ኣብታ ምድረ-ሓበሻ ምድረ-ባሕሪ ምድረ-ኣግኣዝያን፣ ምድረ-ሳባ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር፣ እቲ ካብ1882 ክሳብ 1941 ዓ.ም.ፈ.ዝገዝኣ ዝነበረ ኮሎያል ጣልያን ግና ብ1890 ዓ.ም.ፈ. “ኤርትራ” ዘይናታ ስም ኣጠሚቑዋ። ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ከኣ እቲ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ከም መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ “ሓዳስ ኤርትራ” ኢሉ ስም ደጊሙ ኣጠመቓ። ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ፣ ትግራይ ኣምሓራ፣ ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስን ቅድመ ነቢዪ መሓመድ ጀሚሩ፣ ንዘመናት ብስልጣኔን፣ ብክቡር ባህልን፣ ብርትዓዊ ሃይማኖትን፣ ብጅግንነትን፣ ብደሳዊ ምሕደራን፣ ብሕገንዳባን ተማእኪሉ ሓራ ኮይኑ ክነብር ዝጸንሕ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ምድረ-ሓበሻ ወይ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ወይከኣ ህዝበ-ኣግኣዝያን፣ ንኽወሮ ዝመጸ ባዕዳዊ ወራሪ ብትብዓት ዝመልኦ ጅግንነት እንዳመከተ ብዘኽርዕ ዓወት እዩ ሰጒጉዎ። ክሳብ ሎሚ ከኣ ኣብ ክንዲ ውራይ ምዕባሌኡን ስልጣኔኡን ዝገብር፣ ብሰንኪ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገሩ፣ ግዳይ  ስዉራት ሓይልታት፣ ጽዮናያንን ሃጸያውያንን ማሕበር የሱሳውያን ዝብሃሉ ቫቲካን ዝቤትጽሕፈቶምን፣ ከምኡውን እቶም ተኻሉ ሎሚ መሃንድሳት “ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት”ን (new world Aorder) ወይ  ግሎባል ፕለየርስ ኮይኑ ገና ኣብ ምርብራብ የነብር ኣሎ። ብድሎ ከይትዕሎ ዘይኮነ ግና ብረቂቕ ስነኣእምራዊ ፍልስፍና ዝተሰነየ ሜላን ውዲትን ገሮም፣ ሰለልቲ መበል 21 ዓመተምህረት ከም  ብዓል ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ሓድሽ ክታብ ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ኣዋፊሮም ሓዲሽ ፈተን ክፍትኑ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። እወ ኣዝዩ ዘስደምም ወፍሪ፣ ምስቶም ጽሓይ ዝዓረቦም  ኣዕራብ ኣላፊኖም ነቲ ካብ 615 ክሳብ 750 ዝነበረ ረሳሕ ታሪኽ ኣዕራብ ክድሙ ብገረብ ብሓኽላ ይጻብኡዎ ኣለው።

ንመዘከርታ ንምጥቃስ መሪርን ኣዕናዊን ወራር ኣስላማዊ ሓይሊ፣ ካብ 615 ክሳብ 750 ዓ.ም.ፈ. ን135 ዝኣክል ማእለያ ዘይብሉ ንብረታዊ ዕንወትን፣ ሰብኣዊ ህልቀትን፣ ሃይማኖታዊን እምነታዊን ማህሰይትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓብርሻ ድሕሪ ምውራድ፣ ንደንከልን ንሰምሃርን፣ ንባርካን ሳሕልን ኣመስሊሙ፣ ብጀጋን ደቂ ምድረ ባሕሪ ደቂ ከበሳ ግና ተደምሲሱ ። እቲ ካብ ኲናት ዝሃደመ ድማ ጀለብዩ ነኺሱ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ፣ ንዓዲ ዓረቡ መካ መዲና ተዓዚሩ።

ኣዕናዊን ወራር ኣስላማዊ ሓይሊ፣ ንህዝቢ ሰመናዊ ኣፍሪቃ ካብቲ ክርስትያን እምነቱ ኣገዲዱ ብሓይሊ ኣብ ምስልምና እምነት ከምዝሰድዕ ገሩዎ፣ ወይ ኣመስሊሙዎ እዩ። እተን ብጭካኔ ወሪሩ ብቐስብ ዘመስለመን ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየን፤ ሃገር ግብጺ፣ ሊብያ፣ ኣልጀርያ፣ መሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ሃገር ሱዳን። እቲ ህዝብታት እዘን ሃገራት እዚአን እምብኣር ብገዛእ ቋንቍኡ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ። ንመረዳእታ፣ እዚ ሎሚ “ግብጺ” ዝብሃል ዘሎ ስም ቅድሚ ምስልምናን ወራር ሮማያንን ከምኒት ይብሃል ነይሩ። ወግዓዊ ቋንቍኦም ከኣ ቆብጢቅ (ኮፕቲ) እዩ ዝብሃል ነይሩ። እቶም ባርባራውያን ኣዕራብ ግና ንህዝቢ ከምነት ቋንቍኡን እምነቱን ጉሒፎም ቋንቋ ጓና ዓረብኛ ክምሃርን፣ ምስልምና ሃይማኖት ብግዲ ክኣምንን ቀሲቦሞ። ህዝቢ ሞሮኮን ቱኒዝያን ድም ቋንቋኦም ዓረብኛ ኣይነበረን። ብግዲ እዮም ብሰንኪ ኣዕራብ ቋንቍኦም ኣጥፊኦም፣ ሎሚ ዓረብኛ ዝዛረቡ ዘለው። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ባርባራውያን ኣዕራብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝፈጸሙዎ ዘይተኣደነ ግፍዒ ምኻኑ እዩ።

ንኣብነት፣ ነቲ ክርስትና ወይ ርትዓዊ ሃይማኖቶምን፣ እምነቶምን ደምሲሶም፣ ብቀስብ ምስልምና እምነትን ክኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ቋንቋኣም ገዲፎም ቋንቋ ዓረብ ንኽዛረቡ ቀሲቦሞም። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ፣ ቋንቋኦም ክዛረቡ እንተድኣ በቶም ኣራዊት ኣዕራብ ተሰሚዖም፣ መልሓሶም ይቖርጹዎም ነይሮም። ሡዳን ድማ ጥንታዊ ስማ ኑብያ እዩ ዝብሃል ዝነበረ። ቋንቋ ኑብያ ድማ ዓረብ ኣይነበረን፣ ጥንታዊ ቋንቋ ኑብያ እዩ ዝነበረ። ህዝቢ ዓዲ ሓበሻ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ግና ጅግና ስለዝነበረን፣ ነቶም ኣራዊት ኣዕራብ ድማ መኪቱ ስለዝሰዓሮም፣ ክሳብ ሎሚ ቋንቋ ሓበሽን እምነት ሓበሻን ይሰርሕ ኣሎ። ኣብተን 135 ዓመታት ብህዝቢ ሓብeሻ ብፍላይ በቲ ትግሪኛ ተዛራባይ ህዝቢ ኣብ ገማግም ቀዪሕባሕሪ ይነብር ስልዝነበረ ኣንጻር ኣዕራብ ዝካየዶ ኲናት ዳርጋ በይኑ እዩ ዝነበረ። እወ ኣብ ምድረ ባሕሪ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ገዳማትን ካህናትን ድያቆናትን፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣቡናትን ብኣርብዓታት ዝቝጸሩ ፓትሪያርካትን ተሓሪዶምን ግዳይ እምነቶም ክርስትና ኮይኖም እዮም። እቲ ዝኸፍአ ክሳራ ዝነበረ ኣብ ምድረሓበሻ ከኣ ድሕሪ ምውላድ ነቢዪ መሓመድ ብከሊፋታት ዝፍለጥ ኣስላማዊ ባርባራዊ ሓይሊ፣ ንሓሰብትን መሃዝትን ሊቃውንትን ደቂ ሓበሻን ኣግኣዝያንን ምስያፎምን ምጽናቶምን እዩ። ጨሪሶም ንህዝቢ ምድረ ሓብሻ ከመስልሙዎ ግና ኣይከኣሉን።

እሞ፣ እዚ ጸሊም ታሪኽ ባርባራውያን ኣዕራብ ካብ 615 ክሳብ 750 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓበሻ ተኻይዱ ከብቅዕ እቶም ታሪኽ ጎስዮም ሎሚ ምስ ሰብ ጀለብያ ኣዕራብ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝገብሩ ዘለው፣ ኢሰያስን ዶር. እቢዪን ንዘስተውዕልን ታሪኽ ኣዕራብን ምስልማናን ዝከታትል ወዲ ሃገር ግና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እወ፣ ኣብዚ እዋን ሕጽኖት ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ኣፈወርቅን፣ ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ታሪኽ ከይድገም እዩ ዘፍርሕ ዘሎ። መኽንያቱ እዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ዘሎ ርክባት ምስ ስዑዲ ዓረብን ኢሚራትን ቀጠርን፣ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝዝውሩዎ ዘለው ንሶም ሃጸያውያንን ጽዮናውያንን እዮም እምበር፣ እዞም ደቓሉ ኣዕራብ ግንከኣ መሳርሒ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ጥራይ ዘይኮነስ፣ በልዚኖምን ባህርያዊ ጸጋኦምን ብሃጸያውያን እንዳተዘምተ ዘይሓለውስ፣ ኣየናይ ብልሓትን ስልጣንን ሃልዩዎም እዮም፣ ሎሚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከመስልሙ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው? ብሃይማኖትን መንነትን ዝኣምኑ እንተዝኾኑ ድኣ፣ ስለምንታይ ነቶም ብሃይማኖት ምስልምና ዘይርሕቁዎም፣ ህዝቢ ሶርያን፣ ዒራቕን ሊብያን የመንን ነቶም ጎይተቶም ንጽዮናውያን ሃጸያውያንን ኣሕሊፎም ሂቦሞም። “እታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ኢልና ግና፣ ካበይ ተበጊሶም ኣበይ ክበጽሑ ደልዮም እዮም እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ዝብሉዎ ዘለው፣ ነቲ ኩሉ ውዲታቶም ዛጊት ፈሊጥናዮ ኣሎና። ህዝቢ ምድረ ሓበሻ ንክርድኦ ድማ ተስፋና ልዑል እዩ።.

እወ፣ ብርግጽ ህዝቢ ሕበሻ ግና፣ ቅድሚ 1268 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ኣስላማዊ ሕልሞም በቲ መዘና ዘይነበሮ ጅግነቱ ኣምኪኑዎ እዩ። ብጅግንነት መኪቱ ድማ ነቶም ኣራዊት ዝኾኑ ባርባራውያን ከሊፋታት ኣዕራብ፣ ንሓዋሩ ከምዝሽመሙ ገሩ እዩ። ብመዘና ዘይብሉ ጅግንነት ስለዝመከቶም ከኣ ሎሚ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ ህዝበ ኣግኣዝያን ርትዓዊ ሃይማኖቱ ክጻብኡ ብጽዮናውያን ጎይተቶም ተመኺሮም፣ ታሪኽ ክደግሙ ገልዳሕ ክብሉ ነቶም ኣርሕቖምን ኣዕሚቍoምን ዝሓስቡን ዝርእዩ ሓሰብትን ተነበይትን ደቀባት ምድረ ሓበሻ፣ ብፍላይ እኳድኣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ከምኡውን ሰሜናዊ ክፍልe ሃገራት ኢትዮጵያን ሰሚሩ እንተነቒሑ፣ እዞም ኣራዊት ኣዕራብ ከም ኣመሎም ታርኽ ክደግሙ እንተድኣ ፈቲኖም፣ ማለት ከም ቀደሞም ክወሩዎ እንተድኣ ፈቲኖም፣ ከምቲ ታርኽ ኣበዋቱ ንመዲና ኣትዩ ከጥፍኦም ከምዝኽእል ክርድኡ ኣለዎም።

ኣብዛ ቅድስቲ ሃገር ሓበሳን ምድረባሕርን፣ ኣግኣዝያንን ክነብር ዝጸንሐ፣ ህዝቢ ሓበሻ፣ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፣ ኣይኮነን እዞም ሓለውቲ ኣግማልስ ቅድሚ አውሮጳውያን ስልጡን ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ ምውላድ ነቢዪ መሓመድ ግና ኣዕራብ ብስዉራት ኤውሮጳውያን ተመኺሩ ነታብ ቅድስቲ ምድረ ሓበሳ ምድረ ባሕርን ኣግኣዝያንን ክወርርን ክደፍርን ፈቲኑ እዩ።

ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ግና ንመሬቱን ባሕሩን፣ ሃይማኖቱን ንኽወሩ ዝመጹ ባዕዳውያን ወረርቲ ዋላኳ ብጉራደን ሴፍን ዋልታን እንተነበረ ኣጽዋሩ፣ ብረቶም መንጢሉ እዩ ብዘይ ንሕስያ ተኻላኺሉን እጥቂዑን መንቍሱ ስዒሩዎም። ሎሚ ግና ድሕሪ 1268 ዓመታት ጽዮናውያን ብድሕሪ መጋርኋ ደናቊር ኣዕራብ ዓሪዶም፣ ብገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲታዊ ወፍሪ፣ ንሰለልቲ ብዓል ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ኣቢ ኣሕመድን ልኢኾም፣ ከድፍሩዎ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ምህላዎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ተርእዮ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ምድረ ሓበሳ ምድረባሕሪ ምድረ ኣግኣዝያን፣ በዞም ሰለልቲ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪን ከይተደናገረ፣ ብፍላይ ክርስትያን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣምሓራን፣ ንሃይማኖቱን ንባህሉን ንመንነቱን፣ ባህርያዊ ጸግኡን ብሕብረትን ግንካኣ ብፍልጠን ክከላኸል ታሪኻዊ ግዴታኡ እዩ።

ንመሬት ምድረ ኣግኣዝያንን: ሓበሻን: ምድረ-ባሕርን: ኣምላኽ ንህዝባን መሬታን ይርድኣያ!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.