እቲ መጀመርያ ወዲሰብ ዝማዕበለሉ ቦታ ኣብ ከባቢ ፈለግ ኒል (Nile) ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ ዝነበረ። ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ኡጋንዳ ከባንቢ ቀላይ ቪክቶርያ፣ ኬንያን፣ ኢትዮጵያን፣ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ምድረባሕሪ ሎሚ ኤሪትራ፣ኣብ ጥንታዊ እኽሱምን፣ ጥንታዊት፣ ወደብ ኣዱሊስ፣ ሱዳንን ግብጽን እዩ ዝነበረ።

ምንጪ ሓበሬታ

ምንጪ ሓበሬታ፤

https://youtu.be/AB8qZQ_SkLw

እቶም ኣብታ መርከብ ኖህ ኣትዮም ካብ ማይ ኣይሂ ዝድሓኑ፣ ደቂ ኖህ፣ ሴምን ካምን ያፌትን ነበሩ። ካም ከኣ ኣቦ ከነኣን እዩ። እዚኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብኦም ዝተወልዱ ከኣ ንመሬት መልኡዋ። ዘፍጥረት 9፣18 “ኩሽ ተረጊሙ እዩ” ዝብል ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተማህዘ ሓሶት ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘፍጥረት ኣብ ምዕራፍ 9 ቊጽሪ ፣25 ተጠቒሱ ንረኽቦ። ከምዚ ከኣ ይብል፣ “ከነኣን ርጉም ይኹን፣ ሕሱር ባርያ እሕዋቱ ከኣ ይኹን“። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ እንተኣምቢብናያ ድማ፣ ደቂ ከነaaን ንኣፍሪቃ ኣይግዓዙን ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዮም ተሪፎም። ስለዚ እቶም ብኖህ ዝተረግሙ ደቂ ከነኣን ኣብ ማኣከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ካብ ሃለው፣ መን ዳኣ እዩሞ እቲ ዝተረግመ? ኩሽ ምስ ደቁ እንተድኣ ኮይኑ ግና፣ ኣብታ ብመኣዛ ዘለዋ፣ ብውሓይዝን ቀላያትን፣ ባሕርታትን ዝተማእከለት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሱዳንን ወዘተ. .ዘለው ኣፍላጋትን ባሕርታትን ቀላያትን እስከ ተኻታተሉ።

ምንጪ ሓበሬታ ብቪድዮ.

AFRIKAN SPIRITUALITY vs. EURO-RELIGION – DR. JOHN G. JACKSON

እቶም ኣዕራብን ኤውሮጳውያን ደቂ ከነኣን ግና፣ ኣብ ኣስሓይታን፣ በረድን ኤውሮጳ፣ ኣብ ምድረበዳ ሃገራት ኣዕራብ እዮም፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሮ ክነብሩ ጸኒሖምን ክሳብ ሎሚ ድማ ዝነብሩ ዘለውን።   እሞ መን ድኣ እዩ እቲ ርጉ? ውሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ ከምዝብሃል፣ እዞም ውዲታውያን ሕፍርከይበሉ፣ ካብ ጸረ ባህርያዊ ዝኾነ ፍሹል ስነመጎት ተበጊሶም ድማ፣ “ዘርኢ ኩሽ ጸሊም ዝኾነ ስለዝተረግመ እዩ“ ድማ ይብሉ።

ኣስተብህል፣ እቲ መጎታዊን ሳይንሳዊን መርትዖ ዘለዎ ሓቂ ግና ከምዚ እዩ፣ ዘርኢ ኩሽ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ እዮም ዝነብሩ፣ ብሰንኪ ብርቱዕ ጽሓይ ሕብሪ ቆርበቶም ጸሊም ኮይኑ፣ ኤውሮጳውያን ደቂ ያፌት ድማ ኣብ በረድን ቁርን ስለዝነብሩ ቀያሕቲ ኮይኖ። ጽዕዱ እኳ ኣይኮኑን፣ እቲ ጻዕዳ ዝብሃል ሕብሪ ሕብሪ በረድ እዩ። እምብኣር ከም መረዳእታ፣ ሓደ ቁማል ኣብ ጸጕሪ እንተድኣ ሰፊሩ ጸሊም ይኸውን ስለምንታይ ብምቖት መኽንያት።

AFRICAN SPIRITUALITY (THE LAWS OF NATURE & THE UNIVERSE) https://youtu.be/xEQx75UPoIY

 Youtube: By Prof James Smalls The Rebuilding Of The African Spirituality

https://youtu.be/3fXlm5L3Wcc

ኣብ ውሽጢ ኣካላት ኣብ ክዳን እንተድኣ ዘፊሩ ግና ጻዓዳ ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ኣሞ ድኣ እቲ ኣብ ጸጒሪ ስለዝሰፈረ ቁማል ስለዝተረግመ ድዩ ጸሊም ኮይኑ፣ እቲ ኣብ ውሽጥ ኣካላት ኣብ ክዳን ዝሰፈረ ቁማል ድማ ስለዝተመረቐ እዩ ጻዕዳ ሕብሩ ኮይኑ?ነዚ መርትዖን ጭብጥን ዘለዎ ስነመጎት ከዊሎም ኣዮም ኣምብኣር፣እዞ ምኩሓትን ውዲታውያንን ጽዮናውያን ሕሩያት ህዝብን፣ ምሩጽ ሕብርን ዘለዎም ገሮም ንነብሶም ዘቍርቡዋ ዘለው። “ክትበልዓ ዝደሌኻ ኣባ-ጉምባሕስ ዛግራ ትብላ” ከምዝብሃል፣ ታሪኽ እዞም ንነብሶም ጽዓዱ ገሮም ዘቕርቡዋ ዘለው፣ ብውሽጥም ግና ብሕብሪ ቆርበቶም ዘይተኣማመኑ፣ ደቂ ያፌትን ከነኣን ወይ ደቂ ጉግ-ማጉግ (ጁጅ-ማጁጅ)ን እዮም። ኩሉ ግዜ በቲ ባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ኩሽን ሴምን፣ በቲ ከደራይን፣ ቡናውን፣ ጸሊምን፣ ሕብሪ ቆርበት ደቂ ኩሽን፣ ብስኒ ጸባ ኣስናን ደቂ ኩሽን፣ ዓይኒ ሒንዚዝ ዝመስል ኣዒንቲ ደቂ ኵሽን እንዳ ቐንኡን እንዳ ሓለሙን እዮም ዝነብሩ። ምኻን ስለዝእበዮም ከኣ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ፣ ካብ ዘመነ ባርነት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ደቂ ኩሽን ሴምን ይህልቑዎም ኣለው። መሲሉዎም ድኣንበር፣ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክውሕድ እዩ እምበር፣ ከምቲ ሕልሞም ኣይጸንትን እዩ። ሃልየ! ሉያ! ንሶም ንባዕሎም እዞም ጁጅማጁጅ ደቂ ያፌትን ከንኣንን፣ ብፍላይ ኤውሮጳውያንን ኣሜሪካውያን፣ ግና ድሮ ከምዚ ንዕዘቦም ዘሎና፣ ቅድሚ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ምህላቖም፣ ብኒኩላር ቦምብ፣ ንባዕሎም ነንሓድሕዶም ክማናቖሱ እዮም።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ንሕና ኲናት እንገብር፣ ንህዝቢ ዓለም ሓራ ንኸነውጽእ ኢና ኢሎም ምጭርሖም እዩ። ክሰርቀኒ ዝርኣኽዎስ ክህበኒ ከሎ ነይኣምኖ።

George Carlin on Relgions and God

 መሃንድሳት ጽዮናውያን ካብ ጥንቲ ይኹን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ ብሕብሪ ቆርበቶምን፣ ብነብሶምን ተኣማሚኖም ኣይፈልጡን። ስለዘይትኣማመኑ ድማ ብውዲት ጸረ ኣፍሪቃዊ ሕብሪ ቆርበት ዝኾነ እከይ ፍልስፍና ምሂዞም፣ ኣብ ንግዲ ባርትነት ተዋፊሮም፣ንህዝቢ ኣፍሪቃ ከምዘይሓልፍ ገፊዖሞ። ንገርሀኛ ህዝቢ ዓለም ድማ፣ ጥቕሲ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሃል፣ ግንከኣ ንዕኦም ከምዝ ጥዕም ገሮም ባዕሎም ሰናኒዖም

ዘዳልውዎ መርዛም ጥቕስታት እንዳጠቐሱ፣ ብዘሕፍን ጻዕዳ ሓሶትን ዝኾነ ብፕሮፓጋንዳ ገሮም „ጸሊም ቆርበቶም ኣፍሪቃውያን ብኣምላኽ ተረጊሞም እዮም“ እንዳበሉ ኣዓንጂሎሞ።

Maat And The Divine Order መዕትን ቅዱስ ስርዓት

እቶም ቀዳሞት ኮሎንያል ገዛእቲ፣ ቅድሚ 300 ቅ.ል.ክ. ንኣፍሪቃ ብፍላይ ነታ ካብ 5000 ቅ.ል.ክ. ጀሚራ መሰረት ምዕባሌ ዝነበረት፣ በቲ ኣለክሳንደር ዓቢ ዝብሃል ሽፍታ ተወረትን፣ ኩሉ ታሪኻዊ ሃብታ ድማ ዘሚቱ ንክሬታ እትብሃል ኣብ ግሪኽ እትርከብ ደሴት ኣግዒዙ። እቲ ሓቀኛን ፍትሓዊን ዲሞክራሲ ኣብ ጥንታዊት ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ፣ „ካብ ታ ክሬታ እትብሃል ንእሽቶ ግሪኻዊት ደሴት እት ንመጀመርያ ከምዝተፈጥረ ገሮም፣ “ዴሞ – ክሬታ ” = (Dmocracy) ዴሞክራሲ ኣብ ሃገር ግሪኽ ከምተጀመረ ገሮም ኣዊጆም። ገርሀኛ ህዝቢ ዓለም ድማ ክሳብ ሎሚ ዲሞክራሲ ካብ ግሪኽ ከምዝተፈጥረ ገሩ ተቐቢሉው ይነብር ኣሎ። ብዙሓት ሊቃዊንት ታሪኽ ጂኦሎጂን ኤትኖሎጂን ግና እቲ ቀንድን ሓቀኛን ዲሞክራሲ ካብ ቅድሚ 5000 ዓመተ ዓለም ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነበረ ይኣምኑ እዮም። ብፕሮፖጋንዳ ጽዮናውያንን ፍሪሜሶንን፣ ፈላስፋታት ግሪኽን ስለዝተዓብለሉ ግና፣ ዝሰምዖም ዘይብሎም ገና ሓቂ ከውጽኡረብሪቦ ኣለው።

ካብኡ ጀሚሮምን ግሪኻውያን፣ ካብ ኣፍሪቃ ዝሰረቕዎ ታሪኻዊ መዘክራት ተመርኲሶም፣ ፍልስፍናን ታሪኽን ክምስርቱ ጀመሩ። ኣብቲ እዋንቲ ማለት ኣብ ቅድሚ 300 ቅ.ል.ክ. ኣብ ኤውሮጳ ታሪኽን ምዕባሌን ንግስነት ባህልን ቅዱስ ሃይማኖትን ኣይነበረን። እታ ሓንቲ ንኤውሮጳ እትውክል ሓያል ሃገር ዝነበረት ኣብቲ እዋንቲ ግና ግሪኽ ጥራይ እያ ዝነበረት። ስለዚ እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ሓሳብ ባህልን ምዕባሌን፣ ሃይማኖትን ግና ግሪኻውያን ካብ ኣፍሪቃ ዝሰረቑዎ እዩ ዝነበረ። ቅድሚ ግሪኽ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ጣኦት እንተዘይኮይኑ ቅዱስ እምነትን ባህልን ኣይነበረን። ካብ ባህሊ ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ግሪኻውያን ዝተኣታተውዎ ሓዲሽን ግንከእ ግዕዙይ ባህሊ እንተሎ ግና ድማ፣ ግብረሰዶምን ለዝቢያንን እዮም። ንኣብነት፣ለዝቢያን፣ ኣብታ ሌስቦስ እትብሃል ግሪኻዊት ደሴት እዩ ተጀሚሩ።

ብሓፈሻ ኣብ ከባቢ ፈለግ ኒልን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ኤርትራን፣ ቅድሚ ልደተክርስቶስ፣ እቲ ህዝቢ ኣብ ጽሓይን ኣብ ባህርያዊ እምነት እዩ ዝኣምን ዝነበረ። ንመረጋገጺ ዝኸውን ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስን፣ ኣብ መጠራን፣ ቍሓይቶን፣ ኣብ ኣዅሱምን ዘሎ ሓውልትታት ምክትታል እኹል መረዳእታ እዩ። ድሓር ጸኒሑ ከኣ  እምነት ሙሴ ኣሃዱ እምላክ፣ ወ መንፈስ ቅዱስ  ኣብ እዋን ንጉስ ኤዛና ተቐበለ። ንመረዳእታ ብ1139 ቅ.ል.ክ. ቅዱስ ግዮርጊስ ቤተክርስትያን ዝብሃል ኣብ ላሊበላ ፣ ካብ ከውሒ ተጸሪቡ ተሃንጸ። እዚ ቤተመቕደስ  እዚ ክሳብ ሎሚ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ቱሪስት የገርሞም ኣሎ። ክርስቶስ ምስተወልደ ድማ መጀመርያ ክርስትና ሃይማኖትን፣ ኣብያተ መቕደሳትን  ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ብ325 ዓ.ም.ፈ.ድሕሪ ልደተ ክርስይቶስ እዩ ንጉስ  ኮስታንኖ ዝተባህለ ሮማዊ መጺኡ፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ክርስትና ሰሪቑ ኣብ ሮም ቤተክርስትያን ዘስርሐ። ሃይማኖት ካይቶሊክ  ብ1054 ዓ.ም.ፈ. እዩ ኣብ ሮማ ተመስሪቱ።  ክሳብ ሽዑ ግና ኣብ ኤውሮጳ እቲ ህዝቢ ኣብ ጣኦትን ጥንቆላን እዩ ዘምልኽ ዝነበረ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ገዳማትን ቤተክርስትያናት ከለው፣ ኣብ ኤውሮፓ  ገና ቤተክርስትያን ኣይነበረ። ንኣብነት ኣብ ሃገር  ሱዳን እቲ ዝዓበየን ዝበዝሐምን  ኣብያተ ክርስትያናት ነበረ። ኣረሜናውያን ኣትራዅ (ቱርካውያን) ግና ብስም ምስልምና ነቲ ኩሉ ጥንታዊ ቤተ መቕደሳት ኣዕንዮም: ንህዝቢ ሱዳን ብቐስብ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ኣእሚኖሞ፣ ነት ቤት መቕደሳት ኣብ መሳጊድ ቀየሩዎ። ወራር ቱርኪ ግና ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ሎሚ ሃገራት ኣዕራብን፣ ሰሜን ኣፍሪቃን ክሳብ ሱዳን ነቲ ህዝብታት ብቀስብ ከመስልሞ ከሎ፣ ንኢትዮጳን ኤርትራን ግና ክቆጻጸሮ ኣይበቍዐን። መኽንያቱ ድማ  ብጀጋኑ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን መላስ ኣውያት ዘይብሉ ስለ ዝተጸፍዐ፣ እቶም ካብ ኩናት ዝተረፉ  ውሑዳት ኣትራዅ  ብሕፍረት ፋሕ ብትን ኢሎም ንዕዶም ቱርኪ ተመልሱ። ካብቶም ክዝከሩ ዝግብኦም ሓደ ባሕረነጋሲ ኢሳቕ ዝብሃል ጅግና ኤርትራዊ፣ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ድባርዋ ኮይኑ ንምድረባሕሪ ዘመሓድር ዝነበረ እዩ መኪት ብጅግንነት ንወራር ንቱርኪ ዝሰዓሮም። ጅግና በሓርነጋሲ እንተዘይነብር ነይሩ ግና ሎሚ ኢትዮጵያ ኣስላማዊት ሃገር ምኾነት ነይራ። ኣስተብህል ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ኩሉ ብኣስላም ሽግር ረኺቡ ከይኣኽሎስ እቶም ክርስትያን ኢና ብሃልይቲ ኤውሮጳውያን ድማ ካብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ካብ ክሳድ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምውራድ ኣብዮም ኣለው። መኽንያቱ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቅዱስ እምነት ይኹን ብጭዋ ባህልን፣ ጅግንነትን ኣልፋን ኦሜጋን ስለዝኾና፣ ካብዚ ቅንእን ስስዐን እዮም ዝሃስዩወን ዘለው።

ድሕሪ ንግስነት ግሪኽ ንግስነት ሮማውያን ብ27 ድ.ል.ክ. ተተኪኡ። ሮማውያን እውን ብግዲኦም ነቲ ኩሉ ካብ ግሪኻውያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ተረፍ መረፍ ግሪኽ መለለዪ ባህልን ሃይማኖትን ዘሚቶም ንሮማ ኣምጺኦሞ። ንክርስቶስ ምስ ይሁዳውያን ኮይኖም ከኣ ሰቒሎሞ። ነቶም ቅኑዓት ኣመንቲ ክርስቶስ ድማ መንቊሶሞም። ኣብ ሮማ ከኣ እዚ ሎሚ ቫቲካን ትብሃል ዘላ ቤት መቕደስ ሃነጹ።

The Real History of the evil Roman Catholic Church

ቫቲካን ብቐንዱ መቐጸልታ ጣኦታዊ ቤት መቕደስ ሮማውያን ዝነበረ እዩ። ነቲ ኩሎም መላእኽትን ቅዱሳት ዝብሃሉ ሰባትን ከኣ ብሚካኤል ኣንጀሎ ዝተባህለ ስኣላይ፣ ንጽዓዱ ዝመስሉ ምስልታት ጥራይ ንኽስእል ዓቢ መዝነት ሂቦሞ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣማኒ ኣምላኽን ቅኑዕ እምነትን ሃይማኖትን ዝውንን ጻዕዳ ጥራይ ከምዝኾነ፣ ንዓለም ንምድንጋር፣ ዘንጸባርቕ ስእልታትን መቚጸርያታትን ኣዘውተሩ። ካብቲ ኩሉ ቅዱስ ስእልታት ዝብሉዎ ድማ ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ቅዱስ ፍጹም የልቦን። እቲ ሓቂ ግና እቲ ቅኑዕ ሃይማኖት ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ሱዳንን ኬንያን ኡጋንዳን ክሳብ ዚምባቨ ከምዝነበረ፣ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣስፊሮሞ ኣለው። ኩሉ መሰረት ምዕባሌን እምነትን ንግስነትን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነበረ መርትዖን ጭብጢታትን ዘለው ሓቂ እዩ።

ካብ 30 ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ 2017 ዘለው ጳጳሳት ቫቲካን ብምሉኦም ኤውሮጳውያን እዮም። ካብ ኣፍሪቃ ዋላ ሓደ የልቦን። ነቲ ሃዋርያ ጰጥሮስ ዝብሃል ወዲ መዛምርቱ ንየሱስ ዝነበረ ድማ፣ ካብ ግሪኽ ሰሪቖም ኣምጺኦም፣ “መፍትሕ መንግስተ ሰማያት“ ኣብ ኢዱ ኣትሒዞም፣ ኣብቲ ቀጽሪ ኣፍደገ ቫቲካን፣ ሓውልቲ ሰሪሖምሉ። ነቲ ኦሪታዊ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ግና ረሲዖም፣ ንኽድምስሱዎ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ተዋፊሮምሉ እዮም። ንሶም ባዕሎም ዝውንኑዎ ሃይማኖት ካቶሊኽ ድማ ምሂዞም። ክሳብ ሎሚ ግና ቫቲካ መተካእታ ሮማን ኢምፔያር ኮይና እያ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ን2 ቢልዮን ዝኣኽሉ መእመናን ካቶሊኽ ትገዝኦም ኣላ። እታ ዝሃብተመት ትካል ኣብ ዓለም ድማ ቫቲካን እያ። ክርስቶስ ግና ኣብ ደንበ ኣባጊዕ ተወሊዱ። ብጥራይ እግሩ ድማ ዓዲ ዓዲ እንዳ ኸደ ቃል ኣምላኽ ይሰብኽ ነይሩ እምበር፣ ሃብታም ኣይነበረን።

The SON of GOD is the SUN of GOD!

ስለምንታይ እዮም መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ምስልታትን ስእልታትን ዘዘውትሩ?
https://youtu.be/U2agOZKDfRY 

ክቕጽል እዩ ሕብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 14.መስከረም 2017 ዓ.ም.ፈ.