ኣብዚ እዋንዚ፣ ብዛዕባ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቅን፣ ፍታሕ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድኣ፣ እንታይ እዩ ዝስማዕ ዘሎ? ህዝቢ ኤርትራኽ ንፍታሕ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይሓስብ ኣሎ? ኩነታት ወያኔን ህግደፍን፣ ድሕሪ ምቕልቃል 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ እንታይ እዩ ክኸውን?

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት፣ ድሕሪ ምቕልቃል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ማለትዩ፣ ኣብ እንዳ ህግደፍ ሸበድበድ ከምዝቐነየን፣ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ከመይ ክኸውን ይድለ ከምዘሎን፣ እቶም ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውሩን፣ ጎይቶት ኢሰያስን ወያኔን ወሲኖም ከምዘለው፣ ነቶም በብግዜኡ ንመስርሕን ጉዕዞን ብፍላይ ከኣ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብሓፈሻ ድማ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ሰባት፣ እቲ ጉዳይ ኣበይ ገጹ ከምዝኸይድ  ዘሎ ድሮ በሪሁሎም እዩ።

ርግጽዩ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምኣመሉ ብሕቡእ ብፍልይቲ ነፋሪት ንሃገር ጣልያን በቶም ጎይተቱ መሃንድሳት ጽዮናውያን ተጠሊቡ ክሃፍፍ ከይዱ ቀንዩ። እቲ ካብ ዓዲ ጣልያን ዝበጽሓና ዜና ከምዝሕብሮ፣ እቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ወይ ክኢላታት ጂኦ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ወከልቲ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ንኢሰያስ ነቲ በዚ ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ እሕመድ፣ ዝቐርብ ዘሎ “እማመ ሰላም” ክትቅበሎ ኣሎካ ኢሎም ከምዝኣዘዙዎ እዩ ዝሕብር። ካብኡ ተበጊሱ ድማ ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ጎስጓሱ “ሰላም ምስ ኢትዮጵያ” ዝብል ክኸውን ከሎ፣ እቶም ኮራኹሩ ብዓል ማንክን ክሻን ድማ ኣብ ሓያሎ ሃገራት እንዳተመላለሱ ጎስጓሳት የካይዱ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ

 ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ውዲታዊን ሕቡእን፣ ግንከኣ ብስነኣእምሮ ዝተሰነየ ፖለቲካዊ ወፍሪ፣ እንተ ተኻታቲልኩም፣ እንዳ ህግደፍ መዝሙር ሰላም ምስ ሃገር ኢትዮጵያ ክዝምሩን፣ ላዕልን ታሕትን ከዕለብጡን ይርኣዩ ኣለው። እሞ ንሕናኸ ከም ደቂ ሃገር እንታይ ክንገብር ይግብኣና?

ኣስተብህል፣ እንዳህግደፍን ጎይቶቶምስ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ዝተታሓሓዙዎ ፕሮጀክት ንኽተግብሩ ብመደብ ይሰርሑ ኣለው። ንሕና ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤርትራን እንነብር፣ ደገፍቲ ህግደፍን፣ ተቋወምቲ ህግደፍንከ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?

ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፓልቶክ፣ ኣብ ዩቱብ፣ ኣብ 44 ውድባትን ማሕበራትን፣ ኣብ ብሔረሰባትን፣ ሃይማኖታዊ ትካላትን፣ ወገናዊ ዝንባሌታትን ፋሕ ኢልካ ኣይኮነን ዝርከብ። ብሓንቲ ሃገር ኣሚንካ ብሕጊ ተሳማሚዕካ፣ ሓደ እንኮ ሃገራዊ ደንበ ኣቚምካ ሞግዚታዊ ወይ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ምምስራት  ጥራይ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዝግበር ቃልሲ ላግጺ እምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ኣይኮነን።

ስለዚ “ካብ ብዙሕ ምጒያ ክሳድ ምሓዝ” ከምዝብሃል፣ ክቡራት ደቂ ሃገር ኣባላት ህግደፍ ኩኑ፣ ተቓወምቲ ህግደፍ፣ ንድሕነትኩምን፣ ንድሕነት ህዝብኹም ኣቐዲምኩም ክትቃራረቡን፣ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ፣ ወይከኣ ብእንዳሂግደፍን ጽዮናውያንን ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ዝጸንሐን ገና ዝፍጸም ዘሎን ተገንዚብና፣ ብሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልዑላውነትናን ዝሕሰብን ዝምደብን ዘሎ ውዲት ኣለሊና ፣ ዓገብ ኢልና ብስም ደቂ ሃገር፣ ንሃገርናን፣ ንህዝብናን፣ ንባህልናን፣ንሃይማኖትናን ክንብል ኢሂን ምሂን ነበልሞ፣ ከምኡ ምስንገብር ፍታሕ ክንረክብ ግደነት እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ግና ነንበይንና ኮና፣ ኣብ ፓልቶክ እንዳ ኣቶና፣ ዘረባ ዕሱብ ህግደፍ ወይጦ “ወዲ ጣባ”፣ ከዳሚ ህግደፍ “ወይጦ ፎሮ”፣ ወይከኣ ዕሱብ ወያኔ “ፓይሎት” ወዘተ…..እንዳሰማዕና ንሃገር ሓሲብና ወይከኣ ጸላእትና ኣለሊና ማለት ኣይኮነን። ወይከኣ ከምቲ ትካል ህግደፍ ዝኾነት መርበብ “መስከረም” ከም ቅኑዕ ሓበሬታ ትሕብር ተረዲእና ዕንክሊል ካብ ምባልን፣ እንተቆዘምናን፣ እንተኣስተማሰልናን፣ ንኢሰያስን ንጽዮናውያንን እንተተጻረፍናን ንረኽቦ ፍታሕ ከቶ የልቦን።

ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ክንገብሮ ዘሎና ሓደ ኣካል ኮና ተጠርኒፍና ብስነስርዓት ምስንምክት ጥራይ እዩ። ካልእ ፍታሕ የልቦን። እዞም ብስም ተቋወምቲ ንኣስታት 24 ዓመታት፣ ብ”ምሕዝነት”፣ ብ”ኪዳን” ብ”ሃገራዊ ባይቶ” እንዳበልኩም፣ ንመቐለን፣ ኣዲስ ኣበባን፣ ኣዋሳን ክትመላለሱ ክትደኽሙ ዝጸናሕኩም ድማ፣ “ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ” ከምዝብሃል፣ ካብቶም ምስ ህግደፍ ክልተገጽ ሓደ ቅርሺ  ዝኾኑ፣ እንዳ ወያኔ ክንዲ ፍረኣድሪ ትኸውን ረብሓን ኣንፈት ቃልስን ከምዘይረኸብኩም ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ “ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ” ከምዝብሃል፣ እንሆ እቲ መድረኽ ሓድነት፣ እዋኑ በጺሑ ኣሎሞ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምንም ቃልሲ ከምዘይርከብ ተረዲእኩም፣ ኣብ ዘዘሎኹሞ ሃገራት ኮንኩም ብሓዲሽ ቅድን ፕሮግራምን ፕላትፎርምን፣ ንሓንቲ ኤርትራን ንሑቡር ኤርትራን ኢልኩም ህዝቢ ክትውድቡን ተበገሱ።

ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ነገር ስለዘየለ፣ ሓደራ ጽባሕ ብጊሓት ብታሪኽ ከይትኽሰሱ። ሕጂ ካብቲ ዝነበርኩሞ መንገዲ ጸድፊ ተመለሱ።

 ከይተጠርነፍካ፣ ተፋላሊኽ ዝመጽእ ዓወት ከቶ የልቦ!

ብፍላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህዝቢ፣ ግንከኣ መላኺ ኢሰያስ ዝላገጸሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን፣ ብሓፈሽ ከኣ እቲ ኣብ ኣብ ስደት፣ (ዲያስፖራ) ፋሕ-ብትን ኢሉ ከይተሳማምዐ ብፍላይ እኳ ብስነኣእምራዊ ጭንቀት እንዳተሳቐየ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፣ ሃገራዊ ስኒትን፣ ፍቕርን ሓድነትን ጨቢጡ ጸላኢኡን ፈታዊኡን ኣለልዩ ክምክት ንላብዎ ! ከምዚ እንተድኣ ዘይገሩ ግና፣ ኢሰያስ ክሳብ ዝመውት ክገዝእ እዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክጸንት እዩ!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ