እቲ ብካድሬታትን ዝውሃብ ዝነበረ ጽውጽዋይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ መደንቆሪ እምበር ፍልጠት ዝህብ ኣይነበረን።

እቲ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ግና ከምዚ ዝስዕብ እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ኣብ  መንነት ደቂ ምድረባሕሪ፣ ኣብ ዋንነት ርስትን፣ ቅዱስ ሃይማኖትን፣ ውርዙይ ባህልን፣ ታሪኽናን ዝተመርኮሰ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልትን ንህዝብን እንተዝቐርብ ነይሩ፣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ገና ኣብ ስሳታት ምተወድአ ነይሩ።

እቲ ሰውራ ኤርትራ ዝብሃል፣ ብባዕዳውያን ዝዝወር ስለዝነበረ፣ እቶም መራሕቲ እተን ጀብሃን ሻዕብያን ዝብሃላ 2 ውድባት፣ ብስዉር ብባዕዳውያን ይዝወሩ ስለዝነበሩ፣ ኣብ ክንዲ ንተጋዳላይን ንህዝብን ጠርኒፎምን፣ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ሚሂሮምን ዘቃልስዎ፣ ነቲ ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል ብባዕዳውያን ተሓንጺጹ ዝቐረበሎም መደብ ዕዮ ተጠቒሞም፣ ኲናት ሕድሕድ ወሊዖም፣ ነቲ ኣሕዋት ዝኾነ ተጋዳላይ፣ ኣብ ነንሓድሕዱ ከመናቚሱዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እንሆ ሎሚ እቲ ውጽኢት ሰውራ ከምዚ ሎሚ ዝርኤ ዘሎ ኩነታት ኮይኑ።

ሻዕብያ፣ ፍልስፍና ባዕዲ ኣተኣታትዩ፣ ነቲ ንቡር ብጸረ ንቡር ደምሲሱ ኣብ ዘይንቡር ንምቕያር እዩ ተዋፊሩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ እቲ ኩሉ ጉያ iሰያስ ወይ ጭፍራኡ ህግደፍ፣ ነቲ ህዝቢ ባህሉን፣ መንነቱን፣ ሃይማኖቱን፣ ሕጊእንዳቦኡን፣ ኣገባብ መሬት መድልዳልን ደምሲሱ፣ መሃነኑ ምስ ኣጥፍአ፣ ነታ ሃገር ንባዕዳውያን ንምርካብ እዩ። ህግደፍ ብብጊሓቱ ብመጽናዕትን ረቂቕ ውዲትን ብባዕዳውያንተመልሚሉ እዩ ንሓደ ንጹር ሸቶ ንምውቃዕ ንሜዳ ተላኢኹ። ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንቋር፣ በቲ ጎይቶቱ ኣዳልዮም ዝሃቡዎ ፍልስፍና ድያብሎስ፣ ማርክሰ ለሊንነትን፣ ብዝዕባ ፈላላዪ ከም ንሕናን ዓላማናን፣ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ሓዊ ንክውልዕ ብመደብ እዩ ፕሮጀክት ወጺኡ።

ዝንቡዕን፣ ብለቓሕ ዝመጸን፣ ኣብ ማርክስን ለኒን ኤንጅልስን ማኦን፣ ዝተመርኮሰ ፍሹል ፖለቲካዊ ትምህርቲ ውድባት ኤርትራ ንተጋደልትን ንህዝብን ዘደንቆረ ትምህርተ ደናቚር እዩ።

መማህራን ሰውራ ኤርትራ እቶም ከም ፓፕጋሎ ዝተባህሎም ዝደግሙ፣ ካድሬታት ዝብሃሉ፣ ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኦም ፊደላት ዝቖጸሩ እዮም ዝነበሩ። እዞም ካድረታት እዚኦም፣ መሳርሒ መራሕቲ ኮይኖም ጥራይ፣ ንተጋዳላይ ኣብ ማርክስን ለኒን ኤንጅልስ ማኦን ዝተመርኮሰ ፍሹል ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይምህሩዎ ነበሩ።

እቶም ጀማሂር ወይ ክፍሊ ህዝቢ ዝብሃሉ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሰሊኾም፣ ስነሓሳብ ማርክሰ ለኒንነት ይምህሩዎም ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓዲ ተከሌዛን፣ እቲ ሽዑ እዋን ካድረን ሓለቓ ጀማሂርን ኮይኑ ኣብ ድንበዛን ተመዲቡ ዝነበረ፣ ሎሚ ድማ ኢንባሲ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ከተማ ለንደን ዘሎ፣ ብዝዕባ ሃበስ ቀደስ ትምህርተ ለኒንን ማርክስን ነቶም ህዝቢ ክምህሮም ምስ ጸንሐ። “በሪሁልኩምዶ”፣ ክብል ይሓቶም። ሓደ ኣቦይ ተስፋይ ወደልመዶም ዝተባህሉ ዝተባህሉ ካብቶም ህዝቢ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ዝነበረ፣ “እንታይ ክበርሃልና ድኣ ግብ እባ ኢሉና” ክብል መለሰሉ። ካብኡ ሎሚ ኢንባሲ ትማሊ ኮለኔል ኢስቲፋኖስ ወዲ ኮሌኔል ሃብተማርያም፣ “ኣንታ ሰብኣይ ካልእይ ግዜ ከምዛ ዝበልካያ እንተድኣ ደጊምካ በዛ ሽጉጥ ኣብ ግምባርካ ከባርዓካ እየ” በሎ። ሓደ መዓልቲ ድማ ዓበይቲ ዓዲ፣ ዓዲ ተከሌዛን፣ መሬት ዓዲ ከማስሑ፣ ወይ ከዳላድሉ፣ ተኣኪቦም ከለው፣ ወዲ በላዕ ጣዕዋ ሓንቲ ሓይሊ ልኢኹ፣ ንኹሎም ኣሲሩ ንምለዛናይ ዝተባህለ ዓዲ ከብኪቡ ወሰዶም። እቶም ዓበይቲ ኣብቲ ጒዕዞኦም ማይ ስለዝጸምኡ፣ “ኣንቱም ደቅና በሉ ማይ ጸሚእና እስከ ማይ ክንሰቲ ኣብ ማይ ዘለዎ ሩባ ኣዕሩፍና” በሉዎም። ሽዑ ኣብ ሓደ ሩባ ምስ በጽሑ ኣዕረፉዎም። ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ግና እቶም ተጋደልቲ ተቓዳዲሞም፣ ነቲ ማይ ብእግሮምን ብኢዶምን ኣተውዎ። ካብኡ ካብቶም ዓበይቲ፣ ኣቦይ ምሕረትኣብ ወዲ ዕጉብ ዝብሃል፣ ከምዚ በሎም፣ “ሻዕብያ ድኣ ተሓጺብኩም ዘይትጸርዩ ማይና ድኣ ክትውድኡልና እምበር“ በሎም።

ካብኡ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ብበትሪ ክውቕዖም ደለየ። ኣቦይ ምሕረትኣብ ግና፣ ድንብርጽ ከይበሎ፣ እዛ በትሪስ ኣይትኣኽለካን እያ፣ በጃኻእንዶ ካላሽን ወስኸላ“ በሉዎ። “ካብኡ ደጊሞም ኣንቱም ብርጁዎ ኮራኹር ንጉስ ሃይለ ስላሴ“ በሎም። ንሶም ድማ “ኣየ ጉድ! ሃይለስላሴስ ደይ ደቁ እዮም ኣሲሮሞ ወይለቦኻ፣ ግበር ድኣ ንስኻ ከኣ ነቦታትካ እሰር“ በሉዎ። ንሕና መሬትና መቲርና፣ ገባርና ድማ ቆጺርና፣ መሬት ዓዲ ኢና ከነደላድል ደሊና እምበር ቡርጁዋስ ኣይኮናን በሎም። ካብ ብጊሓቱ እቲ ቀንዲ እኮ ሻዕብያ፣ ሕጊንዳባን፣ ኣገባብ ፍትሓዊ ምድልዳል መሬትን፣ ሃይማኖትን፣ ባህልን ንምድምሳስ ዝተበገሰ ምፍራስ እንታዘይኮኑ፣ ፍትሓዊ ዝኾነ ቃልሲ ንምቅላስ ኣይኮነን።

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ከነቕርቦ ከሎና፣ ካብ ባዶ ተበጊስና ኣይኮናን። እንታይድኣ ብመደብን ብዓላማን ኢና። መኽንያቱ ከኣ እቲ ሕመሬት ሽግር ሰውራ ኤርትራ ኣብዚ ፍሹልን ስነሓሳብ ድያብሎስ ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ፣ ሰብ ክፈልጦን ፈሊጡ ድማ፣ ጸላኢኡ ፍደሊጡ መታን ክምክት ካብ ዝብል ተበግሶ እዩ።