ምስ ምቕልቃል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፣ ኣቢይ ኣሕመድ፣ሕቡእ ርክባት ኢሰያስን ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ኣሜሪካን ዛጊት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣቐዲሙ ሰላዪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንሓያሎይ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ብመደብ መንግስቲ ኣሜሪካ ብሱዳን ኣቢሉ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ ጉዳይ ስለላዊ ተልእኾኡ ንከካይድ ብመደብ ወፊሩ። ጸኒሑ ድማ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ). ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመንጢሉ፣ከዳማይ ጽዮናውያን ኮይኑ ንኸገልግሎም ብመደብ ሓጸዩዎ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ መስርሕ ስለላዊ ስርሓት ኢሰያስን፣ ሪቻርድ ሚልስ ኮፖላንድ ዝተባህለ ወኪል ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሽዑ እዋን ኣብ ራድዮ መሪናዮ ኣስመራ ዝነብረ፣ ብመደብ ተታሓሒዙዎ ከምዝነበረ፣ ሒዳሪናይ ተስፋ-ሚካኤ ጆርጆ፣ ነቲ ጉድ ኢሰያስ፣ ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ.ን ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ደርግን፣  ብግህዶ ከምዘቃልዖ ብዙሕ ሰብ ዝዝክሮ ሓቂ እዩ። እቲ ብነፍሰሄር ተስፋ-ሚካኤል ጆርጆ ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ ሰነድ ኢሰያስን ሲኣይኤን፣ ንዕድመ ስልጣን ኢሰያስ ንምሕጻር ዓቢ ተራ ከምዝነበረሮ ብምግማት፣ ብረቂቕ ውዲታዊ ስለላዊ መጽናዕቲ መሃንድሳት ማእከላይ ስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ፣ ኢሰያስን፣ ንነፍሰሄር ተስፋ-ሚካኤል ጆርጆ ብ1992 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ቀትሪ ምድሪ፣ ብድምጺ ዘይብላ ሽጉጥ ተረሺኑ። ካብኡ ንድሓር እምብኣ ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ነዚ ሎሚ ዝፍጽሞ ዘሎ ባርባራዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኽቕጽሎ ዕድል ረኸበ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ እምብኣር ከምቲ ብጎይቶቱ ዝተዋህቦ ፕሮጀክት፣ ዋላኳ ወግሐ ጸብሐ ንህዝቢ ነኸታልል፣ ኣሜሪካ ዘርያትና፣ ኣሜሪካ ሽንጪራትና እንዳበለ ክዓፍር እንተተሰምዐ፣ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ተኸዊሉ፣ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤል  ብስዉርን ብግህዶን ርክባትን ውዕላትን ክፍጽም ጸኒሑ እዩ።

ንመረዳእታ፤

1ይ. ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ምስ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ቡሽ ኣብ ካርቱም ብምርኻብ፣ ምስ ወያኔ ተላፊኑ ንጀብሃ ካብ መሬት ኤርትራ ንኸልግሳ ተሰማሚዑ። መረጋገጺ ብ1980 ጆርጅ ቡሽ ምክትል ወይ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሮላንድ ሬጋን ከሎ፣ ንሱዳን መጺኡ ንኢሰያስን ንመለስን ከምዝተራኸቦም ተፈሊጡ። ዋላኳ ሽዑ እዋን እቲ ምስጢር እንተዘይተጋለጸ፣ ውጽኢቱ ግና ጀብሃ ብ1982 ምስ 40 ሽሕ ሰራዊታ ካብ መሬት ኤርትራ ንሱዳን ግዒዛ።

2ይ. ብ1985ን 6ን ምስ ፕረሲደንት ጂሚ ካርተር ብምርኻብን ውዕል ምግባርን፣ ንመንግስቲ ደርጊ ምስ ወያኔ ተላፊኑ ንክስዕር ውዒል ኣትዩ። ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብሓገዝ መንግስቲ አሜሪካ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነስመራ ክቆጻጸር ከሎ፣ ወያኔን ድማ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተሓናጊሩ ንኣዲስ ኣበባ ተቖጻጺሩ።

3ይ. ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ምስ ሄርማን ኮሄን፣ ምስ ነፍሰሄር መለስ ዜናዊን፣ ኣብ ከተማ ለንደን፣ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ ግንከኣ ሎሚ ዝግሃድ ዘሎ ስዉር ውዕል ተዋዓኢሉ እዩ።

4ይ. ኣብዚ እዋንዚ፣ ምስ ብዓል መን ምዃኑ እኳ እንተዘይተገልጸ (ሀርማን ኮሀን ኣብቲ ጉጂለ ምህላዉ እኮ ዘይተርፍ እዩ።)  ብዙሕ ሕሹኻት ብስዉር ይግበር ከምዘሎ ምንጪታት ዜና ሓቢረን ኣለዋ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብውዲት ኢስያስን ኣሜሪካን ዝካየድ ዘሎ ሕሹኽ ብምዓልቱ ግና ክግሃድ እዩ።

5ይ. መንግስቲ ኢስራኤል ዝውጽኡሉ ፕሮጀክ ዋርሳይ እከኣሎ (ኮንሰንትረሽን ካምፕ…. ሳዋ) ኣብ ስልጣኑ መታን ክጸንዕ ንመንእሰያት ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ከምዝጓረቱ ምግባር፣ ረቂቕ ብሞሳድ ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክት እዩ።

6ይ. ዕደና ወርቂ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ እዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ዝኾነት ትኹን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ካብ መሬት ኤርትራ ወርቂ ክትኩዕት እትደሊ ትካል፣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንንያ ከይፈቐደትላ ክትኣቱ ኣይፍቀደላን እዩ።

ኣስተብህሉ፤ ጽዮናውያን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ወራር ቱርኪ፣ግራኝ፣ግብጺ፣ ካብ ሱዳን ንመተማ ወራር ማህዲ፣ ኮሎንያል ጣልያን፣ ኣብ ኲናት ዶጓሊ ብ27.01.1887 ዓ.ም.ፈ. ምስተሳዕረ፣ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ግና ብውዲታዊ መጽናዕቲ  መሃንድሳት ስለላ ዓባይ ብሪጣንያ ነስመራ ተቖጻጺሩዋ። ካብኡ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ብዓባይ ብሪጣንያ ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ብሕፍረት ንዓዱ ምስተዓዝረ። ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነጻ ሃገር ትኸውን፣ ብፍላይ ብመንግስቲ ኣሜሪካ፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከምትጽምበር ውዲታዊ ውሳኔ ተወሲኑ። ድሕሪኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ ጀሚሩ። ኣብቲ ሰውራ ኤርትራ ግና ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተመልመሉ “ኤርትራውያን “ሰለልቲ ንሳሕልን ንባርካን ወፊሮም። ሓደ ካብኦም ከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። እንሆ እምብኣር እዚ ሰብዚ፣ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ጽዮናውያን ንኸተግብር፣ድሕሪ ክንደይ ምርብራብ፣ ኣብዚ እዋንዚ፣ ምስ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኣሜሪካ ሕቡእ ርክባት ይገብር ኣሎ። “ዘይ ወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ” ከምዝብሃል ግና፣ ጽባሕ ብጊሓት እቲ ሕቡእ ዝነበረ ኣጀንዳ ኢሰያስን ኣሜሪካ ክግሃድ ከምዝኾነ ዘይተርፍ እዩ።

ሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕምሉ፣ ሰይቲ ጸማም ከኣ ብኾፉ ይጽውዑሉ።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
16 ሚያዝይ 2018 ዓ.ም.ፈ.