ኣብ ወርሒ 11/2006 እዩ፡ ፈለማ ብፕረሲዳንት ኢሳይያስ እቲ ሓሳብ ዘንቀለ–ምቋም ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ካብ ህዝቢ ዝኽውሎ ሓያል ሕርቃን ስለ ዝነበሮ ሓደ መዓልቲ ንጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፡ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ፡ ሜ/ጀ ሑሞድ መሓመድ ካሪካረ፡ ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን (ሻለቃ)ን ብ/ጀነራል ከስተብርሃን ገብረሂወትን ጸዊዑ ብዛዕባ ምቋም ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት ብፍላይ ከኣ ካብ ኢንተርኔት ዘውጽኦ ናይ ኣመሪካ ሚሊታሪ ኣካዳሚ ከም መወከሲ ተጠቒሙ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ኣኼባ ገበረሎም፡፡ ጀነራል ስብሓት እውን ንናይ ሜዳ ተሞኩሮታት መሰረት ገይሩ ብዛዕባ ኣድላይነት “ጥሙር ወተሃዳረዊ ኣካዳሚ” ተንቲኑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ መጽናዕታት ንምቋም ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሓላፍነት ዝስከም ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስለዝኾነ “ተኽላይን ነጋሽን ኪኢላታት ወዲብኩም ኣድላይ ቅድመ መጽናዕቲ ገይርኩም ኣቕርቡልና፡፡” በለ፡፡

ብከምዚ መልክዕ ዝተጀመረ ውጥን ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት ዲሒሩ’ውን ካብ ስርዓት ሃይስላሰ ጀሚሩ ተሞኩሮ ዘለዎ ምክትል ማ/ስ/ሓ/ም/ኤርትራ ዝነበረ ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ነቲ ውጥን ክመርሕ ሓላፍነት ተዓደሎ፡፡ ብመሰረት”ዚ ብ/ጀ ነጋሽ ተስፋጽዮን 17 ኣባላት ዘለውዎ መጽናዕታዊ ጉጅለ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ (Eritrean Military Academy Research group) ኣጣይሱ ናብ ስራሕ ኣታወ፡፡ (ኩነታት ዝርዝር ኣባላት እዛ ጉጅለ ንመጽናዕትን ትንተናን ትደልዩ ነበብቲ ብ INBOX ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም፡፡)

መምርሒ ካብ ኢሳይያስ ወሪዱ ስለ ዝነበረ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ግንባር ኣድላይ ድጋፍ ገይሮምሉ እዮም፡፡ ከም ኣካል መጽናዕቲ እውን ኣብ ደገ ንዝርከቡ ሓድሓደ ሙሁራት ዜጋታት ማተርያላት ክእክቡን ክልእኹን ብዝተፋለለየ መገዲ ተሓበሮም፡፡ ስዒቡ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬምን ብ/ጀ ነጋሽ ተስፋጽዮንን ዝመርሕዎም ብጠቕላላ 9 ኣባላት ዘለውዎ መጽናዕታዊ ጉጅለ ክልተ ሻዕ ናብ ፓኪስታን ሕቡእ ወተሃደራዊ ዑደት ኣካይዶ፡፡ ክቡራት ነበብቲ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ብወተሃደራዊ ዓውዲ ግዜ ዝጠልቦ ደረጃ ምዕባለ ክትብጽሕ ግቡእ ኢዩ፡፡ ሃገርና ኤርትራ ውን ብወተሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉ ዓውድታት ክትምዕብል ናይ ኩሉ ዜጋ ባህጊ እዩ፡፡ ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት ኤርትራ ካልኦት ቀዳምነታት ንጎኒ ሓዲግካ ዝተወጠነ ስሚዒት ዝዓብለሎ (Ambitious) ኣብ ክውንነት ዘይምርኮስ፡ ስለዝነበረ እንሆ ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ባይታ የለን፡፡

ብሰንኪ ፖሊሲን ምሕደራን ኢሳይያስ እቲ ላህመታዊ ዝኾነ ሃገር ክሃንጽ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ ናብ ሰድት ተቐሰቡ፡ ሃገር ባዲማ ይትረፍ ውጥን ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኩሉ ልምዓታዊ መደባት ሃገር ደስኪሉ እዩ፡፡ ውጥን ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢሳይያስ ንምትግባር ተባሂሉ ፈለማ ኣብ ወርሒ 9/2012 ኣስታት 20 ዝኾኑ ተምሃሮ ማይ ነፍሒ ብፍሉይ ቆላሕታ ኢሳይያስ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ብምልኣኽ ክመሃሩ ተገይሩ፡፡ ዛጊት ካብዚኣቶም ድሕሪ ምርቓ ልዕሊ ፍርቂ ጠፊኦም እዮም፡፡ ፔጅ ሳክቲዝም ቅድሚ ምጻዋ ኩነታት እቶም 7 ዝጠፍኡ ካዴት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ብመረዳእታ ተሰነየ ሓበሬታ ዘረጊሓ ምንባራ ይፍለጥ፡፡

ኩነታት ሃገርና ብግቡእ ንዝርደኦን ንዝትንትኖን ሰብ ስርዓት ደርግ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድቀቱ ክንዲ ናይ ህግደፍ ዝኣክል ምልክታት ዕርብት ኣየረኣየን፡፡ ብስም “ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ ሽርሒታት ወያነ፡ እገዳ..” ዝቐርብ ልሙድ ምኽንያታት ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ፡፡ ሃገር ናብ ደልሃመት ትዓርብ ኣላ፡፡ ኢሳይያስ ምስ ሒደት ሰዓብቱ ይዓርብ ኣሎ፡፡ መርኣያ ምልክት ዕርበቱ ዝኾነ ሓደ ኣብ ወረቐት ዝተረፈ ሰነድ ”ውጥን ምቋም ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት” ንሎሚ ብስእሊ (Picture) የቕርበልኩም፡፡