መእተዊ

ዕድመ ንቴክኖሎጂ ዓለም ኣብ ሓንቲ ደንበ ተለዊጣ፣ ብኹሉ አንፈት ሓበሬታን መረዳእታን ኣብ አፍ ገዛና እንዳመጸ ብሓደ ወገን እንዳጠቐመና ብካልእ ወገን ከኣ ምጠርጣርን ስንፍናን ክስዕርር ይገብር ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝተዓፈነ ዜጋ ዘመናዊ ኣገልግሎትታት ቴክኖሎጂ ተጠቃሚ ንከይከውን ዋላ እንተተሓረመ፣ ብዝተፈላለየ መገድታት ሓበሬታ ምርካቡ ኣይተረፈን፡፡

ኣብዚ እዋን ምስ ጻዕቒ ኣብ መናድቕ ፌስ-ቡክ ምስ ዝጥቅዑ ሓበሬታታት ብዙሓት ተጠቀምቲ እንዳተሰላቸው ይመጹ ምህላዎም ርዱእ እዩ፡፡ እዚ ብመልክዕ ፌስ-ቡክዝዝርግሖ ዘለኹ ጭቡጥ ሓበሬታን መረዳእታን ንዝስልከዮም ጀሚሮም ዝሓድግዎ፡ ንዝጠራጠሩ ገለ ጠብላሕታ ዝገብረሎም፡ ንገበርቲ እከይን መጋበሪያ ምልኪን ዘጨንቖምን ዘባህርሮምን፡ ንደለየቲ ለውጢ ከኣ ዘበራብርን ዝያዳ ድርኺት ዝፈጥርን ከም ዝኾውን እኣምን፡፡

ፔጅ ሳክቲዝም ሓበሬታ ምፍናው ምስ ጀመረት፣ ብኣግኡ ብዝተወደበ  ጥርዓናት ህግደፋውያንንግዚኡ ተዓጽያ ነይራ፡፡ ድሕሪ 3 ሰሙናት ግን ብሓድሽ መልክዕ ስራሕ ካብ ትጅምር ዛጊት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ አዋርሕ ልዕሊ 17 ሺሕ LIKE ን ንሓደ ፖስት ልዕሊ 1000 ሼርን፡ ሰሙናዊ ልዕሊ 380,000 Post Reach (Admin ጥራይ ዝርእዮ) ትረክብ ኣላ፡፡

መብዛሐትአን ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣድህቦ ገይረን ዝነጥፋ መርበብ ሓበሬታታትን ሚዲያታታትን ብሳክትዝም ዝፍኖ ሓበሬታታትን ሰነዳትን ተቐባቢለን ንህዝቢ ይፍንዋ ኣለዋ፡፡ ኣፈኛታት ልኡኽ መላኺ ሓዊሱ ዓለም ለኸ ጋዜጣታት፡ መርበባት ሓበሬታን ብሎጋትን ብዛዕባ ፔጅ ሳክቲዝም ብዙሕ ኣወንታዊን ገለ ኣሉታዊን ትንታኔታት ይጽሕፉ ኣለው፡፡

በ INBOX ዳርጋ ኩሎም ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዝግደሱ ውድባት፡ ትካላት፡ ጸሓፍቲ፡ ሙሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ሃናጺ ርእይቶታትን ምዕዶታትን ይልግሱለይ ኣለው፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ስለ ህዘብን ሃገርና ኤርትራን ተገዲስኩም፡ ከይተሓለልኩም ነዛ ፔጅ ትከታተሉ ዘለኹም፡ አንጻር ግብረ እከይ ዝኾነ ጉጅለ ኢሳይያስ ብዘተፈላለዩ መገድታት ዝነጠፍ ንዘሎ ግዱስ ዜጋን መሓዙት ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራን ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ሓጺር መብርሂ፡

ነቲ አማኒ: “ፈጣሪ ንኹሉ ተዓዚቡ ጸሎትን ምህለላን ህዝቢ ምስ ዝሰምዕ”፡ ነቲ ላንጋ ላንጋን ሳይንሳዊን ከኣ በዝተፈላለዩ ገምጋማትን ትንታነታትን ኣብ ጽጹይ መደምደምታ ምስ ዝበጽሕ፡ ምስ ጊዜ ዝጸልመተ እንዳበርሀ፡ ዝተኸወለ እንዳተቐልዐ ምኻዱ ዘይተርፍ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ እዩ፡፡

ከምቲ ትማልን ሎምን ኢሳያይስን ሒደት ስዓብቱን ብተነጸለን ብዝተወደበ አገባባትን ዘካይድዎ ዘለው፣ ብቋንቋን ታሪኽን ምብላጽ፡ ተገራጫዊ ትንታነታትን መናውራታትን ብምዝርጋሕ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ክኣቱ ምግባር፡ ብኮታት ተደሊዩ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ምትፍናንን ክነግስ ምግባር፡ ንዝተቓወመ ዝተሰነዐ ሰሌዳ ጠቂዕኻ “ብኣውራጃ፡ ብቐቢላ፡ ብሃይማኖት፡ ብግድምናንን ካልኦት ዝተምሃዙ ውዲታት መኣዝን ክስሕት ምግባር፡ ኣብታ መጻኢት ርህውቲ ኤርትራ ኣይክህሉን እዩ፡፡

ኣብ ሃገርና ብድዐ፡ ጸቕጢ፡ ምትፍናን፡ ጸለመ ( Character assassination) ምትላል፡ ክሕደት፡ መብጸዓ፡ ጥልመት፡ ብኣጉል ጥርጣረ ሰባት ምቅታልን ምሕቃቕን በብመብረ ተሰረዖም ከከም ግዚኡን መድረኹን ደይ መደይ ተባሂሎም ዝትግበሩ፡ ወለዶ ብዘጽንቱ፡ ሃገር ንምብዳም ድቃስ ብዝሰኣኑ፡ ፈጣሪ ዝተባኣሶም ተቋመርቲ ኣፍ ሞት ፡ ዝጠቀምሉ ሜላ መናዊሒ ውልቀ መለኽቲ’ዩ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ገለ ግዜ ከም ብጻጸ ዝተነኽሰ ተመን፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኽኣ ገበል እንዳመሰለ ብሰም ሃገራዊ ረብሓ፡ ጸጥታን ማሕበራዊ ፍትሕን እንዳሸቀጠ ስንከልከል እንዳበለ ዕምሪ ሰልጣኑ የናውሕ ኣሎ፡፡ ታሪክ ንዘንበበን ህልው ኩነታት ዓለም ንዝርድኦ ሰብ ከኣ ብስም ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ዝካየድ ምቁማር (ምሽቃጥ) ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝብገስ ኣመል ገበትን ዓመጽትን ሜላ እዩ፡፡

ንቅርጡውን ጽፉፍን ኣተሓዛ ኣጽዋር ህ.ግ ንምግላጽ “ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ” ከምዝተብሃለ፡ ንሚስጢር ዓወታትን ቅያታትን ህ.ግ ከኣ “ሚስጢር ዓወትና ሚስጠር ምዕቃብ’ዩ” ተባሂሉ እዩ፡፡ ሓቂ እዩ!! ሰፊሕ ዝርገሐን ስጡም ኣወዳድባን ፈጢሩ፡ ሚስጠር ዓቂቡ፡ ዝተዓወተ ግንባር’ዩ፡ ህዝባዊ ግንባር፡፡ ናጽነት ንምውሓስ ኢሎም ኣብ ኢድ ጸላኢ ምስ ኣተው ሚስጢር ንምዕቃብ ክንደይ መግረፍትን ስቓይን ሰጊሮም ነብሶም ሰሚምም ዝሓለፉ ብዙሓት ብሉጻት ዜጋታት ኣለውና፡፡

ትማል “ሚስጢር ዓወትና ሚስጢር ምዕቃብና” ከምዘይተባህለ በሰንኪ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ሚስጢር ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ሰማዊ ኮይኑ፡ ምዕቃብ ሚስጢር ንረብሓ ሃገር ዘይኮነስ መናውሒ ዕምረ ምልኪን፡ መጋበርያ ዓመጽትን ገበትን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ታሪኽ ዘይኽሕዶ ንዝንተ-አለም ንወለዶታት ዝወራረስ እጹብ ታሪኽና፡ መትከላትናን ናጽነትናን ተጨዊዩ፡ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ ደልሃመት እንዳጠሓለት፡ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ዘውረድዎ ሕስምን መከራን “ሚስጢር” ተባሂሉ ክዕቀበሎም ይደልዩ ኣለው፡፡

ሃገራዊ ሚስጢር ንረብሓ፡ ቅሳነትን ራህዋን ህዝቢ ክውዕል እንተዘይኪኢሉ፡ መበለጺን መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ውልቀ መለኽቲ ይኸውን፡፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ቃልሲ ንሓርነት፡ ህዝብና ካብ ምጽናት ንምድሓን ፍርሂ፡ ብድዐ፡ ጭርሖን ጥሒሶም ብምስምስ “ሚስጢር” ካብ ህዝቢ ዝተኸወሉ እከይ ተግባራት ህግደፍ ብድፍረት ዘቃልዑ ዜጋታት ክህልው ይግባእ፡፡ ሞሶኦም ከይረኸቡ፡ ባህጎም ዝተጨወየ ስውኣትና ክድበሱን፡ ንሓርነት እነካይዶ ቃልሲ ንኽዕወት፡ ነቶም ኣብ ድርኩኺት ዕርበት ዝርከቡ ኣረሜናት ዕርበቶም ምእንቲ ከቀላጥፍ፡ ንደላይ ፍትሒ ሓፋሽ ዘበራብር፡ እቲ ዝዋዓሎ ዝፈልጦ፡ ስሚዒት ዘይለገቦ፡ ቃላት ዘይኳሓሓልዎ፡ ባዕሉ ዝዛረብ “ሚስጢር ጠላማት” ዕረ እንዳጠዓሞም፡ ጸለመታት ኣፍ ሞት እንዳጋዓሩ፡ ሕጂ ውን ንሓፋሽ ውጹዕ ህዝብና እንሆ! ምባል ክቕጽሎ እየ፡፡

ንሎሚ ካብቲ ዋላ ንጨና፡ ህዝባዊ መሰረትን ሓልዮትን ዘይብሉ ኣካል ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝኾነ ብስም ሓይልታት ፖሊስን ጽጥታን ዝስመ ክጅምረልኩም፡

ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ፡

ክቡራት አንበብቲ!!

ንዝፈልጦን ዘይፈልጦን በደቂቅ ንኽርድኦ፡ ንሎሚ ብመንኮርኮር ሓሳብ ኣብ ሓደ ብደም ንጹሃን ዝጨቀወ ህግደፋዊ ትካል፣ ምሳይ ክትጓዓዙ ይላቦዎኩም፡፡ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ጠባ ተራኺብና ኣለና፡፡ ከም በዓል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ፋይናንስ ኢሜግረሽንን ካልኦትን ሓዲግና ኣብ ውሽጢ ብልሙድ ኣጸዋውዓ White House (ቻው ሆቴል) ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ቤ/ጽሕፈት ንጠምት፡፡

ድሕሪ ገለ ስጉሚታት ኣብ ቅድሜኹም ትርእይዎ 4 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ፣ ኣብ እዋን ሃይለስላሰን ደርግን ሆቴል ሓደ ውልቀሰብ ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ቤ/ጽሕፈት ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ካልኦት ደቀቕቲ ነገራት ገዲፈና ኣብቲ ቀንዲ ህንጻ ምስ እንኣቱ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ Basement ዝተዓሸጋ ዝተፈላለያ መካይን ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ንረክብ፡፡ ኣብ ነፍሰወከፍ ደርቢ (Floor) ህንጻ ዋይትሃውስ ንሸነኽ ሰሜንን ደቡብን ዝጥምታ ኣስታት 7 ክፍልታትን ኣብ ሞንጎ ከኣ ዝተቆራረጸ ክላሳት ይርከብ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ድብሪ ከም በዓል ክፍሊ ምምሕዳር፡ ፋይናንስ፡ ሎጂስቲክስን ካልኦት ክፍልታትን ንኡሳን ጨናፍርን ኣለው፡፡ ከምኡ’ውን ሓደ ዓቢ መአከቢ አዳራሽ (Hall ) ኣሎ፡፡ ኣብቲ ቀዳማይ ደርቢ ዝርከባ ክፍልታት ካብ ዘለው ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን መሳርሒ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝኾነ ዝዓበየ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ኮ/ል ሃይለ ተስፋዝጊ (ክቡርነቱ) እዩ፡፡ ካልኦት ሓለፍትን አባላቱን በቢኣካላትን ጨንፈራትን ኣብ ቀደማይ ደርቢተወዚዖም ነናይ ብሕታoምን ገዛእ ርእሶምን ቤ/ጽሕፈት ሒዞም ይርከቡ፡፡

ክቡራት! ጉዕዙና ቀጺልና ዝተወሰነ ኣሰካላታት ደየብና፣ ኣብ ካልኣይ ደርቢ በጺሕና፡ እዚ ደርቢ መብዛሕትኦም ምስ ስርሓት ጸጥታን ግህሰት ሰበኣዊ መሰል ደቂኣዳምን ርክብ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ብቀጥታ ዝዋስኡን ዝነጥፉን ሓለፍቲ ዝርከብዎ እቲ ቀንዲ ስራሕ ዝሰርሓሉ ደርቢ እዩ፡፡ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ቤ/ጽሕፈት በዓል ሜጀር ካሕሳይ በየነ፡ ኮ/ል የማነ ዓንደማርያም (ስኮሎቫ) ፡ ኮሎ/ ዮሴፍ ጸጋይ (ኣርከበ ወይ መምህር)፡ ኣብ 2014 ዝሞተ ኮ/ል ስዩም ሃብተማርያም (ላጅን) ሓላፊ ክፍሊ ሕግን ርክባትን ካልኦት ሓለፍትን ይርከቡ፡፡

ቀጺልና ኣብ 3ይ ደርቢ ምስ እንጓዓዝ እቶም ክልተ ቀንዲ ብደም ንጹሃት ዜጋታት ዝዓፍተው ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ ዝተመደብሉ ክፍልታት ንረከብ፡፡ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤ/ጽ ኣዛዚ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ብ/ጀ ስምኦን ገ/ድንግል ምስ ጸሓፍቱ ሌ/ኮ ዮሴፍን ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ትርሓስን ንረኽቦ፡፡ ብሸነኽ የማን አብ ዝርከብ ክፍሊ ድማ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ፣ ሓላፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ ምስ ጸሓፍቱ ሜጀር ብርሃነ ዮውሃንስን፣ ሚዛን ሃይለ (ኣብ ቀረባ ዝወጸት) ንረኽቦም፡፡

ክቡራት አንበብቲ ቀጺልና ኣብ 4ይ ደርቢ ነምርሕ፡፡ ኣብዚ ደርቢ ምስ እንድይብ ብሓፈሻ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ብዙሕ ትርጉም ዘይብሎም ኣባላት ዝርከብዎ ከም በዓል ክፍሊ ፎቶ ኮፒ፡ ምሕታም መንቀሳቀሲን፡ መደቀሲ ቆልዑት ዝወለዳ ኣባላት ን፣ ካልኦት ተወሰኽቲ ቤ/ጽሕፈታት ተራን ወሃብቲ ድጋፍን ይርከብ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት ሓሳባዊ ጉዕዞና ኣብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ንምልላይ ብደም ዜጋታት ዝዓፈተው ቀንዲ ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብምኳኑ፣ ካብ 4ይ ድርቢ ወሪድና ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ህንጻ White Hotel ንመለስ፡፡ ኣብዘ ደርቢ እቶም 2 ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ክጠፍኡ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ጽባሕ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክሕተቱ ዝግበኦም በላዕቲ ሰብ ገበነኛታት ኣለው፡፡ ብ/ጀ ስምኦን ገ/ድነግልን ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን፡፡ እዞም ክልተ ሓናናት ገባብል ወኪል ሃ/ድሕነት- ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብቐጥታ ትእዛዝን መምርሒን እንዳተቐበሉ ሃገር ዘጽነቱ፡ ዜጋታት ዘሕቀቁ ንታሪኽ ድሕሪ ናጽነት ህዝብ ኤርትራ ካብ እቶም ዘመራስሑ መጋበርያ ምልኪ እዮም፡፡

ካብ ሎሚ ጀሚሩ እዚኦምን ነፍስወከፎም ኣብ White Houseን ኣብ መላእ ሃገርን ዘለው ቀንዲ ሓለፍቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጽሕዎ ግፍዕታት ብጭቡጥ በመረዳእታት አስንየ ብተኸታታሊ ክፍንወልኩም እየ፡፡ ወደሓንኩም