ካብቲ ህግድፍን ወያኔን ብባዕዳውያን ተሰኒዖም ዝተሰርሕሉ እዋን፣ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ማለትዩ፣ ብዙሓት ቅኑዓት ተነበይትን ተመራመርትን ደቀባት ኤርትራ፣ “ህውሓትን ሻዕብያን፣ ህ.ው.ሓ.ት.ን፣ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፣ 2 ገጽ ሓደ ቅርሺ እዮም፣ ወይከኣ  ክልተ ቍጥሚ ግጥሚ እዮም፣ ብዕዋኑ እንተዘይ ኣልጊሶም ግና፣ ጽባሕ ብጊሓት መንሽሮ ሃገር ክኾኑ እዮም”፣ ኢሎም ተነብዮም ነይሮም። መብዛሕትኦም ግና በዞም ክልተ ቍጥሚ ግጥሚ ዝኾኑ ጭፍራ ተቐንጺሎም ቅሂሞም እዮም፣ እታ ምስ 40 ሽሕ ሰራዊታ መሬት ኤርትራ ራሕሪሓ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ሻዕብያን ወያኔን ገራ፣ ንሰራዊታ ከኣ ዘርከበ የርክብ እንዳበለት፣ ዶብ ሱዳን ዝሰገረት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራውን ግዳይ እዞም ልኡኻት ጽዮናውያን ጭፍራ ህግደፍን ወያኔን እያ ኮይና ተሪፋ።  ውሑዳት ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን፣ ዝንበዩን ደቀባት ኤርትራን ትግራይን፣ ኣምሓራን፣ ኦሮሞን ወዘተ. . .፣ ክሳብ ሎሚ ግና፣ መትከሎም ከይቀየሩ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን እንዳነበሩ፣ ነቲ ኣምሆ ዘመን ዝተነበዩዎ  ትንቢት ሎሚ ክትግበር ከሎ እንዳተዓዘቡ “ኣይበላንዶ ግን ዝሰምዓና ስኢና፣ ደንቆሮ ተወሊድካ፣ ደንቆሮ ዓቢኻ፣ እሞ ደንቆሮ ምኻንካ ከይፈለጥካ ሙማትስ፣ ክልተ ሞት እዩ” እንዳበሉ ይነብሩ ኣለዉ።

ብኣንጻር ግና ፣ ደናቚር ተወሊዶም፣ ደናቚር ኮይኖም ከኣ ዝዓበዩ፣ ክሳብ ዝሞቱ ድማ ደናቚር  ምዃኖም ከይፈለጡ፣ ብገንዘብ ተዓሲቦም ዕድመ ወያኔን ህግደፍን ዘናውሑ ዘለው ብዙሓት እዮም። እቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕንብርቶም ዝሓስቡ ግንከኣ፣ ተቓወምቲ ኢና ኣንዳበሉ ንኣዲስ ኣበባ ሸኾርተት ዝብሉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዘይፍጸም ተስፋ ኣናኣተስፈዉ ንኸይቃለስ ንኽቃለስ ዕንክሊል ዘብሉዎ ዘለውን እዮም።

እቶም ዝኸፍኡ ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ከኣ ኣብ ኢንተርነት ጦብሎቕ እንዳበሉ ከም ጽሓፍትን ደረስትን ዝመስሉ፣ ግንከኣ ኣናብር ኢንተርነት ኮይኖም መሳርሒ ህግደፍ ወይውን ወያኔ ዝኾኑ ኣረገውቲ፣ ግንከኣ በቶም ደቂ ገርሂ ልባ “ተቓወምቲ ወይከኣ ተቐየምቲ” መሲሎም ዝርኣዩ እዮም። በዚ መኽንያት እዚ እምብኣር፣ እቶም ንወያኔን ንህግደፍን ዘጣቕዑ ብብዝሒ ስለዘለው፣ ዕድመ ወያኔን ህግደፍን ገና ትልኽ እንዳበለ ክቕኒ እዩ። እወ፣ ህግደፍን ወያኔን ካብቲ ብባዕዳውያን ተሰኒዖም ዝተሰርሕሉ እዋን ተመንቊሶም እንተዝኾኑ ነይሮም፣ እቶ በዞም ክልተ ክናናን ምናናን ዝተቐንጸሉን፣ ንስደት ባዕዲ ሃገር ፋሕብትን ዝበሉን፣ብዙሓት ተመራመርቲ ግንከኣ ሓርበኛታት ደቀባት ኤርትራን፣ ትግራይን፣ ከምኡውን ኢትዮጵያውያንን እንትዝስዕሩ ነይሮም፣ ሎሚ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምዓንደሪ ምጻእተኛታት ጽዮናውያን ዘይኮነስ ፣ መዓንደሪ ደቀባት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምኾነ ነይሩ።  ጽሕፍቶ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ግና፣ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዳይ ጂኦስትራተጂካዊን፣ መላገጺ ልኡኻት ባዕዳውያን ወያኔን ህግደፍን ኮይኑ ይሳቐ ኣሎ

እዞም ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፈላልዮም ዝገዝኡዎ ዘለው ክልተ ትግሪኛ ተዛረብቲ ጭፍራ፤ ብሓቂ ካብ ጽልዋን ቍጽጽርን መሃንድሳት ይጽዮናውያን ሓራ ድዮም ወይስ ዑሱባት ጽዮናውያን እዮም? እቲ ቀንዲ መንነቶም ደቂ ኣግኣዝያን እኮ እንተኾነ፣ መንነቶም ንባዕዳውያን ሸይጦም፣ ፕሮክሲ/ ሜርሲነሪ  ጽዮናውያን ኮይኖምል የገልግሉዎም ከምዘለውን፣ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ረብሓ ግና  ብፍላይ ንህዝብታት  ኤርትራን ትግራይን፣ ኢትዮፕያ፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዚን ስትራተጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘይውክሉ፣ ዘረጋግጽ መርትዖከ ኣሎዶ? እስከ ነዛ

ብሃገራዊ ወደባት ኖላዊ ለባሲ፣ ከም መእተዊ ኮይና ቀሪባ ዘላ  ኣውድዮ ቪዝዋል YOUTUBE ተኻታቲልና ንስምዓያ እሞ ክንመራመር ከኣ ንፈትን።

ቀንዲ ተልእኾ መሪሕነት ወያኔን ህግደፍን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ብትን ኣእቲኽ ነታ ሃገር ንባዕዳውያን ንምርካብ እዩ። እዚ መደብ ዕዮ እዚ ግና፣ እቲ ካብ 1884 ዓ.ም.ፈ. ቅድሚ እቲ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዝተሳዕረሉ እዋን ጀሚሩ፣ ኣብ ከተማ በርሊን ብውዲታውያን ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ ሕንጻጽ ኣብ ግብሪ ንምዓል እዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ጽዮናውያን፣ ንካልኦት ኣፍሪቃ ሃገራት ዳርጋ ተቛጻጺሮመን እዮም። ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍርቃ ግና፣ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራን ሶማልን ክቆጻጸሩዎ ስለዘይከኣሉ፣ ገረብ ብሓኽላ ጥራይ ገርካ ኣብዝተናውሐ ምዕዋት ዝብል እከይ መደብ ኣውጺኦም፣ ንወያኔን ህግደፍን ተዛረብቲ ትግሪኛ መልሚሎም ንሜዳ ኣዋፊሮሞም። መኽንያቱ ጀጀውቲ ጽዮናውያን፣ ብውዲት ጥራይ ስለዝሰርሑ፣ብስነኣእምራዊን፣ ብሶሻልኢንጂነሪንግን፣ ብስለላን ኮለላን፣ እንተዘይኮይኑ፣ ድሎ ከይትዕሎ ኢልካ ምስ ኤርትራውትያንን ሶማላውያንን ከምዘይሰልጥ በቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን ገሮም ስለዘረጋገጹ፣ ንወያኔን ህግደፍን ከም ፕሮክሲ ሓይሊ  ገሮም ልኢኾምልና።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 10.09.2017 ዓ.ም.ፈ.