A protectorate Country= is a situation in which a powerful region or people controls the foreign policy and international relations of a tributary vassal state while allowing the subservient nation internal autonomy

ሕጽር ዝበለ ትርጉም፣ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻርን፣ ምክልኻልን፣ ሓለዋን ባዕዳዊ መንግስቲ ኮይና፣ ግንከኣ ልዑላውነት ዘይብላ ሃገር ብስዉርን ግሁድን ትግዛእ፣ ውሽጣዊ ኣውቶኖሚ ግና ዝወነነት ሃገር ማለት እዩ።

US protectorate country =ኣብትሕቲ ምቍጽጻርን፣ ምክልኻልን፣ ሓለዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነት ልዑላውነት ዘይብላ ሃገር ማለት እዩ።

 እዘን ኣስማተን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሃገራት፣ ብመሰረት “ዓለምለዊ ሕጊ“ (“International Law“) ማለት መራሕቲ ኣሜሪካ ብውዲት ንረብሓ ኣሜሪካ ክብሉ ምስ ነፍሲ ወከፍ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ብፍሉይን ውዲታዊን ውዕላት ዝገብሩሉ ሕጊ ማለት እዩ።

እዘን ሃገራት እዚኣተን፣ እቶም መራሕቶም ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዝብሃል ጉልባብ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ተወዓዒሎም ፈሪሞም። እተን ሃገራት ድማ ብውዕል ተቐይደን ክሳብ ሎሚ ብስዉር ዝግዝኣ ዘለዋ ሃገራት እየን። ኣብ ትሕቲ መጕዚታዊ ሓለዋ (US protectorate) ዝርከባ ሃገራት ከኣ ይብሃላ ። ብገርሀኛ ህዝቢ ዓለም ግና ይኣይ ከም ልዑላውነት ዘለወን ሓራ ሃገራት ኮይነን እየን ዝርኣያ ። ውሽጠን ግን ሉቕሉቕ መቋብር እዩ። ኢትዮጵያ ድማ ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ንሳተን ድማ፣

ደቡብ ቬትናም፣ታይዋን፣ጃፓን፣ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ኢራቕ ሊብያ፣ ሶርያ፣ኮሶቮ፣ኣልባንያ፣ ሎሚ ድማ ኣፍጋኒስታን። ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ግና ነዚ ተቓዊሙ ገና ኣንጻር ዘይፍትሓዊን ጸረ ልዑላውነት ሃገሩን ይምክት ኣሎ

 ንመረዳእታ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ስዉር ውዕል ምስ መንግስቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪትጣንያን ተዋዓዒላ እያ። ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ እንተኾነርውን፣ ንስሙ ድኣ እዩ ምስ ሶቪeት ሕብረት ከምዝነበረ ዝፍለጥ እምበር፣ ብስዉር ግና ኢትዮጵያ እቲ (US protectorate) ዝብል ውዕል ኣይተደምሰሰን ነይሩ። ሎሚ ከኣ ብዓቢኡ መንግስቲ ህኣዴግ ነቲ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ኣራት ኪሎ ዝጸንሐ ውዕል ኣይደምሰሶን፣ ብቐጻሊ እዩ ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገዝእ ዘሎ። ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንተድኣ ኮና ግና ዘኢትነገር እዩ። ኤርትራ ብሱሩ ሓንቲ ሕዛእቲ ንብረ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብፍላይ እኳድኣ፣ እስራኤልን ኮይና እያ ንይምሰል ብሓደ ሕገ-ኣልቦ ልኡኽ ባዕዳውያን መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝባ ዝሳቐ ዘሎ፣ ግንከኣ ልዑላውነት ይኽን ውሽጣዊ ኣውቶኖሚ ዘይብላ ግዳይ ጽዮንነት ዝኾነት ብባህርያዊ ጸጋ ዝበልጸገት ሃገር እያ።

 እወ፣ እተን ንስሙ “ዓለምለዊ ሕጊ“ (“International Law“ ዝብሃል እከይ ውዕል መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ገና ኣብ ትሕቲ መጕዚታዊ ሓለዋ (US protectorate) ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት፣ ከም ብዓል ጃፓን፣ ታይዋን ደቡብ ኮርያን ግና ብግቡእ ክምዕብላን፣ ንህዝበን ከሰልጥናን ፍሉይ ጉንዖ ተፈቒዱለን እዩ። ከም ብዓል ኢትዮጵያን ኤርትራን ግና ባህርያዊ ጸገኤን እንዳተመዝመዘ ከም ድኻታት ኮይነን ህዝበን ገና ይሳቐ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ዓወት ድሕሪ ስቓይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ግና፣ እቲ ህዝቢ ምስጎደለን ሓርንበኛታቱ ምስ ጸነቱን፣ ኮሎኒ ድሕሪ ስቓይ ኮይነን፣ እቲ መላእ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ምሉ ቍጽጽር ጽዮናውያን ክኣቱ እዩ። መንግስቲ ወያኔን ህግደፍን ኣልሸባብ ሶማልን ድማ፣ ጸረግቲ ጽርግያ ጽዮናውያን (ግሎባላይዘሽን ወይከኣ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ጥራይ እዮም ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው። ጽባሕ ብጊሓት ግና ካብታ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ንመንግስቱ ሃይለማርያምን ዘጋጠመቶም ጽሕፍቶ ዝገደደት ከተጋጥሞም እያ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገደደ ዘሕፍር ታሪኽ ህግደፍን ወያኔን ግና፣ ነቲ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመት ንባዕዳውያን ክምክት ዝጸንሐ፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ እሞከኣ ብመሳፍንትን ነገውስን፣ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይጠፌ፣ ገረብ ብሓኽላ ከምዝብሃል፣ በዞም ክናናን ምናናን እሞከኣ ክልቲኦም ደቂ ኣግኣዝያ ኣጽኒቶሞ ክፋኖው ከለው ጥራይ እዩ።

ልዑላውነት ሓንቲ ሃገር ዝብሃል፣ ብመጽናዕቲ ሕጊ ዝተበጽሐ፣ ምሉእ መሰልን ሥልጣን መንግስታዊ ኣካል ወኒና ነብሳ ክኢላ ብዘይ ምትኣታውህ ባዕዳዊ ሓይሊ እትመሓደር ሃገር ልዑላዊት ሃገር ትብሃል።

(Sovereignty is understood in jurisprudence as the full right and power of a governing body to govern itself without any interference from outside sources or bodies.)

ሓደ protectorate ዝብሃል፣ መብዛሕትኡ ግዜ፣ ውሱን ፍቓደ-ምሕደራ ብኻልኣ ኣገላልጻ ኣውቶኖሚ ዘፍቅድ ክኸውን ከሎ፣ ካብ ኮልኒ ፍልይ ዝበለ እዩ። ትሕዝቶኡ ግና ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ጥራይ እዩ እቲ ትሕዝቶኡ።

(In exchange for this, the protectorate usually accepts specified obligations, which may vary greatly, depending on the real nature of their relationship. Therefore, a protectorate experience rare cases of immigration of settlers from the country it has suzerainty of. However, a state which remains under the protection of another state but still retains independence is known as a protected state and is different from protectorates.)

ልዑላውነት ሓንቲ  ሃገር (A sovereign state)

ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር እትብሃል፣ ብዓለምለኻዊ ሕጊ፣ ዝኾነ ይኹን ባዕዳዊ ኣካላዊ ተጽዕኖ ዘይብላ ሃገር እያ። ኣብ መሬታን ጀግራፊካዊ ዶባታን፣ ባዕዳዊ ወናኒን ተጽዕኖን ዘይብላ፣ መንግስታን ዶባታን ባዕላ ተቖጻጺራን ኣመሓዲራን እትነብር ሃገር ልዑላዊት ሃገር ትብሃል።

A sovereign state is, in international law, a nonphysical juridical entity that is represented by one centralized government that has sovereignty over a geographic area. International law defines sovereign states as having a permanent population, defined territory, one government, and the capacity to enter into relations with other sovereign states.[1] It is also normally understood that a sovereign state is neither dependent on nor subjected to any other power or state.[2]

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ  ደቀባት.ኮም

01 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ.