ኣብ ዘመነ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

እቲ ካብ 1976 ዓ.ም.ፈ. ህ.ግ.ሓ.ኤ ብወግዓዊ ውድባዊ ጉባኤ መሪሕነቱ ዝመረጸ፣ በቲ ርእስኽ ብርእስኽ ምኽኣል ወይ Self Reliance ዝብል ፕሮጀክት ተመሪሑ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ፣ብቁጠባዊ መዳይን፣ ሕክምናን፣ ብሚክሮ-ኢንዳስትሪን ተሰኒዩ ነብሱ ክኢሉ ተቓሊሱ እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ኩሉ ህዝባዊ ሰራዊትን፣ ነቲ ካብ መነባብሮኡ ዝተዛናበለ ኣብ ሳሕል ተዓቒቡ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ክፍሊ ህዝቢ ኤርትራን፣ከምኡን ነቶም ካብ እሱራት “ሓለዋ ሰውራ” ተጋደልቲ ደቂ ኤርትራ ዝበለጸ  ናብራ ዘሕልፉ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያን፣ ካብ ጥሜትን ጽምእን ዕርቃንን ሕማምን ተኻላኺሉ፣ ብትብዓት ድማ ንጸላኢኡ ኣትቂዑ፣ ብዕለት 24 ግንቦ1991 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ መሬታን ባሕራን ሓራ እውጽኡዋ።

ኣስተብህሉ፤ እቲ ርእስኽ ብርእስኽ ምኽኣል ወይ Self Reliance ዝብል ፍልስፍና፣ ብዶር. እዮብ ገብረልዑል ኣብ ደፈረ ዝተባህለ ዓዲ፣ ኣብ ወረዳ ድንበዛን ሓማሴን ዝተወልደ ሊቅ ወደባት ነበረ። ዶር. እዮብ ኣብ ሶቭየት ሕብረት (ሎሚ ሩስያ) ዝርከብ፣ ሉሙምባ ዝተባህለ ዩኒቨርሲቲ ብቁጠባ ዶክተርነት ዝተመረቐ ምሁር ወደባት ነበረ። በቲ ልኡኽ ባዕዳውያን ግንከኣ ብስዉር ስለላን ኮለላን ዝሰልጠነ፣ ጸረ ምዕባሌን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ነቲ ፍልስፍና ዶር. እዮብ ሰሪቑ ከብቅዕ፣ ንዶር. እዮብ ግና “ብየማንዊ ክንፊ ጸረ ሰውራ“ ዝብል ስሙ ብምጥፍእ በቶም ጭፍራ ቅንጸላ ዝኾኑ ኮራኹር ኢሰያስ ብዓል መስፍን ሓጎስ ዝተቐንጸለ ህገራዊ ሓርበኛ ወደባት ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ነበረ።

ኣብ ዘመነ እ.ህ.ግ.ደ.ፍ.ከ?

ዋላኳ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ነቲ ብዶ. እዮብ ዝተማህዘ “ርእስኽ ብርእስኽ ምኽኣል ወይ Self Reliance“ ዝብል ፍልስፍና፣ ንኸምስል ክሳብ ነስመራ ዝኣቱ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ኣንተገበረ፣ ብድሕሪ 1993 ዓ.ም.ፈ. ግና ነቲ “ርእስኽ ብርእስኽ ምኽኣል“ ዝብል ፍልስፍና ጠንጢኑ፣ ነቲ ኣብ ሜዳ ከሎ ጠምዩን ጸሚኡን ዓሪቑን ዘይፈልጥ ዝነበረ ህዝብን ሰራዊትን፣ ብመሃንድሳት ጀርመንን ኣሜሪካን እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተማህዘ ተስፋ ዘቑርጽ እከይ ፕሮጀክት ወይ ፍልስፍና ቀዳምነት ሂቡ። ነዛ ሎሚ እንርእያ ዘሎና ማይ “ጠፊኣ ሉቸ መጺኣ!“፣ “መድሃኒት የለ!”፣ “ሓካይም ተሳኢኖም“ ዝብሃለላ ዘሎ ብስለላን ኮለላን ቅንጸላን እትዛእ ዘላ ሃገር ድማ ክምስርት ገልዳሕ ይብል ኣሎ።

መተሓሳሰቢ፣እዚ ኣብ ላዓሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ታሪኻዊ ዓንቀጽ፣ እቶም ኣብቲ እዋንቲ ብኣካል ዝነበሩን ክሳብ ሎሚ ድማ ብህይወት ዘለውን ገዳይም ተጋደልቲ ኣጸቢቖም ዝዝክሩዎን ሓቂ እዩ። እቲ ብዶር. እዮብ ዝተማህዘ ፕሮጀክት ቁጠባ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ካብ ሜዳ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ እንተዝትግበር ነይሩ፣ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ከም ብዓል ሃገር ምሌይዛን ኢንዶኔዝያን ምኾነት ነይራ።

ክቍጽል እዩ

እስኪ ነዚ በቲ ብርዓi ስም “ፎሮ” FORO ዝብሃል ኣባል ክፍሊ ስለላን ጸረስለላን ህግደፍ ነበር፣ ሓው ብፍላይ ሎሚ ብድሕሪ ነጻነት ዝፍጸምዘሎ ግብረሽበራ ጭፍራ ህግደፍ ብድምጺ ክገልጾ ከሎ ንከታተሎ። ዘይ ወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ!