ካብ ወራር ሱልጣን ኣዳል ክሳብ ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ካብ ወራር ቱርኪ ክሳብ ወራር ግብጺ፣ ድሕሪ ወራር ግብጺ ድማ ብውዲት ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ዝወሰደ መኸተ እቲ ኣልፋ ዝኾነ ህዝቢ ኣግኣዝያንን ኣምሓራን።

ወራር መሓመድ ግራኝ Gragn( the left-handed), ወይከኣ (ኣሕመድ ኢብን ኢብራሂም ኣል-ጋዚ ካብ 1506  ክሳብ 21 የካቲት (February) 1543 ዓ.ም.ፈ. ብግብጽን ቱርክን ተሓጊዙ ንኢትዮጵያ ወረረ። መሓመድ ግራኝ ንኢትዮጵያ ኣብ ምስልምና ንምእታው መንግስቲ ቱርክን ግብጽን እዮም ዕጥቅን ስንቅን መዊሎሞ፡፡  ብሓፈሻ ብደቀባት ኣገኣዝያን (ትግራዎትን ደቂ ምድረባሕሪን) ብፍላይ እኩኣድኣ በቶም ብሓርነጋሲ ኢሳቕ ዝብሃሉ ኣብ ከተማ ድባርዋ ነጊሶም ንምድረባሕሪ ዘመሓድሩ ዝነበሩ፡ ዝምርሑ ደቂ ምድረ ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኖም እዮም መላስ ኣውያት ከምዘይብሉ ዝገበሩዎ። ንሓዋሩ ከምዝጠፍእ ኮይኑ ድማ በኒኑ ተረፈ፡፡ ዕድመ ግራኝ ምስ ሓጸረ ድማ፣ ወራር ቱርኪ እዩ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ምድረባሕርን ኣብ ምስልምና እምነት ኣገዲዱ ንኸእቱ ብዙሕ ገልዳሕ ዝበለ። ግንከኣ ብፍላይ ብደቂ ኣገኣዝያን ተሰዒሩ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ዝቕሃመ። እቲ ኵናት ብሶማላውያንን ሱልጣን ዓፋርን ይባራዕ እምበር፣ እቲ ዕጥቅን ስንቅን ግና ካብቲ ኣብቲ እዋንቲ ሓያል ዝነበረ ንጉስ ቱርኪ ዖስማንን ግብጽን ነበረ። ኣብቲ እዋንቲ ንጉስ ገላውደዎስ ወዲ ንጉስ ልብነድንግል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ዘመን እዩ ዝነበረ። ኣረሜን መሓመድ ግራኝ ባዕሉ ዘጥረዮ ስንቅን ዕጥቅን ዘይኮነስ፣ ብቱርክን ግብጽን ተመዊሉ እዩ ንኢትዮጵያ ክወርር ዝፈተነ። ድሕሪ ወራር ግራኝ ወራር ሱልጣን ኣዳል ድማ ብቱርክን ግብጽን ተሓጊዙ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ካብ 1529 ክሳብ 1543 ዓ.ም.ፈ. ተቖጻጺሩ ነይሩ እዩ።
ወራር ግብጺ ድማ ንቱርኪ ተኪኡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዓሪዱ፣ ንብዙሓት ክርስትያን ዝነበሩ ደቂ ምድረ ባሕሪ ብቐስብ ኣመስሊሙዎም እዩ። ንመረዳእታ ህዝቢ ባርካ ህዝቢ ሳሕልን ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሰኒሒትን፣ ህዝቢ ሰምሃርን ደንከልን፣ ካብ ጥንቲ ክርስትና ዝነበረ ኣምነቶም ኣስላማዊ ሓይሊ ግብጽን ቱርክን፣ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኽሓደ ብሴፍ“! ኢሎም ብቐስብ እዮ ኣመስልሞሞ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽ ግና፡ ደቂ ኣግኣዝያንን ብፍላይ ደቂ ምድሪ ባሕሪ፣ ብዘይ ተጉላባ ምስልምና ንኢትዮጵያ ነኸይኣቱ ደሞምን ዓጽሞምን ከስኪሶም ክሕግዙዎም ከለው፡ ኣስላማዊ ሓይሊ ግብጽን ቱርክን ንፍርቂ ህዝቢ ክርስትያን ምድረባሕሪ (ሎሚኤርትራ) ከመስልሞ ከሎ ኣይተሓባበሩን። ንከበሳ ድኣዩ ክድይብ ዘይከኣለ እምበር ኣብ ከባቢ ደንከልን ሰምሃርን ተጸፍዩ ከሎ ግና መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ኣማዕድዮም እዮም ርኦሞ።
ወራር ቱርክን ግብጽን ነቲ ኩሉ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ምድረባሕሪ ኣዕንዮም ነቲ ኦሪታዊ ቅዱስ ሃይማኖት ድፊሮም፡ ኣቡናትን ካህናትን ድያቆናትን ቀንጺሎም፣ ንፍርቂ ክርስትያን ሃይማኖትን ዝነበሮ ህዝቢ ምድረባሕሪ፡ ብቐስብ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ቀይሮሞ እዮም። ብርግጽ ከኣ ኣስላማዊ መንግስቲ ግብጽን ኩሎም እምነት ምስልምና ዝኣምኑ ኣዕራብን፡ ብፍላይ እካድኣ እታ ሱዳን እትብሃል ጎረቤት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈት፡ ብግብጽን ቱርክን ዓባይ ብሪጣንያን ተመዊላ፡ ኣብ ዘመን ንጉስ የውሃንስ 4ይን ንጉስ ዳግማዊ መነሊክን ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ማለትዩ፡ ንኢትዮጵያ ክትወርር ነቶም ማህዲ ወይ ገላባት ዝብሃሉ ኣኽረርቲ ሽዒት ዝብሃል ምስልምና ኣዕጢቓ፡ ክሳብ ቤገምድር ክፍለሃገር (ሰሜናዊ ኢትዮጵያ) በጺሓ ማእለያ ዘይብሉ ቅዱስ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትናን ምስ ኣዕነወት፡ ብደቂ ምድረባሕርን ብኣሕዋቶም ትግራዎትን (ደቂ ኣግኣዝያን)፡ ኣብቲ ኩናት መተማ ድኣ እቲ ግብጽን ቱርክን ዓባይ ብሪጣንያን ድኣ ተደምሰሰ፡፡ እቶም ተረፍ መረፍ ድማ  እግረይ ኣውጽእኒ እንዳበሉ ንሱዳኖም ተዓዝሩ፡፡
ኣስተብህል
ኣስላማዊ ሓይሊ ቱርክን ግብጽን ሱዳንን ካብ 15 ክፍለዘመን ጀሚሮም፣ ክሳብ 19 ክፍለዘመን ነቲ ጭዋ ኦሪታዊ ባህልን ቅዱስ ሃይማኖትን ኩሩዕ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ኣግኣዝያን፡ ኣብ ምስልምና እምነት ንኽእትዉዎ ካብ 15 ክፍለዘመን ክሳብ 19 ክፍለዘመን ተራባሪቦም እዮም። ሕልሞም ኮንቱ ኮይኑ ግና ከይተዓወቱ  ድኣ ተረፉ። እቲ ቀንዲ ሕልሚ ቱርክን ግብጽን፣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሮም፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ንኽእትውዋን፣ ነቲ ካብ ኩሎም ኣፍላጋት ዓለም ዝነውሐን ዝዓበየን ፈለግ ኒል ንምቍጽጻርን፣ ነቲ ካብ ኩሎም ባሕርታት ዓለም ንላዕሊ መራኽብ ንግዲ ዓለም ዝመላለሳሉ ብሉጽ ስትራተጂካዊ ቦታ ቀይሕ ባሕር ንምውናን ጥርይ ነበረ። ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቕጽጻር እምብኣር ዘይፈተንዎ ፈተነ ኣይነበረን። እቲ ሰብ ብቀሊሉ ዘይበጽሖ ውዲት ዓባይ ብሪጣንያ እዩ። ንሱ ድማ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኮሎንያል ጣልያን ንምድረባሕሪ ክወርር መታን፡ ኣብ ንግስነት ንጉስ የውሃንስ 4ይ 1889 ዓ.ም.ፈ.ካብ ሃገር ሱዳን ተላዒሉ ንኢትይዕፕያ ክወር ዝልኣኸቶ ውዲታዊ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ እያ ዝነበረት። ሰራዊት ንጉስ የውሃንስ ኣብ ልዕሊ ገላባት ሰራዊት ማህዲ ስዒሩ ከብቅዕ ድማ፣ ንጉስ የውሃንስ ድሕሪ ዓወት መተማ ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳዶም ከምዝቑረጹ ተገብረ። ሰራዊት ማህዲ ሃዲሙ ንሱዳን ክኣቱ እንዳተሳቐየስ ይኣይ ንክሳድ ንጉስ የውሃንስ ክስይፍ (ክቆርጽ) ማለት ዘይኢትነገር እዩ። ግና እቲ ሓሶት ዝኾነ ወረ ግና ሽዑ ድኣ ንገርሀኛ ህዝቢ ንምትላል ክሳድ ንጉስ የውሃንስ ማህዲ ከምዝሰየፎ ተባሂሉ ዝተዘርግሐ። ድሕሪ ምስያፍ ንጉስ የውሃንስ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ወረረ።
ውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ
ንንጉስ ቴድትሮስ ንምስዓር ምስ ንጉስ የውሃብስ እዮም ቃልኪዳን ኣትዮም። ንንጉስ የውሃንስ ንምስዓር ድማ ምስ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክን ምስ ኣስላማዊ ሓይሊ ገላባት ወይ ሓይሊ ማህዲ እዮም ውዲታዊ ስምምዕ ገሮም። ኮሎንያል ጣልያን ግና ኣብ ዶጋሊ ብጀጋኑ ደቂ ምድረባሕርን ምስ ኣሕዋቶም ትግራዎትን ተሳዒሩ ከብቅዕ፣ በቲ ውዲት ዓባይ ብሪጣንያ ተሓጊዙ ክኣቱ እምብኣር ቅድም ነስመራ ጸኒሑ ድማ ንኢትዮጵያን ትግራይን ደፊሩ ንኽወርር ክኢሉ።
ሎሚኸ እቲ ስለላን ኮለላን ዲጂታል ኮይኑሉ ዘሎ ዘመን፣ብሓደ እዲኡ ኢትዮጳያዊት ኣብኡ ድማ ወዲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ብመሓመድ ኣል ኣሙዲ ዝፍለጥ፣ ግንከኣ 11 ቢልዮን ዶላር ዝውንን ድቓላ ሰላዪ እዩ። ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ትካላት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝውንን በደው እዩ። ብረቂቕ ሜላ ንህዝቢ ክርስትና ኣምሓራን ኣግኣዝያንን ንኸመስልም ብጽዮናውያንን ብገንዘብ ስዑዲ ዓረብን ተዋፊሩ ዘሎ ሰላዪ እዩ። ብፍላይ እኳድኣ መሳጊድ ኣስላም  ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብባጀት ስዑድያ ዘስርሕ ዘሎ መበቆል ዓረብ ዘለዎ ሰላዪ ኮይኑ, ግንከኣ ብጽዮናውያንን ዘውጽኡዎ መደብ ትሓንጊጡ ዝኽድም ዘሎ ጸረ ሃዝማኖት ክርስትና ዝኾነ ኣባል እዝሲስ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ እቲ ካብ ግራኝ ክሳብ ወራር ቱርኪ ከምኡውን ካብ ወራር ግብጺ ክሳብ ወራር ማህዲ ረብሪቡ ዘይተዓወተ ኣስላማዊ ሓይሊ ክነሱ፣ ሎሚ ከኣ ስለላን ኮለላን ዲጅታላይዝድ ዝኾነሉ መዋኣል፣ ገንዘብ ኣስኒቖም ምዕራባውያን ኣዋፊሮሞ ዘሎው ዘመናዊ ሰላዪ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፡ ኣብታ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ዘላቶ ቅዱስ ገዳም ኣኽሱም፣ መስጊድ ኣስላም ክሰርሕ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ እዚ Mehamed Al Amoudi ዝተባህለ ብስም ምስልምና ተጎልቢቡ ግንከኣ ሰላዪ ጽዮናውያን ዝኾነ ፍጥረት እዩ።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን
ቀጻሊ እዩ