fotolia_62334577.jpg

ኣጋኣዝያን-ደቀባት ምልክቶም ኣንበሳ እዩ። ህዝቢ ኣገኣዝያን ንሓደ ሽሕ ዝኣክል መሬቱን ባሕሩን ክሕሉን ክከላኸልን ዝጸንሐ ጽኑዕ ተኻላኻላይ ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ክንድ ሰጋር ፈረስ ወይ ኣንበሳ ዝገብሩው፣ በቶም ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዶጓሊ መላስ ኣውያት eይብሎም እዩ። ጭፍራ ህግደፍ ግና ጸረ መንነትን ጅግንነትን ስለዝኾኑ ከይሓፈሩ፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ሎጎ ወይ መለለዩ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣንበሳን ሰጋር ብቕሊ ወይ ፈረስ ክነሱ፣ ንእድግን ንገመልን ኣወዳዲሮም ምልክት መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ገመል ኮይና።

እብዚ ዝስዕብ ሓደ ንኡድ ወዲ ምድረባሕሪ፣ ተስፋጽዮን ዝተባህለ ኣብ መርትዖ ዝተርመርኮሰ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ነገደ-ኣጋዝያን ክገልጽ እዩ።

ብርግጽ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ካብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ዓቕሙ ዓንቀጻትን ቃለ-ምሕታትን ከምኡውን ዜናታትን፣ ነቶም ክንብቡን ኣንቢቦነም ድማ ክርድኡን ዝኽእሉ ሃገራውያን ደቂ ምድረ-ባሕሪ ከይተሓለለን፣ ቅለቱና ከይበለን፣ ክዝርግሕ ጸኒሑ እዩ። እወ እዚ መርበብ እዚ ኣብዚ ዓመተ-ምህረት 2016 እዚ፣ ዳርጋ ንኣስታት ወርሓት ደስኪሉ ከምዝወርሐ፣ እቶም ግዱሳት ደቂ ሃገር ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ይኹንምበር “ሃገር ክዝመትዶ ዓይንኻ ይዕመት ኮይኑ“ ካብ ዝብል መምርሒ፣ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብሓዲሽ ቅርጽን ዓይነታዊ ትሕዝቶን፣ ንሃገራውያን ግንከኣ ብልቦም ሃገሮም ዝፈትዉ ሓርበኛታት፣ ክሳብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠፍኡ ከይተሓለለ ኣስተምህሮኡ፣ ብጽሑፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብቪድዮን ብዩቱብን ብራድዮን ክዝርግሕ እዩ። እዛ ሎሚ ብኤርትራ ትጽዋዕ ዘላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ እትርከብን፣ ብባህርያዊ ጸጋ ድማ ዝተዓደለትን፣ ውሕድን ብመንነቱ ዝኾርዕን ናስታ 800 ዓመታት ንሃገሩ ካብ ጸላእቲ ክከላኸል ዝጸንሐን እሞ ኩሎም ጸላእቱ ድማ ዝስዓረን ጅግናን ብዓል ታሪኽን ኩሩዕን ዝኾነ ህዝቢ ዘለዋ።ግንከኣ ባዕዳውያን ክውንንዋን ክሻመውላን መታን፣ በቶም ረቀቕትን ስዉራትን ሓይልታቶም ዝተላእኩ፣ እኳድኣ ብስም ኤርትራውያን ዝጽውዑ፣ ብመሃንድሳ ስለላን ኮለላን ባዕዳውያን ዝሰልጠኑ፣ ህዝባ ዝጸንት ዘሎ ሃገር ኣጋእያን ሃገረ ምድረ-ባሕሪ እያ።
መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ብድምጺ ዝቐርብ ኣስተምህሮ AUDIO-VIDEO-YOUTUBE ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንግዱሳት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ክዝርግሕ እዩ። ሎሚ ኣምብኣር ብሓርበኛን ፈላስፋን መበል 21 ክፍለ-ዘመን ሓው ተስፋ-ጽዮን ዝቐርብ ታሪኻዊን፣ ብመርትዖ ዝተሰነየን፣ ኣዝዩ ከኣ ሃናጺ ዝኾነን ኣስተምህሮ ብቐጻሊ ክንዝርግሖ ኢና።
ቀጺሉውን ካላኦት ግዱሳት ደቂ ሃገር ካብ ልቢ ተበጊሶም ንህዝቦም እጃሞ ከበርክቱ ዝደልዩ ብዘይ ተጒላባ ብነጻ ክንዝርሓሎም ኢና። ከምትን ንባዶ 3ን ንላኡኻት ሰለልቲ ህግደፍ ዛንግዳ መርበብ ሓብሬታታ ግና ከቶ ኣይክንገብርን። ኢና። እቶም ኣናብር ኢንተርነትን፣ ኣጋፈርቲ ህግደፍን ወያነን ኮይኖም ክሳብ ዛኣርጉ፣ ኣብተን ዝዕንድሩለን ዘለዋ ግንከኣ ብወያኔን ህግደፍን ዝምወላ መርበባት ቀጺሎም ክዕንድሩ ብኣድህቦ ክንከታተሎም ኢና። ብግቡእ ድማ መልሲ ብምሃብ ክንምህሮም ኢና።
ጒጅለ ደቀባት 10.09.2016 ዓ.ም.ፈ.

ተስፋጽዮን ሓደ ካብቶም ፈላስፋታት ደቂ ምድረ-ባሕሪ እዩ። ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ስለዘለዎ እንሆ ግዜኡን ዓቕሙን ከይበቐቐ ለይትን መዕልትን፣ነቲ ጽምኢ ፍልጠት ዘለዎ ገርሀኛን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ዘለዎ ህዝቢ ኣገኣዝያን ህዝቢ ምድረ-ባሕርን ኣስተምህሮ ይህቦ ኣሎ።