ግፍዒ ካብ ምፍጻም ተሓሎ፣ ግፍዒ ምፍጻም፣ክብሪ ክቡራት የዋርድ፣ሓይሊ ሓያልት ከኣ የድክም፣ ቤቶም የፍርስ፣ ሃብቶም የጥፍእ፣ ዕድሚኦም ድማ የሕጽር። (ብሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቕባገርጊስ)
ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምልከት ብሂል…..።

ድሕሪ ጽላለ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ፋሉል ኢሰያስ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝፈጸሞ ብመጎታዊን፣ ብሕጋዊን ኣገባብ ክቃወሙዎ ይርኣዩ ኣለው እሞ፣ እስከ ሓበሬታ ንምርካብ፣ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ቪድዮታት ከኣ ተኻታተሉወን።

ድሕሪ ኣጽናቲ ፈኸምታ ጽልኢ ዳንኬራ ሓዲስ ፍቕሪ መዓልቦኡ ኣበይ!!!

ረጋይ ሓጎስ ብዛዕባ ናይ ሎሚ ናይ ኢስያስ ምብጻሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ
ERITREAN NEWS 2018

ስዉኣትና ዝተሰውኡ፣ ነቲ መርዓን ሕጸን ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ንኽርእዩ ኣይኮኑን።

ኣዋሳንካብ ዕለታት ሓደ ግዜ፣ ሓደ ጽሉል ጽላሌኡ ብሓኪም ዝተመስከረሉ፣ ኣብ ኣከባቢ ሓደ ቀላይ ክዛወር ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቀላይ ክትጥሕል ከላ ርኣያሞ፣ ቀልጢፉ ነታ ሰበይቲ ካብ ምጥሓል ኣድሒኑ ካብቲ ቀላይ ኣውጺኡ ኣድሓና። ካብኡ እቲ ሓኪም ነቲ ጽሉል ከምዚ በሎ፣ “ንስኻ ሓደ ዓቢ ድሕነት ገርካ፣ ንሓንቲ ሰበይቲ ካብ ሞት ኣድሒንካያ፣ ስለዚ ንስኻ ሓዊኽእ ኢኻ ክብሕጂ ንነው ጽሉል ኣይኮንካን፣ ግን እታ ዘድሓንክያ ሰበይቲ ተሓኒቓ ሞይታ” በሎ. እቲ ሓዊኻ ዝተባህለ ጽሉል ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ። “ኣይፋሉን ማይ ጠልቂያ ስለዝነበረት ክትነቅጽ ኢለ ኣነ እየ ሰቒለያ” በሎ። ኣብዚ ከነስተብህሎ ዘሎና፣ እቲ ጽሉል ገና ከምዘይሓወየ ባዕሉ ከምዘረጋገጽ እዩ። ስለዚ ኢሰያስ ድማ ጽሉል ተመሲሉ ኣብ ኤርትራ ን27 ዓመታት ብግዛያዊ መንግስቲ እንዳመርሐ ጸኒሑ። ንኣዲስ ኣበባ ምስከድ ግና፣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ “ካብ ጽላሌኡ እምብኣር ድሒኑ እዩ” ክብል ጀሚሩ። ኢሰያስ ግና ንኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ምስከደ፣ ጽላሌኡ ከምዝገደዶ ተፈሊጡ።

ርእይቶ ደቀባት፣

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ውዲታዊ ፍጻሜ ፣ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝወረደ ዘይኮነስ፣  እንታይድኣ ውጽኢት እቲ ብውዲታዊ መስርሕ መሃንድሳት ጽዮናውያንን፣ ሃጸያውያንን ዝተኣልመ፣ ግንከኣ ን66 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ከረባርቦ ዝጸንሐ እከይ ውዲታዊ ፕሮጀክት እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ጽዮናውያን ብድሎ ከይትዕሎ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይ ስዕሩዎ ስለዘዘረጋገጹ፣ ብገርብ ብሕእኽላ (ንተንቤናዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ)  ከም ልጓሙ ዝበተኸ ፈረስ ገሮም፣ ነቲ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራን፣ ልዑላውነት ሃገር ኤርትራን  ክግህሱዎ ከለው ንዕዘብ ኣሎና። ስለዚ ንሕና ነዚ ተገንዚብና፣ ከይተጻረፍና፣ ብለባምን ሕጋዊን፣ መጎታዊን  ዝኾነ መኸተ ገርና ክንምክት መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ነዚ ወሩዱን ዘሎ ውርደት ኩላትና ደቀባት ኤርትራ ኩሉ ግርጭታትና ኣወጊንና ምእንቲ መንነትናን ልዑላውነት ሃገርናን ክንምክት ኣሎና።

 

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.