ብጆግራፊ ጐረባብቲ ኰንና፣ ታሪኽ ኣተዓራሪኹና፣ ቍጠባ ከኣ ብጾት ገሩና፣ ባህርያዊ ሕጊ’ውን ኪዳናዊ ሓድነት ፈጢሩልና። እቶም ኣምላኽ ዝጸንበሮም ሰብ ክፈልዮም ኣይክእልን’ዩ። ጆን ኤፍ. ከነዲ

“Geography has made us neighbors. History has made us friends. Economics has made us partners, and necessity has made us allies. Those whom God has so joined together, let no man put asunder.” John F. Kenned.

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሓቂ ንኤርትራ ነጻ ከውጽእ ድዩ ንሜዳ ወጺኡ? ወይስ መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ ንባዕዳውያን ከገልግል? እስከ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ተበጊስና ማለት ኣምሆ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፣ኣብ ሎሚ የሰጋግረና፤ሎሚ በጺሕናዮ ዘሎና ታርኽ ድማ ንዝመጽእ ዘመን እዩ ዝመርሓና።እምብኣር ንክንፈልጥ ታሪኽ ንፈትሽ :-

ብርግጽ ዝሓለፈ ታሪኽ መሰረት ህሉው-ታሪኽ እዩ። እዚ ሎሚ ዘሎ ህሉው-ታሪኽ ከኣ መሰረት መጻኢ ታሪኽ’ዩ። ንዝሓለፈ ታሪኽ ኣንተድኣ ብግቡእ ፈሊጥና፣ ነዚ ሎሚ ዘሎ መስርሕ ታሪኽ ከኣ ብቐሊሉ ክንርድኦ ንኽእል። ንህሉው-ታሪኽ ኣንተድኣ ተረዲኡና ከኣ ንዝመጽእ ግዜ ከም ነብያት ክንበ ንኽእል። ካብ’ዘን ሰለስተ መንኰርኰር መስርሕ ታሪኽ ወጺእና ግና ዝኾነ ይኹን መጽናዕታዊ-ፕሮጀክት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ዋላ እንተፈተንና ከኣ ነቲ ውድዓዊ ሓቂ ክንረኽቦ ኣይንኻልን ኢና። ስለዚ ንኢሰያስ ሎሚ ብግቡእ መን ምዃኑን እንታይ ተልእኾ ከምዘለዎን፣ ከነለልዮ ኣንተድኣ ኰንና፣ ንዝሓለፈ ታሪኽ ኢሰያስ ብግቡእ ምስ እንፈልጦ ጥራይ እዩ። ሽዑ ኢና ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ተበጊስና፣ ነዚ ሎሚ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ምስ ዝሓለፈ ታሪኹ ኣዛሚድና ብምምርማር፣ ኢሰያስ ስለምንታይ ኣዚ ሎሚ ዝፍጽሞ ዘሎ ባርባራዊ ፍጻሜታት ይፍጽም ኣሎ፣ ኣንታይ ተልእኾ ስለዘለዎ እዩኽ ዝፍጽሞ ዘሎ? መንዞም ብድሕሪ ኢሰያስ ኮይኖም ኣጃኻ ዝብሉዎ ዘለው? ዝብላ ሕቶታት ክንምልስ ንኽእል።

ታሪኽ ህይወት ኢሰያስ

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብ1944 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ክሳብ ወዲ 20 ዓመት ዝኸውን ድማ ኣብ ኣስመራ ይነብር ነይሩ፡፡ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ልዑል መኮንን ከኣ ክሳብ 12 ክፍሊ ወዲኡ፣፡ ኢሰያስ ብኣብኡን ብኣዲኡን ትግራዋይ እዩ። ኢሰያስ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮንን እዩ ክሳብ 12 ክፍሊ ወዲኡ፣ መርመራ ማትሪክ ድሕሪ ምግባር ከኣ ንኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከምዝሓለፈ ይንገር፡፡ ቅድሚ ንኣዲስ ኣበባ ምኻዱ ግና ምስስቶም “ፒስኮርፕ“ ዝብሃሉ ኣሜሪካውያን መማህራን ስዉር ርክብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ። ኣብቲ ቶፕ 5 ዝብሃል ክላብ ኣሜሪካውያን ከኣ ምስቶም “ፒስኮርፕ“ ይመላለስ ከምዝነበረ ይንገር። ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ምስ ሓወቡኡ ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃም ሕቡእን ግሁድን ርክብ ንይሩዎ። ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃም ምስ ልዑል ራስ ኣስራተ ካሳ ኣንደራሴ ሃይለስላሴ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ፣ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮም ብዙሕ ታሪኻዊ መረጋገጺ ኣሎ። ኣብቲ መጀመርያ ኢሰያስ ብደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃምን፣ ልዑል ራስ ኣስራተ ካሳን እዩ፣ ንሜዳ ተላኢኹ። ካብኡ ብ1966 ዓ.ም.ፈ. ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ብሱዳንን ብቓኘውን ኣቢሎም ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቅ ቀንዲ ምስጢራዊ መስርሕ ጀሚሮም። (ንመረዳእታ ጀነራል ዳኒኤል መንግስቱ ሓላፊ ስለላ መርበብ ኣኢትዮጵያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፣ሚነሊክ ዝተባህለ መጽሔት ብ2001 ዝሃቡዎ ቃለ መሕታት)

ብተኽለ ዓደን ካብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ መንግስቲ ደርጊ ብራድዮን ተለቪዥንን ዝሃቦ መግለጺ። ሳልሳይ ብተስፋሚካኤል ጆርጆ ቀለ-መሕታት ብፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ.ን፣ ኣብ መንግስቲ ደርጊ ምስ ምስተዓቝበ ብጋዜጠኛን ብራድዮን ተለቪዝዮንን ዝሃቦ መግለጺታት) ዝኾነ ኮይኑ ኢሰያስ ብ1967 ዓ.ም.ፈ. ካብ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ተመሪጹ ምስ ሓያሎይ ተጋደልቲ ንሃገር ቻይና ንወተሃደራዊ ስልጠና ተላኢኹ። እዚ ፕሮጀክት’ዚ’ውን ከቢድ ምስጢር ነይሩዎ እዩ። ንሱ ድማ ብረቂቕ ሜላ ንህዝቢ ንምትላል፣ ኢሰያስ ኮሚንስት ተመሲሉ ክቃለስ ከሎ፣ ብህዝብን ብተጋደልትን ኣንጻር ኣሜሪካ ከምዝኾነ ንኽፍለጥ ተባሂሉ ዝተማህዘ ስዉር ውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን እዩ።

ተኻታተልቲ ታሪኽ ነቲ ረቂቕ መስርሕ ኢሰያስን ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ከምዝሕብሩዎ፣ ኢሰያስ ንሃገር ቻይና ክልኣኽ ከሎ ስዉር ኢድ ሲ.ኣይ.ኤ. (ኮንስፒራሲ) ከምዝነበሮ እዩ። እቲ ቀንዲ መኽንያት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲ.ኣይ.ኤ.፣ ኢሰያስ ክመርጹሉ ዝኽኣሉ ድማ፣ ብ1969 ዓ.ም.ፈ. ኩነታት ንጉስ ሃይለስላሴ ብመጽናዕቲ ምስተኻታተልዎን፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባሌ ገድሊ ኤርትራ ድማ፣ብፍላይ ምዕባለ ተ.ሓ.ኤ. ምስተዓዘቡን፣ኣብ ሃይለስላሴ ዝነበሮም እምነት ኣናደኸመ ከምዝኸደ ስለዘገንዘቡን እዮም። ንሱ ከኣ እቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ተ.ሓ.ኤ. ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕቲ እናተዳኸመ ምኻዱን፣ ብኣንጻሩ ግና ሓይሊ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. እናማዕበለን እናሓየለን ምጕዓዙ ስልዝተገንዘቡን፣ ንመረዳእታ:- ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ካብ ሰውራ ፓለስቲንያ ብፍላይ ካብ “ብላክ-ሰፕተምበር“ ዝብሃል ገድሊ ፍልስጢኤም፣ ምኽርን ታዕሊምን ይወስዱ ከምዝነበሩን፣ ከምውኡ’ውን ተጋደልቱ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ ቻይናን ኩባን ሰልጢኖም ንሜዳ እንዳተመልሱ፣ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ዘይተኣደነ ቍጠባዊ ቅልውላውን፣ ወተሃደራዊ ክሳራታትን ከምዘስዓብሉ ስለዘረጋገጹ እዮም ከምኡ’ውን እቶም ብፍላይ “ብብላክ ሰፕተምበር“ ዝሰልጠኑ ኣድቢኻ ተዋጋእቲ ኤርትራውያን፣ ክሳብ ንመዓስከር ወተሃደር ኣሜሪካ ቃኘው-ስተሽንን: ነቲ ኣብ ጕራዕ ዝነበረ ከቢድ መደበር ማዕከን ሓበሬታን ስለላን ራዳር፣ ሃንደበታዊ መውቃዕቲ ንኽፍጽሙ መደብ ከምዝነበሮም ሲ.ኣይ.ኤ ካብ ስለላ መርበብ እስራኤል (ሞሳድ) ጭቡጥ ሓበሬታ ስለዝረኸቡን። ስለዚ፣ካብ’ዚ መጽናዕቲ’ዚ ብምብጋስ፣ ሃገራዊ ሓይሊ ኤርትራ ብኸምዚ ዝጕዓዞ ዘሎ፣ ብተጽዕኖ ባዕዳዊ ሓይሊ እንተድኣ ዘይተኾሊፉ፣ ብድልየት ህዝብን ሰራዊትን ቅኑዓት-ሃገራውያን መራሕትን እንተድኣ ተደጊፉ ማዕቢሉ፣ እቲ ንሓስቦ ዝነበርና ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ፣ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ንረብሓተን ስዓብቲ ሶቬት ሕብረት ዝኾና ሃገራት ኣዕራብ ክውዕል ግድነት እዩ። ንሕና ገርሀኛታት ኮና እምበር ኢሰያስ ዓማ ክትሓቅቕ እያ ኣናበለ ክግዕር ከሎ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከሕቅቕ ምኻኑ ኣይተሰቆረናን ነይሩ። እዚ ንነዊሕ ግዘዬ ዝኸይድ ዘሎ ፕሮጀክት ጥፍኣት እዚ እምብኣር፣ ዘደንግጽ ኣiሰያስ ባዕሉ ከም መለኮታዊ ብዓል ዓቢ ሃይለ ስልጣን ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ገበርትን ሓደግትን እቶም ጎይተቱ ጥራይ እዮም።

ስለዚ እዚ መደብ ዕዮ ወይ ፕሮጀክት ጥፍኣት እዚ፣ እቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ንመጻኢ እዋን መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ፣ብስዉር ንረብሓ ኣሜሪካ ከገልግል ዝኽእል መራሒ (ሰላዪ)፣ ብስዉርን ምስጢራዊን ዝኾነ ሜላ መልሚልና ንሜዳ ኤርትራ እንተ ልኢኽና ጥራይ እና፣ ነዚ ተባዕን ግንከኣ መሬትን ሃብትን (ሪሰወርስ) ጓኖት ዘይብሃግ፣ ንኽወሩዎ ዝመጹ ባዕዳውያን ወረርቲ ከኣ ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም መኪቶም ዝስዕሩዎ ህዝቢ ምድረ-ባሪ፣ ኣላሽ ኣቢልና ስትራተጂካዊ ሸቶና ክንሃርም እንኽእል፣ ኢሎም ዝሓንጸጽዎ  ሕንጻጽ እከይ እዩ። መስኪን ኢሰያስ ከኣ ግዙእ ስትራተጂ ባእዳውያን ኮይኑ ክሳብ ዝኣርግ ይኽድመሎም ኣሎ። ሓቂዶ ሓሶት?

ኣስተብህል፣ እታ “ሰልፊ ነጻነት” ግንከኣ ብግብሪ ሰልፊ ስለላን ኮለላን ውድብ ሻዕብያ፣ብመሰረቱ ክትቀውም ከሎ ብምሃንሳት ስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤን ሞሳድን እያ። ንኢሰያስ ድማ ነቲ ዝሓንጸጽዎ ንሓደ 100 ዓመታ ክኸይድ ዝኽእል ረቂቕ ፕሮጀክት ከተግብሮ ከምዝኽእልን፣ዘይላዲ ኣቕሓ ኮይኑ ድማ ብግርሀኛ ህዝብን ተጋዳላይን ከይተለለየ ከገልግሎም ከምዝኽእል ኣንጊሆም እዮም ፈሊጦም። እዚ እዩ እቲ ረቂቕ ውዲት ጽዮናውያን ኣምብኣር። ካብዚ መጽናዕቲ’ዚ ተበጊሶም ድማ እዛ ሎሚ ንርእያ ዘሎና ጭፍራ ህግደፍ፤ኣምሆ ዘመን ግና፣ሓዳስ ኤርትራዊት ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተባሂላ ትጽዋእ ዝነበረት፣ምሃዝታን ጠፍጢፎም ዝሰንዕዋን ምሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜርካን እስራኤልን እንግሊዝን እዮም።  እቲ ቀንዲ ራእዪ ከኣ ነቲ ራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ሒዙ ዝተበገሰ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሱሩ መሰረቱ መንቊስካ፣ሓዳስ ውድብ ህግደፍ ንስሙ “ክርስትያናዊ ሓይሊ” ፈጢርካ፣ ንብረት ጽዮናውያን ዝኾነት ሓዳስ ኤርትራ ንምፍጣር እዩ። እወ፣ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ብምስጢር ዓቂቡ፣ነቲ ውድብ ብስዉር ውዲት ክመርሕ ዝኽእል ውልቀ ሰብ፣ግንከኣ ካብቶም ምስጢር ክዕቅቡን ቁጠባዊ ጸገም ዘለዎምን ዓሌት ክኸውን ከምዘለዎ፣ ማለት ካብ ማይቤት መበቈል ትግራይ ዘለዎም  ክኸውን ከምዘለዎ ደምደሙ። እዚ ዝተሓርየ ሰብ እንብኣር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነበረ። እዚ ገዲም ሰላዪ እዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኢሰያስ  ልኡኽ ጽዮናውያን ምኻኑ ክሳብ ሎሚ ኣየለልዮን ኣሎ።

ስልጠና ስላዪ ኢሰያስ ምኣስ ብኸመይን ተጀሚሩ?

ሓደ ቀደም ኣብ ኣሜሪካ ሙዚቀኛ ዝነበረ ቀንዲ ስሙ ከኣ ሚልስ ኮፕላንድ ዝተባህለ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበረ ቃኘው-ስተሽን ዝተባህለ መዓስከር ወተሃደር ኣሜሪካ፣ ስራሕ ሲ.ኣይ.ኤ. ንኽሰርሕ መዝነት ተዋሂቡዎ ነበረ። ብምስጢራዊ ስም (ኮድ ነይም) “ሪቻርድ ኮፕላን“ ተባሂሉ ከኣ፣ ኣባል ሲ.ኣይ.ኤ. ኮይኑ ትካል “ፕሮጀክት-ፈልሲ“ “ሲድ ፕላኒንቲግ (“ነርሰሪ) ፕሮጀክት“ ዝጽዋዕ ምስጢራዊ መደብ-ዕዮ ኣብ ዓላ መስረተ። ብወገን ዓላ ኣቢሉ ከኣ ምስ መራሕ ገድሊ ክራኸብ ተመዘዘ። ካብዚ ተበጊሶም ወከልቲ ስለላ-መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ. ካብቶም ኣብ “ቶፕ-ፋይፍ“ ዝብሃል ክለብ-ኣሜሪካውያን፣ ክዛናግዑ ዝመጹ ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራውያን ብፍላይ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ቀዳማዊ ሃይለስላሴን ልዑል መኮንን፣ ንስዉር ፕሮጀክት ከገልግሉ ዝኽእሉ ብረቂቕ ስለላ ክምልምሉ ጀመሩ። ሓደ ካብቶም ብ.ኣይ.. ዝተመልመሉ መንእሰያት ሓደን ቀንድን ከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነበረ። ኣብ 1965 ዓ.ም.ፈ. ኪዳነ ክፍሉ ዝተባህለ ተጋዳላይ ንውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሰሊኹ ኣትዩ፣ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ማሕበር ተመሃሮ ብዓል ኣፈወርቂ ተዅሉን (ኣምሓራይ) ካላኦት ሃርበኛታት ኤርትራውያንን ዝኣባላታ ኣቘመ። “ኪዳነ ክፍሉ ኣብቲ እዋን’ቲ ብዘይ ምኽርን ሓገዝን ስለላ መርበብ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ.)፣ ከምኡ ዘኣመሰለ ረቂቕ ስራሕ ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ፣ ንሱ’ውን ስዉር ኣጀንዳ ሲ.ኣይ.ኤ. ሒዙ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ኮይኑ ብስዉር ይሰርሕ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ“ ዝብሉ ተመራመርቲ’ውን ኣለው። እቶም ንኢሰያስ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባት ግና፣ ኢሰያስ ኣብቲ እዋን’ቲ ብሲ.ኣይ.ኤ. ከምተወደበ  ጭቡጥ መርትዖ ከምዘለዎም ይትርኹ። ኪዳነ ክፍሉ ግና ምናልባት ሲኣይኤ ኣጐልግለና ኢሎሞ ክኾኑ ይኽእል እዮም፣ ስለዚ ሃገራዊ ወደባት ስልዝኾነ ግን ሕራይ ክብሎም ኣይክእልን እዩ። ስልዚ መጎታዊ እዩ ብኢሰያስ ገሮም ከቐንጽሉዎ ዝብሉ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ምስጢር ብጭቕ የብሉ እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ፈላስፋታትን ሊቃውንትን ደቀባት ኤርትራ በብሓደ ብትእዛዝ ጎይቶት ኢሰያስ ግንከኣ ብኢድ ኢሰያስ ተቐንጽዚሎም እዮም።

እቲ “ሪቻርድ ኮፕላን“ ዝተባህለ ኣባል ሲ.ኣይ.ኤ. ካብ ቃኘው ንዓላ ኣናተመላለሰ ከኣ ትካል ፈልስታት ኣግራብ የፍልስ ነበረ። ቀንዲ ርክቡ ድማ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኽኸውን ተመዘዘ። ኣዚ ኣባል ሲ.ኣይ.ኤ. ኣሜሪካዊ’ዚ ብቀረባ ርክቡ ምስቲ ወረዳ ኣማሓዳሪ (ዲ.ኦ) ደቂ መሓረ ኣከለጕዛይ ዝነበረ ተስፋሚካኤል ግራዝማች ጆርጆ ሌላ ገበረ። ምስ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኮይኑ ከኣ፣ ንኢሰያስ ኣብ ዓላ ተላለዮ። ካብኡ ቀጺሉ ሪቻርድ ኮፕላን ተስፋሚካኤል ጆርጆን፣ ንኢሰያስ ሒዞሞ ንቃኘው-ስተሽን ምስቲ ቀንዲ ስለላ-መርበብ ሓላፊ ኣራኻቡዎ። ካብቲ ኵሉ ዝተወዓዓሉዎ ውዕላት ሓንትን ኣዝያ ኣገዳሲትን ከኣ፣ “ነዚ መዲብናዮ ዘሎና ፕሮጀክት ክትመርሖ ጥራይ ሐራይ በለና’ምበር፣ ካልእ ኩሉ ሜላን ስትራተጂን ብፍላይ ንድሕነትካን ባዕልና ኣሎናዮ፣“ በሉዎ። እቲ ንርሑቕ ዘይሓስብ ኢሰያስ ከኣ ተጠሊዑ “ሐራይ ክፍጽም’የ“ ኢሉ ንኤርትራን ህዝባን ክሒዱ ማሕላ ኣተወሎም። ሓደ ውሉድ ሓማሴናይ ወይ ኣከለጕዘታይ ወይ ሰረወታይ ወይ ድማ ወዲ ሰኒሒት ወይ ባርካ ነይሩ ኣንተዝኸውን ግና ከምዚ ዓይነት ክሕደት ንኽፍጽም ሐራይ ኣይምበለን። ነዚ ኣጽኒዖም ከኣ እዮም ሲ.ኣይ.ኤ. ነዚ መበቈሉ ትግራዋይ ተወሊዱ ዝዓበየ ግና ኣብ ሓማሴን ብውህሉልን ረቂቕን ሜላ ዝሓረዩዎ:=።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብ ውሽጢ ድሑራት መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ “ክፍልታት“ ኣስላምን ክርስትያንን ዝብል ደረቕ ዝኾነ ኣተሓሳስባታት ተኣታቲዩ ነበረ። ነዚ’ውን እቶም ተኻታተልትን ተመራመርትን ብስዉር ኢድ ባዕዳዊ ሓይሊ ከምዝነበሮ እዮም ዕቃበታትት ዝህቡሉ። እዚ እከይ ኣተሓሳስባ’ዚውን መዝመዝቲ ረኺቡ ኣናማዕበለ ተጓዕዘ። ነዚ መዝሚዞም ከኣ ኣማኸርቲ ኢሰያስ ሲ.ኣይ.ኤ “ንሕናን ዕላማናን“ እትብል መርዛም ትሕዝቶ ዝነበራ ማኒፈስቶ፣ ከም ቀንዲ ውሽጣዊት መምርሒን ፕሮፓጋንዳን ዘርግሑ። በዚ ከኣ ኢሰያስ ሰልፊ ነጻነት ዝብል ውድብ መስሪቱ፣ “ንሕናን ዕላማናን“ ዝብል መምርሒ ሒዙን፣ ወካሊ ክርስትያን ተመሲሉ ገርሀኛታት ደቂ ከበሳ ኣናወደበ ሓይሉ ከደልድል ጀመረ። ካብዚ ቀጺሉ ከኣ ከምታ ሲ.ኣይ.ኤ. ዝመደቡዋ ሃሳዪት ሰውራ ኤርትራ ፕሮጀክት፣ ንረብሓ ኤርትራ ዘይኮነ ኵናት ሓድሕድ ተወልዐ። ብዙሓት ጀጋኑን ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተመንቈሱ። ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ”ኣቱም ደቅና፣ ክልተ ኣሕዋት ኢኩም: በጃኹም ሓቢርኩምን ተዋሃሂድኩምን ጸላኢኹም ስዒርኩም ነጻነት ንህዝቡኹም ኣምጽኡ” እናበለ ኣብየት በሎም። ኢሰያስ ግና ዓማ ከይሓቐቐት ፍታሕ የለን ኢሉ ኣቕበጾም።ብፍላይ ነፍሰ-ሄር ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰላዪ ኮይኑ: ብስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ ንሜዳ ከምዝተላእከ ብግህዶ ንመራሕቲ ተ.ሓ.ኤ.ን፣ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግን ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ተኽለ ዓደን ካብ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰለመ፣ ኢሰያስን ብዙሓት ብጾቱን ኣባላት ሲ.ኣይ.ኤ. ምዃኖም ተንቲኑ ብሬድዮን ብጋዜጣን ተለቪዥንን ንህዝቢ ብወግዒ ሓቢሩ’ዩ።

ከምኡ’ውን ጀነራል ዳኒኤል መንግስቱ ዝተባህለ ሓላፊ ወጻእን ውሽጥን ስለላ-መርበብ ኢትዮጵያ ነበር፣ ብመጋቢት 2001 ዓ.ም.ፈ. ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተሓትመ መነሊክ ዝብሃል መጽሄት “ኣቶ ኢሰያስ የኛ ሰላይ ናቸው“ ክብል መስኪሩ እዩ። ኢሰያስ እምብኣር ሰላዪ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፣ “ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ“ ኣናበለ፣ ነቶም ኵሎም ምስጢሩ ዝፈልጡ ደቂ ሃገር ብዘይንሕስያ እንዳቀንጸለ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ኣሎ። ንመረዳእታ እቲ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ዘውጽኦ ምስጢር፣ ንኢሰያስ ኣዝዩ ስለዘስግኦ ከኣ፣ ብቀንጸልቲ ጕጅለ ጸጥታ 72 ህዝባዊ ግንባር ተስፋሚካኤል ጆርጆ፣ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጽሓይ ቀትሪ ብድምጺ ዘብላ ሽጉጥ ተቐንጺሉ። ተኽለ ዓደን ግና ትግራዋይ ስለዝኾነ፣ መራሒ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ዝነበረ ክንፈ ገብረመድህን፣ ንሆላንድ መሊቑ ንኽወጽእ ሓጊዙዎ። ተኽለ ዓደ’ውን ንኽቕንጸል ኣብ መደብ ኢሰያስ እዩ ነይሩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንኤርትራ ነጻ ከውጽኡ ምስ ጸላኢ ክዋደቑ ከለው፣ ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ብገርሁ ከሎ፣ ንቃልሲ ኤርትራ ዘፍሽል ምዕዶ ካብቶም ገጀፍቲ ስለላ መርበባት ዓለም: ብመጀመርያ ምስ ሲ.ኣይ.ኤ (ኣሜሪካ)፣ ቀጺሉ መርበብ እንግሊዝ ኤም5/6፣ ሞሳድ (እስራኤል) ስለላ መርበ ዓዲ ጣልያን ፐ2 ወዘተ…ብስዉር እናሰልጠነ እዩ ጸኒሑ።

ኆነሉ ዘመን ድማ፣ንመረዳእታ ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሳሕል በዅሪ ርክብ ኢሰያስ ምስ ደይሊ ሚሮር ሪፖርተር ኣላስቴር ካምፕቤል ነበረ። ኣላስቴር ካምፕቤል ንብዙሕ ዓመታት ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሃገር እንግሊዝ ቶኒ ብለይር ኮይኑ ዘገልገለ ብዓል ዓቢ ስልጣን እንግሊዛዊ’ዩ። እቶም ተኻታተልቲ ህዝባዊ ግንባር ሃርነት ኤርትራ፣ ርእይቶኦም ብዛዕባ ዝምድና ኢሰያስን ሃገር እንግሊዝን ክገልጹ ከለው:- “ኢሰያስ ድሕሪ ርክብ ምስ ኣላስቴር ካምፕቤል እዩ፣ ስለላዊ ዝምድና ምስ ስለላ መርበብ ኣንግሊዝ ዝጀመረ“ ይብሉ። ሎሚ ስለላ ዲጂታላይዝ ዝኾነሉ ዘመን፣ ኢሰያስ ቀንዲ ርክቡ ኣብ ቀጠር (Katar, Qatar)  እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብርቕ ዓዲ ዓረብ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፣ ግንከኣ መደበር ሞሳድን ሲኣይኤን፣ኤም.ኣይ.6ን ዝኾነት ሃገር እዩ ወግሐ ጸብሐ ዝመላለስ ዘሎ። ኣብ ቀጠር (Katar, Qatar)  ዓቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሲ.ኣይ.ኤ. እዩ ዘሎ። ኢሰያስ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር፣ ጸረ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ ዝዋራዘ። እቲ ሓቂ ግና ኢሰያስ ቀንዲ ልኡኽ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን: ሃገራት ኣዕራብን ንክስሊ ዝተመዘዘ ልኡኽ ሲ.ኣይ.ኤ. እዩ። ብዘይካ ውሑዳት ሙሁራትን መራሕቲ ውድባትን ግና፣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንኢሰያስ ከም ሓቀኛ ተቓላሳይን፣ ቅኑዕ መራሒ ሰውራ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከምዝኾነ ገይሩ ክሳብ ሎሚ ብግርህነት ይገና ኣምኖ ኣሎ።

ታሪኻዊ ፖሊሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሕቶ ኤርትራ

እተን ኣብ ትሕቲ ኮሎንያል ጣልያን ዝግዝኣ ዝነበራ ሃገራት፣ ኤርትራ: ሶማል ሊብያን እየን ነይረን።  ድሕሪ ስዕረት ኮሎንያል ጣልያን ግና፣ ሶማል ሊብያን ብባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነጻነተን ንኽረኽባ ተፈቒዱለን። ኤርትራ ግና ብመንጸግቲ መንግስቲ (ብቬቶ-ፓወር) ኣሜሪካ፣ ማለት ንስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ፣ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንኽትቍረን ተፈሪዳ። ንመረዳእታ፣ ኣብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ወኪል ሕቡራት ኣሜሪካ ኮይኑ ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝተጋብኣሉ መጋብኣያ: ከምዚ ክብል መርገጽ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣነጺሩ። “ንስትራተጂካዊ ረብሓና ንኽንብል፣ ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትሕወስ ወሲንና”። እዚ ፖሊሲ እዚ እዩ እምብኣር ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዕንክሊል ዘብሎ ዘሎ። ኢትዮጵያ ወደብ ስለዝሰኣነት መንግስቲ ኣሜሪካን ኣንግልዝን ደንጊጾምላ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕድል ረኺቡ፣ ቅኑዓት ወከልቲ ኣንተዝረክብ ነይሩ። ረብሓ ቀይሕ ባሕሪ ኣንተኾነ ድማ ክስብ ሎሚ ዝረብሕሉ ዘለው ኣሜሪካውያን ድኣንበር ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይኮኑን። ወራዙትን ምሁራትን ክልቲኤን ሃገራት ጕዳይ ኣንተዝህሉው ነይሮም ግና፣ ሕቶ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ብዘይ ክናት ብሰላም ምተፈትሐ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ብዓንተቦኡ፣ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይኮነስ፣ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ስለዝኾነ ጥራይ እዩ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ከይተረክቦ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ።

መዛኻኸሪ 

ሄርማን ኮሀን፣ኣብ ግዜ ጆርጅ ቡሽ ካብ 1989 – 1993  ምክትል ሓላፊ ጕዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብዛዕባ ጕዳይ ኤርትራን’ውን ኢትዮጵያን እንተኮይኑ’ውን ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ቀንዲ ተጸውዓይ ብዓል ስልጣን እዩ። ሄርማን ክሀን ድሕሪ ንጻነት ኤርትራ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ንመለስን ኢሰያስን ኣብ ለንደን ኣራኺቡ ኣብ ረብሓ እሜሪካ ዝተመርኮሰ ምስጢራዊ ውዕል ተዋዓዒሉ። ንሱ ኣብቲ ዝልዓለ ንጕዳይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝምልከት ቦርድ ኣፍ ዳይረጅተርስ ኣባል’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ጆርጅ ቡሽ ካብ 1989 – 1993  ምክትል ሓላፊ ጕዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። እቲ መዛግብትን ውዕላትን ብዛዕባ ጕዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተኮይኑ’ውን ምስኡ’ዩ ብምስጢር ተዓቂቡ ዘሎ።

ብ/ጀነራል ዳኒኤ ምንግስቱ ኣብ መንግቲ ንጉስ ሃለስላሴ፣ ሓላፊ ስለላ መርበብ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ምስ “መነሊክ” ዝተባህለ መጽሀት ቃለ-መሕታት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመደብ  ንኢሰያስ ኣፈወርቂ “ሰላዪ ኢትዮጵያ ንኽኸውን ኢና ልኢኽናዮ”። ክብል መስኪሩ።

በዅሪ ርክብ ኢሰያስ ምስ ደይሊ ሚሮር ሪፖርተር ኣላስቴር ካምፕቤል
ኣብ1985 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሳሕል በዅሪ ርክብ ኢሰያስ ምስ ደይሊ ሚሮር ሪፖርተር ኣላስቴር ካምፕቤል። ኣላስቴር ጆን ካምፕቤል ካብ ሞያ ጆርናሊስ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ቶኒ ብለየር፣ ቀጺሉ ዝልዓለ ስልጣን ዲረክቶር ርክብን ስትራተጅን  ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ሓደ ኣባል ኤምኣይ6ከኣ aዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ  18.11. 2012 ዓ.ም.ፈ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

..