እቲ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዝርከብ ክፍሊ ሓበሬታዊ ቴክኖሎጂ (IT-ሳይበር ቴክኖሎጂ) ህግደፍ፣ ግንከኣ ብኤርትራውያን ክኢላታት (IT) ኢንጅነሪታት ዘይኮነስ፣ ብህንዳውያንን ካልኦት ወጻእተኛታት ዜጋታትን ዝካየድ ትካል (IT)  ህግደፍ፣ ብመንነቶም ዘይፍለጡ ጠለፍቲ ሶፍትዌር (ሃከርስ) ከምዝተጠልፈ ምንጭታት ምዓከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ብዕለት 5ን 6ን ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዘጋጠመ ሳይበር ኣታክ፣ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝኾነ ሰነዳት ስለላ መርበብ ህግደፍ ከምዝተጠልፈ እዩ ዝፍለጥ።

ብሰንኪዚ ምስጢራዊ ጠለፋ ሳይበር ኣታክ እዚ ድማ፣ ንቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓዳስ ኤርትራ ይኹን ንላዕለዎት ሓለፍቲ ስለላ መርበብ ህግደፍ ድቃስ ከሊኡዎም ከምዘሎ ተጋሂዱ። ነዚ ጠለፋ እዚ ዘካየዱ ክኢላታት ፕሮፈሽናል ጠለፍቲ ሃከርስ ከምዝተኻፈሉዎ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ሃንንደበታዊ ጠለፋ ሳይበር ቴክኖሎጂ እዚ፣ ነቲ ምስጢራዊን ስዉርን  ሰነዳት ህግደፍ ከቃልዖ ክኢሉ ኣሎ። ብዙሕ ሰነዳት እቶም ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ከምዘሎን፥ ሓያሎ ካብቶም ሰነዳት ድማ በቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሃከርስ ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ብዘይ መፍትሕ ጋህ ኣቢሎም ከምዝገደፍዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፣ ብዘይ ፓስዎርድ ኣብቲ ግዕዙ ማዕከን ሓሶት ህግደፍ ክእቶ ከምዝከኣል እዩ ዝሕብር።

እቲ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፣ ብፍላይ ብዕለት 5ን 6ን ታሕሳስ ብዝሰዓበ መጥቃዕቲ፣ ክፍሊ ሓበሬታዊ ቴክኖሎጂ ኢህግደፍ፣ ማለት እተን ስለላን ኮለላን ዘካይዳ ኣብየተ-ጽሕፈታት ኢህግደፍ፣ ካብ 16 ስዓታት ንላዕሊ ዝኣክል፣ ካብ ስለያዊ ኣገልግሎተን ኣቋሪጸም ምንባረን ተፈሊጡ። እቲ ምስጢራዊ ሳይበር ሰነዳት ድማ ብረቂቕ ሜላ ከምዝተሰርቀ ተረጋጊጹ። በዚ መኽንያት እዚ እቲ ዝልዓለ ጭፍራ ምስጢራዊ ኣከዛዲ ስርሓት ስለላ እህግድፍ ኣዝዩ ርዒዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ብተወሳኺውን፣ ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ክፍሊ ሓበሬታን ካርታን፣ እንተኾነዉን ሃከርስ ኣዝዩ ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶን፣ ከምኡው ስትራተጂካዊ ሓበሬታታት ከምዝተሰርቀን ተፈሊጡ። ምናልባት ጉዳማት እንዳ ህግደፍ ጎጉዱ ንቀሺ ስለዝኾነ ስርሖም፣ ነቲ ሃከርስ ዝፈጸምዎ ፕሮፈሽናል ስጉምቲ፣ ንወያነ የላግቡሎም ይኾኑ።

እዚዶ ደይዚ! እንዳ ህግደፍ ዋላኵ ክሳብ ሎሚ ሳላ  ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ እስራአልን፣ ኤምኣይ 6ን፣ ፕ2 (P2) ፐዱወን ተሓጊዞም ሰለይ ክብሉ እንተጸንሕ፣ ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ ከምዝብሃል ግና፣ እቲ ብትምክሕቲ ስለላን ኮለላን ዝዕንድሩሉ ዝጸንሑ መድረኽ ሓደ መዓልቲ ከብቅዕ ከምዝኽእል ብልክታት ጥፍኣቶም  እንሆ ዛጊት  ጀሚሩ ንርእዮ ኣሎና።

ምኸሮ ምኸሮ እንተዘይ ሰምዔስ መከራ ይምከሮ። አረ ጌና፣ ህግደፍሲ እዚዶ በዚሑዎ፣ ብሕጂውን ካልእ ክንሰምዕ ኢና።

 

መርበብ ሓበ®eታ ደቀባት-ኣግኣዝያ 06 ጥሪ 2016 ዕ.ም.ፈ.