ርእይቶ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ብስም “ወዲ-ጣባ” ዝብል ሳጓ እንዳተጸውዐ፣ ኣብ ፓልቶክ ክምድር ዝቐነየን ገናውን ዝምድር ዘሎን።

ትሕዝቶ ቪድዮ ወዲ ጣባ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ፣ ቪድዮታት ተኻታተሉ

ርግጽዩ፣ እቶም ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ፣ ካብ ስሳታት ጀሚሮም፣ ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ክነብሩ ዝጸንሑ፤ ድሕሪ 30 ዓመት ሰውራ ኤርትራ ግና፣ ኣብታ  ካብ መግዛእቲ እትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ መሬታን ባሕራን ነጻ ዝኾነት፣ ተመሊሶም ምስ ህዝቦም ነጻነት ሃገር ኣስተማቒሮም፣ ብቚጠባ ይኹን ብቴክኒካዊ መዳያት ሃጎርም ንኸሃንጹ ተበጊሶም ነይሮም እዮም። እኳድኣ፣ ብሚልዮናት ዝቚጸር ባጤራ ወጻኢ ሰኒቖም ትካላት ክተኽሉ ንዋዮም ኣዋፊሮም እዮም። ብዙሓት ሊቃውንትን ፕሮፈሰራትን ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታፋሚልያ ልዑል ትምህርቲ ንከስፋሕፍሑ፣ ነስመራ ውሒዞም እዮም።

እዚ ኩሉ ብደቀባት ሃብታማትን ክኢላታትን ምሁራትን ዝተፈተነ ሰናይ ተበግሶ ግና፣ እቲ ብባዕዳውያን ዝተላእከ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ትካላቶምን ገንዘቦምን ሃጊሩ፣ ካብ ሃገር ንኽወጹ ኣገዲዱዎም። ነቶም ምሁራት ኣብ ሳንታፋሚልያ ማይ ፍልጠት ከስትዩ ዝጀመሩ ድማ ኣብቲ ዝነበሩዎ ዓዲ ስደት ንኽምለሱ ሰጒጉዎም። ጸኒሕ ድማ ምስቶም መላፍንቱ ጭፍራ ወያኔ ብዶብ ማድመ ሰበብ ኲናት ወሊዑ ካብ 200.000 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ንጹሃት ደቂ ሃገር ኣህሊቑ። ካብ ሓደ ሚልዮን ዝበዝሑ ኣብ ከባቢ ባድመን ካልኦት ዶብ ትግራይን ዝነብሩ ህዝብታት ድማ ኣደዳ ስደትን መከራን ገሩ።

እዚ ከይኣክል ድማ፣ ኣብ መንጎቲ ሓደ ዓሌት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን፣መርዚ ዝኾነ ባርባራዊ ወፍሪ ወሲዶም።ንሱ ድማ፣ ህግደፍ ንትግራዎት ካብ ኤርትራ ንትግራይ ክስጎም ከሎ፣ ወያኔ ድማ ንኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ሰጒጎሞም። እዚ ባርባራዊ ስራሕ እዚ ድማ ኣብ መንጎቲ ሓደ ሃይማኖትን፣ ሓደ ባህልን፣ ሕብሪ ቆርበትን ዝነበሮን፣ ገናውን ዘለዎን ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን  ዘይወጽእ ቅርሕንትን ጽልእን ክፈጥረሉ ክኢሉ።

ድሕሪ ኲናት ባዱመ ድማ፣ 15 ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍን፣ 15 ላዕለዎት ሰበስልጣንት ወያኔን ድማ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝጠለቡ ክልቲኦም ተኣሲሮም። ጸኒሑ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወያኔ ስለዝተቓውመ፣ እቶም ዝተኣስሩ ሰበስልጣን ወያኔ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክፍትሑ ከለው፣ እቶም ሰበስልጣን ህግደፍ ግና ንሓዋሩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ መሽሚሾም ይነብሩ ኣለው።

እዚ እንታይ የሪኤና? እዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን ወያኔን ህግደፍን ንኽእሰሩ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝኣዘዙ መሃንድሳት መንዮም? እቶም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ወያኔን ክፍትሑ፣ እቶም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህግደፍን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበልዩ  ዝኣዘዘዩኸ መንዮም?

እዚ ኩሉስ ስለምንታይ እዩ ተፈጺሙ? ንመን ረብሓኸ እዩ ክፍጸም ተደልዩ? ብድሕሪዚ ፕሮጀክት ጥፍኣትን ምፍልላይንከ መን ነይሩን ኣሎን ? ዝብሉ ሕቶታ እንተድኣ ተላዒሎም ግና፣ ንክመራመር ዝኽእል ሰብ  እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ።

ንሱ ድማ፣ “ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠ ኣይሃዳናይን”፣ ከም ዝብሃል፣ሎሚ ኢሃደግ ሎሚ ህውሓት/ ወያኔን ሎሚ ህግደፍን ኣምሆ ዘመን ህ.ግ.ሓ. ኤ.ን፣ ኣብ ሜዳ ከለው ተላፊኖም እዮም ንጀብሃ ካብ መሬት ኤርትራ ሰጒጎማ። ንሰራዊት ደርጊ ድማ ስዒሮሞ።  እቲ ኩሉ ውዲታው ትእዛዝ ድማ ብጽዮናውያን እዩ ተኻይዱ። ክልቲኦም ነስመራን ንኣዲስ ኣበባን ምስተቛጻጸሩን ግና፣ ኣብ ነንሓድሕዶም ክምዝብኣሱ ዝተገብረ ብትእዛዝ ጽዮናውያን እዩ።

ስለዚ ክልቲኦም እዞም ጭፍራታት እዚኣቶም፣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘይኮኑ፣ ንረብሓ ጽዮናውያን እዮም ዝኽድሙ ዘለው ጥራይ እዩ ዘብለካ። እዩ ከኣ ሎሚ ድማ እንሆ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝብሃል፣ መዋእል ጭፍራ ውያኔን ህግደፍን ንከብቅዕ ስለዝተቓራረበ፣ ብክልቲኦም ወገን ነታ ኣብ ክሳዶም ዘላ መንሸንቅቛ ከዝልቝዋ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ንሱ ድማ ወያኔ ነቶም ተቓወምቲ ኤርትራ ዝብሃሉ፣ ኣልሚሱ፣ ሎሚ መዝሙር ሰላም ዝዝምሩ ሓደስቲ ኣንቆራታት ከዋፍር ይፍትን ኣሎ።

ኢሰያስ ድማ፣ መወዳእትኡ ስለዝቐረበ፣ መቃነዪ ዝኾንኦ ነቶም ንኽጠፍኡ ዝቀራረቡ ዘለው እንዳ ወያኔ ንኽወቅዕ፣ኣብ ፓልቶክን ኣብ ኢንተርነትን ዩቱብን ተዋፊሮም፣ ንድሕነት ህግደፍ ዝጣበቑ፣ ንእንዳ ወያኔን ንተቓወምትን ዝውንጅሉ ኣዋፊሩ ይርከብ። እቲ ፕሮጀክት ግና ፕሮጀክት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ጥራይ ስለዝኾነ፣ ቀንዲ ሸቶኡ ድማ ኩሉና ፋሕ ብትን ንኽንብል ጥራይ እዩ።

ከም መረዳእታ፣ ብፈላሊኻ ግዛእ ንሶማልን፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን Failed Nations ገርካ፣  ኣብ መወዳእታ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ በዊዝካን ሓዋዊስካ፣ በቶም ገና መልሚሎም ዓቚሮሞም ዘለው “ኤሊት፣ፈሊጣውያን” ፣ ዝብሃሉ ግንከኣ ብምዕቡል ኣገባብ ንረብሓ ጽዮናውያን ዝጣበቑን ዝሕልዉን ገርካ ንምግዛእ ጥራይ እዩ።

ክሳብ ሎሚ ግና ወያኔን ህግደፍን ጸረግቲ ጽርግያ ጽዮናውያን እምበር፣ ጸረግቲ መንገዲ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይነበሩን፣ ነይሮም ድማ ኣይፈልጡን። ሕጂ ግና መድረኾም ስለዝኣኸለ፣ በበይኖም ገሮም ከም ዝጠፍኡ ክገብሩዎም እዮም።

ኣስተብህል፣ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዘረን ዘለዋ ኩለን ቪድዮታት እንተድኣ ተኻታቲልናየን፣ ንህግደፍ ንምዕባይ፣ ንህውሓትን ንተቓወምቲ ኤርትር ከኣ ንምንእኣስን እንተዘይኮይኑ፣ ኣብቲ ኩሉ ዓጀውጀውን ዓንገረርን፣ ብዛዕብቲ  ቀንዲ ጠንቂ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ወይከኣ ብዛዕባቶም ዓሰብቲ ወያኔን ህግደፍን ዝኾኑ፣መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ሓንቲ ቃል እኳ ትኹን ኣይረኸብናለንን። ንጉዳይ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝተፋላለየ መልዕ ገሮም ዝላገጹሎም ዘለው ግና፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ከምዝኾኑ ኣዝዩ ብሩህ ዝኾነ መጎታዊ መርትዖ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ስለዝ ክቡራት ተኻታተልቲ፣ ኣብ ፓልቶክ ዘዝመጹ ልኡኻት ክልቲኤን ውድባት ከምዝኾኑ ኣስተብሂልኩም፣ ልኡኻት ከምዝኾኑ ኣስምዑዎምን፣ ቢያ! ጥፍኡ! ኢልኩም ድም ፎእ በሉዎም። ጉዳይና ዝፍታሕ ጸላእትና ስዉራት ሓይልታት ከምዝኾኑን፣ እንዳ ህግደፍን ወያኔን ልኡኻቶም ከምዝኾኑን እንተዘይተረዲእና፣ ከምቲ ምስላ ጀርመን ዝብሎ። “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ግንከኣ ደንቆሮ ምዃኑ ከይፈለጠ፣ብድንቍርንኡ ሞዩቱ” ኮንና ኢና ንተርፍ። ስለዚ ብሓቀኛ ሕብረትን፣ብፍልጠትን ብግብራዊ ቃልሲን እንተመኪትና ጥራይ ኢና ክንዕወት እንኽእል።

እንተዘይኮይኑ ካብቶም በጋንታ ወያኔን ጋንታ ህግደፍን  ተዓሲቦም፣ በብግዜኡ ኣብ ውሻጠኦም ኮኖም፣ ኣብ ፓልቶክ እንዳመጹ፣ ዓንገረር ዝብሉ፣ ክንምሃር ንሓስብ እንተድኣኮይና ከንቱ እዩ። እዚኦም ንቃልስና ንኸዘንብዑን ኣብ ሃውተታ ከእትዉናን፣ ብኻልእ እዛራርባ፣ከደንቍሩናን፣ ሓዲግ መዲ ከትርፉናን እምበር፣ ኣይሕግዙናን እዮም። ብድሕሪ ሕጂውን እንዳ ወያኔን ህገደፍ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ስለዘለዎም፣ ገና በብዕይነቶም ሓሰውቲ ኣሰልጢኖም፣ ሕብሮምን መልክዖምን እንዳ ቀያየሩ ከዋፍሩልና ከምዝኾኑ ክንርዳእ ክንፍትን ኣሎና።

ከነተሓሳስቦ እንደሊ መተሓሳሰቢ፤
ንሕና መርበብ ሓበሬታ ደቀባት፣ ንተቓወምቲ ይኹኑ፣ ንወያኔ፣ ወይ ንህግደፍ ደጊፍና ዘይኮነ፣ እቲ ዝደናገር ዘሎ ህዝቢ፣ ሓቂ ፈሊጡ መታን ንኽቃለስ ኢና እምበር፣ ንማንም ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ደጊፍና ኣይኮናን ። እዘን ቪድዮታት እዚኤን፣ ሰብ ሰሚዑ ንኽመራመረለን ኢና ንዝርግሐን ዘሎና እምበር፣ ወዲ ጣባ ሓቀኛ መምህር ስለዝኾነ ኣይኮናን።

“ኣቃውማ ፖለቲካ ቍማር እዩ” ይብል ወዲ ጣባ፣ ብዛዕባ ህገድፍ ክገልጽ ከሎ ድማ፣ “እዚ ህዝቢዝን፣ እዚ መንእሰይ እዚን፣ ስኑ ነኺሱ ስለ ዝመከተ፣ የውሃን ክንብሎ ኣሎና፣ ከምሰብ ክንሓስብ እንተድኣ ኮንና፣ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ እንዳነበረ፣ ሃገሩ ናቱ ከምዝኾነት ምምካቱ፣ እዚ ድማ ብተግባር ዝተተግበረ ስለዝኾነ፣ ኣብ የውሃና ዝብሃለሉ ስዓት በጺሕና ኣሎና”።  ወይ ጉድ፣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ እንዳ ህግደፍ ምዃኖም ግና ሓቢኡዎ። ግንከኣ ከይሓፈረ፣ ኣብቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስደትን መከራን ገሩዎ ዘሎ፣ከም መድሓኒ ህዝቢ ኤርትራ ገሩ፣እቲ ኩሉ ሓጥያት ግና፣ ኣብ ካልኦት ከም ብዓል ወያኔ ይጸግዖ ኣሎ።ጎጉዱ ንቐሺ “ዓለማውያን ጸላእትና ከም መንግስቲ ክንቅጽል ስለዘይደለዩ፣ ከዳኽሙና ጸኒሖም፣ ኵኖ ወያኔ ካልኦት ኣለው ብኽልተ መሓውራ ደቅ ኢላ፣ ባህርያዊ ጸግኣ ከይተማዕብል ብእዋኑ ከቘጽዩዋ ጸኒሖም። ግንከኣ ንወያኔ ጥራይ ዝልኣኹ እምበር፣ ንህግደፍ ከምዘይ ልኣኹዎ ገሩ ይገልጽ። ወርቅናን ደቅናከ ወያኔ ድዮም ካብ ሃገና ዘግዕዙዎ ዘለው። ዋጣስ ኣብ ልዕሊ ዋጣ እንተዋጠየስ፣ ክዋጢ ዘይኮነስ፣ ከውጠጢ ጥራይ እዩ፣ ኢልካ ክሕለ ኣለዎ። ኢሰያስ ቅዋም መይቱ ዝበሎ ድኣ፣ ኣሜሪካ ድዮም ቅዋምኩም ሞይቱ ኢሎምና? ወያኔ ኢዶምን እግሮምን እንተ ዝእክቡከ፣ ካብ ባድመ እንተዝወጺንከ፣ ኢሰያስ ንኤርትራ ምድረገነት ክገብራዶ ምኽኣለ ይመስለካ? ወይ ንስኻ፣ ካብቲ ትልፍልፎ ዘሎኻስ፣ እቶም ዝሰምዑኻ! ይገዱ ካባኻ!

“ዘየለ ዘይነበረ ኣብ ኤርትራ ፣ ኢሰያስ ዝብሃል ሕማም ኣትዩሎ መስለኒ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ነገር ኣጋኒንካ፣ ኣብ ሓቂ ክትልውጦ ይከኣል እዩ። ንዕቀት ህዝቢ ኤርትራ እዩ፣ ኩሉ ግዜ ንሓደ ውልቀሰብ ኢሰያስ ጥራይ እንዳጠቐስካ ምንባር ነውሪ እዩ” ። እየ እንዳ ህግደፍ፣ ግሪም መቐነዪ ረኺብኩም።

 

 

ሓደ ኣብቲ ኣደራሽ ፓልቶክ ዝነበረ ሓደ ጀብሃዊ፣ዝሓተትኩ ሕቶ መልስ ምስበሎ፣ ኣብ ጽውጽዋይ ሓደ ቀሺ ኣትዩ ኮለል እንዳበለ፣ ምንሳሕ ዝብሃል ስለዘሎብኣኹም ድማ ስለዘይተጀመረ ተናስሑ ክብል ኣፉ መሊኡ መሊሱሉ። ኣየ ጉዳም፣ዝተመርዓወክስ ይፈትሓኪ፣ ወይልኡ ዝወልደኪ!!!

“ኣብ ዝተጸንቀቐ ጉዳይ፣ ብዓል መንዮም ዝዝሙሩዎ እቲ መዝሙር፣ሰላም ኣብቲ ከባቢ ክረጋገጽ ዝድለ እንተድኣ ኮይኑ፣ ሰላም ከም ሽሙ ብክልቲau ወገን ክልተ ግዱሳት ብወገን ኢትዮጵያን ኤርትራያን ዘሎ ሽግር ንኽፈትኹ፣ ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘይብሉ፣ ንረብሓ ህዝብታት ዝፈልጥ ጥራይ ኮይኑ ንሰላም ክሰርሕ ይግባእ” ክብል ነበይኑ ይምድር። እቶም ደቂ ሓንቲ ልባ ሰማዕቲ ከኣ ሃህ ኣቢሎም ይሰምዑ። ኣዝዩ ዘስደም!! ጉድለታት ወያኔ መዝሚዝካ ዓጀውጀው ስለዝበልካ ንዕድመ ባርባራዊ መግዝእቲ ኢሰያስ ከተናውኾ ማለት ዘበት እዩ ንብለካ! ነቶ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እህግደፍ ዝኾኑ ወያኔ ግና ካባu የግድደሎም፣ ገና መስጣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንክልቲኦም ጭፍራታት ክወርዶም እዩ! ንግዜኡ ግና ብኸምዚ ዕይነት ነንሓድሕዶም ክባላልዑ እዮም! ኣብ መወዳእት ግና እቲ ረብሓ ንጽዮናውያን ጥራይ እዩ እምበር ወያኔን ህግደፍንሲ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ለኪሞም ክጠፍኡ እዮም።

“ኤሬና እንተዘየሊኺ ኣማኑኤል ደይብ” ይብል እቲ “ኣድሚን”፣> ቀጺሉ ወዲ ጣባ ከምዚ ክብል ይምድር፣> ዋላኳ ወያኔ ዕርቂ እንተድኣ ሓቲቱ፣ብውሑድ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝገበሩዎ ገበን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ስርዓት ደርጊ ብዓይኒ ኢትዮጵያ፣ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይነበረ። ካብ ኮረኔል መንግስቱ ጀሚርካ ኩሎም ላዕለዎት ዝነበሩ ሰበስልጣናት ብብልሽውና ኮራብሽን ዝተኸሰሱ ኣይነበሩን። ስርዓት ወያኔ ግና ነቓዕ ወይ ሃጓፍ ዘይብሉ ስርነቀል ዝኾነ ፍታሕ ከምጽኣ ክበቅዕ ኣለዎ ወዘተ….ኣብ መጻብቦ ኣትዩ እዩ ዘሎ። ሓባራዊ ዕርቂ ክጽውዕ ዘኽእሎ ዕድል የብሉን። ፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ፣ህላዌኡ ከንቱ እዩ። ሳልሰይት ሕርያ ድሕሪ 20 ዓመት ክፈትሖ ክፍጽም ስለዘይከኣለ፣ ምሐከል ዝኾኖ ድማ ስለዘይብሉ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ትወለደት ትውለድ ናይ ህድማ ፖለቲካ ጥራይ እዩ ክገብር።
ብዛዕብ ህግደፍከ? ጎጉዱ ንቀሺ፣ ካብ ምሃብ፣ ጉዳት ህግደፍ ግና ኣይተንከፈን። ስለዚ ፒኣር ህግደፍ ኮይኑ፣ ህግደፍ ብኾፎም ከለው፣ መቃነዪ ፖለቲካ ዘሳልጠሎም ዘሎ ወይጦ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ከኣ፣ ሎሚ ውድቀት ህግደፍ ከምዝተቓራረበ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘይምህላዉ እዩ።ወያኔን ህግደፍ ድማ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሽ ምዃኖም ዘይርዳእ ሰብ ዳርጋ ውሑድ እዩ ኣብዚ እዋንዚ። እቶም ከም ቃልሲ ወሲዶም ክሰምዑዎ ሃህ ክብሉ ዝሓድሩ ብሃማት ግና ቊሩብ ክሓስቡ እንተዝኽእሉ ንርእሶም ምሓሾም።