1. መሓመድ ሓምድ (ግዳም ሓደር ወይ ከኣ ግሬነት)
2. ኮሎኔል ክብሮም ዳኘው ዘሚካኤል (ወዲ ኣቸቶ)
3. ኮሎኔል ጊላይ ተወልደመድህን ተላ፡

ኣብ ትሕቲ “ምእንተ’ቶም ጨካናት ሓራምዝ ዝሓለፉ መሳኪን ኣጓብዝ” ዝብል ኣርእስቲ ንኣጠፋፍኣ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ኣመልኪተ፡ ብ5ተ ክፋላት ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፍ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ተባጺሑ ብዙሓት ምስገናናን ኣድናቖትን ገሊጽኩምለይ ኢኹም፡፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩኹም፡ ኣብ ዝቕጽል ብቪዲዮ ዝተሰነየ ሚስጢራዊ ሰነድ ከቕርበልኩም እየ፡፡ ንሎሚ ናይ’ቶም ኣብ ጉዳይ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ገለ ኣሳእል ይፍንወልኩም፡፡ ከምቲ ዝሓበርኩኹም፡ ኣብ ድብሪ ኣቡነ መንቀርዮስ ሳምሶን ብጾቱን ንምሓዝን ንምጥፋእን፡ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሳተፉ ቐንዲ ሓለፍትን ህልዋት መሰኻኽርን ’ዞም ዝስዕቡ’ዮም፡፡

  1. መሓመድ ሓምድ (ግዳም ሓደር ወይ ከኣ ግሬነት)፡ ኣብ 1980ታት ናብ ህ.ግ ዝተሰለፈ ኣብ ክ/ሰ 38 መራሕ ቦጦሎኒ ዝነበረ ተጋዳላይ’ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ሰሚራ ምስ ዝተብሃለት ሓዳር ጌሩ ቆልዑት ወሊዱ’ዩ፡፡ ካብ ሓይልታት ተሳሒቡ ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መፋርቕ 2000 ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ዓረዛ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ኣብ መወዳእታ 2007 ኣብ ጉዳይ ሳምሶን ነታ ዝተሓብአላ ድብሪ ዝጠቆመን ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት’ውን ዝተሳተፈ’ዩ፡፡ ድሕሪ’ዚ ፍጻመ፡ ካብ ኢሳይያስ ሞጎስን ናእዳን ረኺቡ፡ ፈለማ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ዓዲቀይሕ ኮይኑ ተመዚዙ፡፡ ብሰንኪ ድሑር ቀቢላዊ አተሓሳስብኡ፡ ሕጽረት ትምህርቱን ተሞኩሮኡን ንዓመታት ኣብቲ ን/ዞባ ዝነበሩ ሓለፍቲ ጨንፈር ፋይናንስ፡ ክፍሊ ልምዓትን ህዝባዊ ርክባትን ካብ ስርሖም ብምእላይ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ዝነበረ መሓሪ ወልደሚካኤል ምስሕሓብ ገይሩ ኮነ ኢሉ ኣደስኪልዎ’ዩ፡፡ ንህዝቢ ን/ዞባ ዓዲቀይሕ ከከላብት ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ መወዳእታ ንዝለዓለ ሓላፍነት ተመዚዙ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽባርካ ኮይኑ፡፡ ኣብ እዋን ፍጻመ ፎርቶ (21 ጥሪ 2013) ከኣ ምስ በዓል ሙስጠፋ ኑርሑሴን ምትእስሳር ኣለካ ብዝብል ንዝተወሰነ መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ማእሰርቱ ካብ ስርሑ ተኣሊዩ ደስኪሉ፡፡ ሕጂ ኣብ ኣቑርደትን ባረንቱን ግዳይ መስተን ትንባኾን ኮይኑ ከም ጽሉል በይኑ እንዳተዛረበ ይረአ ኣሎ፡፡

  2. ኮሎኔል ክብሮም ዳኘው ዘሚካኤል (ወዲ ኣቸቶ)፡ ኣብ ኦርኒካት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርከብ ሰነዳት 1974 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከምተሰለፈ ይገልጽ፡፡ ብወትሃደራዊ ቁጽሪ 74-1822 ተመዝጊቡ ዝርከብ ወዲ ኣቸቶ፡ ደረጃ ትምህርቱ 10ይ ኢዩ፡፡ ኣብ እዋን ፍጻመ ነጋዳይ ሳምሶን ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ዝነበረን ብቐጥታ ነቲ ስርሒት መሪሑ፡ ንትእዛዝ ኢሳይያስ ብቐጥታ ተቐቢሉ፡ ሳምሶን ብኣባላቱ ክ/ሰ 31 (4ይ ብርጌድ) ክቕተል ዝኣዘዘ ሓላፊ’ዩ፡፡

  3. ኮሎኔል ጊላይ ተወልደመድህን ተላ፡ ብወትሃደራዊ ቁጽሪ 75-8034 ዝተመዝገበ ብ1975 ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 23 ኮይኑ፡ ኣብ 2007/08 ኣዛዚ ክ/ሰ 11 ብምኻን ነቶም ካብ ደብሪ ኣቡነ መንቀርዮስ ዝሃደሙ ክልተ መንእሰያት (ተኽለን ኣስገዶምን) ብምሓዝ ዘረከቦም ኢዩ፡፡

    ምንጪ ሓበሬታ sacttism.com/