድሮ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብኸመይ ከተግብሮ ገልዳሕ ይብል ከምዘሎ፣ በዚ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሃገር ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸወለ ርክባትን ውዕላትን ክግመትን ክፍለጥን ይከኣል።

ኣብቲ ፈለማ እዋን ድማ እቲ ውዲትን ሽጣራን ዓሰብቲ ኢሰያስ ከምዚ “አርትራ ሓራ ንከትውጽኣ ክንሕግዘካ ኢና፣ ካብ ጽልዋታት ሃገራት ኣዕራብ ጥራይ ሓራ ኰንካ ንኽትቃለስ ቃል እንተድኣ ኣቲኻልና፣ ብኹሉ መዳያት ክንሕግዘካ ኢና ኢሎም’ዮም መብጽዓ ኣትዮምሉ። ከም ቀዳማይ መደብ ዕዮ ከኣ ብስም ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ “ ዓማ“) ዝጽዋዕ ውድብ ክትድምስሶ ከምዘለዎ መደብዕዮ ኣስነቑዎ። እቲ ንርሑቕ ዝዓለመ ሸቶ ግና ድሕሪ ምሕቃቕ ጀብሃ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕቃቕ እዩ ዝነበረ።

ካብቲ ቀንዲ ኢሰያስ ከም መምርሒ ገሩ ክሰርሓሉ ዝነበሮ መሳለጢ ግና “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ-ጉምባሕስ ዛግራ ትብላ“ ከምዝብሃል፣ ዋላኳ ን“ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ“ ዝብል ስዉር ውዲት ተሓንጊጡ ንሜዳ እንተወፈረ፣ ክሰርሓሉ ዘለዎ ቀንዲ ፕሮፓጋንዳ ግና “ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ መኪቱ ሓራ ክወጽእ ኣለዎ“ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ በቶም ልኣኽቱ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ባዕዳውያን፣ ከም ሲኣይኤ ኤም.ኣይ.6ን ሞሳድን ዝተመኽሮን ዝሰልጠኖን ነበረ። በቲ ሕሱር ፍልስፍና ማርከሰ ለኒን ንኣእምሮ ሰራዊት እንዳ ኣደንዘዘ ክሰብኽ ከምዘለዎ ድማ ተሓበረ። ብኸምኡ ድማ በቶም ባንቡላታት ካድሬታቱ ኣተግበሮ። ብኡ ቀጺሉ ክጉዕዝ ከምዘለዎ ድማ ኣሰልጠኑዎን መኸሩoን። ካብኡ ቀጺሉ ግና ብዋጋ ኤርትራ ንዓባይ ኢትዮጵያ ክሰርሕ፣ ንስትራተጂ ቀዪሕ ባሕሪ ምስተቖጻጸረ ከኣ፣ ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ነቲ ጎይተቱ ዝብህግዎ ስትራተጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር ነበረ ።

ሓቂ ብእራ እንተቐበርካያ ብርእሳ ትወጽ! ዘይተነግረምበር ዘይተገብረስ የልቦን!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.