ትኽስ ድሙስ መሃመል ኣንጭዋ!

ጭርጭር ዓበደ እቶምም ክናናን ምናናን ዝኾኑ ህግደፍን ወያኔን ክሳብ መዓስዩ?

እቲ ንህዝቢ ኮነ ኢሎም ንምድንጋር ዝመሃዝዩዎ ዘይወግዓዊ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን መስመር መስመር ሰርሓ-ዛላምበሳ ሕጂ ከኣ ከም ኣመሎም ዓጺናዮ ይብሉ ኣለው። ኣብቲ ህዝቢ ዓለም ሰላምን ፍቕርን እንዳተመነየ ልደት ክርስቶስ ዘብዕለሉ ሰሙን፣ ኣቡነዘበሰማያት ደጊሙ ዘይፈልጥ ልኡኽ ጽዮናውያን ጭፍራ ህግደፍ ከኣ፣ ኣብ ሳዋን፡ ባረንቱን ኣቑርደትን ንሓለፍቲ ኣካላቱ፣ ጽዑቕ ውዲታዊ ኣኼባ ከካይድ ከምዝቐነየ ተፈሊጡ። እዚ ኣኸባታት እዚ ድማ፣ ተልእኾኡ ነቲ  ሕገኣልቦ ልኡኽ መላኺ ሓለቓ ኢህግደፍ ኢሰያስ “Game Over Weyane” ዝበሎ ንምትግባር ዝዓለመ ምዃኑ ተኻታተልቲ ሕሱር ፖለቲካ ህግደፍ ይገልጹ።

እተን ምንጭታት ዜና ከምዝሓበርኦ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዕለት 26 ታሕሳስ 2018 ወጋሕታ ጀሚሩ ከምተዓጸው ተዓጽዩ  እዩ። በዚ መሰረት እቶም ቀደም በለስ ዝሽቅጡ ዝነበሩ ኣዝማድ ኢሰያስ ብማካይን ጣፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሸጡሉ ዝቐንዩ፣ ምስ መጓዕዝያታቶም ኣእብ ሃገሮም ክምለሱ ተኣዊጁሎም። እቶም ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ከለው፣ “ከም ኣመሉ እቲ ምዕጻው ስጉምቲ: በቲ ን27 ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ዝፍለጥ ግንከኣ ሕገ-ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ እዩ ተወሲዱ ዘሎ”። እቶም ኣዝዮም ነዚ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብዛዕባ “ምድማርን”! “ፍቅር ያሸንፋል”! “ሰላም”! “ዕርቂ”!ን ዝብሉ ዘይትግበሩ ተስፋታት፣ ብኣቢዪ ኣሕመድን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ክጭርሑ ዝቐነዩ፣ ጭርሖታትን እቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡን ዝከታተሉ ክኢላታት ፖለቲካ ርእይቶኦም ክህቡ ከለው ከምዚ ይብሉ:- “ነቲ ገርሀኛ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ሕብረትን ዕርቅን: ብሓቂ ዝኣምን ህዝቢ ብዝንባሌኡ መጺኦም: ንኸዓንጅሉዎ እምበር: ሓቅኛ ምድማርን ሰላምን ከምጽኡ ኢሎም ኣይኮኑን” ይብሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ድማ፣ እዚ እሰያስ ንጎንደርን ንኣዋሳን ኣዲስ ኣበባን ዕንክሊል እንዳበለ፣ ምስ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ ክራኸቦ ዝቐነየ፣ ሓደ ሕቡእ ኣጀንዳ ንክፈራረምን ንኽወዓዓል እዩ ። ንሱ ድማ ንዶብ ዛላምበሳ ዕጺኻ ንዶብ ዓሰብ ከፊትካ ንወያኔ ብጎረርኦም ንምሕናቕ እዩ። ካልኣይውን ኢሰያስ ንጎንደር ዝኸደላ ዓለት፣ ንትግራይ ዘምርሕ መንገዲ ጎንደር  ብመንግስቲ ክልል ጎንደር ብምኽሪ ኢሰያስ ከምዝዕጾ  ምስ ኣቢ ከምዝተፈራረመ እዩ ዝፍለጥ።

ስለዚ እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ስርዓተ ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ባረንቱ፣ ብፍሉይ ፕሪማ–ካንትሪ ዝባሃል ቦታ፣ ንሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን፣ ኣብ ከተማ ኣቑርደተ ንኣማሓደርቲ ዞባታትን ምልሻን፣ ኣብ ሳዋ ድማ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ጽዑቕ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ፣ እቲ ቀንዲ ስዉርን ግሁድን መደብ ዕዮ፣ ጭፍራ ወያኔ ብዓሰብን ብጎንደርን ጥራይ ዘይኮነስ ንሱዳን ገጹ ዘምርሕ ዶባትውን ሰራዊት ኤርትራ ንኽዓጽዎ ዝብል ውዲት እዩ። ብወገን ሱዳን ዘሎ ዶብ ምስዝዕጾ ድማ  ወያኔ ኣብ ማሕነቕትን “Game over”ን ክትክተት እያ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፣ እቲ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ካብ 8 ንላዕሊ ስልጣናት ዝቐያየረ፣ ግንከኣ ቀንዲ ሰላዪ ኢሰያስ ዝነበረ፣ ብወገን መወለድ ኣቡኡ ትግራዋይ፣ በዲኡ ከኣ ኤርትራዊት ስብሓት ኤፍረም፣ ብኣርባዕተ ጠያዪት ሓንጎሉ ከምዝፈሰሰ ተሓቢሩ። ድሕሪ ኣብ ዱባይን ሱዳንን ሕክምና ምግባር ግና፣ ኣብዚ እዋንዚ ገና ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኮማ ከምዘሎ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ ጀጋኑ ሓለፍቲ ክፍለ ሰራዊት ንልኡኽ ሃጸያውያን ኢሰያስ ንሃገር ሶማል ዑደት እንዳኣካየደ ከሎ፣ ምስ ስብሓት ኤፍሬም ተላዚቦም ክዓልውዎ መደብ ምስ ኣውጽኡ፣ ከም ኣመሉ ንጎይቱኢ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ተለፎን ደዊሉ፣ ነቲ ፕሮጀክት ዕልዋ መንግስቲ ኢሰያስ ኣፍሺሉዎ። ካብኡ ሓደ ጅግና ካብቶም ሓለፍቲ ክፍለ ሰራዊ ብኣርባዕተ ጠያዪት ከምዝወግኦሞ ሓንጎሉ ብደም ከዝመልአ፣ ዝብል እቲ ዝመጸና ሓበሬታ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ