ካብ ሳክቲዝም ዝተቀድሐ ሓተታ
ቀዳማይ ክፋል
ሃገር ብባህሪያዊ ጸጋታት ጥራይ ኣይትነብርን፡፡ ሃገር ብሰብኣዊ ዓቕሚ ሰብ ጥራይ እውን ኣይትነብርን፡፡ እወ!! ሃገር ንባህሪያዊ ጸጋታትን ሰብኣዊ ዓቕምን ኣማእዚኑ፡ ንራህዋ ህዝቢ ከይተሓለለ ራሃጹ ብዘፍስስ ብሉጽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምስ እትምራሕ ዓለም ዝሰመያ፡ ኩሉ ዝትምነያ፡ መሬታዊት ገነት ትኸውን፡፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብጅኦሎጂካዊ ኣጸዋውዓ ትሕተ ምድራዊ መዓድናት ኣሉቪያልን ሪፍትቫሊን እትውንን፡ ሃብታም ሃገር እያ፡፡ ኣብዚ ቅድሚ ሚሊዮናት ዓመታት ዝተመስርሐ ጅኦግራፊያዊ ክሊ፡ ካብቶም ዘለው ባህሪያዊ ጸጋታት እቶም ዘየለው ምርቋሕ ይቐልል፡፡ ካብ ገማግም ባሕርና ድራር ዕለቱ ከናዲ፡ ካብ ጸጋታት ልዕሊ መሬት ሕርሻዊ እቶቱ ከድንንፍዕ፡ ጥሪቱ ኣሰሲኑ ብጸባ ክዕንገል ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ ኢሳይያስ ታሪኹ ካብ ዝጽልምት ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ካልእ ይትረፍ ካብ ከበሳታት ሃገርና ግቡእ ፖሊሲታትን ስርዓተ ምሕደራ ሕርሻ እንተዝተኣታቶ ዓሳን ማዕድንን ሓዲግና ብሕርሻ ጥራሕ መተዓንገልና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ መንግስቲ ርእሱ ክኢሉ ክነብር ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ግፍዓዊ ህግደፍ ምስተቐልቀለ ግና፣ ዝስተ ማይ ስኢኑ፣ ዝበርህ መብራህቲ ሓሪሙዎ፣ ገንዘቡን ጥሪቱን ፣ ውሉዱን መሬቱን ተሃጊሩ፣ በቲኹ እዩ ዘሎ። ንኹሉ ዝሓንገደ ጠላም መራሒና ግን ንጸጋታት ልዕሊ መሬት ኣብ ረብሓ ዝልውጥ ዜጋ ኣጽኒቱ ሃገር ኣብ ደልሃመት ኣጥሒሉ፡ እተን ዝተርፈኦ ጸጋታት ትሕቲ መሬት ብሃታ ሃታ ክምእርር መፍቶ ባዕዳውያን ጌሩና ኣሎ፡፡
ካብ ሎሚ ጀሚረ ነቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለው ባህሪያዊ ጸጋታት ንምጉሕጓሕ ዝካየድ ሃረምረምን፡ ዘይቅርዑይ ኣተኣላልየኦምን ዝምልከት ብዝተፈላለየ ሰነዳት ዝተወሃሃደ ጽሑፍ ኣቕርበልኩም ኣሎኹ፡፡
ኣይተዓደለን’ምበር ንባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ከማእክል ብስም ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዝፍለጥ ስማዊ ትካል ኣብ ሃርና ካብ ዝጣየስ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ፡፡ ምድስካል መንግስታዊ ትካላት ኣብ ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን ጥራይ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ከኣ ንኹሉ ግሁድ’ዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ! ኣባጓይላ ጥፍኣትና ኩሉ ባዕለይ ዝመትከሉ፡ ናይ “ፕላኔት ፕሉቶ” ናይ ጥፍኣት ፍልስፍና ስለዝኸተል፡፡ ንሎሚ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተብሓቱ ገለ መረዳእታ ዝኾኑ ጭብጥታት ኣበጋጊሰ ናብቲ ቀንዲ ሓሳበይ ክኣቱ፡፡
ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሓደስቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዕባለ ትሕቲ ቅርጺ ፈለማ ኣብ ህንጻን ሕርሻን የትኩር፡፡ ሚ/ሪ ህንጻን ሕርሻን ድማ ከምቲ ኩሉ ዜጋ ዝዕዘቦ ብኣባጓይላ ተባሒቱ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ዕቋር ማይን ኣብ ዝተበጋጋሰ ትሕቲ ቀርጽን ልኡኻት ሃገራት ከተኣናግድን ኣሳእል ክሰኣልን ንዕዝብ ኣለና፡፡ ሚኒስተር ሚ/ሪ ህንጻን ሕርሻን ባዕሉ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ እቶም ስማውያን ሚኒስተራት ኣስፍሃ ኣብርሃን ኣረፋይነ በርሀን ብፍቕዲ ዝቑጸሩ “ኪኢላታት” ሓቒፎም ሰዲያ ከሞቑ ኣብ ቤ/ጽሕፈቶም ይውዕሉ ኣለው፡፡ ፊናንሳዊ ፖሊሲታት ኣማእዚኑ ሃገር ክመርሕ ዝተመዘ ብስም “ሚኒስትሪ ፋይናንስ” ዝጽዋዕ ትካል’ውን ብቑጣባዊ ጉዳያት ህግደፍ ተባሒቱ ብሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) እንዳተማእዘነ ቀረብን ጠለብን ሃገርና ሚስጢር ካብዝኾን ዓመታት ሓሊፉ፡፡ ሃገር ብምድሪ፡ ብባሕሪን ብሰማይን ክሕሉ ዝተወደበ “ሚ/ሪ ምክልኻል” ሃገርና ‘ውን ካብዚ ኢሳይያሳዊ ሽርሒ ኣየምለጠን፡፡ ብስም “ምክትታል ሚ/ሪ ምክልኻል” ዝጽዋዕ ብብርጋዴር ጀነራል እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ) ዝምራሕ ዴስክ ንሚ/ሪ ምክልኻል ተኪኡ ዝነጥፍ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተጣይሱ ንላዕለዎት ሓለፍትን ንሚ/ሪ ምክልኻልን ክጸናጸን መደባት ተዓዲልዎ ኢዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ምናልባት ንሓንቲ መንግስታዊ ዕማም ክልተ ሚኒስትሪታት ዝተመደቡዋ (ዝዓላ) ሃገር እታ ኢሳይያስ ከምድላዩ ዝላገጸላ ኤርትራና ከይኮነት ኣይትርፍን፡፡
ከምቶም ካልኦት ሚኒስትሪታት ሚ/ሪ ጸዓትን ጸዓትን ማዕድንን ‘ውን ተልእኾታቱ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝጭወ ዓመታት ኣቁጺሩ’ዩ፡፡ ንዓመታት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ እንዳተለዋወጡላ ዝጸንሐት እዛ ሚኒስትሪ ኣብ መወዳእታ እቲ ድሕሪ ሪፈረንዱም ኣብ ኒውዎርክ ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ባንዴራ ኤርትራ ንፈለማ ዝሰቐለ ሚ/ር ሓጂ ዓሊ ካብ ሚ/ሪ ሃብቲ ዓሳ ተቐየሩ ምስመጸ ዚያዳ ከንቀሳቕሶ ምስ ጀመረ፣ ሃንደበት ጉዳይ ስርሒት ፎርቶ ኣጋጠመ፡፡ ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን ድማ ድሕሪ ስርሒት ፈርቶ ነቲ ባዕሉ ኢሳይያስ “ምስሉይ” ዝጽውዖ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ተመጢጢሉ ኢዩ፡፡ ክሳብ 2013 ወርሒ ጥሪ ብሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ክምራሕ ዝጸንሐ ሚ/ር ጸዓትን ማዕድንን ከም ግቡእ ኣብ ኩሎም ዓይነት ባህላዊን ዘመናዊን ስራሓት ዕደና ክነጥፍ፡ ኣብ ሃገርና ዘለዋ ናይ ዕደና ካምፓኒታት ከመሓድር፡ ኣብ ጸዓት ምዕሩይ ዝርገሐ ክተኣታቶ፡ ጠለብ ሃለኽቲ ነዳድን ካልኦትን ንህዝቢ ከማልእ ይግባእ ኔሩ፡፡ ብኣንጻሩ ዕማሙን ተልእኾኡን ተጨውዩ ይትረፍ ዶ ምዕሩይ ዝርገሐ ስርሓት ጸዓትን ማዕድንን ከተኣታቱ፡ ንባዕሉ ከም ቤ/ጽ ሰንከልከል ክብል ድሕሪ ምጽንሑ፡ ሚኒስተር ሓጂ ዓሊ ድማ “ሃይማኖታዊ ጥሩፍን ግብረሽበራዊ” ተሰሚዩ ናብ ጸላም ጎዳጉዲ ምስ ብጾቱ ካብ ዝድረበ እንሆ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡
ጸብጻባት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከምዘረጋግጽዎ ንጸዓትን ማዕድንን ዝምልከት ኣዋጃት ብቁጽሪ 68/1995 ዝወጸ “ሕጋጋት ንምስራዕ ስርሓት ዕደና” ዝብል’ዩ፡፡ ኣዋጅ ጸዓትን ማዕድንን ተሓኺኹ ጸጋታት ትሕቲ ምድሪ ንውሑዳት መገልገልቲ ኢሳይያስ ዘርብሕ ጥራይ ምስኮነ፡ ሃገርና መፍቶ ብኢዳዙር ዝኣተው ባዕዳውያን መዝመዝቲ ኮነት፡፡ ኣብ ውሽጢ ርብዒ ዘመን ካብ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ኣብ ሃገርና ኣስታት 41 ክቡራት ማዕድናት ምህላዎም ተረጋጊጹ’ዩ፡፡ ነዚ ተፈጥራዊ ትዕድልቲ ክምዝምዙ ብስም ሃገር ምስ ኢሳይያስ ክታም ኣምቢሮም ዝኣተው ናይ ወጻኢ ዕድና ካምፓኒታት ድማ ካብ 50 ዘይውሕዱ ‘ዮም፡፡ እቶም ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝኣምኑ ባህሪያት ግብትና ውልቀ መላኺ እንዳስተብሃሉ፡ ቀስብቐስ ክወጹ እንከለው እቶም ዝበልዎም ዝፍጽሙ ሒደት ኣገልገልቲ ከኣ ተሪፎም፡፡ ኣብ መስርሕ ዕድና ሃገርና ከውፍሩ ካብ ዝኣተው ካምፓኒታት እቶም ዝበዝሑ ናይ ካናዳ፡ ኣውስትራሊያ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣኒያ፡ ዓረብ ዒመራትን ባርባዶስን ’ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ድማ ካብቶም ዝተረፉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣውፈርቲ ካምፓኒታት ብሰንኪ ብልሽው ኣተኣላሊያ ናብ ክልተ ጸሪሮም ኣለው፡፡
እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ኣውስትራሊያ፡ ካናዳን ቻይናን ኣውፈርቲ ‘ዮም፡፡ ብሽርክነት ኢሳይያስን ኔቭሰን ሪሶርስስ ዝተብሃለ ናይ ካናዳውያን ትካል ዝቖመ Bisha mining Share company እቲ ዝገዘፈ ኮይኑ ኣብ 2010 ብስም ሽርክነት ምስ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ማዕድን ተፈራሪሙ ዝኣተወ’ዩ፡፡ ኣብ ጋሽባርካ፡ ዓንሰባ፡ ዞባ ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዳህሳስ ከካይድ ፍቓድ ዝተዓደሎ ካናዳዊ ትካል ኒቭሰን፡ ፈለማ ኣብ የካቲት 2011 ኣብ ቢሻ ወርቂ ከፍሪ ጀሚሩ፡፡ ካብ ቢሻ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት (ካብ 2011 ክፍላ 2014) ኣስታት ናይ 1.1 ቢሊዮን ዶላር ዝኾውን ክፍሊት ወርቂ ብስም ውልቀ ሓለፍቲ ኣብ ወጻእ ባንክታት ተቐሚጡ ‘ዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ቢሻ ዝርከቡ ካልኦት ከባቢታት ኣስታት 26.5 ሚሊዮን ቶን ዝግመት ናይ ወርቂን ካልኦት ማዕድናት ውሁድ (Ore) ኣብ ቀጻሊ ዓመታት ክጉሕጓሕ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡
ጎኒ ጎኒ ምስ ኣውስትሪያላዊ Chalice Gold mines ብዝተግብረ ሽርክነት ኣብ ከባቢ ቆቋ ዝርከብ ኣስታት 5 ሚሊዮን ቶን ዝተገመተ ናይ ወርቂን ካልኦት ማዕድናትን Ore ክጉሕጓሕ መደባት ተሓንጺጹ ኣሎ፡፡ ብውዕውዕ ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕት “ሳላ ዛ ወርቂ ቢሻ ልበይ ተሓጊሻ” ክብል ዝተገደደ ህዝብና ድሕሪ 5 ዓመታት ከኣ “ኣነ ዝተጸበኹዎ ወርቂ ቢሻ ንሶም ዝሃኒ ክላሽን ራሻ” ኢሉ ዘንጸርጸረሉ ሕቡእ ሚስጢራት ድማ ቀጺለ ከቃልዕ፡፡
ኩሎም ትካላት ወጻኢ ኣብ ስርሓት ዕደና ንኸውፍሩ ክፈራረሙ እንከለው ኣብ ሚዲያታት ንህዝቢ ዝረኣዩ እቶም ኣብ “ኣብ መዓላ እቲ ፍርያት ዘየእትዎም” ሚ/ር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊን ገለ ዳሬክተራትን’ዮም፡፡ ክታም ከይነቐጸ ብቅልጡፍ ኩሉ መጽናዕታት ሰነዳትን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ምስተወሰደ ድማ ጉዳይ ማዕድን ከም ሓደ ሃገራዊ ክቱር ሚስጢር ተሓሲቡ፡ ንኢሳይያስ፡ ሓጎስ ኪሻን የማነ ማንኪን ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ይኸውን፡፡ እዞም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ተወሳኺ መጽናዕታት ኣካይዶም ኣብ ኣተሓላልዋ፡ ካብን ናብን ኣብ ምጉዕዓዝ፡ ኣብ መሸጣ ብደቂቕ ዝተኣለሙ መደባት የውርዱ፡፡
ክቡራት ተኸታተልቲ!
ኢሳይያስ ካብቶም ከም ሓሽሽ ክሕለው ዝደልዮም ዋኒናት እቶም ቀንዲ ወጻኢ ሸርፊን ማዕድናትን ‘ዮም፡፡ ንመረዳእታ ክኾነና በዚ ኣጋጣሚ ሓደ ጉዳይ ከልዕለልኩም፡፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ቀጠር ንዝተፈላለዩ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ዝዝትይሉን ዝዝናግዕሉን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ናይ ምስሪ ሻርማል ሼክ ዓይነት ክውል ቦታ፡ ናይ ምህናጽ መደብ ስለዝሓንጸጸ፡ ኣብ 2010 ኢሳይያስ ምስ ዓሚር ቀጠር ጣሚም ቢን ሓሚድ ዓልጣኒን ተሰማሚዖም ንደሴት ዳህላክ ንዓመታት ዘገልግል በቢክፍላ ዝስላዕ ናይ 250 ሚሊዮን ዶላር ሊዝ ክታም ኣምቢሮም፡፡ ቀጠራውያን መራሕቲ QDVC (Qatari diar real Estate Investment COMPANI & Vvinci construction Grand projects) ዝበሃል ናይ ዘመናዊ ርሻናትን ህንጻን ትካል ምስ ኣስታት 400 ዝኾኑ ኪኢላታት ሰዲዶም ኣብ ዳህላክ ስራሕ ጀሚሩ፡፡ በቲ እዋን ኢሳይያስ ንዝፈጸሞ ካብ ህዝብና ዝተኸወለ “ፊናንሳዊ ልፍንቲ” ካብ ህዝብን ሚዲያን ብምኽዋል ሰለስቲኦም (ኢሳይያስ፡ ሓጎስ ኪሻን የማነ ማንኪን) ድሕሪ ምዝታዮም፡ ንሓለውኡን ሚስጢራውነቱን ዝምለከት ስርሓት ንወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክውሃብ ወሲኖም፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ ብብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝተሓረዩ 21 ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ህንጻታት ገደም፡ ሳዋን ሰገንን ዝብል ጉልባብ ተዓዲሎም ናብ ዳህላክ ተዋፊሮም፡፡
እዞም ኣባላት ወ/ሃ/ድሕነት ብቐጥታ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክፍጽምዎ ዝተዓደሎም ዕማማት ዝስዕቡ ኔሮም፡፡
-
ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ዝህነጽ ዝነበረ ህንጻታትን ርሻናትን ዕላል፡ ወረ፡ ሓበሬታ፡ ኣሳእል ዘለዎ ሰብ ፈሊዮም መጽናዕታት ከካይዱን ክቆጻጸሩን
-
ምስቶም ኣስታት 400 ዝኾኑ ወጻእተኛ ኪኢላታት ፍሉይ ርክብ ዝነበሮም ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ገደም፡ ሳዋን ሰገንን ኣጽኒዖም ንዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ
-
ኣብ ዳህላክ ኣብ ልዕሊ ዝፈሰሰ ማእለያ ዘይብሉ ንዋትን ማልን ክፍጸም ዝኽእል ስርቂ፡ ምጥፍፋእ ምክትታል ዝብል (ብውሽጣዊ ጸጥታ ዝተወሰኸ) ኔሩ፡፡
Recent Comments