ወያነ ኣብ ስልጣን ምስ መጹ እታ ጥንታዊት ባንዴራ ኢትዮጵያ፣ ብኸምዚኣ ዓይነት ተቐዪራ?

ስለምንታይ ግና ወያኔ ተቓዳዲሞም  ነታ ጥንታዊት ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ዝነበረት  ቀዪሮማ?

Image result for Ethiopian flag

ስለምንታይ ግና ካብት ጋድም ሕንጻጽ ኣብሊዒኡ ድማ ምልክት ጅግንነትን ሓይልን ስእሊ ኣንበሳ ቀንጢጦም ምስሊ ባንዴራ እስራኤል ወይ ፔንታጎን  ክስእሉላን ገሮም ሰኒዖማ?

ስለምንታይከ ምልክት ወይ  መስመያ ባንዴራ እስራአል ክትመስል ተደልዩ?

 Image result for Ethiopian flag
“ህዝባዊ ሰውራ ኣካይደ ሓርነት ኣምጺአ” ዝብል ውድብ፣ ወይ መንግስቲ፣ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንቡር ዝነበሩ፣ እሞ ከኣ ህዝቢ ዝደልዮምን ዝብህጎምን፣ ከም መለለዪኡ ገሩ ዝኣምነሎምን ንዋየ ታሪኽን ቅዱሳትን ሓንቲ ሃግር ዝኣመሰሉ፣ ምናልባት ካብ ገለገለ ድሑር ነገራት ኣንተድኣ ተለልዩ፣ ብግቡእን ብድልየት ህዝብን ክጽግኖን ከማዕብሎን ግቡእ እዩ። ካብኡ ሓሊፍፉ ግና ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም እንዳተወራረሱ ዝጸንሑ፣ ንቡራት ጸጋ ሃገር   ብባዕዳውያን ተማዒድካ፣ ብጸረ ንቡር ፣ ብደም ንጹሃት ሪቮሊሽ ኣካይድካ፣ ነቲ ንቡር ኣብዘይ ንቡር እንተድኣ ትቕዪሮ ኰንካ፣ ጥዕና ዘለዎ ለውጢ ኣምጺእካ ማለት ኣይኮነን።

Image result for Eritrean flag

ካብ 1952 ክሳብ 1961 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረት ባንዴራ ኤርትራ

Image result for Eritrean flag

በቲ ብ1976 ዓ.ም.ፈ. ውድባዊ ጉብኤ ህ.ግ.ሕ.ኤ. ዝጸደቐ ወሳነ ባንዴራ  እዚኣ ብ 3 መኣዝናት ዝቖመትብባንዴራ ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ስለምንታይ ግና 3 መኣዝናት ዝበዝሓ ባንዴራ ክትከውን ተደልዩ።

ህግደፍ ኣብ ሥልጣን ምስደየበ፣ ነታ ብውድባዊ ጉባኤ ዝተወሰነት ግንከኣ ኮኾብ ኣብ ማእከላ ዝነበራ ጠንጢኑ፣ ነታ ብ3 ኩርናዓት ዝቖመት ጨርቂ ጥራይ ኣዳልዩ፣ ኩሉሰብ ከምዝፈልጦ ግና ኣብታ ጥንታዊት ባንዴራ ፈደረሽን ኤርትራ ሓምላይት ወይ ጥልልቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እዩ ዝነበራ። ሓቂዶ ሓሶት?

መሃንድሳት ህግደፍ ግና ጸረ ድልየት ህዝቢ ስለዝኾኑ፣ ነታ ኦሪጂናል ገዲፎም፣ ነቲ ሓምላይ ቆጽሊ ምልክት ብዝነቐጸ ብጫ ቆጽሊ ቀዪሮም፣ ሰኒዖም ሰናኒዖም ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ አርትራ   “እነሀልኩም በሉ ባንዴራ ሓዳስ ኤርትራ”! ኢሎም  ኣፍሊጦሞ።

Image result for Eritrean flag

እዚ ኩሉ ኣሉታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ምቅዪያርስ ስለምንታይ ተደልየ?

ንመረድኢ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ወያኔ ካብተን ካብ ጢንት ጀሚረን 14 ክፍሊሃገራት

ዝብሃላ ዝነበራ ኣብ 9 ክልላት ሰናኒዑ ቀዪሩወን ፣

ኣብ ኤርትራ ድማ  ነተን ካብ ጥንቲ ጀሚረን  8 ኣውራጃታት ዝነበራ፣ ህግደፍ ጎየ ግና aaልዒል ኣቢሉ  ኣብ 6 ዞባታት ጎዛዚዩ ንህዝቢ ኣዊጂሉ።

ነዚ ውዲት እዚስ መንከምዝመሃዞ ትፈልጡዎዶ?  ብስነኣእምራዊ ሜላ ገሮም መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም ምሂዞሞ። ባንቡላታት ህግደፍን ወያኔን ከኣ ብዝይ ሕቶን ርእይቶን ተቐቢሎሞም።