ን27 ዓመት መብጽዓ ሕልሚ

እንታይከ ክትብሉኹም ሎሚ

ጠምዩ ከሎ ጸጊቡ.ሎም ክንድኡ ዝምሕሉ

ተሳዒሮም ከለዉ ስዒርና እናበሉ ዘታልሉ

ናቶም ሽግር ገ ዲፎም ብንዳማቶም ዘዕልሉ

ቀናኣት ንህዝቦም ሕማቕ ጥራይ ዝም ነይሉ

ካብ ዓለ ም ንጹል ድሑር ኣረመኔ ፍጥረት

ንውድቀቱ ከይሓፈረ ዝቕይሮ ናብ ዓውት

ጌጋ ወረ ዝዝርግሕ ንመጻንሒቱ መቃነይት

ክርቢቱ ወሊዑ ዓዲ ሃሎኡ ከይዱ ዝጻውት

ኣሻንጉሊት ቆጺሩዎም የዋዛውዞም ብሪሞት

እተን ክልተ ጭርሖ ኣመሪካ ወያኔባ ዝብላ

ሎምስ ረሲዕኩመ እንዲኹም ኣበይ ድኣ ኣበላ

ዝኹሉ ባዓል ኮቦሮ ባዓል ክራር ሓሽውየ ዝላ

ቁሩብባ ደሃይ ሃቡ ክኾነኩም ፈውሲ ማሕላ

ከይተረደኣኩም ብስኣን ሓቂ ልብኹም ቆሲላ

ህግደፍ ሃገር ጥራይ ኣይኮነን ዝሸይጥ ዘሎ

ባህልናን ሃይማኖትናን እውን መሪዙዎሎ
ኣብ መንጎ ህዝብና ቅርሕንቲ ዘሪኡልናሎ

ኣስላም ክርስትያን ናበለ ህዝቢ ክመቓቕሎ

ቢሒቱ ክነብር ንምቸቱ ክጥዕሞ ባህ ክብሎ

ቁሩብ ኣይትሓስቡን ን27 ዓመት ተመባጺዑ

ከም ባምቡሉ ቆጺሩኩም ከም ሕጻናት ቆልዑ

ዘዝበሎ ሓሶት ቃላቱ ክትሕይኹ ከተኳማስዑ

አረ ናይ ሰብ ማዕዳ ማዓሲኹምከ ክትሰምዑ?

ብድዐ ብዕልግና ሓሶትንዕቐት ተዛሪቡ ትሕጎሱ

ጽልእን ነገርን ምስ ጎሮባብቲ ተኣጎደ ትውድሱ

ከይሓፈረኩም ጠላዓት ኣጉባዝ ትብሉ ንሕናንሱ

ፍቱሓት ስረ ብጠጠውኩም ንብረትኩም ፈሪሱ

ሎምስ ተናዒቕኩም ፈኲስኩም ተሓብኡልግሱ

Tesfamariam Wel.

10/12/ Norway