ባጤራ፡ ነንሕዶም ዝመላልኡ፡ ግን ካኣ ዝተፈላለዩ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ዕዮታት ይዓዪ – (1) ከም መተዓዳደጊ (መገዛዝኢ) (medium of exchange)፣ (2) ከም መኻዕበቲ/መዋህለሊ ሃብቲ (store of value)፣ (3) ከም መገለጺ ዋጋታት/ሒሳብ (unit of account)። እዞም ዕዮታት እዚ’ም፡ ንምዕባለን ሃገርን ንማዓልታዊ ሂወት ሓደ ሕብረተ-ሰብን ደረክቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብግቡእ ክዓሞም ዝኽእል ጥዕንኡ ዝሓለወ ባጤራ ኣብታ ሃገር ክህሉ ኣለዎ። ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ ሓላፍነት ናይ ‘ማእከላይ ባንኪ’ እታ ሃገር ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ማእከላይ ባንክታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስታት እተን ሃገራት ስለዝኾና፡ እቲ ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ’ውን መንግስቲ ኢዩ ዝገብሮ። ኣብ ኤርትራ፡ ከም ማእከላይ ባንኪ ኮይና ተገልግል፡ ‘ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ’ እያ። ንሳ ካኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ/ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢያ ናቕፋ ትሓትም። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት (ከም ባዓል ኣመሪካ፣ ናይ ምዕራብ ኣውሮጳ ሃገራት፣ ወ.ዘ.ተ.)፡ እቲ ማእከላይ ባንኪ፡ ‘ነጻ ወይ ሓውሲ ነጻ’ ትካል ኮይኑ፡ ካብ ናይ መንግሲቲ ጸቕጢ ዝተላቐቐ ስለዝኸውን፡ ብናይ መንግስቲ ትእዛዝ ባጤራ ኣይሓትምን ኢዩ።

 

ኣብዚ መራኸቢ ሰነድ እዚ ጠዊቕኩም ብሰፊሑ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም