እቶም ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ባዕዳውያን ዝተመልመሉ ክሳብ ዝጠፍኡ ኩሉ ሓይሎም ስለላን ኮለላን ዝኾኑ ህግደፍ፣ በቲ ብጎይተቶም ተዳልዩ ዝቐርበሎም ረቂቕ ዓይነት ስለላ ተኸቲሎም ከይተሓለሉን፣ መልክዕን ቦታን፣ እንዳቀያየሩን፣ ንደላይ ሓርነት ዝኾነ ወዲ ሃገር ሓንጎሉ ንኸዘንብዑ፣ ክሳብ ዝጠፍኡ ገልዳሕ ክብሉ እዮም። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ፣ “ኣለና” ዝብሃል በቲ ከዳዕ ሃይለ ተኪኤ  ኣብ ፓልቶክ ብ”ሓጎስ” ዝፍለጥ እናተሰነየ፣ተቐልቂሉ ሓቂ ንኸምስል ንኢሰያስ ድሕሪ ምጽራፍ፣ ድሕሪኡ ግና መጽሓፉ ሸይጡ፣ ታስኪኑ ምስ መልአ ፣ ድሃዩ ዝቕሃመ፣ ጸኒሑውን፣ ኣብቲ መቋየቚን፣ ድምጽኻን ገጽካን ብስለላ መርበ ባዕዳውያን እትቕድሓሉን ቴክኖሎጂካዎ መርበብ ስለላ “ፓይሎት” ዝብሃል ዝብሃል ወይጦ ንገርሀኛታት ሃገራውያን ንኸዓንጅል፣ ሓጥያት ኢሰያስ ድሕሪ ምትንታን ተዓዚሩ ጠፊኡ። ትማሊ ድማ ፎሮ ዝተባህለ ወይጦ ሕቡእ ባርባራዊ ግፍዒ፣ ጭፍራ ሓለዋ ሰውራ፣ ሎሚ  ብ”ህዝባዊን ሃገራዊን ድሕነት ኤርትራ” ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ግንከኣ ህዝባዊ ህልቀት ዝዓላምኡን፣ ቀንዲ ዕዮኡን ዝኾነ፣ እናጠቐሰ፣ ነቶም ሓረድቲ ሰብ ጨካናት ኮራኺር ኢሰያስ ኣስማቶም እንዳሰመየ ክግዕር ድሕሪ ምቍቕናዩ፣ ከምቶም ካልኦት ልኡኻት ሰለይቲ ኢሰያስ ይ፣ ከም ሃፋ  በኒኑ ጠፊኡ። ቅንይ ኢሉ ድማ  ሎሚ “ወዲ-ጣባ” ዝብሃል, ስሙን ስም ኣብኡን ዝነገረ፣ ክሳብ ጉዱ ዝቕላዕ ሓቅን ሓሶትን እንዳ ኣዋቕዐ ዳርጋ ንገርሀኛታት መልእኽቱ ኣማሕላሊፉ እዩ።  ናይዚ ብሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ዝፍለጥ ወይጦ  እዚ እሞኰኸኣ ኣዝዩ ሕሉፍ እዩ፣ ሰላዪ ደርጊ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበደሎ ገበን ከለዎ፣ እቲ ካብ ደርጊ ዘይሓይሽ ግንከኣ ብዕሱብ ጽዮናውያን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ  እንደገና፣ ጸረ ህዝቢ ተልኡኾኡ ንኸሳልጥ ኣብ ክፍሊ ስለላን ኮለላን ቅንጸላን ህግደፍ ዝተኸትበ፣ ሎሚ ይኣይ ተቓላሳይ ኮይኑ  ሰንበት ሰንበት ኣብ ፓልቶክ፣ ጻዕዳ ሓሶትን ግንከኣ ሓቂ ዘለዎ ጉረማለን ወሬታት እንዳነዝሐ ዓንገረር ክብል ይሓድር ኣሎ ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ግና ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ እዚ ብ”ሙሴ ዮሃንስ” ወይ ብ “ወዲ-ጣባ“ ዝጽዋዕ ደረቈኛ ወይጦዚ፣ ዘይቍቢ ቆልዕስ ክሳዱ ይነውሕ ከምዝብሃል፣ ዳርጋ ቀልጢፉ ብሓርበኛታት ተገቲሙ ፈሺሉ ተሪፉ። ግና ዕድመ ጥራይ ይሃበና እንበር ገና ጽባሕ ብጊሓት እነኾነውን ገና ካብታ ቤት ምህርቲ ስለላን ኮለላን ቅንጸላን ህግደፍ ተመልሚሎም ዝልኣኹ ወይጦታት ከምጹ እዮም። እወ፣ ጭፍራ ህገድፍ ክሳብ ዘሎ ዕድሜኡ ከናውሕ ገልዳሕ ስለዝብል፣ ድሕሪ ምቕሃም “ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ እንተኾነውን ካልኦት ገና ብስለላን ኮለላን ቅንጸላን ዝስልጥኑ ዘለው፣ ወኻሪ ወይጦታት ሓቀኛታትት ተመሲሎም ክቀላቐሉ እዮም። ጥራይ ንሕና ኣይንገራህ፣ ኣይንተሃመልን እምበር፣ “ሃሊሉ ዝመጸካ ኣድግስ ኣኽቢድካ ጽዕኖ፣ ከምስብሃል፣ ካበይ ነቒሎም ኣበይ ክበጽሑ ከምዝደልዩ ብህጹ ኣለሊና፣ ክንምንቍሶም ክንበቅዕ ኣሎና። ይኣክል ይኣክል ኢላን ከይተገራህና ክንጸፍዖም እሎን ትጸፍእ እንኦ! ኣይንገራህ፣ እይንተሃመልl!!   (ብደቀባት ዝተዳለወ ጥብቆ ጽሑፍ)

ካብዚ ቀጺሉ ድማ ብነጸረኣብ ኣስመላሽ ዝቐረበ፣ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ምስ ሓቂ እናተለተመ ክጋለጽ ከሎ ዝብል ሓተታ ክቐርብዩሞ ብንቕሓትን ብኣድህቦን ተኻታተልዎ። ሰናይ ንባብ

ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ምስ ሓቂ እናተለተመ ክጋለጽ ከሎ ብነፀረኣብ ኣስመሊሽ 06 ሕዲር 2017 ዓ.ም.ፈ 

ኣብዚ ንነብረሉ ዘሎና ዓለም ግዜያዊ ረብሓታቶም ንምምሊእ ወይ’ውን ቁራስ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምርካብ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብሮምን ሕልንኦም ሸይጦም፣ ንመለኽቲ ስርዓታት ዜውድሱን ዘገልግሉን ምዕዛብ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ንኹለ’ቲ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዝተፈሊዘ ጨካን ገበናትን በደላት ነብሶም ኣሕሲሮም ከጸባብቑ፡ ፍጹም ሓሶትን ፈጠራን ምምሃዝ፡ ከም ዓቢ ሕልናዊ ዕረፍትን ዕለታዊ መግብን ዝወስድዎ ብዘሓት’ዮም። ኣብ ሓደ ክስተት ወይ’ውን ዓቢ ጅግንነት ዜተፈጸመለ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ከምወዓሉ ዘውርዩ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘይወዓልዎን ታሪኽ ዝቆማጥዑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍሊይ’ውን ንመለኽቲ ስርዓታት ክጣበቑ ክብሉ ነብሶም ዘሕስሩን ዘዋርዱን ምዕዛብ ሓድሽ ተመክሮ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ሃገርና ምስ ንምለስ፡ እዞም ሎሚ ድኹዒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ መንእስያትን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤቶምን ከይተረፈ ዜበጽሕ ዘሎ ጭቡጥ ዕለታዊ ጨካን ግፍዕታትን በደላትን ብምኽሓድ፡ ንመላኺ ኢሳይያስን ገባቲ ስርዓቱን ክውድሱ ዝውዕለን ዝሓድሩን ዜጋታት ናይዚ ተርእዮታት’ዚ ልሉያት መንጸብረቕታ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን። ንሎሚ ሓደ ካብኣቶም ከም ኣብነት ንወስዶ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ክኸውን’ዩ።[/button]

ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዜበሃል፡-
እዚ ሎሚ ልዕሊ ሰቡ ኣገዲሲ ሃገራውን ሓላዪ ህዝብን ክመስል፡ ነቶም ኣብ ገዛእ ንእስነቶም ንምሉእ ሂወቶምን መጻኢ ዕድሎምን ዜበጀዉ ተቓላስትን ፖሎቲካዊ ውድባትን ከነኣእስ ከይደቐሰ ዜሓድር ዘሎ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ህዜቢ ኤርትራ ቅንጣብ እጃም ዘለዎ ባእታ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ሊዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውድኡ፡ ልዕሊ ኩሉ ብግዜያዊ ረብሓታቱ ተደፋፊኡ ኣብ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተዓሲቡ፡ ኣብ ኣስመራ ካብቶም ዝልዓሉ ካድራት ኢሰፓ ኮይኑ፡ መዓንጣኡ ሽጥ ኣቢሉ ጸረ-ህዝቢ ኤርትራ ተዓጠቑ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ካብ 1991ዓ.ም.ፈ. ክሳብ መወዲእታ 1993 ዓ.ም.ፈ. ተኣሲሩ ምንባሩ መዛግብቱ ይሕብር። ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ከሎ ንኤርትራን ህዝባን ክትኽሕስ፡ መንግስቲ ኣብ ዜመደበካ ክትሰርሕ ድልው ዱኻ? ብዝብል ንዜቐረበለ ሕቶ ደጊሙ ተዓሲቡ ክሰርሕ ብቅጽበት ኣውንታዊ ምልሲ ብምሃቡ፡ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ወጺኡ 6ተ ወርሒ ዕረፍቲ ክወስድን ክሕደስን ተፈቐድለ። ብቀጥታ ድሕሪ ሕጽኖቱ ምውድኡ ንምምሳል ኣብ ኣስመራ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ስራሕ ምስኣኑን ካብ ሰብ ምንጻለን እናማረረ ንገለ እዋን ሕቡእ ስለላዊ ስርሓት እናሰረሐ ኣብ መፍርቕ 1995ዓ.ም.ፈ. ፍለይ ተወሳኺ ስልጠና ወሲደ። ኣብ ወርሒ የካቲት 1996 ዓ. ም.ፈ. ኣብ ትሕቲ ኮረኔል እምባየ ሃንስ፡ ኣብርሃለይ ክፍለን ንዋቱን ኮይኑ ብሕቡእ ስለላ ንክሰርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ተሳገረ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዜያዳ ንክእመን ሓንቲ ትግራወይቲ ዓርኪ ሒዙ፣ ኣብ ከተማ ደሴ ይቕመጥ ነይሩ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“እቲ እከይን ጨካንን መሪሕነት ህ/ግንባር /ህግደፍ/ ካብ ነጻነታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ንጹሃት ዜጋታትን ክፍጽሞ ዜጸንሐን ዘሎን፣ ኩለ-መዲያዊ ጭቡጥ ታሪኻዊ ገበናትን፣ ብድልየትን ሓራ ንምግባርን ንግሩሃት ንምትላልን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብቶም ዓው ኢሎም ዜጭድሩ ሓደ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ባእታ’ዚ ኣብ ሰደግኤ ምንባሩ ብድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ደምሓኤ ሰደግኤ ብሰንኪ ልኡል ጋይም ሂወት ብዘሓት ዛጋታት ምጥፍኡ፡ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ዜቐተሎ’ውን ንሱ ምዃኑን ዝትርኽ ኣጉል ድራማ ኣብ You Tube ወሪሑ ምህላዉ ንሰማዒ ጉድ ዘብል’ዩ። ከምቲ “ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ“ ዝበሃል ምስላ ፡ እቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ መርሕ ምህሊዉ ዜንየት ጎይትኡ ኢሳያይስ ኣብ ቃል-መሕተት ቀሪቡ ክሳብ ክንደይ ተገራጫውን ሕድሕድ ዘፋልስ መደረ ከስምዕ ዘይሓፈረስ፡ ንዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ጽውጽዋይ ምስጢራት ክኣልም ፍጹም ዘሕፍር ተግባር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ብርግጽ’ውን ቅንጣብ ሕፍረት ከይተሰመዖ ከም ሓደ ኣገዲሲ ፖሎቲካዊ ባእታን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ምስጢራት ከም ዜፈልጥን ክመስል፡ ንነብሱ ኣጋኒኑ ከቕርብ ከሎ፡ እቶም ሓቅን ሓሶትን ምፍላይ ዝሰኣኑን ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ ዝብል ጭዋ ምስሊ ኣቦታቶም ዘጥፍኡን ጸማማት ድማ፣ ንዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ከም ሓደ ጅግና ኣናወደሱ ከጣቕዕሉን ክንእድዎን ምዕዛብ ልሙድ ባህሊ ህግደፋውያን’ዩ። እምበኣርከስ እቲ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ሰብኣዊ ክብሩን ሕልንኡን እናኸሓደ፡ መንነቱ ንምሕባእን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምጥባቕን ክሳብ ክንደይ ምስ ክውንነት እናተሊተመ ብሓሶት ዜነብሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝኣክል፡ እንሆ ንድራማዊ ቃለን እቲ ዜነበረ ሓቅታትን ነቕርብ። ብቀይሕ ሕብሪ ተቐሉሙ ዘሎ ጽሑፍ ቃል ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወዲ ጣባ ምዃኑ ነረጋግጽ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ኣብ ሰደግኤ ምንባሩ ይሕብር።

ብቀዳምነት ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ይኹን መሰልቱ ሓሶትን ፈጠራን ቁም-ነገር ኮይኑ ከም ዘይፈልጥን፣ ካብ ታሪኻዊ ገበናትን በደላትን ድማ ሓራ ከውጽእ ዘይኽእልን ምዃኑ ርዱእ ክወስድ ይግባእ። ካብዚ መሰረታዊ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ኣብ ሰደግኤ ብፍጹም ኣይነበረን። ብርግጽ ግን ብድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ09 ጥሪ 1999 ዓ.ም.ፈ. ብኣይን ብዓብደላ ማሕሙድን ዜተካየደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ተሳቲፉ ምንባሩ ዘይከሓድ’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ካብቶም ተሳተፍቲ ልሉይን ውዕውዕን ክትዕ ዘካየደ ባእታ ምንባሩ ይዝከር። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ከምቲ ጎይትኡ ኢሳይያስ ሎሚ ክኽሕድ መሪጹ ድኣምበር፡ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ተበጊሱ? ኣብ ባድመ ኲናትን ወራርን ዝፈጸመ መን’ዩ? ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ብዙሕ ውዕውዕ ክትዕ ዝነበሮ ባእታ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ ምስ ፖሎቲካዊ ባህርያት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምዝማድ፡ ኩናትን ወራርን ዘበገሰ ምዃኑ፡ ካብቶም ተወሳኺ መብርሂ ዝህቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ብዘይቀላዓለም ግና ሕቶ ብሄራትን መፍትሒኡን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት መሪር ክትዕ ምክያዱ ዘይሰሓት’ዩ። ብዝኾነ ብቀጥታ እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብድሕሪ ምውድኡ፡ ሓደ ካብቶም ኣባልነት ሰደግኤ ክወስድ ሕቶታት ዜቕረቡ ምንባሩ’ውን ኣይዝንጋዕን። ኣብቲ እዋን’ቲ መሪሕነት ሰደግኤ ድሕረ-ባይትኡን ኩነታቱን ብዕምቆት ገምጊሙ ንሕቶኡ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ውዱቕ ገይርዎ።

  1. ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ድሕረ-ባይትኡ ምስ ተሓተተ፡ ኣብ ኣስመራ ሊዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ብድሕሪ ምውዲድኡ፣ ዕሱብ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብምዃን ማለት ኣብ ጽፍሒ ኢሰፓ ዝልዓለ ካድር ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲሩ ምንባሩ፡ ሰሪሑ ክበልዕን ኣብ ኤርትራ ክነብርን ብዘይምኽኣሉ ድማ ካብ ወርሒ የካቲት 1996 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዘ ኣብ ከተማ ደሴ ክቕመጥ ምጽንሑ ሓቢሩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ እዚ ባእታ’ዚ ኣብ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝልዓለ ጽፍሒ ብደረጃ ካድር ክሳብ ዜነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበናት ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ቅንጣብ ምጽራይ ከይተገብረ ኣባልነት ሰደግኤ ክወስድ ዘይከኣል ምዃኑ።

  2. እዚ ባእታ’ዚ ክሳብ ውድቀት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ዝልዓለ ጽፍሒ ኢስፓ ብደረጃ ካድር ኮይኑ ክስርሕ ክሳብ ዝጸንሐን ተኣሲሩ ብምንባሩን፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ክፍተት’ዚ መዝሚዙ ብቀጥታ ክዓስቦ ከም ዜኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ከተማ ደሴ ካብ ዝመጸሉ ግዜ ኣትሒዘ እንታይ ክገብርን ክሰርሕን? ምጽንሑ ዓሚቕ ምጽራይ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ፡ ሕጂ ምስ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምዝማድ ንሰደግኤ ከም ግዝያዊ መሕብኢ ክጥቐመሉ ከም ዜኽእል።

  3. ኣብቲ ኣኼባን ብድሕሪኡን ኣብ ሕቶ ብሄራትን መፍትሒኡን ንዘምልከት ዘተገብረ ነዊሕን ውዕውዕን ክትዓት ምሉእ ዕግበት ከሕድር ብዘይምኽኣሉ፡ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ መሰረታዊ 
 ፖሎቲካዊ ዕላማታት ሰደግኤ ምሉእ ዕግበት ከይወነነ፣ ኣባል ክኸውን ስለዘይኽእል፡ ስለዚ መሪሕነት ካብዚ ክውንነት’ዚ ተበጊሱ፡ ዘቕረቦ ሕቶ ኣባልነት ቅቡል ዘይምዃኑ ወሲኑ። ኣብ ቁጽሪ 1ን 3ተን ዜተቐመጡ ነጥብታት ብግቡእ ንዕኡ ሓቢሩ ድማ ኣፋነዎ። እዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ መንነቱ ብምዝማድ ድማ፡ እቲ ሽዑ ብመሪሕነት ሰደግኤ ዜተወስደ ውሳኔ ቅኑዕን ኣብ ቦትኡን ምንባሩ የመልክት።

    “ኣብቲ እዋን’ቲ ሰደግኤ ንግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝምልከት፡ ኣብ ባድመ ኲናት ዘበገሰን ወራር ዘካየደን መን ምዃኑ ብሩህ ፖሎቲካዊ መርገጽ ኣይነበሮን“ ይብል። ኣብዚ ጉዲይ’ዚ ራእይና ይነጸር ኢለ ብስንኪ ምሕታተይ ልኡል ጋይም ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ኣኼባ ኣሎና ብብል ምክንያት ንኣኽሊሉ ገ/ሚካኤል ዝተባህለ ብዓል ስልጣን ኣሕሊፉ ሂቡኒ“ ክብል ገሉጹ።

ሰደግኤ ንግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ኣብ ባድመ ኲናትን ወራርን ብምብጋስ፡ነቲ ንቡር ኩነታት ዜቐየረ መን ምዃኑ ሓንቲ መዓልቲ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን’ዩ። ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ድማ ምንም ዘጠራጥር ፖሎቲካዊ መርገጽ የብሉን። ብጽባሕ እቲ ኲናትን ወራርን ብሰደግኤ ዜወጸ ኣዋጃት፡ መግለጺታትን ንባዕሉ ህያው ምስክር ብምዃኑ ንምድንጋር፣ ፍጹም ዕድል ዝህብ ኣይኮነን። ሰደግኤ ንዜኾነ ሕቶ ዘቕረበ ዜጋ ኣሕሉፉ ዝህብን ዝኣስርን ፖሎቲካዊ መንነትን ባህርን የብሉን። እዚ ባህሪ’ዚ ናይቲ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ዘምልኾን ዘገልግሎን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኩለ ፈልጦን ጸሓይ ዜወቕዖን ሓቂ’ዩ።

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ካብ ኣውሮጳ ንጉባኤ ክሳተፍ ምምጽኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ልኡል ጋይምን ወዱ ዘሚካኤል ዜተባለ ኣባል ጸጥታ ኢትዮጵያን ተቐቢሎም ንመቐለ ከም ዜፋነውዎን፣ እቲ ጉባኤ ግና ካብ መቐለ ንከተማ ደሴ ተቐይሩ ተባሂሉ ከምዝኸደን ይሕብር።

ብመጀመርያ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ብዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“መሰልቱን ከምዘይልዓ ርደእ ክውሰድ ይግባእ። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንምሉእ ዘይጉዱል ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዜተቓለ ድኣ’ንበር፡ ንግዜያዊ ረብሓታቱ ክብል ምስ ባዕዲውያን ገዚእትን ልኡኻት መለኽቲ “ደቂ-ሃገር“ን ዜዕሰብ ኣይነበረን። ብዝኾነ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ብ1987 ዓ.ም.ፈ. ክቡር ሂወቱ ንምብጃው ንቃልሲ ወሲኑ፣ ማስተር ዲርግሪ ራሕሪሑ ካብ ኣሜርካ’ዩ መጺኡ። ካብ ኤውሮጳ ንጉባኤ መጺኡ ኣብ ኣዱስ ኣበባ ልኡልን ጋይምን ወዲ ዘሚካኤልን ዜተባህለ ጸጥታ ኢትዮጵያ “ተቐቢሎም ንመቐለ ኣፋንየሞ“ ዝብል ጻልጣ ሓሶትን ፈጠራን’ዩ። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ካብ 1987 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ፣ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ፈጺሙ ኣብ ዜኾነ ሃገር ገይሹ ኣይፈልጥን’ዩ። ወዲ ዘሚካኤል ዜተባህለ ኣባል ጸጥታ ኢትዮጵያ ብጋህዲ ዘየሎ ብሕልሚ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ጥራይ ዜፈልጦ ሰብ’ዩ

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኢትዮጵያ ሆቴል ዜተባህለ ኣዕሪፉ ምንባሩ ይሕብር።

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኢትዮጵያ ሆቴል ፍጹም ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ መቐለ ክልተ ግዜ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዕሱባቱን ፈተነታት ቅንጸሊ ምስተኻየደሉ፡ ምስ ገለ ብጾቱ ገዚ ተኻርዩ ካብ መወዳእታ 1995 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ደሴ እይ ነይሩ ምቕማጡ። ክቡራት ኣንበብቲ ኣብዚ መዲይ’ዚ ብትዅረት ኣስተብህሉ። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ካብ ኣስመራ ንከተማ ደሴ ዜመጸሉ እዋን ኣብ ወርሒ የካቲት 1996 ዓ.ም.ፈ.’ዩ ዜኸውን ዘሎ። ነየናይ ዕላማ? ንዝብል ኣብዚ እዋን’ዚ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ባዕሉ ግልጺ እናኾነ ይመጽእ ምህሊዉ’ዩ ዜእምት።

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ ዜተቐትለሉ እዋን ኣብ ደሴ ጉባኤ ወይ’ውን ኣኼባ ምንባሩን ልኡል ጋይም ኣብቲ ዘዕረፈለ ሆቴል ምስኡ ይበልዕን ይሰትን ምንባሩ ይሕብር።
 ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ኣብ ደሴ ዝኾነ ይኹን ኣኼባ ወይ ጉባኤ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን’ቲ ልኡል ጋይም ኣብ ደሴ ዘይኮነስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ነይሩ።

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ መንገዱ ብጸልማት ብልኡል ጋይም ምቕታሉን ሬስኡ ድማ ንግሆ ምርካቡን ይሕብር። ከምኡ’ውን ምስቲ ንጉዳይ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ዝምርምር ዝነበረ ፖሉስ

ብቀጻሉ ይራኸብ ምንባሩ ይገልጽ።ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ ብ31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.ፈ. ልክዕ ሰዓት 06.30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብጨካን ስርዓት ህግደፍ ብቀጥታዊ ትእዛዝ መተዓብይቱን መማህርቱን ዜነበረ ኮርኔል እምባየ ሃንስ ቀንጻሊ ሽደን መለስዩ’ ተቐቲሉ። ሸደን መለስ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ንምቕታል ሳልሳይ ርእሱ’ዩ ተላኢኹ ነይሩ። ፍረ-ዓስቡ ድማ ማዓርግ ኮረኔል ተሸሙ ሕጂ ድማ ኣብ ከተማ ዓሰብ ይርከብ። መስዋእቲ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ሽዑ ንሽዑ ምስኡ ብነበሩ ብጾቱ ንፖሉስ ተሓቢሩን ሬስኡ ተሊላዒሉ። ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ባዕሉ ከይሓፈረ ንስም ፍርቱና ከልዕል ካብ ደፈረ፡ ፍርቱና ሓንቲ ካብቶም ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ክቕተል ከሎ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዜነበረትን ሬስኡ ዘልዓለትን’ያ።

ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ንምቅንጻል ብውሽጢ ይኹን ብደገ መጽናዕቲ ዘካይዱን ዘተሓባበሩን፣ ብስውር ዕሱባት ምዕሳብ ኣድላዪ ምንባሩ ዘጠራጥር የብሉን። ኣብ ውሽጢ ደምሓኤ ብምስጢር ተወዱቡ ንምቕንጻል ተሓባበርን ዓቢ ተራ ዜተጻወተን ነጋሲ ደስታ ዝተባህለ ሰብ ክኸውን ከሎ፡ ሽዑ ብቀጥታ ተታሒዙ ዝኣመነን፣ ጉዳዩ ብሕጊ ዝተወድአን’ዩ። ብደገ መጽናዕቲ ዘካይድን ዝተሓባበርን ዜነበረ ኣብዙ እዋን’ዚ ደም ስዉእ ዘካርያስ ንጉሰ ስሒብዎ ዝለፋለፍ ዘሎ፡ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ምዃኑ ባዕሉ ምስክርነት ይህብ ምህላዉ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ

ዕሱብ ዮሃንስ ወዱ “ወዲ-ጣባ“ ምስቲ ንጉዳይ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ንምጽራይ ዜተመዘዘ ፖሉስ ኣብ ኣስመራ ላዕለዋይ ካድር ኢሳፓ /ደርጊ/ ከሎ ይፈልጦ ምንባሩን፣ ምስኡ ይራኸብ ከም ዜነበረን ሓቢሩ ኣሎ። ነየናይ ዕሊማ? ንዝብል ሕቶ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣበይ ገጹ ከብል’ዩ፡ ብቀንዱ ንዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ካብኡ ሓሉፉ’ውን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣገዳሲ ምንባሩ ዘይሰሓት’ዩ። ስለዚ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ምስቲ ፖሉስ መዓልታዊ ክራኸብ ግድነት ነበረ። ብዝኾነ እዚ ዕሉል ባእታ’ዚ ማንም ከይጠወቖ ኣብ ምቅንጻል ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ተሓባባሪ ምንባሩ፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ባዕሉ ክላፋለፍ ካብ መረጸ፡ ምስጋና ይግብኦ ንብል።

ደም ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ከንቱ ስለ ዘይጠፍእ ድማ ኣብ መጻኢትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክንተሓሳሰበለን ዋግኡ ክኸፍልን ምዃኑ ርዱእ ክውሰድ ጥራይ ይግባእ።

ብድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓብቲ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ቀታሊ ሓዋ ንምጽራይ፣ ካብ ስዑድያ ምምጽኣ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቲትክዮም’ዶ? ከምዝበላ፡ መንግስቲ ኤርትራ “ስውእ ዘካርያስ ከምቶም ኩሎም ዝኾረዩ ዝኾረየ ምኻኑ ንፈልጥ ኢና፣ ግን ከኣ ክንቀትሎ ዘገድድ መኽንያ የብልናን“ ከምዝበሉዎ፣ብድሕሪ ምትራኽ፣“ንመቃልስቱ ክሓትት መጺአ“ ከም ዜበለቶ ብድሕሪ’ዚ “ቀታሊ ሓውኺ ፍጹም ኣይነግሩኺን ኢዮም“ ከም ዜበላ፣ “ኣብ መጨረሻ’ውን ንኣቦ-መንበር ውድብ ልኡል ጋይም ኣራኺበያ“ ይብል። “ኣነ’ውን ምስኣ ኣትየ……..“ወዘተረፈ

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ብድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ወጻኢ ትነብር ሓብቱ ሓንቲ’ያ። ንሳ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሉዜ’ያ ትቕመጥ። ድሕሪ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣዲስ ኣበባ ኣይመጸትን። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ንኣዲስ ዱስ ኣበባ ንዘይመጸት ሓብቱ ክራኸብ ኣይኽእልን’ዩ። ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ዝቕተለን ዝተሓባበረን ብዓልቲ ቤቱ ይኹን ሓብቱ ብግቡእ ይፈልጣን’የን። ሕጂ’ውን ብተወሳኺ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ባዕሉ ይለፋለፍ ምህላው ምሕባረን፣ዘይተርፍ ምዃኑ ክሰሓት የብለን።

 ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ብፍጹም መወዲድርቲ ልኡል ጋይም ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ልኡል ጋይም ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ክቡር ሂወቱ ነቲ ውጹዕ ህዝቡ ንምብጃዉ ኣወፍዩ ንቃልሲ ዝተበገሰ ባእታ’ዩ። ጫማ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ወይ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዜልሕስ ኣይኮነን። እንቢ ንምልኪ ብምባል ብክንድ’ቲ ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ ንህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስ ኣብ ቃልሲ ይርከብ። እዚ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ጸጋታቱ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ደምሓኤ ወይ ሰደግኤ ግን ኣቦ-መንበር ኮይኑ ከም ዘይፈልጥ ማንም ዝፈልጦ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እዚ ንባዕሉ ዕሱብ ዝኾነ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ኣብ ሰደግኤ ዘይምንባሩ ዜሕብር ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። እቲ ካልእ ተወሳኺ ዘረባታት ፈጠራ ክሳብ ዜኾነ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን።

ልኡል ጋይም ንጸጥታ ኢትዮጵያ ኣሕሉፉ ዜሃቦምን ክሳብ ሕጂሃለዋቶም ዜጠፍአን ብዘሓት ምዃኖም ይሕብር።

ንሰብ ንምትላል ንዓይ ይጥዓመኒ ተመክሮ ብዝብል ክገልጾ’ውን ፈቲኑ። ልኡል ጋይም ኣሕሉፉ ዝሃቦምን ሃለዋቶም ዘጠፍኦምን ዛጋታት ብዘይምህላዎም ስም ሓደ ሰብ ከቕርብ ኣይከኣለን። ብፍጹምውን ከቕርብ ኣይኽእልን እዩ። እቲ ምስ ተመክሮይ ኣተሓሒዘ ክገልጾ፣ብምባል ዝፈጠሮ ድማ ጽውጽዋይ እዩ።

 ልኡል ጋይ ሕቶ ብምሕታት ኣሕሊፉ ዝህብን፣ ሕይወትዘጥፍእን፣ምስዝኸውን እዚ ሕጂ ድራማ፣ ዝሰርሕ ዘሎ ዕሱብ ሙሴ የውሃንስ፣“ወዲ-ጣባ“ ወዲ ዓይኒ ምዓር፣ስለዝሖነ ድዩ? ብምትሕብባር ኮለኔል እምባየ የውሃንስ፣ብመንገዲ ኬንያ ኣቢሉ ክሳብ ንኤውሮጳ ዝወጽእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ክሳብ ሕጂ ብሕይወቱ ዘሎን? ክንድዚ ዝኣክል ድራማዊ ሓሶትን፣ፈጠራን ፍጹም መግለጺ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ጅግንነትን ዘይምዃኑ፣እቶም ዘጣቕዑ በሃም ከለልዩዎ ዝተዓደሉ ኣይኮኑን።

 ገለ ፖሎቲካዊ ውድባት ጸጥታዊ ትካሊት ወይ ዕሱባት ወያኔ’ዮም ይብል።

ናይዚ መልሲ ብጣዕሚ ሓጺርን ዘየወላውልን’ዩ። ብርግጽ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ንነብሱ ብትኽክል ዘይፈልጣ ምዃኑ’ዩ ዜእምት። ዕድሚኡ ምለእ ዕሱብ ብምዃኑ፡ ንኩሉ ሰብ በቲ ባህርያቱን መነጸርን’ዩ ዝመዝኖ። እዚ ተመሊሱ ንዕኡ ዘሕፍር ታሪኻዊ በደል ክኸውን ይግባእ ነይሩ። ግን ንህዝቢ ኤርትራ ክኽሕስ ኣይተዓደለን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓጺሩ መንነት ሙሴ ዮሃንስ “ወዲ-ጣባ“ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን፣ ብሩህ ክኸውን’ዩ ዝግብኦ። እዚ ሰብ’ዚ ምስቲ ኩለ ትምህርቱን ፍልጠቱን ሰብኣዊ ክብሩን፣ ኩለ ሕልንኡን ሸይጡ፡ ምለእ ዕድሚኡ ንመለኽቲ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ባዕዲ ይኹን ደቂ-ሃገር ከገልግልን ክኽድምን ዝተበጀወ ጉሒላ’ዩ። ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ክልተ ግዜ ሞት ዜፈረደ፣ ዕሉል ገበነኛ ምዃኑ ርዱእ ክውሰድ ይግባእ። ኣብ ዘመነ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ጸረ ሃገራዊ ነጻነት፣ ኣብ ዘመነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ ጸረ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተዓሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ዕሉል ገበነኛ’ዩ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለላዊ ስርሓት ክሰርሕ ብድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኖርወይ ኣብ ክርስትያን ሳንድ ዜተባህለ ከተማ ዝቕመጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ንስለላ ህግደፍ ብዝልዓለ ጽፍሒ ዘዋፍር ዘሎ መርዛም ምዃኑ ይፍለጥ።

ብነፀረኣብ ኣስመሊሽ 06 ሕዲር 2017