ድሕሪ ህዝባዊ ቁጣዐ፣ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን፣ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር ፣ ኣቶ ሃይለ ማርያም ደሳለኝ እቲ መስርሕ እኳ ብውዲታዊ ሜላ ምዕራባውያን እንተነበረ፣ “ካብ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ተሳንቢቱ”, ተባሂሉ ግና ብማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ድሕሪኡ ድማ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ዾ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን መጺኡ ተባሂሉ። ንሱውን ብውዲት ምዕራባውያን ተመልሚሉ ኣብ ስልጣን ከምዝመጸ ነቲ ብፖለቲካዊ መዳይ ዘስተብህል ሰብ፣ ሕቡእ ምስጢር ኣይኮነን።

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እምብኣር ኣብዚ እዋንዚ መዝሙር ሰላም ክዝመር ንሰምዕ ኣሎና። ብሓቂድዩ ግና ኣብ ግብሪ ክውዕል? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ግና፣ እስከ ከይተሃወኽና ንግዜ ንሃቦ። ግንከኣ ዝኾነ ይኹን ፍታሕን ዓወትን ዝመጽእ፣ በቲ ጭቁን ህዝቢ እታ ሃገር ጥርይ ከምዝኾነ ክንዝንጋዕ የብልናን። ካብ ድልየት ህዝቢ ሃዲምካ ዝግበር ዓወት ድማ ፍሹል ጥራይ ስለዝኸውን።

ካብ ዘሓበሻ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ዝተረኽበ ዜና ብቪድዮ።

https://youtu.be/V2fsC3f9yow

ሓደ ዓንዶም ዝተባህለ ኣባል እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ “ዓሬና” ዝብሃል ጉጂለ ትግራዎት ዝኾነ፣ ኣብ ፈይስቡክ ከምዝሓበሮ፣

“ወተሃደራት ሓዳስ ኤርትራ (ህግደፍ)፣ ዶብ ጥሒሶም ኣብ ከባቢ ሑመራ እትርከብ ዲማ እትብሃል ዓዲ ብምእታው፣ ን14 መንእሰያት ጬውዮም ንሓዳስ ኤርትራ ወሲዶሞም” ክብል ሓቢሩ።

ወሲኹ ክሕብር ከሎ ኣቶ ኣንዶም፣ “ወተሃደራት ሓዳስ ኤርትራ ወይ ህግደፍ፣ ቅድሚ ሒጂውን ከም ኣመሎም ኣብ ከባቢ ተከዜ ዝርከብ ቦታ ዶብ ትግራይ ጥሒሶም ብምእታው ንሓያሎ መንእሰያት ትግራይ ” ስለምንታይ ወርቂ ትዂዕቱ”? ኢሎም ጨውዮም ንኤርትራ ወሲዶሞም” ክብል ሓቢሩ።

ብኻልእ ሜዳይ ድማ፣ ኣብ መንጎ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍን፣ መንግስቲ ወያኔን መዝሙር ሰላም ብባዕዳውያን ሃገራት ይኹን፣ በዚ ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ክልዓል ቀንዩን ገናውን ይልዓል ኣሎን።

ከምኡውን ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ንምምርማር፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኢትዮጵያ ክኣትዉ እዮም ዝብል ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ።

ከምኡውን ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንሓዳስ ኤርትራ ዑደት ክገብር እዩ ዝብል ወረውን ይነፍስ ኣሎ።

ካብ ርግጸኛታት ዝኾኑ ማዕከናት ዜና ከምዝሓበሩና ድማ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብጠለብ ምዕራባውያን፣ ግንከኣ ብፍልይቲ ነፋሪት፣ ብሃንደበት ንሃገር ጣልያን ከምዝገሸን፣ በቶም ዓደምቱ መሃንድሳት ጽዮናውያን ድማ፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ጕዳይ ሰላም ክትቅበሎ ኣሎካ ኢሎም ከምዘገደድዎ ይሕብር።

ሓጺር ፖለቲካዊ ሓተታ፣

ኣብዚ እዋንዚ፣ ብፍላይ እኳድኣ፣ ድሕሪ ምቕልቃል ቀዳመይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙንት ጀሚሩ ማለትዩ፣ “መንገዲ ሰላም” ዝኽፈተሉ መድረኽ ዝጠልቡ ጭርሖታትን ሓበሬታትን ዝስምዑሉ ዘለው እዩ። ሓቂ ይግበሮ ከኣ ንብል።  ወይድማ ብኻልእ ኣገላልጻ፣ እቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ከም ኣመሎም በቲ ንቡር  ጸረ- ንቡር= ዘይንቡር (Thesis Antithesis= Synthesis)  ዝብል ውዲታዊ መደቦም ድዮም ክገብሩዎ፣ ወይስ ብሓቂ ከምቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይን ዝደልዮን ዝጽበዮን  ዘላቒ ሰላም ዝመጸሉ መንገዲ እዩ ክኸፍት?

እዚ ብዘ-ሓበሻ ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና፣ ኣብታ ኣብ  ከባቢ ሑመራ እትርከብ ከተማ  ዲማ እትብሃል ንእሽቶ ዓዲ፣ ወተሃደራት ህግደፍ ዶብ ጥሒሶም፣ ን14 መንእሰያት ጨውዮም ንኤርትራ ተማሊኦሞም ከምዝኸዱስ ተሓቢሩ። እሞ እዚ መልእኽቲ እዚኸ ኮነ ኢሎም ድዮም ጭፍራ ህግደፍ ንመንገዲ ሰላም ክዕንቅፉ፣ ኣሳዊሮሞ፣ ወይስ ካልእ ስዉር ተልእኾ ኣለዎ? ነቲ ዝኸይድ ዘሎ “መንገዲ ሰላም” ዝዕንቅፍዶ ኣይመስልን?

ብዘ ሓበሻ ዝቐረበ ተወሳኺ ዜና ድማ ከምዚይ ይብል፣

https://youtu.be/anRWk89EEhM

ብዘይዱ ረዓድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ንምዕዛብን ምክትታልን ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ንኢትዮጵያ ክኣቱ ምኻኑ ተሓቢሩ። እዚ ዘይዱ ረዓድ ዝምራሕ ኮሚሽንዚ ካብቲ መደባቱ ሓደ፣ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃ ሕብረት ተራኺቡ ክመያየጥ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራውን ምክትል ላዕለዋይ ብዓል ሥልጣን፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ካብ ምያዝያ  22 ክሳብ 24 ንኤርትራ ክበጽሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Donald Y. YamamotoDonald Y Yamamoto.jpgBorn1953 (age 64–65)
Seattle, Washington Occupation Diplomat፣ Principal Deputy Assistant Secretary for African Affairs Ambassador Donald Y. Yamamoto will travel to Eritrea from April 22-24/2018) እዚ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን፣ መቐጸልታ እቶም ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ክካየዱ ዝጸንሑ መስርሓት ኣሜሪካ ሓደ እዩ። ንመረዳእታ፣ ፎርስተር ዹለስ 1952 ዓ.ም.ፈ. ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ ዝበለ። ሪቻርድ ኮፐላንድ ወኪል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ፣ብ1966 ክሳብ 1970 ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቃኘው ኣስመራ እንዳመላለሰ፣ መልሚሉ ኣባል ስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ ገሩ ዝሰልጠኖ ። ፓወል ሂንሰ ካብ 1970 ክሳብ 1980 ዓ.ም.ፈ. ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቆጻጸር ዝነበረ።

ብ1980/81 ፕረሲደንት ጆርጅ ቡሽ ክሳብ ካርቱም መጺኡ፣ ምስ ወያኔን ሻዕብያን ተራኺቡ፣ ጀብሃ ትሓቀሉ መደብ ኣውጺኡሎም።

ብ1985 ዓ.ም.ፈ.ፕረሲደንት ጂሚ ካርተር ድማ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ  ወያኔን ብፍላይ ከኣ ምስ ኢሰያስ ተራኺቡ፣ ከምቲ  ኣልቃሂዳ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፈጸሙዎ፣ እዞም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ወያኔን ሻዕብያን ድማ ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ ንደርጊ ንኽስዕሩዎንሞ፣ ካብኡ ስትራተጂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሶቭየት ሕብረት ሎሚ ሩስያ ሓራ ንክወጽእ መደብ ኣውጺኦሎም።

ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ከኣ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ምስ ነፍሰሀር መለስ ዜናዊን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣብ ከተማ ለንደን  ተራኺቡ፣ ስዉር ኣጀንዳ ዝሓዘ ግንከኣ ክሳብ ሎሚ ደረጃ-ብደረጃ እንዳ-ተተግበረ ዝኸይድ ዘሎ፣ ረቂቕን ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይፈልጡዎ ውዕል ተዋዓዒሉ። ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክሳብ ዝኣርግ ንሰበስልጣን ወያኔን ህግደፍን ክጓስዮም ጸኒሑ።

ሎሚ ከኣ መቐጸልታኡ ወይ ምክትሉ እዚ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ዝተባህለ ልኡኽ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ መስርሓት ዝተመርኮሰ መቐጸልታ ፕሮጀክት ሒዙ እዩ ነስመራ ክመጽእ እምበር፣ ሓደ መሲሕ ኮይኑ ኣይኮነን ከምጽእ። ኣምላኽ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ይሓግዞ እምበር፣ ይኣይ ያማማቶ ከኣ ፍጹም ሰላም ከምጽኣልና ንጽበ እንተድኣ ኮይናስ ሕልሚ ደርሆ ጥራይ እዩ።

ፍጹም ሰላምን ፍታሕን ካብ ብዕዳውያን ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ካብ ሰማይውን ማና ከውርድ ኣይክእልን እዩ። ንሓውሩ ዝቕጽል መሰረታዊ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክመጽእ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዞም ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን ካብዛ ብብልሽውናን ብባርባራዊ መግዛእትን ላሕሊሓ ዘላ ዘላ ስልጣኖም ተሰናቢቶም፣ ነቲ ስልጣን ንህዝቢ እንተድኣ ኣረኪቦም ጥራይ እዩ። ሽዑ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ንጉዳዩ፣ ገዛእ ርእሱ ወኪሉን፣ ሓራ ኮይኑን፣ ወከልቱ መሪጹን፣ ኣብ ሓደ ጠረጰዛ ኮፍ ኢሉን፣ ተዛትዩን ጥራይ እዩ ዝፈትሖ። ካብኡ ሓሊፉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝመጽእ ሰላምን ቅሳነትን ከቶ የልቦን። ግንከኣ ኲናት ምጽሕታርን ህውከትን ስደትን ምግባርን ቀንዲ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን ምኻኑ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ንጉስ ቴድሮስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ተመኪሩዎ እዩ። “ክሰርቀኒ ከሎ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ነይኣምኖ”፣ ከምዝብሃል፣ ብምዕራባውያን ዝወርድ ኲናትን ህውከትን እንተዘይኮይኑ ፍታሕን ሰላምን ራህዋን ክመጽእ ከቶ ኣይካልን እዩ። መኽንያቱ፣ ህዝቢ ኣፍሪቃ እንተድኣ ቀሲኑን፣ ጸጊቡን፣ ሰላም ረኺቡን፣ ጎደና ምዕባሌ ብሰላም ጀሚሩን፣ ምዕራባውይን ግና ክቐስኑ ስለዘይክእሉ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ንሶም መታን ክቐስኑ ድማ ንሕና ግዳይ ጂእፕስትራተጂካዊ ቦታናን፣ ባህርያዊ ጸጋናን  ንኸውን ኣሎና።

እወ፣ ቅድሚ ሎሚ እንተኾነ’ውን እኮ፣ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትእትብሃል ጉጅለ፣ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተውኪላ ኣብ ከተማ ጀነቫ ትንተናኣ እቕሪባ ነይራ እያ። ንኤርትራ እትያ ድማ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንክትከታተል ዕለቱን ወርሑን ንገርሀኛ ህዝቢ ሓቢራ ነይራ።  ክሳብ ካብ 10 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ንሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ ሕቡራት ቀሪቦም ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ድጋፎም ገሊጾም። ክሳብ ሎሚ ግና ዝተገብረ ቁምነገር የልቦን። ኣብ ኢዮጵያ እንተኾነውን፣ እቲ ህዝቢ ክልዓል ስለዝጀመረ፣ ከምቲ ኣብ ቀውዒ ዓረብ (ዓረብ ስፕሪንግ) ተባሂሉ ኣብ ግብጽን ኣብ ቱኒዝያን ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ በቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን ደስኪሉ ተሪፉ ንዕዘቦ ኣሎና።

እዚ “ሰልፊ ዓሬና” እየ ኢሉ ነብሱ ዘላለየ  ጉጅለኸ መን እዩ?
እቶም ኣባላቱከ ብዓል መን እዮም? ካብ ወያኔን ህግደፍንከ ብምንታይ ይፍለዩ ? ምስ ህግደፍን ወያኔን ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኽ እንታይ እዩ ? ምስ ቄሮ ምንቅስቓስ ኦሮሞን ጉንበት 8  ምንቅስቓስ ኣምሓራከ እንታይ ዝምድና ኣለዎ? ብህዝቢ ትግራይከ እንታይ ተቐባልነት ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታትት ኣብ ዝቕጽል ክንምልሶም ኢና።

ኣቲ ካብ ፈይስቡክ ዓንዶም ዝተባህለ፣ ኣባል ሰልፊ ዓሬና፣ ብመርበብ ዘ ሓበሽ ተቐዲሑ  ዘተዘርግሐ ቪድዮ

https://youtu.be/V2fsC3f9yow

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
23.04.2018 ዕ.ም.ፈ.