ምዕራፍ 32
ታሪኽናን መንነትናን ፊደላትናን፣ ብሓልዮት መእምር በኽረጽዮን ዝተዳለወ ሃናጺ ዝኾነ ታሪኻዊ ትንተና ብቪድዮ።

ብመእምር በዅረጽዮን

 ብመእምር በዅረጽዮን  ዝተዳለወ ጽማቚ ኣስተምህሮ መበል 32 ምዕራፍ ብጽሑፍ።
ወራር ቱርኪ ኣብ ምድረ ሓብሣ በቲ መሃንድስ በዅሪ ስለላ ጀርመናዊ ስሙ ብምቕያር መራሒ ቱርካውያን ኮይኑ እቲ ዝተጠመቐሉ ስም ጠንጢኑ፣ ብባሻ (ራእሲ) መሕመድ  ዓሊ ተሰዪሙ ንወራር ቱርኪ ንህዝቢ ሓበሳ ንኽወሩ ብዙሕ እከይ ፍጻሜታት ዝፈጸመ ነበረ።

ብ1820 መትረብ  ስዌዝ ካብ 1859 ክሳብ 1869 ዓ.ም.ፈ. ንኣስታት 10 ዓመታት ዝኣክል ተሃኒጹ። ብ17 ሕዳር 1969 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብወግዒ ተኸፊቱ። እዚ መትረብዚ ካብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክሳብ ህንዳዊ ውያኖስን፣ ብቀዪሕ ባሕርን፣ ብ (ማእከላዊ ባሕሪ ሜዲተራንያን) ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ቅልጡፍ መተሓላለፊ  መትረብ እዩ። እዚ መትረብ እዚ ምስተኸፍተ ሃገራት ዓለም ንኣስታት 6.000 ኪሎሜተር ወይ 3.700 ማይልስ ዝንውሓቱ መጒዕዝያ መራኽብ ከፊቱለን እዩ። እዚ መትረብዚ ንውሓቱ፣ ካብ ሰሜናዊ ተርሚኑስ ወደብ ስዒድ፣ ክሳብ ኣብ ስዌዝ ዝርከብ ደቡባዊ ተርሚኑስ ወደብ ተውፊቕ ይበጽሕ። ንውሓት መትረብ ስዌዝ 193ን ነጥቢ 30 ኪሎመተር ወይ 120.11 ማይልስ እዩ።

SuezCanal-EO.JPG
እቶም ኣብ ምድሪ ሓበሽ ብፍሪማሶንስ ተላእኲም ንህዝቢ ሓበሻ ምድረባሕሪ ዘስካሕክሕ ዕንወት ዘስዓቡሉ ቀዳምት ኤውሮጳውያን ሰለልቲ እዞም ዝሳቡ እዮም፣

1. ጀርመናዊ  ክነሱ ብስም ፓሽ መሓመድ ዓሊ እንዳተጸውዐ፣ ብ1805 ክሳብ 1840 ዓ.ም.ፈ. ከም መራሒ ወራሪት ቱርኪ ኮይኑ ስለላኡ የካይድ።

2. ብ15.11.1869 ዓ.ም.ፈ. በቶም ማሕበር “የሱሳውያን” ቫቲካን ተላኢኹ፣ መንፈሳዊ ተመሲሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽሰብኽ  ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኣተወ። ኣብኡ ሓንቲ ንእሽቶ መሬት ብመንጎኛታት ኣዕራብ ተሓጊዙ ካብ ሓደ ሱልጣን ወዲ ዓፋር ዓደገ። ጸኒሑ ግና ንሓንቲ  ሩቢኔቶ ዝተባህለት ትካል ሃገር ጣልያን ሸጠላ። እታ ሪቡኔቶ እትብሃል ትካል ድማ ካብ 1879 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1883 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ቦታ ክጥቅመሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንኮሎንያል ጣልያን ሸጠትላ። ካብኡ ኮሎንያል ጣልያን ሰራዊትን ኣጽዋርን እንዳጓረቱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብኡ ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ክዓርዱ ጀመሩ።

3. ቬርነር ሙዚንገር ዝተባህለ ሰላዪ ወዲ ስዊዘርላንድ፣ ምስ ወራር ግብጺ ኮይኑ፣ ወራር ግብጺ ዝዓደመ ሰንካም ሰላዪ ነበረ። እቲ ሰላዪቲ ኣብ ከተማ ከረን ንሓንቲ ብለነይቲ ተመርዕዩ፣ ቋንቋ ትግሪኛን፣ ትግረን ብሌንን ዓረብን ካልኦት ብዙሓት ቋንቋታት መሊኹ ክዛረብ ዝኽእል ገዲም ሰላዪ ነበረ።
እቶም ፍሪሜሶን ዝብሃሉ ስዉራት ማሕበራት ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ሃገር ጀርመንን እንግሊዝን ዝነብሩ ዝነበሩ፣ ከምኡውን እዚ ሎሚ ቫቲካን ዝብሃል ዘሎ ማሕበር የሱሳውያን ምስኦም ተላፊኑ፣ ንኹሎም ሰለልትን ወረርትን፣ ንኣብነት ብ615 ክሳብ 750 ንወራር ኣዕራብ ፣ ንወራር ቱርኪ፣ ንወራር ማህዲ ከምኡውን ንወራር ኮለንያል ጣልያን ዝልእኩዎም ዝነበሩ ንሶምዮም።  ካብ 16  ዘመን ክሳብ 17 ክፍለዘመን  እቲ ብ ሱለይማን ዝተባህለ ንጉስ ዝምራሕ ግዝኣት ቱርኪ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ነበረ።  ኦቶማን ሞናርኪ ክሳብ ማእከላይ ኤውሮጳን ክሳብ ካውካሱስን ሰሜን እፍሪቃን ክሳብ ገማግም ቀዪሕ ባሕርን ስዋኪንን ወረሩ። ወራር ቱርኪ፣ ንምድረ ሓበሻ ንኽቆጻጸሩ ድማ ብዙሕ ፈተኑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ቅድሚ ምስዓሮም ግና ብጅግና ህዝቢ ምድረብሓሪ ብፍላይ እኳድኣ በዚ ሎሚ ኤርትራ ዝብሃል ሃገር ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ተሳዒሩ ወጸ።

ኣስተብል፣ ኤውሮጳውያ እምብኣር፣ ንህዝቢ ሓበሣ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ፣ ካብ ሓደ ሽሕ ዓመት ዘይውሕድ ግዜ ብተፋላለዪ ውዲታት ክጻብኡዎ ጸኒሖምዮም። ንሃይማኖት ክርስትና ምስልምናን ዝመሃዙን፣ ነቲ ብቋንቋ ግሪሕ የሱስ ብቋንቋ ዕብራውያን ይሁድ ድማ ዞሥዋ ዝብሃል፣ የሱስ ክርስቶስ ኢሎም፣ ብሳኣላይ ሚካኤል ኣንጄሎ ስኢሎምን ኩሓሒሎምን እዚዩ ኣምላኽኩም ኢሎም ነቲ ርቱዕ ሃይማኖት ህዝቢ ሓበሻ ዘርከሱዎ ንሶም እዮም። እቶም ዕዳጋ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣካይዶም ገንዘብ ዝድልቡ ዝነበሩውን ተራ ኤውሮጳውያን ዘይኮኑ ኣEውሮጳውያን ዝመስሉ ይሁዳውያንን ፍሪሜሶንን ቫቲካንን እዮም ዝነበሩ።

ሎሚ ድማ፣ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን ግና ሜልኦም ብምቕያር፣ ብስነኣምራዊ ሞያን ብሃይማኖትን ብሶሻል ኢንጂነርን ዝሰልጠኑ ፈሊጣውያን (Elites) ብምስልጣን፣ ብኣዝዩ ዝረቐቐ ሜላ ብገረብ ብሓኽላ ገሮም፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተወልዱ ከድዓት ደቂ ሃገር መልሚሎም፣ ከም ውድብ ወያኔን ሻዕብያን ኣዋፊሮም ንህዝቢ ሓበሻ ኣላሽ ከብሉዎ ገልዳህ ይብሉ ኣለው።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 5 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም.ፈ.

(ምእራፍ 33)  ምዕባሌ ቅድመ ታሪኽ ቋንቋን ፅሑፍን ኤርትራ

Pre-historic development of the Languages & Scripts of Eritrea
ፊደል  = ረ = መንነት ተጋሩ